ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ስኒ ሓርማዝ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝለዓለ ኩነታት ምውሳኹ ፀብፃባት ሓቢሮም

ሓርማዝ - ኮንጎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዘይሕጋዊ ሃድን ንምቁፅፀር ብደረጃ ዓለም ብዝተገበረ ፃዕሪ ገለ ውፅኢትት ክምዝገቡ ምኽኣሎም ይሕበር

ኣብ ኣፍሪካ ዝፍፀም ዘይሕጋዊ ሃድን እንተነከየ'ኳ፡ ብደረጃ ዓለም ዝፍፀም ዘይሕጋዊ ዝውውር ስኒ ሓርማዝ ግን፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝወሰኸ ፀብፃብ ዓለማዊ ስምምዕ ንግዲ ኣብ ምፅናት ዝርከቡ እንስሳት ኣመልኪቱ።

ኣስታት 40 ቶን ስኒ ሓራምዝ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክንቀሳቐስ ተታሒዙ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት 111,000 ሓራምዝ ኣፍሪቃ ብዘይሕጋዊ ሃድን እንትቕተሉ፡ ሕዚ ግን ምምሕያሽ ኣሎ።

እዚ ዜና ንዓለማዊ ስምምዕ ንግዲ ኣብ ምፅናት ዝርከቡ እንስሳት ዘቕሰነ ክኸውን ኪኢሉ'ሎ።

"ብዝተወደበ ኣገባብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለማዊ ፃዕሪ ውፅኢት ክረኣዮ ጀሚሩ። ኣብቲ ዝድለ ግን ገና ኣይበፃሕናን ዘለና" ኢሎም ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል፡ ጆን ስካሎን።

እቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዘሎ ልዑል ወሰኽ፡ ግንዛበ ክዓቢ ብምግባርን ሕጋዊ ስጉምትታት ብምውሳድን ክንኪ ከምዝኽእል ዝወጽአ ፀብፃብ ይሕብር።

ልዑል ወሰኽ ክረአ ዝኸኣለ፡ ናብ እስያ ሰደድ ካብ ምግባር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝዳሎ በናጅራትን ኣብ ክሳድ ዝንጥልጠሉ መጋየጽን እናወሰኹ ብምምፅኦም እዩ።

ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሑ ቅርፃታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣፍሪቃ ስኒ ሓርማዝ ናብ በናጅርን ኣብ ክሳድ ዝንጥልጠሉ መጋየጾታት ናይ ምቕያር ልምዲ እናወሰኸ መፂኡ

ስካሎን ከምዝብልዎ፡ ዘይሕጋዊ ሃድን ኣብ ዝካየደሉ ምብራቕ ኣፍሪካ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ፅቡቕ ምምሕያሽ ተራእዩ'ዩ።

"ካብ 2011 ንደሓር፡ ዘይሕጋዊ ሃድን ብቐፃልነት ነክዩ እዩ። ኣብ 2016 ዝተገበረ ገምጋም፡ እቲ ተግባር ኣብ 2008 ካብ ዝነበሮ ከምዝነከየ መደምደምታ ሂቡ" ኢሎም።

ቦትስዋና፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ናሚብያን ብዝሓሸ ኩነታት እንትግለፃ፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ግን "ኣዝዩ ዘሰንብድ ቁፅሪ ቅትለት ሓራምዝ" ከምዝተፈፀመ ይግለፅ።