ስነፍልጠተኛታት፡ ኣብ ጐደቦና ምልክታት ገዛፍ ፕላኔት ረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, NASA, ESA, CSA, STScI, R. Hurt (Caltech/IPAC)
ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ኣብቲ ናብ መሬት ዝቐረበ ምዃኑ ዝንገረሉ ስርዓተ-ከዋኽብቲ ሓንቲ ግዙፍ ፕላኔት ጋዝ ከም ዘላ ዓቢይ መርትዖ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።
እታ ፕላኔት ኣርባዕተን ፈረቓን ብርሃን ዓመት ርሒቓ ትሃሉ'ምበር፡ ብመንጽር ህዋ ግን ቀረባ እዩ። ህይወት ከስርር ዘኽእላ ወርሒታት ክህሉዋ ድማ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ምልክታት ካብቲ ኣብ ስርዓተ-ኮኾብ ኣልፋ ሴንታውሪ ዝርከብ ጀምስ ዌብ ስፔስ ተለስኮፕ ዝተረኽበ እዩ።
እታ ፕላኔት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እኳ እንተ ተረኽበት፡ ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ ምክትታል ግን ተሰዊራ ጸኒሓ። ተመራመርቲ ህላውነታ ንምርግጋጽ ድልያኦም ክቕጽሉ ነይሩዎም።
ኣብ ዙርያ እታ ፕላኔት ዘሎ ኮኾብ ምስ ጸሓይ ስለ ዝመሳሰል፡ ተመራመርቲ ስነፍልጠት ተሓጒሶም ኣለዉ።
"ኣርባዕተ ዓመት ብርሃን ርሑቕ እኳ እንተዀነ፡ ብመንጽር ጋላክሲ ክርአ እንከሎ ግና ኣዝዩ ቀረባ እዩ - ጐሮቤትና እዩ።፡" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር መሳርሒታት ህዋ ዶክተር ካርሊ ሃውት።
"እቲ ኮኾብ ብሙቐትን ድምቀትን ምስ ጸሓይ ተመሳሳልነት ኣለዎ። ብዛዕባ ህይወት ክሰረሉ ዝኽእል ዓለማት ክንሓስብ እንተ ደሊና፡ እዚ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ፡" ክትብል ወሲኻ ትገልጽ።
እታ ፕላኔት ከምተን ኣብ ስርዓተ-ጸሓይና ዘለዋ ግዙፋት ጋዝ ዝዀና ሳተርንን ጁፒተርን እትመስል እያ፣ ብረጒድ ደበና ጋዝ ዝተሸፈነት'ውን ትመስል።
በዚ፡ እታ ፕላኔት ንባዕላ ምናልባት ህይወት ክህሉ ኣይተኽእልን ትኸውን፣ ወርሒታታ ግን ህይወት ክሰርር የኽእላ ይዀና።
ኣብ ስርዓተ-ጸሓይና ዝርከባ ከም ጁፒተርን ካልኦት ፕላኔታትን ብበረድ ዝተሸፈነ ወርሒታት ስለ ዘለወን፡ ኣብአን ህይወታዊ ክነብር ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይኣምኑ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ተመራመርቲ ስነፍልጠት ነዚ ተኽእሎ'ዚ ኣብ ዩሮፓ ክሊፐርን ጁስን ኣብ ኰይኖም ይምርምሩዎ ኣለዉ።
እተን ፕላኔታት ግን ካብታ ህይወት እትህብ ጸሓይና ርሒቐን እየን ዘለዋ። እታ "ሓዳስ" ክትከውን እትኽእል ፕላኔት ብተዛማዲ ናብ ኮኾባ ዝቐረበት እያ።
እቶም ምልክታት ብቐጥታ ካብ ጀምስ ዌብ ስፔስ ተለስኮፕ ዝተረኽቡ እዮም። እዚ ተለስኮፕ'ዚ፡ ስነፍልጠተኛታት ርሑቕ ነገር "ንምርኣይ" ዘኽእሎም ዛጊት ዘሎ ዝበለጸ መሳርሒ እዩ።
ቻርለስ በይችማን ካብ ናሳ ጀት ፕሮፑልሽን ላቦራቶሪ፡ "እዞም ከዋኽብቲ ኣዝዮም ድሙቓት፡ ዝቐረቡን ብቕልጡፍ ኣብ ሰማይ ዝንቀሳቐሱን ስለ ዝዀኑ፡ ዋላ በቲ ዛጊት ዘሎ ዝሓየለ ተለስኮፕ ገይርካ ትዕዝብቲ ንምውሳድ ኣዝዩ በዳሂ እዩ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ከዋኽብቲ ኣብ ጥቓኦም ንዘሎ ነገራት ክዓግት ዝኽእል ሓያል ድሙቕ ብርሃን ይፈጥሩ።
በዚ ምኽንያት እያ ትኸውን፡ እታ ፕላኔት ኣብ ነሓሰ 2024 ተራእያ ክንሳ ብድሕሪኡ ግን ዝተሰወረት።
"ምናልባት እታ ፕላኔት ወይ ብድሕሪ እቲ ኮኾብ ተኸዊላ ወይ ድማ ክትርእያ ኣዝያ ቀሪባ ነይራ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ዕድል ክትገብር የድልየካ፡" ትብል ዶክተር ሃውት።
ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ተወሳኺ ምልክታት እታ ፕላኔት ክደልዩ እዮም። ኣብ 2027 ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ናሳ ግሬስ ሮማን ስፔስ ተለስኮፕ ክጥቀሙ ድማ ተስፋ ኣለዎም።
ብጀምስ ዌብ ስፔስ ተለስኮፕ ዝግበር ትዕዝብቲ እውን፡ ስፔክትራል ኢሜጅንግ ዝበሃል ነገር ብምጥቃም፡ እታ ፕላኔት ብምንታይ ከም ዝቘመት ክፈልጡ ክሕግዞም እዩ።
እዚ ድማ ብዛዕባ መልክዕ እታ ፕላኔት፡ ወርሒታታን ንኽትነብረለን ዘኽእላ ድየን ዝብል ንጹር ስእሊ ክህብ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







