ኣብ ካልእ ፕላኔት ህይወት ተረኺቡ ድዩ?

መሬት ምስታ ብኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት ዘለና ፕላኔት

ምንጪ ስእሊ, Cambridge University

ተመራመርቲ፡ ኣብ ዙርያ ካልእ ኮኾብ ዑደት እትገብር ['ኦርቢቲን'] ካብ መሬት ርሒቓ እትርከብ ፕላኔት ህይወታውያን ዝነብሩላ ክትከውን ከም እትኽእል፡ ዘይተረጋገጸ መርትዖ ረኺቦም።

ንከባቢ ኣየር ናይታ 'K2-18b' እትበሃል ፕላኔት ዘጽንዑ ጉጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ኣብ ምድርና ብቐለልቲ ህይወታውያን ጥራይ ናይ ዝፍጠሩ 'ሞለኪዩላት' ምልክታት ኣብኣ ረኺቦም።

እዚ ኣብ ከባቢ ኣየር እታ ፕላኔት፡ 'ጀምስ ዌብ ስፔስ' ብዝተብሃለ ዓብዪ ቴለስኮፕ ናሳ ዝተረኽበ ካልኣይን ዝያዳ ተስፋ ዝህብን ምስ ህይወት ዝተኣሳሰር ምልክት ኮይኑ'ሎ።

እቲ ጉጅለን ካልኦት ተመራመርቲ ስነ-ከዋኽብትን ግን ነዚ ውጽኢት ንምርግጋጽ ዝያዳ መረዳእታ ከምዘድሊ ይሕብሩ።

መሪሕ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ኒኩ ማድሁሱዳን ካብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ እቲ ጽኑዕ መርትዖ ኣብ ቀረባ እዋን ክረኽብዎ ተስፋ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።

"ኣብኡ ህይወት ክህሉ ይኽእል'ዩ ንዝብል ግምት፡ እዚ እቲ ዝደልደለ መርትዖ'ዩ። ነዚ ምልክት ኣብ ውሽጢ ሓደ ክሳብ ክልተ ዓመት ከነረጋግጾ ከም እንኽእል ብጭቡጥ ክዛረብ እኽእል እየ" ኢሉ።

ፕላኔት 'K2-18b' ግዝፋ ክልተን ፈረቓን ዕጽፊ መሬት ኮይና ካባና ሸውዓተ ሚእቲ ትሪልዮን ማይልስ ርሒቓ ትርከብ።

ጉጅለ ተመራመርቲ ካምብሪጅ፡ ከባቢ ኣየር እታ ፕላኔት እንተወሓደ ካብቶም ምስ ህይወት ዝተኣሳሰሩ ክልተ ሞለኪዩላት፡ ማለት 'ዳይሜቲል ሳልፋይድ' (DMS)ን 'ዳይሜቲል ዳይሳልፋይድን' (DMDS)ን፡ ናይ ሓደ ኬሚካላዊ ትሕዝቶ ዝሓዘ ይመስል። ኣብ ምድሪ እዞም ጋዛት ብናይ ባሕሪ ፋይቶፕላንክተንን ባክተርያን ዝፍጠሩ እዮም።

ፕሮፌሰር ማድሁሱዳን፡ ሓደ ግዜ ጥራይ ኣብ ዝተገበረ ትዕዝብቲ ክንድዚ ዝኣክል ጋዝ ክርከብ ምኽኣሉ ከምዘግረመሉ ገሊጹ።

"ኣብ ከባቢ ኣየር እታ ፕላኔት ከምዘሎ ንግምቶ ዘለና መጠን ጋዝ፡ ካብቲ ኣብ ምድርና ዘሎና ብኣሽሓት ዕጽፊ ይዛይድ" ክብል ኣረዲኡ።

"ስለዚ፡ እቲ ምስ ህይወት ዘሎ ምትእስሳር ናይ ብሓቂ እንተኾይኑ፡ እዛ ፕላኔት ብህይወታውያን ክትመል እያ" ኢሉ።

ፕሮፌሰር ማድሁሱዳን "ኣብ 'k2-18b' ህይወት ከምዘሎ እንተ ኣረጋጊጽና ብመሰረቱ ኣብ ጋላክሲ ህይወት ኣዝዩ ልሙድ ምዃኑ ከረጋግጽ ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ።

