ናብ ምድሪ ክወድቑ'ዮም ዝተበሃሉ ኣኻውሕ ጠፈር ክሳብ ክንደይ የስግኡና?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣስተሮይድ ክንሓስብ ዝድርኹና ነገራት ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ፊልምታት ወይ ድማ ዜናታት እዮም።
ኣብ ቀረባ እዋናት ድማ ገለ ኣስተሮይዳት ናብ ምድሪ ከይወድቁ ስግኣት ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ይስምዑ ኣለዉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስግኣቶም ዝገልጹ ዘለዉ እውን ሒደት ኣይኰኑን።
ንምዃኑ ኣስተሮይድ እንታይ እዩ?
ናብ ምድሪ ከይወድቁ ስግኣት ዝፈጥሩ ኣየኖት እዮም?
እቲ ስግኣት'ከ ማዕረ ክንደይ ዘሰክፍ እዩ?
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኣስትሮይድ ኣተኲረን ዝነጥፋ ብዙሓት ትካላትን ማእከላት ትዕዝብትን ኣለዋ።
ኣስተሮይድ ቅድሚ 4.6 ቢልዮን ዓመታት ንመሬት ዘጠቓለለ ስርዓተ ጸሓይ ክፍጠር እንከሎ፡ ዝተረፉ ወይ ድማ ደንጐላታት ጠፈር ወይ ኣኻውሕ እዮም።
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዚኦም ዝበሉ ኣኻውሕ ከምዘለዉ ተመራመርቲ ይገልጹ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብቲ ኣብ መንጎ ማርስን ጁፒተርን ዝርከብ ንጸሓይ ዝዘውር ቀንዲ ቅናት ኣስተሮይድ ይርከቡ።
ገለ ካብዚኦም ናብ መሬት ብቕርበት ይጽግዑ እዮም።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦፕን ዓባይ ብሪጣንያ ኤሜሪቱስ ፕሮፌሰር ሳይንስ ፕላኔታትን ህዋን ዝዀነት ሞኒካ ግሬዲ፡ "ገለ ካብዞም ከዋኽብቲ እታወታት ምዕባለ ህይወት ክዀኑ ዝኽእሉ ብዙሓት ኦርጋኒክ ውህደታት ኣለዎም" ብምባል ብዛዕባ ምዕባለ ህይወት ንምርዳእ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ትገልጽ።
"ሓደ ግምታዊ መርትዖ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ክፍጠር ዝኸኣለ፡ ንህይወት ዝዀኑ ውህደታት ብኣስተሮይድ ኣቢሎም ናብ መሬት ስለዘምጽኡ ጥራይ ከምዝዀነ የመልክት" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, NASA/Ben Smegelsky
መብዛሕትኦም ኣስተሮይዳት ጉድኣት ከየስዓቡ ዝሓልፉ ኰይኖም ገሊኦም ግን ዘተሓሳስቡን ስክፍታ ዝፈጥሩን እዮም።
"ናብ ጥቓ መሬት ኣብ ዝጽግዑ ነገራት ብዙሕ ተገዳስነት ኣሎ። ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዝገብርዎ ዑደት ውሑስ ምዃኑ ክሳብ ዝፍለጥን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ንምግማትን ብቐረባ ምክትታል ይግበረሎም እዩ" ትብል ሞኒካ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ፊዚክስን ስነ-ፍልጠትን ተመራማሪት ኣጋታ ሮዛክ ብወገና፡ "ካብ መሬት ኣዝዩ ርሒቑ ዘይልሙድ ኣቃውማ ዘለዎም ነገራት ኢና ንእልሽና" ትብል።
ኣስተሮይዳት ብሓፈሻ ክረኣዩ እንከለዉ፡ እቶም ዓበይቲ ብዙሕ ሓደጋ የብሎምን።
"ኣበይ ከም ዘለዉን ናበይ ከም ዝኸዱን ብልክዕ ንፈልጥ ኢና።"
"ንምንቅስቓሶም ዝመርሕ ሕጊታት ብጽቡቕ ተረዲእናዮ ኣለና። ዘይተለምደ ነገራት ምስ ዘጋጥም ድማ ብዛዕባኦም ብምጽናዕ ዝያዳ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና" ክትብል ትውስኽ።
"ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዝገብርዎ ዑደት ክሳብ ዝፍለጥ ስግኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ እቶም ንኣሽቱ፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ [ኣስተሮይድ] እዮም።"
ብመሰረት እተን ተመራመርቲ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሰለስተ ካብቶም ዓበይቲ ኣስተሮይዳት ክትትል ይግበረሎም ኣሎ።
ካልእ ኣስተሮይድ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝዀነ ናሳ መጽናዕቲ የካይደሉ ኣሎ።
1. ኣፖፊስ

