ኢጣልያዊት ከተማ ቬኒስ ንከይትጥሕል ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ

ምንጪ ስእሊ, F.Bienewald/Getty Images
እታ "ላሰረኒሲማ" (ዝያዳ ህድእቲ) ዝብል ሳጓ ትጽዋዕ ቬኒስ ብማይ ዝመልአት፡ ተደንጹ ግርምቢጥ ከተማ እያ።
ኣብ ልዕሊ 120 ደሴታት ዝተሃንጸት ኰይና 177 መትረባት፣ 391 ድልድላት፣ ቤተ-መዘክራትን ንዘመናት ዝጸንሑ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣለዋ።
ቬኒስ ብበጻሕቲ ዓዲ ዘዕለቐለቐት እያ፤ ቁጽሪ ነበርታ ድማ ብቀጻሊ እናቐነሰ ይርከብ።
ግን ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸድ ዘሎ ጽፍሒ ባሕሪን እናጠሓለ ዘሎ መሰረታን ኣብ ሓያል ሓደጋ ትርከብ።
ጽኑዕ ስጉምትታት እንተዘይተወሲዶም ድማ፡ ብዘይምግናን ሒደት ዕድመ ይቐርያ።
እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ፡ ድሕሪ ኣስታት 80 ዓመት ክትጥሕል ትኽእል’ያ።
ቬኒስ፡ ኣብ 1966 ዘጋጠማ ዝኸፍአ ውሕጅ 1.94 ሜትር ጥልቀት ዝነበሮ ክኸውን ከሎ፡ ብውሑዱ 75 ሚእታዊ ድኳናት፣ ትካላትንግድን ስቱድዮታትን ብኸቢድ ከምዝሃሰየ ይግመት።
እቲ ኣብ ሕዳር 2019 ዘጋጠማ ካልኣይ ዝኸፍአ ውሕጅ፡ ኣስታት 1.87 ሜትር ጥልቀት ነይርዎ።
ልዕሊ 80 ሚእታዊ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ማይ ከምዝኣተወን፡ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕንወት ከምዘጋጠመን ይግለጽ።
እዞም ክልተ ፍጻመታት ናይ ልዕሊ 50 ዓመት ኣፈላላይ ኣለዎም። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ኣንፈታት ግና ካልእ ኣሰቃቒ ውሕጅ ንምርኣይ ፍርቂ ዘመን ክንጽበ ከምዘየድሊ ይሕብሩ።
ካብ 1923 ኣትሒዙ ደረጃ እቲ ማይ ኣብ 10 ኣጋጣምታት ልዕሊ 1.50 ሜትር በጺሑ ነይሩ። ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ዝተመዝገቡ እዮም።
እዚ ድማ ቀጻሊ ይመስል።
ዓለማዊ ሙቐት ትሕቲ ክልተ ዲግሪ ሴልሲየስ ጥራይ እንተወሲኹ፡ ፀፍሒ ባሕሪ ቬኒስ ኣብ 2100 ዓ.ም ብ0.32 ሜትር ከምዝውስኽ፡ ናይ 2021 ጸብጻብ የመልክት።
ምስ ምቕላጥ በረድ ተኣሳሲሩ፡ ብ ኣርባተ ዲግሪ ሴልሲየስ እንተወሲኹ ግና፡ ጽፍሒ ባሕሪ እታ ከተማ 1.80 ሜትር ክበጽሕ ይኽእል’ዩ።
"ብሰንኪ ቀጻሊ ምቕላጥ በረድ ኣንታርክቲክን ግሪንላንድን... ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተታት ዓመታት ፀፍሒ ባሕሪ ከምዝውስኽ ርግጸኛታት ኢና" ትብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ከባብያዊ ለውጢ ናታሻ ባርሎው።

ምንጪ ስእሊ, M.Medina/Getty Images
እቲ ካብዚ ዝገድድ ግና፡ ቬኒስ ባዕላ ትጥሕል ኣላ።
መሰረታት ህንጻታት ቬኒስ ስርዓት ኵምራታት ተጠቒሞም ዝተሃንጹ ከምዝኾኑ ስቶን ትሕብር።
ንሳ፡ ነዋሕቲ ዕንጨይቲ ናብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ልሕሉሕ ጭቃ ብቐጥታ ተደፊኦም እዮም ኣትዮም።
