ኣብ ኒጀር ዝተረኽበ ከውሒ ማርስ ኣብ ኒውዮርክ ብሚልዮናት ይሽየጥ - እታ ሃገር መልሲ ትሓትት

እቲ ኣብ ኒጀር ዝተረኽበ ናይ ማርስ ሚቲዮራይት ቅድሚ ኣብ ጨረታ ምቕራቡ ኣብ ኒውዮርክ ንምርኢት ቀሪቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ኒጀር ዝተረኽበ ናይ ማርስ ሚቲዮራይት ቅድሚ ኣብ ጨረታ ምቕራቡ ኣብ ኒውዮርክ ንምርኢት ቀሪቡ ነይሩ

"ሕንከት ዘይብሉ! ድፍረት እዩ!" ፕሮፌሰር ፖል ሰሬኖ። ንሱ፡ ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ምሁር ስነ-ህይወት (palaeontologist) እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኒጀር ዝተረኽበ ካብ ማርስ ዝመጽአ ሚቲዮራይት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ንሓደ ሽሙ ብወግዒ ዘይተገልጸ ዓዳጊ ኣብ ጨረታ ምሻጡ ኣቘጢዑዎ።

እቲ ምስ ኒጀር ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ፡ እቲ እምኒ ናብ ኒጀር ክምለስ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።

እዚ ንሚልዮናት ዓመታት ዝጸንሐ ቍራጽ ቀይሕ ፕላነት፡ ኣብ ምድሪ ካብ ዝተረኽበ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ብ4.3 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ።

ልክዕ ከምቲ ዓዳጊ፡ ሽም እቲ ሸያጢ ኣይተነግረን። ኒጀር ካብዚ ገንዘብ በጺሑዋ እንተዀይኑ'ውን ንጹር ኣይኰነን።

እቶም ናብ ምድሪ ዝመጽኡ ቍርጽራጻት እዚ እምኒ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣኽብሮት ዝረኸቡ እዮም -ገሊኦም ከም ሃይማኖታዊ ኣቕሑ፡ ገሊኦም ድማ ብፍሉይ ዝርኣዩ ነገራት ኰይኖም ጸኒሖም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ብዙሓት ትዅረት ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ስሒቦም ኣለዉ።

ንግዲ ሚቲዮራይት ምስ ዕዳጋ ስነ-ጥበብ ክነጻጸር እንከሎ፡ ሳሕቲ ዝርአ ብምዃኑ ነቲ ዋጋ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ።

ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ዙርያ ህዝባዊ ምርኢት ናይዚ ዘይተለምደ ርኽበት ማርስ ናይ ምድናቕ ስምዒት ነይሩ - ካብቶም ዝተረኽቡ 50,000 ሚትዮራይት ትሕቲ 400 ካብ ቬነስን ማርስን ከም ዝመጽኡ ተረጋጊጹ።

ኣብ ኩባንያ ሶዝቢ ዝተሳእሉ ኣሳእል ናይቲ 24.7 ኪሎ ዝምዘን እምኒ ነዚ ስምዒት ኣጋዲዶሞ። ድሕሪኡ ግን ገለ ሰባት ብኸመይ ናብ ጨረታ ከም ዝወጸ ሕቶታት ከልዕሉ ጀመሩ።

መንግስቲ ኒጀር ንባዕሉ፡ ኣብ መግለጺኡ ብዛዕባ ሕጋውነት ሰደድ እቲ ከውሒ ዘለዎ ስክፍታታት ብምግላጽ፡ "ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ኣህጉራዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስክፍታታት" ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሶዝቢ፡ ቅኑዕ ኣገባባት እየ ተኸቲለ ብምባል ነዚ ብትሪ ይምጕቶ።