ምንጪ ስእሊ, NASA
እዚ ኣስትሮይድ ብስም እቲ ኣብ ግብጺ ከም ኣምላኽ ህውከትን ጥፍኣትን ዝሕሰብ ኣፖፊስ ዝተሰመየ ኰይኑ፡ ኣብ 2004 እዩ ተረኺቡ።
ኣፓፊስ ናብ መሬት ናይ ምውዳቕ ዕድሉ ትሑት ዕድል ከምዘለዎ እዩ ክሕሰብ ጸኒሑ።
እንተዀነ ናሳ "ኣፖፊስ እንተወሓደ ን100 ዓመት ንመሬት ዝሃርመሉ ዕድል ከምዘየለ ርግጸኛ ኢና" ክብል ድሒሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።
"ካብ ዝተረኸበሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ መሬት ዝተሰረተ ሰፊሕ ናይ ምክትታል ወፍሪታት ኣካይድና ኢና። እቶም ጂኦስተሽነሪ ሳተላይታት ኣብ ዝርከቡሉ ብቐረባ ምንቅስቓስ ይገብር። ምስ መሬት ብዘለዎ ቅርበት ድማ መጠኑ ክብ ክብልን ቅርጹን ክቕይርን ይኽእል'ዩ ኢልና ንግምት" ትብል ሮዝክ።
ብመሰረት ናሳ፡ ስሕበት መሬት፡ ኣፖፊስ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዘለዎ ዑደት ክቕይርን ገለ ንኣሽቱ መፍረስቲ ከጋጥሞን ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።
ኣፖፊስ ብማእከላይ ገምጋም 340 ሜትሮ ሰንጣቒት ዘለዎ ኰይኑ፡ ንውሓቱ ክንዲ ሰለስተ ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ይኸውን።
ካብ መሬት 32 ሽሕ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ድማ ይሓልፍ። ኣብዚ ርሕቀት'ዚ ድማ ብዓይኒ ክርአ ይኽእል'ዩ።
2. 2024 ዋይአር4

ምንጪ ስእሊ, ATLAS
እዚ ኣስተሮይድ ካብ 53 ክሳብ 67 ሜትሮ ስፍሓት ከም ዘለዎ ይግመት። ክብደቱ ምስ 15 ደብሪ ዘለዎ ህንጻ ማዕረ ይኸውን ማለት እዩ።
ኣብ 2032 ንመሬት ክሃርም ንእሽቶ ተኽእሎ ከምዘሎ ምስተፈልጠ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣርእስታት ዜና ኰይኑ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ 0.03125 ሚእታዊት ንመሬት ናይ ምውቃዕ ዕድል ከምዘለዎ ብተመራመርቲ ተገሚቱ'ኳ እንተነበረ፡ ናሳ ግን ድሒሩ ቅኑዕ ግምት ከምዘይኰነ ኣፍሊጡ።
"ንመሬት ክሃርሙ ዝኽእሉ ኣስተሮይዳት ምስ ምዕዛብ ብዝተሓሓዝ ካብ ዘጋጥሙ ብድሆታት እቲ ሓደ፡ እዚ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ክሳዕ ክንደይ ከምዝዀነ ምፍላጥ እዩ" ትብል ፕሮፌሰር ግሬዲ።
"ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ብዝግባእ ንምጽራይ ንገብሮ ዘለና ምክትታል ክንቅጽሎ ኣለና" ክትብል ትውስኽ።
2024 ዋይኣር4 ንወርሒ ክሃርም ዘሎ ተኽእሎ 3.8 ሚእታዊት እዩ። እዚ ግን ኣብ ዑደት ወርሒ ምዝንባዕ ዝፈጥር ከምዘይኰነ ናሳ ይገልጽ።
3. ዲዲሞስን ዲሞርፈስን

