ምስጢር ሞት ልዕሊ 300 ሓራምዝ ቦትስዋና ተፈሊጡ

ኣብ ዙርያ ማይ ዝሞቱ ሓራምዝ

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED

ኣብዚ ዓመት መንቀሊኡ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ሞይቶም ዝተባሃሉ 330 ሓራምዝ ብሲያኖባክተርያ ኣብ ማይ ብዝተፈጠረ መርዛም ነገር(ቶክሲን) ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡

እቲ መርዛም ባክቴርያ ብተፈጥሮ ኣብ ዕቋር ማይ ዝፍጠር ኮይኑ ሓልሐሊፉ ድማ ናብ ብሉ ግሪን ኣልጌ ዝበሃል ሳባ ማይ ዝዓቢ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ሰብ ሞያ እንስሳት ዘገዳም ንሮይተርስ ሓቢሮም፡፡

እቲ ኣብ ደለል ኦኮቫንጎ ዘጋጠመ ክስተት ንካልኦት እንስሳት ዘይምቕታሉ፡ ንሰብ ሞያ ሓለዋ እንስሳት ሓካይምን ግር ዘበለ ጉዳይ እዩ፡፡

ዝሞተ ሓርማዝ

ምንጪ ስእሊ, SUPPLIED

ላዕለዋይ በዓልሞያ ጥዕና እንስሳት ምማዲ ሩበን ‘‘መትኒ ዝምርዝ ሲያኖ ባክተርያ ምኽንያት ሞት’’ እቶም ሓራምዝ ከምዝኾነ ዝተገበረ ምርመራ ከምዘርእየ ገሊጹ፡፡

‘‘ኣብ ማይ ዝርከቡ ባክተርያታት እዮም፡፡ እንተኾነ ከም ንምንታይ ሓራምዝ ጥራይ ሞይቶም፡ ንምንታይ ኣብዚ ከባቢ ጥራሕ ዝብሉ ዛጊድ ዘይተመለሱ ሕቶታትን ግን ኣለዉና’’ ዝበለ ምማዲ ሩበን፡ ብዙሓት ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሉዎም ክልስ ሓሳባት ይምርምሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ፡፡

ምክትል ዳይሬክተር ክፍሊ እንስሳ ዘገዳምን ብሄራዊ ፓርክን ሲሪል ታኦሎ ድማ ቁጽሪ ዝሞቱ ሓራምዝ ኣብ ኣብ ሓምለ ካብ ዝነበረ 281 ናብ 330 ከምዝዓበየ ገሊጹ፡፡

ቦትስዋና ሲሶ ሓራምዝ ኣፍሪቃ ዝርከቡላ ሃገር እያ፡፡