ብሉጻት ሃገራትን ከተማታትን ዓለም፤ ኢትዮጵያን ኤርትራንከ?

እታ ቀዳመይቲ ሃገር ኵሉ ነገር ኣለዋ - 'ዘ ቴሌግራፍ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ቀዳመይቲ ሃገር ኵሉ ነገር ኣለዋ - 'ዘ ቴሌግራፍ'

‘ዘ ቴሌግራፍ’ ዝተበሃለ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል መራኸቢ ብዙሃን፡ ኣብ 2023 ኣብ ዓለምና ብሉጻት ዝተበሃላ ሃገራትን ከተማታትን ዝርዝር ኣቃሊሑ።

‘ዘ ቴሌግራፍ’ ካብ 1998 ጀሚሩ ኣብ ከም ፍሉያት ቦታታት፡ ከተማታት፡ መንገዲ ኣየር፡ ኩባንያታት ጕዕዞን ዝኣመሰሉ ብርክት ምድባት ዓመታዊ ውድድር ከካይድ ጸኒሑ እዩ።

ብመሰረት ርእይቶን ፍርድን ኣንበብቲ ድማ ተፈተውቲ ወይ ብሉጻት ዝበሎም ዝተፈላለዩ ምድባት የቃልሕ።

ብፍላይ ብሉጻት ሃገራት ዓለም ኣመልኪቱ ዘካይዶ ውድድር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድን ካልኦት ብድሆታትን ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ተቛሪጹ ጸኒሑ ነይሩ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግን ኣብ 2023 እዚ ስነስርዓት ሽልማት ዳግማይ ክካየድ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ውድድር ዳርጋ 30 ሽሕ ኣንበብቲ ድምጾም ከም ዝሃቡ እቲ ትካል ይሕብር።

ብመሰረት ድምጺ ኣንበብቲ፡ ኣብ ዓለም ተፈተውቲ ወይ ንበጻሕቲ ብሉጻት ዝዀና ሃገራትን ከተማታትን ኣቃሊሑ ኣሎ።

ንምዃኑ እተን ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ዝተሰርዓ ሃገራትን ከተማታትን እንመን እየን? ኢትዮጵያን ኤርትራንከ እንታይ ደረጃ ረኺበን?

እንስሳታት ዘገዳም ዝርከብዎም ሃገራዊ ክሊ መናፈሻታት ገለ ካብቶም ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ዘኽኣሉ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እንስሳታት ዘገዳም ዝርከብዎም ሃገራዊ ክሊ መናፈሻታት ገለ ካብቶም ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ዘኽኣሉ እዮም

ኣብዚ ምድብ፡ ቅድሚ ሕጂ ተፈተውቲ ዝነበራ ሃገራት፡ ካብ ደረጃ ዝወጻሉ ከምኡ’ውን ሓደስቲ ሃገራት ብሉጻት ዝተበሃላሉ ውጽኢት ከም ዝተረኣየ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።

ንኣብነት፡ ኣብ 2019 ራብዓይቲ ዝነበረት ቡታን፡ ኣብዚ ዓመት እኹል ድምጺ ብዘይምርካባ ዝዀነ ደረጃ ክትረክብ ኣይከኣለትን።

ብኻልእ መዳይ፡ ካብተን ብሉጻት ዝተበሃላ ሃገራት በሊጻ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት ደቡብ ኣፍሪቃ እያ።

ብመሰረት እቲ ውጽኢት፡ ካብተን ካብ 1ይ ክሳብ 10ይ ዝተሰርዓ ሃገራት እተን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻደ ውድድር ቀዳመይቲ ተሰሪዓ ዝነበረት ኒውዚላንድ፡ ደረጃኣ ንደቡብ ኣፍሪቃ ምርካባ ዘገርም ኣይኰነን።

እዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ 2017 መበል 3ይ፡ ኣብ 2018 ድማ መበል 2ይ ደረጃ ረኺባ ነይራ።

ዘስደምም ምድሪ፡ ጐዳጉድን ሰንሰለት ኣኽራንን ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ እንስሳታት ዘገዳም ዝርከብዎም ሃገራዊ ክሊ መናፈሻታትን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ኣኽኢልዋ ኣሎ።

ዓወት ደቡብ ኣፍሪቃ በዚ ከይተገደበ፡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኬፕ ታውን እውን ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተፈተውቲ ከተማታት ቀዳመይቲ ደረጃ ክትረክብ ክኢላ እያ።

