ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ነጻ ዝወጸ ሓርማዝ

ምንጪ ስእሊ, Four Paws
ኣብ ሃገራዊ መካነ እንስሳታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ሓርማዝ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ናብ በረኻ ተመሊሱ።
እዚ ቻርሊ ዝተባህለ ሓርማዝ ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ ኣብ 1984 ካብ ሃገራዊ ፓርክ ህዋንገ ዚምባብወ እዩ ተታሒዙ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዝርከብ ቦስወል ዊልኪ ሰርከስ ተወሲዱ ስልትታት ንምፍጻም ዝተዓለመ ኰይኑ ኣብ መጀመርታ 2000 ናብ ሃገራዊ መካነ እንስሳታት እታ ሃገር ተሰጋጊሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ጕጅለታት ድሕነት እንስሳታት፡ እቲ ሓርማዝ ብሰንኪ ኣሰካፊ ጥዕናኡ ሓራ ክወጽእ ክደፍኡ ጸኒሖም እዮም።
ንመሰላት እንስሳ ዘገዳም ዝጣበቕ ትካል ኢኤምኤስ ፋውንዴሽን ብሰሉስ፡ እቲ ሓርማዝ ድሕሪ እቲ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ጕዕዞ ናብ ኣብ ኣውራጃ ሊምፖፖ ዝርከብ ሓድሽ ቤቱ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
እዚ "ታሪኻዊ ፍጻመ" ምስ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ዝርርብ ብምክያድ ከምዝዀነን፡ ድሕሪ'ቲ ኢኤምኤስ ፋውንዴሽንን መሻርኽቱን ሓራምዝ ኣብ መካነ እንስሳታት ከምዝሳቐዩ ዘርኢ ሳይንሳዊ መርትዖታት ድሕሪ ምቕራቦም'ዩ።
እቲ ሓርማዝ፡ ሞት ካልኦት ኣርባዕተ ንኣሽቱ ሓራምዝ ከም ዝረኣየ’ዩ ይንገር።
ኣብ 2019፡ እቲ ሓርማዝ ዝተሓዝኡ እንስሳታት ዘርእይዎም ዝውቱር ምልክታት ጭንቀት የርኢ ኣሎ ዝብል ስክፍታታት ተላዒሉ።
ነቲ መካነ እንስሳታት ዝመርሕ ሃገራዊ ትካል ብዙሕነት ህይወት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሓበሬታ ዝነጸጐ ኰይኑ፡ ኢኤምኤስ ፋውንዴሽን ብወገኑ እቲ ትካል ነቲ ሓበሬታ ምንጻጉ "ቅኑዕ ኣይኰነን" ኢሉ።
ሓድሽ መንበሪ እቲ ሓርማዝ 10 ሽሕ ሄክታር ዝስፍሓቱ ሕዛእቲ ኰይኑ፡ ምዕቡል ብዝሒ ንኣሽቱ ሓራምዝ ዘለዎ’ዩ።
ቻርሊ [እቲ ሓርማዝ] ብክኢላታት ሕክምና እንስሳን ባህርን ብቐረባ ክትትል ክግበረሉ እዩ።
"ሕልምና፡ ቻርሊ ብናቱ ናህሪ፡ ሓራምዝ ክዀንዎ ዘለዎም ባህሪ ምእንቲ ክላበስ ክመሃር እዩ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ምስቶም ኣብቲ መካነ እንስሳት ዝነብሩ ሓራምዝ ክወሃሃድ'ዩ" ይብል ኢኤምኤስ ፋውንዴሽን።
እቲ ሓርማዝ ናብቲ መካነ እንስሳት ንምስግጋር ኣብ ዝተገበረ ስራሕ ዝመርሐ ሓኪም እንስሳታት ዶክተር ኣሚር ከሊል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ማእሰርቲ ዝፍጸም ግህሰት ተረፍ ሳዕቤን እንተሃለዎ፡ "ኵሉ ግዜ ናይ ምሕዋይ ዕድል ኣሎ" ኢሉ።
ዶክተር ከሊል፡ እቲ ሓርማዝ ርእሱ ዝኸኣለ ንኽኸውን ቅሩብ ግዜ ክወስድ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፡ “ቻርሊ ኣብ በረኻ ከምዝተወልደ ክንርስዕ የብልናን። ዳርጋ ክልተ ዓመት ምስ ኣደኡ ብናጽነት ይነብር ነይሩ’ዩ።”
ዳይረክተር ፋውንዴሽን ኢኤምኤስ ሚሸል ፒኮቨር ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ መካነ እንስሳታት ጆሃንስበርግ እውን ሰለስተ ከምዘለዉ ገሊጻ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 25 ሽሕ ሓራምዝ በረኻ ከምዘለዋ በዓል መዚ ፓርክታት ደቡብ ኣፍሪቃ ሳንፓርክስ ሓቢሩ።
ኣፍሪቃውያን ሓራምዝ ካብ ሃደንቲ ስግኣት ዘጋጥሞም ኰይኑ በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓራምዝ ኣስናኖም ስለዝድለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይቕተሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







