ንባህሊ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ካልኦት ዓለማትን ዝውክል ጐደና ለንደን

መንገዲ ብላክስቶክ

ምንጪ ስእሊ, Peter Moulton/Alamy

መግለጺ ስእሊ, መንገዲ ብላክስቶክ

ጽፉፍን ክቡርን ኣይኰነን፡ ግን ብድሕሪ'ዚ ዕሙር ጐደና ዕዳጋ፡ ብዙሕ ባህልታት ዓለም ዝውክል ከባቢ ኣሎ።

መንገዲ ብላክስቶክ ብዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝውነኑ ድኳናትን ኣብያተ መግቢታትን ዝሓዘ እዩ።

እዚ ከባቢ ብቐንዱ ሰራሕተኛታት ለንደን ዝርከብዎ ኰይኑ፡ ብዙሕ ዓይነት ንግዳዊ ንጥፈታት ክትዕዘቡ ትኽእሉ።

ብዙሕ ዓሌታት ዝርከቡሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ጥቓኡ መስጊድ ብምህላዉ’ዩ፤ እዚ ንኣስላም ብወርቂ ዝተሸፈነ ማግኔት ማለት’ዩ።

ካልእ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ክራይ ድኳናት ትሑት ምዃኑ እዩ።

ብተወሳኺ ንስታድዩም ኢሚሬትስ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ኣርሰናል ቀረባ ስለዝዀነ፡ ጥዑምን ተመጣጣኒ ዋጋን ዘለዎ መግቢ ዝደልዩ ሰራዊት ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ይስሕብ እዩ።

እቲ ከባቢ ግን ይቕየር ኣሎ፡ ካልኦት ብሄራትን ሃይማኖታትን ይሕወሱ ኣለዉ፤ እዚ ድማ እዛ ዓለማዊት ርእሰ ከተማ ንስደተኛታት ብኸመይ ከም እትሓቍፍ ከርኢ ይኽእል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ሲሶ ነበርቲ ለንደን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ እዮም፤ ን270 ብሄራት ድማ ይውክሉ።

ሓደ ካብቶም ክሳብ 1 ኪ.ሜ ተዘርጊሖም ነቲ ከባቢ ዓብሊሎም ዝርከቡ ስድራቤታዊ ትካላት ንግዲ ኣል ባህያ ይበሃል። ሓኪም፡ ከማልን ፈታሕ ኣሞክራንን ዝተበሃሉ ሰለስተ ኣሕዋት ዘመሓድርዎ ኣልጀርያዊ ድኳንን እንዳ ስጋን እዩ።

"ኣብ 2006 ከም ሓላል እንዳ ስጋ ጀሚርና፡ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣልጀርያ ግን ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ለንደን እየ ጸኒሐ" ይብል ርእሰ ተኣማንነት ዝመልኦ ሓኪም።

ሓኪምን ክልተ ኣሕዋኡን ኣል ባህያ ዝተበሃለ ኣልጀርያዊ እንዳ ስጋ የመሓድሩ

ምንጪ ስእሊ, Fiona Dunlop

መግለጺ ስእሊ, ሓኪምን ክልተ ኣሕዋኡን ኣል ባህያ ዝተበሃለ ኣልጀርያዊ እንዳ ስጋ የመሓድሩ

ኣሰላሙ ዓላይኩም ዝብል ዓረብኛ ሰላምታ ብቐጻሊ ይድመጽ።

ንሱ ግን ዓማዊሉ "ኵሎም ኣስላም ኣይኮኑን" ይብል።

"ንዅሉ ሰብ ከነገልግል’ዩ ድልየትና። ድሕሪ እዚ ኵሉ ዓመታት፡ ኣካል ናይቲ ማሕበረሰብ ከም ዝዀንና ይስምዓና። ኣብዚ ንዓይ ምሉእ ዝገብረኒ ባህሊ፡ ዝተፈለየ ኣነባብራን ቋንቋን ረኺበ’የ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ንግዲ ተማሂረ፡ ድሕሪኡ ነዚ ድኳን ብምኽፋት ባህሊ ስድራቤተይ ተኸቲለ።"