እቲ ጽኑዕ መሰረት ከውሒ ካብቲ ጭቃ ኣዝዩ ታሕቲ ስለ ዝኾነ፡ እቶም መሰረታት ናብቲ ዝያዳ ጥንክር ዝበለ፡ ግን ከኣ ቁሩብ ተቓላዓይነት ዘለዎ ዝተጸቕጠ ጭቃ ይደፍኡ ከምዘለዉ ትገልጽ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ዘይርጉእ መሰረት ዝተሃንጹ ብዙሓት ህንጻታት፡ ኣብ ውሽጢ ዘመናት ኣቀማምጣኦም ይቕይሩን ብዙሓት ድማ ይጥሕሉን ኣለዉ።
እቲ ጽልዋ ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ዝተገብረ ታሪኻዊ ምውጻእ ማይ ትሕቲ ምድሪ ስለዝተጋደደ ቬኒስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ቀስ ብቀስ ኣስታት 0.15 ሜትር ጥሒላ እያ።
ነዚ ዝከላኸል ቀሊል ፍታሕ ግና የለን።
"እቲ ረቂቕ ምንቅስቓስ ኣድላዪ ኣካል ናይቲ መዋቕራዊ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ኣብቲ መሰረታት ብዙሕ ኮንክሪት ምግባር፡ ዋላ ሓንቲ ካብ ዘይምግባር ዝዛየድ ዕንወት ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ" ትብል፡ ስቶን።
መብዛሕትኦም ውቁብ ህንጻታት ቬኒስ ከይተጎድኡ ዳግማይ ምጽጋን እውን ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ወሲኻ ትገልጽ።
ቬኒስ ግና፡ ካብቶም ዝቐርቡ ተግባራዊ ሓሳባት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝዛዘም ፕሮጀክት ሞስ (ፈተነ ኤሌክትሮሜካኒካዊ ኣሃዱ) መሪጻ’ላ።
እዚ ፕሮጄክት፡ ነፍሲ ወከፎም 20 ሜትር ስፍሓት ዘለዎምን መራኽብ ከእትዉ ዝኽእሉን፡ 78 ተንቀሳቐስቲ ኣፍደገታት ኣብ ወሰንቲ ቦታታት ብምትካል መከላኸሊ ምፍጣር እዩ።
እቶም መከላኸሊታት ኣብ እዋን ህድኣት ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ደረጃ ማይ 1.10 ሜትር እንተበጺሑ ግና ንላዕሊ ወጺኦም ዝኣቱ ውሕጅ ከምዝዓግቱ ነቲ ስርዓት ዝሃንጽ ኩባንያ ዝመርሕ ኮንሶርዚዮ ቬነዝያኑቫ ይገልጽ።
እዚ፡ ዓበይቲ ፍጻመታት ውሕጅ ከምዝቕንስ ተስፋ ተገይሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, G.Cosua/Getty Images
ምዕባለ ፕሮጀክት ሞስ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ 1992 ካብ ዝሕሰብ ኣትሒዙ ምድንጓያትን ልዑል ወጻእታትን ተጻዊሩ እዩ።
ኣብ 2003 ህንጸት ክጅመር ከሎ፡ ክሳብ 2011 ክዛዘም ተሓሲቡ ነይሩ። ኣብ ክውንነት ግና እቲ ፕሮጀክት ንመጀመርታ ግዘ ኣብ 2020 ጥራይ እዩ ተንቀሳቒሱ። ሎሚ እውን እንተኾነ፡ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስራሕ ኣይወዓለን። ክሳብ መወዳእታ 2023 ከምዝዛም ትጽቢት ይግበር።
እዚ መጀመርታ 4.7 ቢልዮን ዶላር ባጀት ዝተመደበሉ ፕሮጀክት፡ ክሳብ ኣስታት 8 ቢልዮን ዶላር ክውድእ ከምዝኽእል ይግለጽ።
ነቲ መከላኸሊ ኣብ ምጥቃም እውን ዓብይ ፋይናንሳዊ ጾር ኣሎ። ናብ ልዕሊ ማይ ኣብ ዝወጸሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን 323,000 ዶላር ከውጽእ ከምዝኽእል ኮንሶርዚዮ ይሕብር።