ኒጀር ግን፡ ኣብ ጉዳይ ምርካብን መሸጣን ናይቲ NWA 16788 (ሰሜን-ምዕራብ ኣፍሪቃ) ዝብል ሳይንሳዊ ስያመ ዝተዋህቦ ሚቲዮራይት መርመራ ጀሚራ ኣላ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ ዓለምለኸ እንዳ ሓራጅ፡ እዚ ብኸመይ ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ብዙሕ ነገር የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሓትመ ኣካዳምያዊ ጽሑፍ ጣልያን፡ እቲ ሚቲዮራይት ብ16 ሕዳር 2023 ኣብ በረኻ ሰሃራ ዞባ ኣጋደዝ ኒጀር፡ መንነቱ ብዘይተገልጸ "ሃዳናይ ሚቲዮራይት፡" እዩ ተረኺቡ ይብል።

ሚቲዮራይት ኣብ ዝዀነ ቦታ ናብ ምድሪ ክወድቁ ይኽእሉ እዮም።

እንተዀነ፡ ሰሃራ ብምኽንያት ምቹእ ኵነታት ኣየርን ብዙሕ ምንቅስቓስ ሰባት ዘይብሉ ብምዃኑን፡ ብብዝሒ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝተረኸበ ይግለጽ።

ብዙሓት ድማ፡ ሰባት ኣብቲ ናብ ሓያሎ ሃገራት እቲ ዞባ ዝዝርጋሕ መልክዓ ምድሪ፡ ዝሽየጥ ሚቲዮራይት ንምርካብ ተስፋ ብምግባር ይኸዱዎ ኣለው።

ብመሰረት እቲ ኣብ ጣልያን ዝተሓትመ ጽሑፍ 'NWA 16788' "ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ናብ ሓደ ዓለምለኻዊ ነጋዳይ ተሸይጡ፡" ድሕሪኡ ኣብ ኢጣልያ ከተማ ኣረዞ ናብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ጋለሪ ተሰጋጊሩ።

መጽሔት ዩኒቨርሲቲ ፍሎረንስ ነቲ ሰብ "ኣገዳሲ ኢጣልያዊ ዋና ጋለሪ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብፕሮፌሰር ማዕድናዊ ስነ-ፍልጠት ጆቫኒ ፕራተሲ ዝምራሕ ጕጅለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ብዛዕባ ኣቃውማኡን ካበይ ከም ዝመጽአን ዝያዳ ንምፍላጥ ክምርምሮ ክኢሉ።

ድሕሪኡ እቲ ሚትዮራይት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓጺር እዋን ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኤጀንሲ ህዋ ኢጣልያ ሓዊሱ ንምርኢት ቀሪቡ ነይሩ።

ቀጺሉ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተራእዩ፤ ንዝያዳ መጽናዕቲ ኣብ ጣልያን ዝተረፋ ክልተ ቍራጻት ግን ጐዲለን ነይረን።

ኩባንያ ሶዝቢ 'NWA 16788' "ኵሉ ኣገዳሲ ኣህጉራዊ ኣገባባት ብምምላእ ካብ ኒጀር ዝመጽአ'ዩ፡" ኢሉ።

"ከምቲ ኵሉ እንሸጦ ኣቕሓ፡ ኵሉ ኣገዳሲ ሰነዳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ጕዕዞ እቲ ከውሒ፡ ብመሰረት ብሉጽ ኣሰራርሓን ጠለባት ናይተን ዝሳተፋ ሃገራትን፡" ብምኽታል ብስርዓት ዝመጽአ እዩ ይብል።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል፡ ሶዝቢ ኒጀር ንሰደድ ናይቲ ሚቲዮራይት ትምርምር ከም ዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዝፈልጥን፡ "ብመንጽር እቲ ዝቐረበ ሕቶ ድማ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ሓበሬታ ንግምግሞ ኣለና፡" ኢሉ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንትካል ሓድጊ ኒጀር ዝመስረተ ፕሮፌሰር ሰሬኖ፡ ሕጊ ኒጀር ከም ዝተጣሕሰ ይኣምን።