እታ ድኳን ኩስኩስ ሞሮኮ፡ ዘይቲ ኣውሊዕን ተምሪን ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ባቅላቫ፡ ዝደረቐ በለስ ስጳኛ፡ በርበረ ፈረንሳን ዝተፈላለዩ ቀመማትን ተቕርብ።

ኣብ ስግር ጽርግያ ቅዱስ ገብርኤል ዝበሃል ኣመና ፍሉጥ ናይ ኢትዮጵያ ካፈ ኣሎ፤ ኣብ 1976 ብኣቦን ወድን እዩ ተኸፊቱ። እቲ ወናኒ መሓመድ ኣስላም ዝተባህለ ቅልል ዝበለን ሕጉስን ሰብኣይ እዩ፤ ካያም ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝተወልደ ወዱ ይሕግዞ።

ተወላዲ ዩጋንዳ ዝዀነ ኣስላም ብንእስነቱ ናብ መበቆሉ ፓኪስታን ተመሊሱ ስራሕ ባንክ ጀሚሩ።

መሓመድ ፈጺሙ ስራሕ ኣየቋረጸን። "ኣነ ክጅምር ከለኹ፡ ዓማዊለይ ብቐንዱ ካሪብያውያንን እንግሊዛውያንን ነይሮም፡ ድሕሪኡ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን፡ ባንግላደሻውያን፡ ሶማላውያንን ኣልጀርያውያንን መጺኦም" ይብል።

"ሕጂ ኢትዮጵያውያን፡ ኮሎምብያውያንን ቅሩብ እንግሊዛውያንን ኣለዉና። ኣብ ንግዲ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ጥራይ ክንምርኮስ ፈጺምና የብልናን።"

ሻሂ ከርከደ፡ ኦክራ፡ ያም፡ ማንጎ፡ ዘይቱን፡ ሜድጆል ተምሪም፡ ንዓይኒ ዘደንጹ ቀመማት፡ ሩዝ፡ ፋጁል ስጳኛን ሓያል በርበረ ስኮትሽ ቦኔት ፍርያት ናይቲ ካፈ እዮም። እቲ ዝስማዕ ዝነበረ ብቅኒት ዝተመልአ ዜማ ቁርኣን፡ "ሰላም ኣእምሮ” ከም ዝህብ መሓመድ ኣስላም ይገልጽ።

ወነንቲ ዲላራ ዓብዱልን ሮዝ ኣክስሙን ኣብ ዚንጂያንግ ካብ ዝነበረ ግፍዒ ሃዲሞም ናብ ለንደን መጺኦም

ምንጪ ስእሊ, Fiona Dunlop

መግለጺ ስእሊ, ወነንቲ ዲላራ ዓብዱልን ሮዝ ኣክስሙን ኣብ ዚንጂያንግ ካብ ዝነበረ ግፍዒ ሃዲሞም ናብ ለንደን መጺኦም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቤት መግቢ ዲላራ ብኣንጻር ቅዱስ ገብርኤል ካፈ ይርከብ። ዓብዱል ኣክስሙን ሮዝ ኣክስሙ ዝተበሃሉ ሰብኣይን ሰበይትን የመሓድርዎ።

ዲላራ ናይ ኡይጉር ቤት ብልዒን ገዚእካ ዝኽየዶን (ቴክኣዌይን) እዩ። (ኡይጉር፡ ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤስያ ዝመበቆሎምን ብባህሊ ዝተኣሳሰሩን ብሄር ቱርኪ እዮም።)

ዓብዱልን ሮዝን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቻይና ኣብ እትርከብ ርእሰ-ምምሕዳር ዚንጂያንግ ካብ ዝነበረ ግፍዒ ኣምሊጦም እዮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ መጺኦም። ቅድሚ 7 ዓመት ድማ ነዚ ቤት መግቢ ከፊቶም።