ምንጪ ስእሊ, NASA/Johns Hopkins APL/Steve Gribben
ዲዲሞስ ብቋንቋ ግሪክ ማንታ ዝብል ትርጕም ይህብ። ኣብ ዙርያ እዚ ዲዲሞስ ብዝብል ዝተሰመየ ኣስተሮይድ ዝዘውር ንእሽቶ ወርሒ ድማ ዲሞርፈስ ብዝብል ይጽዋዕ።
እዞም ክልተ ኣኻውሕ ኣብ መሬት ሓደጋ ከስዕቡ ትጽቢት ኣይግበርን። ይዅን እምበር ብተዛማዲ ናብ መሬት ቀሪቦም ክሓልፉ ተኽእሎ ኣሎ።
እዞም ክልተ ኣኻውሕ ኣብ 2022 'ዳብል ኣስተሮይድ ሪዳይረክሽን ቴስት' ዝተባህለ ፈተነ ናሳ ዒላማ ኰይኖም።
ኣብዚ ፈተነ፡ ሰብ ኣልቦ መንኮርኮር ጠፈር ምስ ዲሞርፈስ ክትጋጮ ተላኢኻ፤ ኣብቲ ፍጻመ ድማ እታ መንኮርኮር ተሓምሺሻ።
ዕላማ እቲ ፈተነ፡ ሓደገኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ ኣኻውሕ ህዋ ብዘይ ስግኣት ምውጋድ ዝከኣል እንተዀይኑ ንምርግጋጽ እዩ ነይሩ።
ዲሞርፈስን ዲዲሞስን ነዚ ፈተነ ክምረጹ እንከለዉ፡ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መስርሕ'ዩ ነይሩ። እቲ ፈተነ ክልቲኦም ኣኻውሕ ምስ መሬት ኣብ ዝተሓላለፉሉ መንገዲ ኣይነበረን። ንእሽቶ ለውጢ እውን እንተዀነ ሓደጋ ክብ ከብል ተኽእሎ ኣይነበረን።
"ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግብራዊ ፈተነ፡ ዲሞርፈስ ኣብ ዙርያ ዲዲሞስ ዝገብሮ ዑደት ብምቕያር ኣብ ልዕሊ ዲሞርፈስ ጽልዋ ኣሕዲሩ" ትብል ሮዘክ።
"እዚ ለውጢ ብቐንዱ ኣብ መሬት ዝተመርኮሰ ትዕዝብቲ ብምጥቃም እዩ ተዓቂኑ።"
"ውጽኢት እቲ ምግጫው ክምርምር ዝለኣኽ ተልእኾ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ቅድሚ ምብጋሱ ነዚ ጉዳይ ምክትታልና ክንቅጽል ኢና" ትብል እታ ተመራማሪት።
4. ሳይኪ

ምንጪ ስእሊ, NASA
"ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቀንዲ ቅናት ኣስተሮይድ ዝርከቡ ኣዝዮም መሰጥቲ ኣኻውሕ ሳይኪ" ምዃኑ ናሳ ይገልጽ።
ኣብ 1852 ምስ ተረኸበ ብስም እቲ ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ነፍሲ ተሰይሙ።
ሳይኪ ካብ መሬት እዝዩ ርሒቑ ይርከብ። ኣብ መንጎ ጁፒተርን ማርስን ኰይኑ ድማ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዑደት የካይድ። ካብ ሓጺንን ከውሕን ዝተሰርሐ ከምዝዀነ ድማ ይእመን።
ተመራመርቲ፡ መብዛሕትኡ እቲ ሓጺን ካብቲ ፕላኔቴሲማል ዝተበሃለ ፕላኔታት ዝፍጠሩሉ ፍርስራስ ዝርከበሉ ሕምብረቲ ከም ዝመጸ ይኣምኑ።
ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ሳይኪ ዝግበር መጽናዕቲ፡ ሕመረት መሬትን ካልኦት ፕላኔታትን ብኸመይ ከምዝቘሙ፣ ብርሃን ክህብ ከምዝኽእል እምነት ኣለዎም።
ናሳ ካርታ እቲ ኣስተሮይድ ንምስራሕን ንምጽናዕን ዝገብሮ ተልእኾ ኣብ 2023 እዩ ጀሚሩ።
ሓደስቲ ርኽበታት

ምንጪ ስእሊ, NSF-DOE Vera C. Rubin Observatory
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ቬራ ሲ ሩቢን ኦብዘርቫቶሪ ዝተበሃለ ማዕከል ምክትታል፡ ሓድሽ ቴለስኮፕ ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ 10 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 2000 ሓደስቲ ኣስተሮይዳትን ሸውዓተ ናብ መሬት ዝቐረቡ ነገራትን ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
ኵለን ኣብ ምድርን ኣብ ጠፈርን ዝርከባ ማእከላት ምክትታል ኣብ ዓመት ኣስታት 20,000 ኣስተሮይዳት ይረኽባ።
ፕሮፌሰር ግሬዲ፡ "ንብምሉኡ ሰማይ ለይቲ ኣብ ካርታ ንምስፋር እንተደሊኻ፡ ኣዝዩ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝዀነ ዓውዲ ምክትታል ክህልወካ ኣለዎ። ኣብ ቬራ ሲ ሩቢን ኦብዘርቫቶሪ ዘሎ ቴሌስኮፕ ከምኡ ዝበለ እዩ" ትብል ፕሮፌሰር ግሬዲ።
እቲ ማእከል ምክትታል፡ ኣብተን ፈላሞት ሒደት ዓመታት ናይቲ ፕሮጀክት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሓደስቲ ኣስተሮይድ ክረክብ ትጽቢት ይገብር።
እዚ ድማ ተመራመርቲ ብዙሓት ተወሰኽቲ ኣስተሮይድ ክዕዘቡን ብዛዕባ ስርዓተ ጸሓይ ዝያዳ ርድኢት ክረኽቡን ከምዘኽእሎም ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