ኣብዚ ብቐረባ ዝተራእየ ሚቲዮራይት፡ ቅድሚ ናብ መሬት ምውዳቑ ኣስታት 225 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ብቐረባ ዝተራእየ ሚቲዮራይት፡ ቅድሚ ናብ መሬት ምውዳቑ ኣስታት 225 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ

እዚ ኣብ ሰሃራ ዝርከብ ሰፊሕ ዕቝር ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር እታ ሃገር ንምቕላዕ ዓመታት ዘሕለፈ ክኢላ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ፡ ባህላውን ተፈጥሮኣውን ውርሻታት ኒጀር - እንተላይ ዝዀነ ካብ ጠፈር ዝወደቐ ነገር - ንኽምለስ ይጕስጕስ።

እዞም ዘደንቁ ሓድጊታት፡ ኣብ ሩባ ኒጀር ብእትርከብ ብርእሰ ከተማ ኒያመይ ኣብ እትሓልፍ ደሴት ዘደንቕ ቤተ መዘክር ንምቕማጥ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

"ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ንውርሻ ሓንቲ ሃገር ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር - ባህላዊ፡ ተፈጥሮኣዊ ኣቕሓ ወይ ካልእ ይዅን - ካብታ ሃገር ኣውጺእካ ክትወስዶ ኣይትኽእልን ኢኻ ይብል። እዚ ዅሉ ይክኣለሉ ካብ ዝነበረ እዋን መግዛእቲ ተናጊፍና ኢና፡" ይብል ፕሮፌሰር ሰሬኖ።

ኣብ ትሕቲ ትካል ባህሊ፡ ሳይንስን ትምህርትን ሕቡራት ሃገራት -ዩኔስኮ- ሓዊሱ ተኸታታሊ ዓለማዊ ስምምዓት፡ ንግዲ ናይዞም ኣቝሑ ንምቍጽጻር ፈቲኑ እዩ።

ግን፡ ብመሰረት ኣብ 2019 ብክኢላ ኣህጉራዊ ሕጊ ማክስ ጎነል ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሚቲዮራይት ኣብዚ ክሕወሱ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ በዞም ስምምዓት ይሽፈኑ ድዮም ኣይሽፈኑን ግን ንጹር ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ከመይ እዮም ዝሕለው ዝብል ብምሕደራ ውልቀ ግዝኣታት ወይ ሃገራት ክውሰን ከም ዝተገድፈ የመልክት።

ኒጀር ድማ፡ ኣብ 1997 ሓድግታታ ንምሕላው ዝዓለመ ናይ ገዛእ ርእሳ ሕጊ ኣጽዲቓ።

ኣብቶም ስነጥበባዊ ስርሓት፡ ስነህንጻን ስነጥንታዊን ርኽበታት ዝምልከቱ ሕጋጋት፡ ንሳይንሳዊ መጽናዕትን ንምርኢትን ትምህርትን ዝተኣከበ ቅምሶታት ማዕድናትን ኣኻውሕን ተጠቒሶም ኣለዉ፤ ሚቲዮራይት ግን ብፍሉይ ኣይተጠቕሱን።

ኒጀር ብዛዕባ መሸጣ ሶዝቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሚቲዮራይት ፍሉይ ሕጊ ከም ዘይብላ" ተኣሚና - እዚ እቲ ቤት ጨረታ ዝቐረበሉ ቦታ'ውን ዝጠቐሶ'ዩ።

ሓደ ሰብ ግን ሰበስልጣን ከየስተብሃልሉ፡ ከመይ ኢሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድን ርኡይን ቅርሲ ካብታ ሃገር ከውጽኦ ከም ዝኸኣለ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ሃደንቲ ሚትዮራይት፡ ከምዚ ኣብ ሞሮኮ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ጠፈር ዝርከብ ኣኻውሕ ንምርካብ ኣብ መልክዓ ምድሪ ይደልዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃደንቲ ሚትዮራይት፡ ከምዚ ኣብ ሞሮኮ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ጠፈር ዝርከብ ኣኻውሕ ንምርካብ ኣብ መልክዓ ምድሪ ይደልዩ