መግቢ ኡይጉር፡ ናይ ማእከላይ ኤስያ ባህልታት መቐረት ዘለዎ መሳጢ መግቢ’ዩ። ኣብ ቤት መግቢ ዲላራ ብኢድ ዝተዳለወ ኑድልስ፡ ስጋ ሳምቡሳ፡ ሽልቆ ጽብጦ ወይ ዳምፕሊንግ፡ ኦበርጅን ካብ ዝበሃል ኣትክልቲ ዝዳለው ጸብሒ፡ ፒላፍ ሩዝ ወይድማ ብስጋ ደርሆ ወይ ዓሳ ዝተመቐረን ዝተበሰለ ሩዝ፡ ብበርበረ ዝተዳለወ ደርሆን ብቀመም ዝተዳለወ ከቢብ ዕየትን ክትምገበቡ ትኽእሉ።

ሮዝ ኣክስሙ፡ "እቲ ዝበለጸ!" ክትብል ተረጋግጽ። "እዚ ኩሉ ምግቢ ምድላው ኣድካሚ ስራሕ'ዩ። ግን ካብ ርሑቕ ወጻኢ ለንደን ከይተረፉ ዝመጹ ዓማዊልና ከነሐጉሶም ደስ ይብለና።"

ድሕሪ ዝተወሰኑ ናይ ኣልጀርያን እንግሊዝን ካፈታት ድማ ብቻይናውያን ዝወነን ሚክስ ዝበሃል መኽዘን ወይ ድኳን ኣሎ።

እዚ ህቡብ ድኳን ዳርጋ ኵሉ ክጥለብ ዝኽእል ናይ ገዛ ኣቑሑት ዝሓዘ እዩ። ወይዘሮ ሳው ሊ ካብ ሆንግ ኮንግ ምስ መጸት ኣብ 1979 እያ ከፊታቶ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብክልተ ደቃ ይመሓደር።

ደቃ፡ ኣስማቶም ንምግላጽ ወይ ስእሊ ንኽስኣሉ ሓፋራት’ኳ እንዀኑ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ድኳን ዘሎ ኣቑሑት ዘለዎም ፍልጠት ግን ከም ኣዲኦም ዳርጋ ሳይክሎፔዳዊ እዩ። ድስቲ ዕምባባታት፡ ሽቦ፡ ብንጽል ዝሽየጡ ብሎናት፡ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት፡ ኣስባስላ ወይ ብሩሽ ቀለም፡ ዕንጨይቲ፡ መኾስተር፡ ሸሓኒታት፡ "ብብዝሒ ዝሽየጥ "መጻወድያ ኣንጭዋ. . .ኩሉ ኣሎ።

ኣብዚ ድኳን፡ ናሕሲ ከይተረፈ ነፍሲ ወከፍ ቦታ ብኣቑሑት ዝተጨናነቐ’ዩ። ገለ ኣቑሑት ኣበይ ከም ዝተቐመጡ ብኸመይ ይፈልጡ?

"ተዘክሮ!" ትብል ጓል ሊ ፍሽኽ እናበለት። "ሓደ ግዚ ኣብ ዝዀነ ቦታ እንተርእየዮ፡ ሕጂ'ውን ኣብኡ ይረኽቦ።"

ሚክስ ዳርጋ ኩሉ ክጥለብ ዝኽእል ኣቑሑት ዝርከቦ ህቡብ ቻይናዊ ድኳን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Fiona Dunlop

መግለጺ ስእሊ, ሚክስ ዳርጋ ኩሉ ክጥለብ ዝኽእል ኣቑሑት ዝርከቦ ህቡብ ቻይናዊ ድኳን እዩ

ፊትንፊት፡ ላ ፕሪንስ ዝተባህለ ኣልጀርያዊ እንዳ ኬክ ኣሎ፡ ሕሉ’ፍ ክሬም ዘለዎ ኬክ ይሸጡ።

ኣብ ጎኒ ላ ፕሪንስ ድማ ‘ስፔሻል ኣይስ’ ዝተባህለ ብፍልስጤማዊ ክኢላ ዝውነን እንዳ መነጽር ይርከብ።

ሕልፍ ኢሉ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ገዚእኻ ዝኽየዶ (ቴክኣወይ) ድኳን ኣላ - ባባንስ ናኣን ትበሃል።

ዓማዊል ኣብ ኣፍደገ ባባንስ ናኣን ተኣኪቦም ከዕልሉ ይረኣዩ። እዛ ዘይልሙድ ዘይኰነት ድኳን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኸፍተት እያ።