ማሳይ ማራ ብእንስሳ ዘገዳም ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ቦታታት ኮይኑ ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማሳይ ማራ ብእንስሳ ዘገዳም ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ቦታታት ኰይኑ ይቕጽል

ኬንያ፡ ካልእ ኣብዚ ደረጃ ዝተሰርዐት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ኣብ መበል 7ይ ደረጃ እትርከብ ኬንያ ብፍላይ ብእንስሳ ዘገዳም ኣዝያ ተፈታዊት ኣፍሪቃዊት መዓልቦ ምዃና ኣየጠራጥርን።

ኣብ 2013 ታሽዓይ ዝነበረት እዛ ሃገር ኣብ 2014 ናብ መበል 22 ወሪዳ ነይራ። ኣብ 2018 መበል 10ይ፡ ኣብ 2019 ድማ መበል 21 ተሰሪዓ ነይራ።

ማሳይ ማራ ብእንስሳ ዘገዳም ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ቦታታት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከቡ መዘናግዒ ቦታታት እውን ጽሬት ተመሓይሹ እዩ።

ቦትስዋና እታ ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ከላ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ትርከብ።

እዚ ንሻብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ሓንቲ ካብተን 10 ኣንበብቲ ዝፈትውወን ሃገራት ተባሂላ ክትስመ ክኢላ ኣላ።

እንተዀነ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበራ ደረጃ ብኣርባዕተ ወሪዳ እያ ኣብ መበል ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ደልታ ኦካቫንጎ ሓደ ካብቶም ኣብ ፕላነትና ዝፍለጡ ጥልቁይ መሬታት እዩ፤ ከም ነብሪ፡ ሓርገጽ፡ ኣህባይን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ እንስሳ ዘገዳም’ውን ዝርከብዎ ዞባ እዩ።

እተን ክሳብ 10 ደረጃ ዝረኸባ ብሉጻት ሃገራት ድማ ኒውዚላንድ 2ይቲ፡ ማልዳይቭስ 3ይቲ፡ ጃፓን 4ይቲ፡ ኣውስትራልያ 5ይቲ፡ ኢጣልያ 6ይቲ፡ ህንዲ 8ይቲን ኮስታሪካ 9ይቲን እየን።

ቦትስዋና ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ክብርን ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ

ምንጪ ስእሊ, ANNA SOBOTKA

መግለጺ ስእሊ, ቦትስዋና ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ክብርን ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ

ኣብ ምድብ ብሉጻት ከተማታት’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት ርእሰ ከተማ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ - ኬፕ ታውን። ቬኒስ፡ ሲቪል፡ ቫንኮቨር፡ ሮም፡ ፍሎረንስ፡ ሪዮ ዲ ጃኔሮ፡ ሲድኒ፡ ክኦቶን ዳብሮቭኒክን ድማ ካብ 2ይ ክሳብ 10ይ ደረጃ ተዋሂብወን።

ብሓፈሻ ብሉጻት ሃገራት ተባሂለን ብ ዘ ቴሌግራፍ ዝተዘርዘራ ሃገራት 139 ክዀና እንከለዋ፡ ናምቢያ፡ ታንዛንያ፡ ዛምብያ፡ ዚምባብወ፡ ሞሮኮ፡ ግብጺን ኬፕ ቨርደን ኣብዚ ዝርዝር ዝኣተዋ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ደረጃ ሰንጠረዥ ኣትየን ዝነበራ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ደረጀአን ክዕቀባ ኣይከኣላን።

ሓንቲ ካብዚአን ኢትዮጵያ እያ። ኣብ 2019 ኣብ መበል 55 ተሰሪዓ ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ እተን ኣብዚ ዓመት ዝተመረጻ 139 ሃገራት ክትጠቓለል ኣይከኣለትን።

ኤርትራ ድማ እቲ ውድድር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ እተን ብሉጻት ሃገራት ከይተዘርዘረት ትቕጽል ኣላ።

ኣንበብቲ ሓንቲ ሃገር ንበጻሕቲ እትምችእ ድያ ኣይኰነትን ኢሎም ድምጺ ንምሃብ፡ ከም ከባብያዊ ውሕስነት፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ቁጠባዊ ዓቕሚን ኣማራጺታት መጓዓዝያን ዝኣመሰሉ ቀንዲ ረቛሒታት ከም ዝጥቀሙ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኢትዮጵያን ኤርትራ ኣብዚ ዝርዝር ክኣትዋ ዘይምኽኣለን ምናልባት ዘገርም ኣይኰነን።