ኣብዚ ደረጃ እዚ ከምቲ ጉጅለ ተመራመርቲ ፕሮፌሰር ማድሁሱዳን እትኣምኖ፡ ብዙሕ "እንተ"ን "ግን"ን ኣሎ።

ቀዳማይ፡ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኣየ ምልክት፡ ከም ርኽበት ኣብ ዝግለጸሉ ስሩዕ ደረጃ ዝበጽሐ ኣይኮነን።

ስለዚ እቶም ተመራመርቲ ውጽኢቶም ቅኑዕ ምዃኑን ግምታዊ ንባብ ከምዘይኮነን ኣስታት 99.99999 ሚእታዊት ርግጸኛታት ክኾኑ ኣለዎም።

እዚ ናይ ቀረባ ውጽኢታት ግን 99.7 ሚእታዊት እዩ ዘሎ። ብዙሕ እንተመሰለ'ኳ፡ ንማሕበረሰብ ሳይንስ ንምእማን ግን እኹል ኣይኮነን።

ተለስኮፕ ጀምስ ዌብ ስፔስ

ምንጪ ስእሊ, NASA

ግን ከኣ ጉጅለ ተመራመርቲ ካምብሪጅ ነቲ 99.99999 ዝበሃል ውጽኢት'ውን ክረኽቡ እትኽኢሎም፡ ነቲ ኣብዛ ፕላኔት ህይወት ኣሎ ድዩ ዝብል ዘረጋግጽ ውዱእ መርትዖ ክኸውን ከምዘይክእል፡ ፕሮፌሰር ካትሪን ሄይማንስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንብራ ትሕብር።

"ዋላ'ውን ከምኡ ርግጸኝነት እንተሃልዩ፡ መበገሲ ናይቲ ጋዝ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ'ውን ኣሎ" ክትብል ንቢቢሲ ኒውስ ገሊጻ።

"ኣብ ዩኒቨርስ ብዙሕ ዝገርም ነገራት ስለዘጋጥም ኣብታ ፕላኔት እንታይ ካልእ ጂኦሎጂካዊ ንጥፈታት'ዩ ነቶም ሞለኪዩላት ከፍሪ ክኢሉ ዝብል ኣይንፈልጥን ኢና" ኢላ።

ነዚ ርእይቶ ተመራመርቲ ካምብሪጅ'ውን ይሰማማዓሉ። ምስ ካልኦት ጉጅለታት ኮይኖም ከኣ ሞለኪዩላት፡ ማለት 'ዳይሜቲል ሳልፋይድ' (DMS)ን 'ዳይሜቲል ዳይሳልፋይድን' (DMDS)ን፡ ብዘይካ ህይወታውያን ብኻልእ መገዲ ክፈርዩ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ይምርምሩ ኣለዉ።

"ምስ K2-18b ክፋል ናይቲ ሳይንሳዊ ክትዕ ሕጂ'ውን ብዛዕባ ኣቃውማ እታ ፕላኔት'ዩ" ኢሉ።

ፕሮፌሰር ማድሁሱዳን፡ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ሕቶታት ነቲ ሓደ ክምልስ እንተኾይኑ፡ ገና ክኸዱ ዝግባእ ነዊሕ ርሕቀት ከምዘሎ ይኣምን። ንሱን መሳርሕቱን ኣብ ቅኑዕ መገዲ ከምዘለዉ ከኣ ይኣምን።

ምናልባት ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እዚ ናይ ሕጂ ኣፋፍኖት ምርምሮም ተጋሂዱ ዝረኣየሉን ዝዝረበሉን ኣጋጣሚ ክህሉ ከምዝኽእል ከኣ ተስፍኡ ተዛሪቡ።

"እዚ ምናልባት ሓደ እዋን ነቲ 'ኣብዚ ዩኒቨርስ ህይወታውያን በይንና ዲና ዘለና?' ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ክንረኽበሉ እንኽእል መበገሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ።