እቲ መርዛም ጀርዲን

‘ዘ ፖይዝን ጋርደን’
መግለጺ ስእሊ, ‘እቲ መርዛም ጀርዲን’

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ‘ዘ ፖይዝን ጋርደን’ [እቲ መርዛም] ዝበሃል ጀርዲን ኣብ ኣፍደገኡ "እዞም ኣትክልቲ ቀተልቲ እዮም" ዝብል ጽሑፍ ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ከም መጠንቀቕታ ሓደጋ፡ ምልክት ኣዕጽምቲ ርእሲን ኣእዳውን እውን ኣብቲ መዓጾ ተለጢፎም ይርኣዩ፤ እቲ መጠንቀቕታ ግን ንዋዛ ኣይኰነን።

እቲ መርዛም ጀርዲን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰሜን ሃምበርላንድ ኣብ ውሽጢ ጀርዲን ኣልንዊክ እዩ ዝርከብ። እቲ ኣብ 2005 ዝተመስረተ ጀርዲን፡ ልዕሊ 100 መርዛማት፡ ኣስከርትን ዕጸፋርስን ዝሓዘ እዩ። እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጀራዲን እቲ ቐታሊ'ኳ እንተዀነ ንበጻሕቲ ግን ክፉት እዩ።

እሞ መርዛማት ናብ ዝዀኑ ቀተልቲ ኣትክልቲ ናብ ዝርከብዎ ጀርዲን መን'ዩ ደፊሩ ዝኣቱ?

"በጻሕቲ ቅድሚ ምእታዎም፡ መብርሂታት ድሕነት ክወሃቦም ግድን እዩ፡" ይብል ኣብቲ ጀርዲን መራሒ በጻሕቲ ኰይኑ ዝሰርሕ ዲን ስሚዝ።

በጻሕቲ ዝዀነ ነገር ክትንክፉ፡ ክጥዕሙ ወይ ክሽትቱ ከምዘይፍቀደሎም መምርሒ ይወሃቦም እዩ። ይዅን እምበር ሓሓሊፉ፡ ኣብኡ ዝኣትው በጻሕቲ፡ ውነኦም ከምዝስሕቱ መርበብ ሓበሬታ እቲ ጀርዲን ይሕብር።

ሓደ ካብቶም ኣብዚ ጀርዲን ዝለምዑ ሓደገኛታት ኣትክልቲ፡ ‘ሞንክሹድ’ እዩ። እዚ ተኽሊ፡ ኣኮኒቲን ዝበሃል መርዚን ኒውሮቶክሲን ዝበሃል ንኣሰራርሓ ስርዓተ መትኒ ዝጎድእ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ እዩ።

እዚ ግን እቲ ዝኸፍአ ኣይኰነን፣ "ምናልባት ኣብዚ ብጭቡጥ ዝያዳ መርዛም [ነቲ ሪሲን ዝበሃል መርዚ ዝሓዘ] ተኽሊ ሪሲን እዩ" ይብል ስሚዝ። "መጽሓፍ ክብረወሰን ዓለም ጊነስ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ኣዝዩ መርዛም ተኽሊ" ክብል ኣስፊርዎ'ሎ።

እቲ ዝገርም ግን፡ ኣብቲ ጀርዲን ዝበቝሉ ብዙሓት ኣትክልቲ ኣዝዩም ዝተለምዱ እዮም። "ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዘለዉ ዓይነታት ተኽሊ፡ ብርግጽ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ በረኻ ዝበቝሉ እዮም። እቲ ዘስግእ ድማ መብዛሕትኦም ንምልማዖም ቀለልቲ ምዃኖም እዩ፡" ይብል ስሚዝ።

ኣብዚ ከም ሮዶዴንድሮን ዝኣመሰሉ ህቡባት ናይ ገዛ ጀርዲን ቍጥቋጥ ከይተረፉ ይርከቡ። እዚኣቶም ኣቝጽልቲ ግራያኖቶክሲን ዝሓዙ ኰይኖም፡ እንተተበሊዖም ንስርዓተ መትኒ ዘጥቅዑ እዮም።

"ጣዕሙ ፍንፉን ስለ ዝዀነ ግን፡ ሰባት ነቲ ቈጽሊ ክበልዕዎ ተኽእሎ የለን " ክብል ስሚዝ የረጋግእ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካልኣይ ዝያዳ መርዛም ገረብ ላቡርኑም ዝበሃል'ውን ኣሎ። ጽቡቕ ብጫ ዕምባባ ስለዘለዎ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከባቢ ገዛኦም ይተኽልዎ እዮም። እንተዀነ ሳይቲሲን ዝበሃል መርዚ ዝሓዘ እዩ።

"እቲ ገረብ ኣዝዩ መርዛም እዩ፡ ሓንቲ ናብ መሬት ወዲቓ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብኡ ዝጸንሐት ጨንፈር ከልቢ እንተሒዝዋን፡ እቲ ከልቢ ኣይጸንሕን። ክሳብ ክንድኡ መርዛም እዩ" ይብል ስሚዝ።

መርዛማት ኣትክልቲ ግን መርዞም ናብ ሰብን ኣኽላባትን ጥራይ ኣይኮኑን ዘቕንዑ። ከምቲ ስሚዝ ዝገለጾ፡ እዅል ሮዶዴንድሮን ኣብ ጥቓ ነንሕድሕዶም እንተዓብዮም'ውን፡ ነቲ ሓመድ ክመርዝዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብኡ ክዓብዩ ዝኽእሉ ነገራት ድማ ሮዶዴንድሮን ጥራይ ይዀኑ ኣለዉ ማለት እዩ።

ኣናህብ ካብ ሮዶዴንድሮን ጥራይ መዓር እንተ ሰሪሖም ድማ፡ እቲ ፈሳሲ መዓር ቀይሕ ሕብሪ ይሕዝ፡ ብንእሽቶ መጠን ድማ ኣእምሮ ዝቕይር ባህርያት ይህልዎ። "መጠኑ ብዝሕ እንተይሉ ግን ቀታሊ እዩ" ክብል ስሚዝ የጠንቅቕ።

ውቁብ ብጫ ዕምባባ ዘለዎ ላቡርነም ዝበሃል ገረብ ሳይቲሲን ዝበሃል መርዚ ዝሓዘ እዩ

ምንጪ ስእሊ, crix/Getty

መግለጺ ስእሊ, ውቁብ ብጫ ዕምባባ ስለዘለዎ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከባቢ ገዛኦም ዘብቍልዎ ገረብ ላቡርነም ሳይቲሲን ዝበሃል መርዚ ኣለዎ

ገለ ኣትክልቲ ንኽቐትሉኻ ክትብልዖም፡ ክትትንክፎም ወይ ክተሽትቶም ግድን ኣይኮነን። ኣብቲ ጀርዲን፡ ክትቆርጾ ከለኻ ጥራይ ክቐትለካ ዝኽእል ተኽሊ ኣሎ። ቆጽሊፕሩነስ ላውሮሴራሱስ ክልተ ባእታታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብተናጸል ኣይጎድኡኻን እዮም። ሓደ እንስሳ ነቶም ኣቝጽልቲ ብሓባር እንተሓይኽዎም ግን ሳይናይድ ዝበሃል መርዚ ጋዝ የፍርዩ እዮም።

ሄለቦረስ ካልእ ሓደገኛ ዝዀነ ተኽሊ እዩ። እቲ ሱር ንልብኻ ደው ዘብል ካርዲዮቶክሲን ኣለዎ፡ እቲ ጽማቝ ድማ ንቆርበትና ብብርቱዕ ዘቘጥዕ እዩ። ስለዚ ኵሉ ብዘይ ጓንቲ ክንትንክፎ ኣይግባእን። ነቲ ጓንት ክነውጽእ ከለና ድማ ብስንና ክንስሕቦ ከምዘይብልና ስሚዝ ይላቦ።

እዚ እቶም ኣብዚ ጀርዲን ዝርከቡ ሰራሕተኛት ፈጺሞም ዘይፍትንዎ ነገር እዩ።

ካብቶም ሰራሕተኛታት ሃንቲ ኤሚ ቶርፕ፡ "ብዙሓት ካብዞም ኣትክልቲ፡ ቅድሚ ምምጻእና ኣብዚ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኵሉ ኣጠቓቕማኦም ክንማሃር ናትና ዕማም'ዩ፣ ምኽንያቱ ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዘለዉ ኣትክልቲ ንጽቡቕ ዕላማ ክውዕሉ ዝኽእሉ እዮም። ኵሎም ሕማቓት ኣይኰኑን" ትብል።

ገለ ካብቶም ኣብዚ ዘለዉ ቀተልቲ ኣትክልቲ፡ ከም ፈውሲ መንሽሮ ጡብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣፋውስ ንምፍራይ ዝሕግዙ እዮም። ስለዚ ብግቡእ እንተተሰሪሑሎም ምንጪ ጠቐምቲ መድሃኒታት ክዀኑ ይኽእሉ።

ምናልባት እቲ ጀርዲን ኣካል መደብ ትምህርቲ ዕጸፋርስ ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን። ሓላፊት ማሕበረሰብን ትምህርትን ክሌር ሚቸል ከምትገልጾ፡ "ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን እቲ ዝለዓለ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰር መጠን ሞት ዘጋጥመሉ ከባቢ እዩ።

ስለዚ፡ እቲ ካብቲ መርዛም ጀርዲን ዝተበገሰ መደብ ትምህርቲ ዕጸ-ፋርስ፡ ምስ ዕጸ-ፋርስ ዝተኣሳሰር ጕድኣት ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።"

ብርግጽ፡ እቲ ጀርዲን "ሀሁ ዕጸ-ፋርስ" ከምዘልምዕ ስሚዝ ይገልጽ። ንኣብነት ኦፒየም ፖፒስ፡ ካናቢስ ከምኡ'ውን ጫት ኣብዚ ጀርዲን ይፈርዩ እዮም። በጻሕቲ ግን ዝዀነ ዘይግባእ ሓሳብ ክሓስቡ የብሎምን።

ተርኔንት ከም ዝገለጾ፡ እቶም ኣብ መርዛም ጀርዲን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ብዛዕባ ኣትክልቶም ብጥንቃቐ ክከታተሉ፡ ክቈጻጸሩን ጸብጻብ ከቕርቡን ብሕጊ ዝተኣዘዙ እዮም። ድሕሪኡ ድማ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ነቶም ኣትክልቲ ከም ዘጥፍእዎም ዘረድእ መርትዖ ከቕርቡ ግድን እዩ።