ቦትስዋና 20 ሽሕ ሓራምዝ ናብ ጀርመን ከም እትልእኽ ኣጠንቂቓ

ሓራምዝ ቦትስዋና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ቦትስዋና፡ 20 ሽሕ ሓራምዝ ናብ ጀርመን ክልእኽ ምዃኑ ኣጠንቂቝ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ሚኒስትሪ ተፈጥሮ ጀርመን፡ ኣብ ምእታው ኣካላት ሓራምዝ ዝያዳ ጽኑዕ ገደብ ክግበር ከምዘለዎ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ቦትስዋና ሞክዌትሲ ማሲሲ ንማዕከናት ዜና ጀርመን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ንቦትስዋናውያን ከድክዮም ጥራይ’ዩ ዝኽእል ኢሉ።

ብሳላ ጻዕርታት ዕቃበ ቍጽሪ ሓራምዝ ቦትስዋና ኣዐርዩ ከምዝወሰኸ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፡ ምቍጽጻር ሃድን ከምዝሓገዘን ገሊጹ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣስዒቡ "በቲ እትብለና ዘለኻ ኣገባብ መሰረት ጀርመናውያን ምስቶም እንስሳታት ብሓባር ክነብሩ ኣለዎም" ክብል ንጀርመናዊት ጋዜጣ ቢልድ ተዛሪቡ።

ቦትስዋና ኣስታት ሲሶ ካብ ብዝሒ ሓራምዝ ዓለም ማለት’ውን ልዕሊ 130 ሽሕ ዝነብሩላ እያ።

ዕስለ ሓርማዝ ኣብ ንብረት ጉድኣት የውርዱ፤ ኣእካል ይበልዑን ነበርቲ ይረግጹን ከምዝነበሩ እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ።

ቦትስዋና ቅድሚ ሕጂ ንኸም በዓል ኣንጎላ ዝኣመሰላ ሃገራት 8 ሽሕ ሓራምዝ ሂባ፤ ንሞዛምቢክ ድማ ተወሳኺ ኣማኢት ሓራምዝ ኣቕሪባ ነይራ፤ እዚ ድማ ብዝሒ ሓራምዝ እታ ሃገር ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።

ሚስተር ማሲሲ፡ "ከምዚ ዝበለ ህያብ ንጀርመን ከነቕርብ ንደሊ"ዝበለ ሚስተር ማሲሲ፡ ዋዛ ከምዘይኰነን ኣይፋል ከም መልሲ ከምዘይወስድን ገሊጹ።

ቦትስዋና ኣብ 2014፡ ንስኒ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣካላትን ዝግበር ሃድን ሓራምዝ ኣጊዳ እኳ እንተነበረት፡ ካብ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ብዝተገብረ ጸቕጢ ግን ኣብ 2019 ነቲ እገዳ ኣልዒላቶ።

ጀርመን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ እታ ዝዓበየት ስኒ ሓርማዝ ካብ ኣፍሪቃ ኣተእቱ፡ ብሓፈሻ ድማ ዝተሃደኑ ሓራምዝ ዘእተወት ሃገር ምዃና ኣብ 2021 ሂዩማን ሶሳይቲ ኢንተርናሽናል ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ኣከባቢ ኣብ በርሊን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ቦትስዋና ኣብዚ ጉዳይ ምስ ጀርመን ዝኾነ ስክፍታ ከምዘየልዓለት ገሊጻ።

ንሳ፡ "ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ስኒን ኣካላትን ሓርማዝ ዘላቕን ሕጋውን ንኽኸውን ኵሉ ክንገብር ፍሉይ ሓላፍነት ኣሎና" ኢላ።

ኣውስትራልያ፡ ፈረንሳይን ቤልጅየምን ካብተን ንግዲ ሓራምዝ ዝኣገዳ ሃገራት እየን።