ኣብ ኢንስቲትዩት ፖሊቴክኒክ ዎርቸስተር ፕሮፌሰር ዝኾነን ፋብዮ ካሬራ፡ ነቶም ኣፍደገታት ብተደጋጋሚ ምዕጻው ጸገም ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጽ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ መከላኸሊ ብተደጋጋሚ እንተተላዒሉ፡ ረሳሕ ፈሳሲ ኣብቲ ላጉን ተዓጽዩ ነቲ ስነ-ህይወት እቲ ከባቢ ከዕንዎ ይኽእል’ዩ።
"[ፕሮጄክት] ሞስ ምናልባት ን100 ዓመት ዝኸውን ክሰርሕ'ዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ሆላንዳዊ ኣገባብ ዘለዎ ፍታሕ ግድን ከድሊ'ዩ ዝብል ግምትኣለኒ" ይብል ካሬራ።
ሆላንዳዊ ኣገባብ ኣብቲ ካብ 1997 ጀሚሩ ኣብ ሆላንድ ክሰርሕ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ዴልታ ዝተተግበረ ፕላን ዘጠቓልል እዩ።
እቲ 13 ግድባት፡ ብርክት ዝበሉ ዓገትቲ ማይ፡ ኣፍ ደገታት ወሓዚን ዲጋታትን ዝሓቖፈ ዓብይ ስርዓተ ምሕደራ ውሕጅ ኣዝዩ ኣድማዒ ስለዝኾነ፡ እቲ ዞባ ከዕለቕልቕ ዝኽእል ኣብ 4000 ዓመት ሓደ ግዘ ጥራይ እዩ።
ተመሳሳሊ ህንጸት፡ ኣብ ቬኒስ ዘጋጥም ሓደጋ ውሕጅ ክንክይ ይኽእል’ዩ፡ እንተኾነ ቅልጡፍ መፍትሒ ከም ዘይኮነ ፕሮፌሰር ካሬራ ይኣምን።
ፕሮጀክት ዴልታ ንምእማኑ ዘጸግም ዝተሓላለኸን እዩ፤ ንክዛዘም ዳርጋ 50 ዓመታትን ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላርን ወዲኡ’ዩ።
"[ፕሮጀክት] ሞስ ንክሰርሕ 40 ዓመታት ከም ዝወሰደ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመጻኢ ኣርሒቐና ክንሓስብ ክንጅምር...ናይ መወዳእታ ፍታሓት ክንደሊ ኣለና" ይብል ካሬራ።

ምንጪ ስእሊ, A.Pattaro/Getty Images
ቬኒስ ዘጋጥማ ጸገም ግና ምውሳኽ ባሕርን ውሕጅን ጥራይ ኣይኰነን።
ማይ፡ ቀንዲ መስሕብን ኣዝዩ ሓያል ጸላእን ቬኒስ እዩ። ብማይ ዝተኸበበትን ኣብ ልዕሊ ማይ ዝተሃንጸትን ከተማ እያ። እዚ ፍሉይ ባህሪ እዚ፡ ንወደብ ምቹው ይገብራ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዓመታዊ በጻሕቱ ኣብ ምስሓብ’ውን ቁልፊ ተራ ኣለዎ።
ብመንጽር ምዕቃብ እታ ከተማን ከባብያዊ ስነ-ህይወታን ግና፡ እዚ ካብ ምቹውነት ዝረሓቐ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ በጻሕቲ ዘመላልሳ ሞተር ጀላቡ ዝፍጥርኦ ንቕሎ ማይ፡ ብኽፋል ተሓታቲ ናይቲ ዕንወት እዩ፤ ን60 ሚእታዊ ህንጻታት ቬኒስ ድማ ሃስዩ እዩ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ዕንወት፡ ነቲ ሓደጋ ውሕጅ የጋድድ፡ ህንጻታት ንመሰረታት እምኒ እታ ከተማ የዳኽምን ንስራሕቲ ጽገና ዝምደብ ባጀት ክውስኽን ይገብር ኣሎ።
ዕንወት ህንጻታት ንምምካት፡ ካብ 2021 ጀሚሩ ኣዝዩ ዝዓበየ ምንቅስቓስ ማይ ዝፈጠራ መራኽብ ናብታ ታሪኻዊ ከተማ ከይኣትዋ ተኣጊደን ኣለዋ።
ካብዚ ንላዕሊ ግና ክግበር ይግባእ።
ናይቲ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ቬኒስ ኣብ ምፍታሕ ዘተኰረ ትካል ‘ዊ ኣር’ ሓባራዊት መስራቲትን ፈጻሚት ዳይረክተርን ዝኾነት ጄን ዳ ሞስቶ፡ "ጽባሕ ሓደ ለውጢ ከተግብር እንተዝኽእል፡ ኩለን እተን ኣብ ካናላት ቬኒስ ዝዘውራ መራኽብን ብሃይብሪድ-ኤሌክትሪክ ሞተር ምተገጠማ" ትብል።