ሞሮኮ፡ ኣብ ውሽጢ ዶባታ፡ ንገለ ክፋል ሰሃራ ዘጠቓለለ፡ ብዝሒ ዘለዎም ሚቲዮራይት - ልዕሊ 1000 - ኣመልኪቱ ተመሳሳሊ ጕዳይ ኣጋጢምዋ'ዩ።

ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት እታ ሃገር፡ ደራሲት ሄለን ጎርደን "ሸበድበድ ወርቂ ሰሃራ" ኢላ ዝገለጸቶ ነገር ኣጋጢምዋ።

ኣብ ቀረባ እዋን 'The Meteorites' ኣብ ዝተሰምየ መጽሓፋ፡ ሞሮኮ "ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ሰደድቲ ኣኻውሕ ህዋ ዓለም" ምዃና ጽሒፋ።

ሞሮካዊት ተመራማሪት ዓውዲ ሚቲዮሪቲክስን ፕላነታሪ ሳይንስን ጂኦኬሚስትሪን ሞሮካዊ ፕሮፌሰር ሃስና ቸናውይ ኣውድጀሃነ፡ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ገለ ካብቲ ካብ ሃገራ ዝወጽእ ንብረት ኣብ ምቍጽጻር ዝሕግዙ ስርሓት ክትሰርሕ ጸኒሓ።

"ኣካልና'ዩ፡ ኣካል ቅርስታትና'ዩ... ኣካል መንነትና'ዩ፤ ብሃብቲ እታ ሃገር ክንሕበን ድማ ኣገዳሲ'ዩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

እታ ፕሮፌሰር ኣንጻር ንግዲ ሚቲዮራይት ዘይኰነ ነቲ ቢዝነስ ንምቍጽጻር ዝዓለመ ስጕምትታት ኣብ ምትእትታው ዓቢ ኣበርክቶ ገይራ እያ።

እቲ ሓድሽ ሕጊታት ንዋሕዚ እቶም ሚትዮራይት ኣብ ምዕጋት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተዓወተ ግን ትኣምን።

ኣብ 2011 ፕሮፌሰር ቸናውይ፡ ካብቲ ካብ ማርስ ከም ዝወደቐ ዝተረጋገጸ ሚትዮራይት ናይ ምእካብ ሓላፍነት ነይሩዋ።

እዚ ድሒሩ 'ቲሲንት ሚቲዮራይት' ተባሂሉ ዝተሰየመ ኰይኑ፡ ብድምር ሸውዓተ ኪሎ ይምዘን።

ሕጂ ግን ኣብ ሞሮኮ 30 ግራም ጥራይ ከም ዝተረፈ ትዛረብ።

ገለ ካብቲ ዝተረፈ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ቤተ መዘክር ተዓቊቡ ኣሎ፤ እቲ ዝዓበየ ቍራጽ ኣብ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ለንደን ንምርኢት ቀሪቡ ነይሩ።

ዕጫ ሚቲዮራይት ኒጀር ክትሓስበሉ ከላ፡ "ን25 ዓመታት ዝነብረሉ ዘለኹ ነገር እዩ። ዘሕዝን'ዩ፡ በዚ ክንሕጐስ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ዘሎ ኵነታት ግን ሓደ ዓይነት፡" ብምዃኑ ከም ዘይገረማ ትዛረብ።

ፕሮፌሰር ሰሬኖ መሸጣ ሶዝቢ ነጥበ መቐይሮ ስጕምቲ ክገጥሞ ተስፋ ይገብር፤ እዚ ንምዕዋት ድማ ሰበስልጣን ኒጀር የሻል እንከይበሉ ክማጐቱ ይጽበ።

ካብዚ ብዝሰገረ ግን፡ "ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቤተ መዘክር እንተቐሪቡ፡ እቲ ቤተመዘክር እዚ ሚትዮራይት ኒጀር ትሓተሉ ዘላ ምዃኑ ብግልጺ ክፈልጥ ኣለዎ፡" ኢሉ።