ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ ፈርጣዕ ዕሸል ፐንግዊን

ፔስቶ ፐንግዊን ኣቓልቦ ዓለም ይዕብልል ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ፔስቶ ፐንግዊን ኣቓልቦ ዓለም ይስሕብ ኣሎ

ካብቶም ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዘሎ ህቡብ ኣኳርየም (ማያውያን እንስሳታትን ኣታኽልትን ዝነብርሉ ሰብ ሰርሖ ጋብላ) ዝርከቡ ፐንግዊናት ሓደ ፔስቶ እዩ።

እዚ ፈርጣዕ ዕሸል ፐንግዊን ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ኣሎ።

ቸኮሌት ዝመስል ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎ ጎፍጓፍ እዩ። ካብ ክልቲኦም መዕበይቲ ይገዝፍን ይረጉድን።

ብፍቕሪ "ረጒድ"፡ "ፍጹም ኣሃዱ"፡ ከምኡ'ውን "መስመር ተኸላኻላይ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዚ ጎፍጓፍ ፐንግዊን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ፤ ከም ኮኸብ ካቲ ፔሪ ዝርከብኦም ኣድነቕቲ’ውን ረኺቡ ኣሎ።

ፔስቶ ቢልዮናት ተዓዘብቲ’ዩ ረኺቡ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓብሊሉ፡ ኣብ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ሽፋን መደባት ቲቪ ካብ ምርካብ ሓሊፉ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ በጻሕቲ ይስሕብ ኣሎ።

ፔስቶ ኣብ ጥሪ እንከሎ 200 ግራም ነይሩ። ኣብ ትሽዓተ ወርሑ ሕጂ ልዕሊ ሚእቲ ዕጽፊ ወሲኹ 22.5 ኪሎ ግራም በጺሑ። ኣብቲ ኣኳርየም ካብ ዝረኣዩ ድማ እቲ ዝዓበየ ጫቚት እዩ።

ተመራማሪት ስነ-ህይወት ባሕሪ ጃሲንታ ኤርሊ፡ ፔንግዊን ክረጉዱ ንቡር እዩ ክትብል ቢቢሲ ተዛሪባ። እንተዀነ ግን ፔስቶ ክሳብ ክንድዚ ገዚፍ ክኸውን ትጽቢት ኣይነበሮምን።

"ውህደት ተፈጥሮ [ን] ምሕብሓብን'ዩ" ትብል።

 ፔስቶ መግቢ እንተርእዩ፡ ይበልዖ

ምንጪ ስእሊ, Sea Life Melbourne

መግለጺ ስእሊ, ፔስቶ መግቢ እንተርእዩ፡ ይበልዖ

ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ብኢድ ይምገብ እዩ። ፔስቶ ድማ "ኣዝዩ ጥዑይ ሸውሃት" ዘለዎ ምዃኑ’ውን ትዛረብ። መዓልታዊ ክሳብ 30 ዓሳታት ከምዝበልዕ’ውን ትውስኽ።

ይዅን’ምበር ጃሲንታ ኤርሊ፡ ፔስቶ ጥዑይ ምዃኑ’ያ ተስምር። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብተፈጥሮኡ ክብደቱ ከጉድል ከምዝጅምር ትዛረብ።

ንሳ፡ ስሙ ክጽዋዕ እንከሎ ምላሽ ዝህብ ተፈታዊ ፍጥረት ከምዝዀነ’ያ ትገልጾ።

ህዝቢ ነቲ ክቡር ጎፍጓፍ ፐንግዊን ንምርኣይ ናብቲ ምርኢት ፔንጊን ክውሕዝ ጸኒሑ’ዩ።

ንዝሓለፈ ዓመት ኣብ መልበርን ዝነበረት ብሪጣንያዊት ሚሊ ጃኮቢ ሓንቲ ካብዚኦም’ያ።

እታ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ፡ ድሮ ክልተ ግዜ ነቲ ፐንግዊን ክትርኢ ከይዳ ኣላ።

"ኣቲና በቃ ነቲ ጎፍጓፍ ፐንግዊን ረኢናዮ... በቃ ድማ ብገለ መልክዑ ብፍቕሩ ወዲቕና።"

"ህቡብ ምዃኑ ድማ ይግብኦ'ዩ" ትብል።