ስድራቤት ማሊክ ታሂዲ፡ ኣብ ኢራን ኩርዲስታን ዝነበሮም ስድራቤታዊ ንግዲ ኣብዚ መጺኦም’ውን ቀጺሎምሉ።

ብተሓጋጋዚኡ ኣደል (ዒራቓዊ ኩርዳዊ) ዝግልበጥ ውዑይ ባኒ ናኣን፡

ኣብ ልዕሊኡ ሰሊጥ፡ ዛዓታር ዝበሃል ቀመም፡ በርበረ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ፎርማጆ ወይ በርበረ ተገይሩ፡ ኣብ ውዑይ ጻሕሊ ብፍላፍል ወይ ከቢብ ተሰንዩ ይቐርብ።

ን20 ዓመታት ዘገልገለ ኢል ካቫሊየር፡ ፍሉይ ቤት መግቢ ጣልያን እዩ፤ ወናኒኡ ኣንቶንዮ ጸወታ ኵዕሶ ኣብ ዝህልወሉ መዓልታት ስለዝኸፍት ናይ ስራሕ ሰዓታቱ ዘይንቡር’ዩ።

ፊትንፊቱ፡ መዓልታዊ ክሳብ 10 ሰራሕተኛታት ዝሰርሑሉ ጽቡቕ ተፈታዊ ቱርካዊ ቤት መግቢ ይልዲዝ ይርከብ። ኤርዶጋን ዝበሃል ወናኒ እቲ ቤት መግቢ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ለንደን’ኳ እንተነበረ፡ ክሳዕ ሕጂ ድሩት እንግሊዝኛ’ዩ ዝዛረብ።

ኡይጋር ጉዘል ዝተባህለ መንእሰይ ወዱ፡ "ምናልባት 10 ሚእታዊት ዓማዊልና ቱርካውያን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እቶም ዝተረፉ ነዚ ዝተሓዋወሰ ከባቢ ዘንጸባርቑ እዮም" ብምባል ነቲ ዝቕየር ዘሎ ዲሞግራፊ ይጠቅስ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ፍሓም ብዝተጠብሰ ከባቢ ዕየትን ደርሆን ዝፍለጥ ቤት መግቢ፡ ብዙሕ ውዑይን ዝሑልን ሜዝ ዝበሃል መግቢ ቱርኪ፡ ኣሕምልትን ዓሳን እውን የቕርብ’ዩ።

ካብዚ ቤት መግቢ ምስ ጥሜቱ ዝወጽእ ሰብ ከም ዘየለ ኡይጋር ጉዘል ይዛረብ።

ቤት መግቢ ይልዲዝ ኣብ ልዕሊ ፍሓም ብዝተጠብሰ ከባቢ ዕየትን ደርሆን ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Fiona Dunlop

መግለጺ ስእሊ, ቤት መግቢ ይልዲዝ ኣብ ልዕሊ ፍሓም ብዝተጠብሰ ከባቢ ዕየትን ደርሆን ይፍለጥ

ኣብ ስግር ጽርግያ ሱልታን ካርፐትስ (Sultan Carpets) ኣሎ፤ እዚ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዝሃነጽዎ ንግዲ እዩ።

እዞም ኣሕዋት፡ ካብቲ ኣብ 1990ታት ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ለንደን ዝመጹ እዮም።

ካብዚ ፊትንፊት፡ ብሰለስተ ተሓጋገዝቲ ዝድገፍ ኣንታ ሳሎን ኤንድ ስፓ ዝበሃል ጽባቐ ሳሎን - እዚ ሳሎን፡ ባህሊ ታይላንድ ኣብቲ ከባቢ ክሕወስ ዘኽኣለ’ዩ።

ኣብ መንጎ እዞም ወከልቲ ኣፍሪቃን ኤስያን፡ ንኤውሮጳ ዝውክሉ ትካላት ንግዲ’ውን ኣለዉ።

ማርጋውስ ክራስ፡ ካብ ሊሊ ብዝመጸት ፈረንሳዊት መንእሰይ ዝውነን ጽፉፍ እንዳ ጸጉሪ እዩ።

"ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ብኣጋጣሚ ናብ ለንደን መጺአ፡ ነዚ ሳሎን ካብ ዝኸፍት ድማ ተመሊሰ ኣይፈልጥን" ትብል። እቲ ምትሕውዋስ ባህሊ ኣብ ገዝኣ ከይተረፈ ከም ዝፍለጣ ትዛረብ።