“ሞተር ጀላቡ ምእጋድ ዝሓሸ ይኸውን” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማሳቹሰትስ ኣምሃርስት ኣብ ንዋታዊ ባህልን ህንጸት ከባብን ቬኒስ ትነጥፍ ፕሮፌሰር ሞኒካ ሽሚተር። "ግና እዚ ዝኸውን ኣይመስለንን።"
ኩለን ጀላቡ ፍጥነተን ንክቕንሳ ምግዳድ ዕንወት ማይ ክቕንስ ዝሕግዝ መንገዲ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጀላቡ ኣብ ሰዓት ክሳብ 11 ኪ.ሜ ጥራይ ክጓዓዛ እዩ ዝፍቀደለን።
እታ ከተማ ከባቢያዊ ፍታሕ ኣዝዩ የድልያ’ዩ። ገሊኦም ግና ነዞም ፍታሕ ንምምዕባል ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዕድልን ፋይናንስን ምሃብ ኣብታ ብስሩዕ ብበጻሕቲ እትዕለቕለቕ ከተማ ከቢድ ቅያ ምዃኑ ይምጉቱ።
ኣብ 2019 ኣስታት 5.5 ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ቬኒስ ተጓዒዞም እዮም። ኣብ ቬኒስ ኣብ እዋን ሓጋይ፡ ቁጽሪ በጻሕቲ ዓዲ ካብ ደቂ ዓዲ ብዕጽፊ ክበልጽ ይኽእል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Andia/Getty Images
ዳ ሞስቶ፡ ቱሪዝም ኣብ ቬኒስ ሰለስተ ቀንዲ ጸገማት ከም ዘስዕብ ትሕብር። እዚኦም፡ ኣብ ቁጠብኡ ካብ መጠን ንላዕሊ ምትእምማን፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዘስዕቦ ሰፊሕ ጉድኣትን "ፍሰት ምሁራን" እዮም።
ካሬራ፡ "ነፍሲ ወከፍ ከተማን ሃገርን ናይ ገዛእ ርእሰን መሰናኽላት ኣለወን፡ እቲ ዘድሊ ፍታሕ ድማ ካብቶም ነቲ ከባቢ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ሰባት ዝመጽእ’ዩ" ይብል።
ንኣብነት፡ ሓደ ካብቶም ነታ ከተማ ከመሓይሹ ዝጽዕሩ ጉጅለታት ዝኾነ ‘ቬኒስ ላጉን ፕላስቲክ ፍሪ’፡ ቅምሶ ማይን ትንተናን ናይቶም መትረባትን ላጉንን ብምክያድ፡ ኣብቲ ማይ ብዛዕባ ዘሎ ደረጃ ብከላ ንቕሓት ምህናጽ ዝዓለመ’ዩ።
ብኽነት ፕላስቲክ ንምንካይ ካርታ ህዝባዊ መስተ ማይ የዳልው፡ ጽሬት ማይ ንምዕባይን ንዝተበላሸወ ስነ-ህይወት ቬኒስ ኣፍልጦ ንምፍጣርን ዝሕግዙ ንጥፈታት ጽሬት የካይድ።

ምንጪ ስእሊ, G. Cosua/Getty Images
ቬኒስ፡ ካብ 2023 ጀሚሩ ናይ ሓደ መዓልቲ ቱሪዝም ንምቕናስ፡ ንመዓልታዊ በጻሕቲ 5 ዶላር ክተኽፍል መደብ ኣለዋ።
ናብታ ሰባት ክነብሩላ ዝደልይዋ ከተማ ንኽትምለስ ግና፡ ካልእ ጭቡጥ ለውጢ ኣገዳሲ’ዩ።
"ኣብዚ ንዝኾነ ምስ ምሕደራ ገማግም ባሕሪ ወይ ማይ ዝተኣሳሰር ቴክኖሎጂታት ንምምዕባል ዝግደስ ሰብ ዝምቹ ጽቡቕ ኩነታት ኣለና። እዚ ድማ፡ ንጸገማት ቬኒስ ኣብ ነዊሕ እዋን ንምፍታሕ ቁልፊ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ኣብ ቬኒስ ዘለዉ ጸገማት ብዝበለጸ ዝፍትሑ ኣብ ቬኒስ እዩ" ይብል ካሬራ።
"ቬኒስ መስተንክር ከተማን መነቓቕሒትን እያ" ትብል ጄን ዳ ሞስቶ። ዋላ'ኳ ብድሆታት እንተሃለዉ፡ ቬኒስ ግና ናይ ምድሓን ተስፋ ኣለዋ።
"ዓለም ቬኒስ ንክትጠፍእ ትፈቅድ ኣይመስለንን" ይብል፡ ካሬራ'ውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







