ንምንታይ'ዮም ኣእዱግ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝሕረድ ዘለዉ?

ምንጪ ስእሊ, VW Pics
ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣእዱግ ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ኬንያ እናተግዓዙ ከምዝሕረዱ ተገሊጹ። ኣእዱግ፡ ምእንተ ቆርበቶም ክበሃል፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ተደላይነቶም እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።
ብፍላይ ኬንያ፡ መሕረዲ ኣእዱግ ስለዝተፈቐደ፡ በብመዓልቱ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ኣእዱግ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ይግዕዙ ምህላዎም ይዝረብ።
ካብ ቆርበት ኣድጊ እንታይ ይርከቦ?
ቆርበት ኣድጊ ተጠቑጢቑ 'ኤጅያው' (Ejiao) ዝበሃል 'ጄል' ይወጾ።
እዚ ልዑል ዋጋ ከምዘውጽእን፡ ኣብ ቻይና'ውን ልዑል ተጠላብነት ከምዘለዎ ይግለጽ።
'ኤጅያው' ብፍሉሕ ማይ ወይ'ውን ብኣልኮል ክብጽበጽ ዝኽእል ኮይኑ፡ ናብ መግብን ናብ መስተን ዝሕወስ ባእታ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል። ናይ ገጽ መመላኽዒ ንምድላው'ውን የገልግል።
"ብብዙሕ ዶላር እዩ ዝሽየጥ። ብዙሓት ሰባት ስለዝደልይዎ፡ ዋግኡ ይውስኽ እዩ ዘሎ። ጠለብ ንምምላእ ተባሂሉ፡ ብዙሓት ኣእዱግ እዮም ዝሕረድ ዘለዉ" ይብል ኣብ ኢትዮጵያ 'ዘ ዶንኪ ሳንክቹዋሪ" ናይ ዝበሃል ትካል ሓላፊ ዶ/ር ቦጂኣ ኢንዳቡ።
ዶ/ር ቦጂኣ ከምዝብሎ፡ ኣእዱግ ካብ ኢትዮጵያ ክግዕዙ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ገይሮም እዮም ይብል። እዚ ድማ፡ ኣብ ብዝሒ ኣእዱግ ናይታ ሃገር ዘሕድሮ ጽልዋ ከምዘሎ ኾይኑ፡ ብሰንኪ ምውሓድ ቁጽሪ ኣእዱግ ዝስዕብ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ቀሊል ከምዘይኮነ ይዛረብ።
'ዘ ብሮክ' ናይ ዝበሃል ንኣእዱግ ዝሕብሕብ ትካል ሓላፊ ዝኾነ ኣይተ ደስታ አረጋ ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ኣእዱግ ቀዳመይቲ ምዃና ይገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ 9 ሚልዮን ኣእዱግ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።
"ጠለብ ዕዳጋ 'ኤጅያው' ንምምላእ፡ 5.6 ሜትሪክ ቶን ቆርበት ኣእዱግ የድልይ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ብዙሓት ኣእዱግ ዘለውዋ ኢትዮጵያ ኣብ ዓይኒ ኣትያ" ይብል ኣይተ ደስታ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማታት ቢሾፍቱን ኣሰላን፡ ኣእዱግ ዝሕረዱሎም ማእከላት ተኸፊቶም'ኳ እንተነበሩ፡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ስለዝተቖጥዑ፡ ክዕጾ ክኢሉ እዩ። ኣብ ኬንያ ድማ ተኸልኪሉ ዝጸንሐ መሕረዲ ናይ ኣእዱግ ተፈቒዱ እዩ።
ኣብ ኬንያ ኣእዱግ እናተሓረዱ፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ ኣእዱግ ከምዝነከየ ይግለጽ እዩ።
"ኣብ ኬንያ ኣብ ዘለዉ ኣርባዕተ ናይ መሕረዲ ማእከላት፡ መዓልታዊ ኣስታ 1200 ኣእዱግ ይሕረዱ። ካብዚኦም፡ እቶም ኣስታት 80 ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰዱ እዮም" ይብል ኣይተ ደስታ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣእዱግ ናብ ኬንያ ዝሰግርሉ ክልተ ቀንዲ መገድታት ኣሎ። እቲ ሓደ መገዲ፡ ብወልቂጤ-ወላይታ ካብኡ ኸኣ ብዳውሮ ኣቢሉ ናብ ኬንያ ዝኣቱ እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ካብ ክልል ደቡብን ኦሮሚያን ብያቤሌ ኣቢሉ ናብ ኬንያ ዝኣቱ እዩ።
እቶም ኣእዱግ ብብዝሒ ዝግዕዝ ዘለዉ፡ ካብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ደቡብ፡ ኣምሓራን ትግራይን እዩ። ኣእዱግ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኬንያ ዘስግሩ ደላሎ፡ እናዘሩ ኣእዱግ ከምዝዕድጉ ኣይተ ደስታ ይዛረብ።
"ቅድሚ ሕዚ ዝነበረና ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ መዓልታዊ ሓደ ሽሕ ኣእዱግ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ዓዲ ከምዝወጹ እዩ" ዝብል ኣይተ ደስታ፡ እዚ ግን ነቶም ኣብ ከባቢ ዶብ ተሓሪዶም ቆርበቶም ጥራይ ዝለኣኽ ከምዘይሓውስ ይገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ኣእዱግ እናነከየ ይመጽእ ምህላዉ ዝዛረብ ኣይተ ደስታ፡ "መንግስቲ እኹል ምቁጽጻር ኣይገብርን ዘሎ" ኢሉ ይነቅፍ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