“ኩሉ ሰብ ንኻልኦት ማሕበረሰባት የኽብር፡ ውሕስነት ይስምዓኒ።"

ካውኡ ከዓ ጆጆስ ኪችን ኣሎ። ኣብ 2022 ዝተኸፈተ ኢትዮጵያዊ ቤት መግቢ እዩ። ጆጆ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ወናኒኡ ዮውሃንስ ኣስፍሃ ልኡም ስነ-ምግባር ኣለዎ።

ጆጆስ ኪችን ብኢትዮጵያዊ ምርኢት ዝተመልአት ኰይና ልዕሊ 50 ሰባት ከተአንግድ ትኽእል’ያ። ምስዚ ኩሉ ግን ብጆጆ (ከሻኒ) ትመሓደር፤ ኤርትራዊ መሻርኽቱን ሓዉን ድማ ኣሰለፍቲ ኰይኖም የገልግሉ።

"ኣብ 2008 ሓታቲ ዑቕባ ኰይነ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መጺአ፡ ድሕሪኡ እንግሊዝኛ ተማሂረ" ይብል ጆጆ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ድሓር ድማ ድማ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከቡ ቤት መግቢ ድሕሪ ምስራሕ ቀጺሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት መግቢ ምኽፋት እዩ።

"ነዚ ከባቢ፡ ብብዙሕነትን ብዓይነትን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ዓማዊል እየ መሪጸዮ" ይብል።

ኢትዮጵያዊ ቤት መግቢ ጆጆስ ኪችን ብዙሓት ቀመማቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Fiona Dunlop

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያዊ ቤት መግቢ ጆጆስ ኪችን ብዙሓት ቀመማቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ እዮም

እቲ ካብ ግሉተን ነጻ ዝዀነ ጣፍ ከምኡ’ውን ኣትክልቲ፡ በርበረን ቡንን ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ዝመጽእ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ንዓማዊል ባህላዊ ስነ-ስርዓት ቡን ንገብረሎም፡ ነቲ ቡን ኣብ ቅድሚኦም ንቐልዎ - ነቲ መኣዛ ይፈትውዎ’ዮም" ይብል ጆጆ።

ሳሪ ሲቸክ፡ ብዘገርም መንገዲ፡ ኣብ ዓመት 365 መዓልታት ክሳዕ ሰዓት 01፡00 ክፉት ዝዀነ ቱርካዊ ድኳን’ዩ። ካብኡ ቀጺሉ ሊትል ሳርደኛ ኣሎ፤ ካብዚ ቤት መግቢ ሳርዲን ሓሊፉ ድማ ጣልያናዊ ኢል ጉስዮ ይርከብ።

ቅድሚ ኢል ጉስዮ ግን፡ ድሙቕ ኣብነት እንግሊዝ ዋኒንነት ዝዀነ ቡክባር ይርከብ። ቡክባር፡ ድኳን መጻሕፍቲ፡ ካፌን ቤት ሰመስተ ወይንን ኰይኑ፡ እታ ንቑሕ ወናኒቱ ክሪሲ ራያን ትበሃል። ብፍላይ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንመስተ፡ ንንባብ ወይ ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ፍጻመ ንምስታፍ ኣብዚ ይውሕዛ።

"ኣብዚ ዙርያ መዓልቦ ይኸውን ኣሎ" ትብል። "ኣብ መንጎ ትካላት ንግዲ ብዙሕ ደገፍ ስለዘሎ ድማ ኣብቲ ከባቢ ምስራሕ ኣዝዩ እዩ ደስ ዝብለኒ - ኩላትና ንፋለጥ ኢና።"

ብዛ ሓንቲ ድኳን ጥራይ፡ ክሪሲ ዝዕምብብ ማሕበረሰብን ኣብ መንጎ ካልኦት ድማ ድልድልን ፈጢራ ኣላ።