ምላሽ ገዱ ኣንዳርጋቸው ንኣቢይ ኣሕመድ እንታይ ይብል?

ገዱ ኣንዳርጋቸው
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብሰሉስ 03 ለካቲት ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ምትፍናን ንዝፈጠረ" ጉዳይ ኣመልኪቱ ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእከ ስሙ ዝተረቝሐ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ነበር ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ 'ጻልጣ ሓሶት' ምዃኑ ብምግላጽ ምላሽ ሂቡ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ምስ ሓሶት ዝተባእሰ" ምዃኑ ብምምልካት ድማ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝተዓደሞ ናይ ሓሶት ዝበሎ ምስክርነት ከ ምዘይሳተፍን እቲ ክምስክሮ ዝኽእል እቲ "ዝፈልጦ ሓቂ" ጥራይ ምዃኑ ከኣ ገሊጹ።

እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ነበር ከም ዝተጻሕፈ ዘመልክት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቀረባ መሓዙቱ ተዘርጊሑ ዘሎ ብዓል ሰለስተ ገጽ ደብዳበ ብዙሕ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

ቢቢሲ ሓቅነት እቲ ደብዳቤ ንምምርግጋጽ ናብቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር እታ ሃገር መልእኽቲ ጽሒፉ፤ እቲ ጽሑፍ ናቱ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ነበር ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝነበረ ኵነታት፡ መንግስቲ ብፍላይ ከኣ ባዕሉ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ህዝቢ ካልኦት ክልላት ብሓፈሻ ዝነበሮም ኣረኣእያ ዘርዚሩ።

ንኤርትራ ዝተላእከሉ ጉዳይ ኣመልኪቱ'ውን እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ናብ ኤርትራ ከይዱ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተራኸበ ብምጥቃስ፡ እቲ ዝተዘራረብሉ ጉዳይ ግን ከምቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝበሎ ኵነታት ህዝቢ ትግራይ ኣተሓሳሲብዎ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።

ኣቢይ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተፈጸመ ቅትለትን ዕንወትን ኣተሓሳሲብዎ፡ ንገዱ ኣንዳርጋቸው ናብ ኤርትራ ከም ዝለኣኾ ኣብቲ ውዕሎ ፓርላማ ተዛሪቡ እዩ።

ኣቶ ገዱ ካብቲ ኵሉ ዝተባህለ እታ ሓንቲ ሓቂ እታ ናብ ኣስመራ ዝተገብረት መገሻ ጥራይ ምዃና ብምጥቃስ፡ እቲ ዝተላዕለ ዛዕባታት ድማ ኣቃሊዑ።

ኣብዚ ሕጂ ዘርጊሕዎ ዘሎ ናብ ኣቢይ ዝተጻሕፈ ደብዳብኡ ድማ፡ "ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2013 [ግ] ሓደ ብዓል ስልጣን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሒዘ፡ ነቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከብጽሖ ዝለኣኽኩምኒ መልእኽቲ ከብጽሕ ንጽባሒቱ ናብ ኣስመራ በጺሐ ተመሊሰ፡" ብምባል እተን ቀንዲ ሰለስተ መልእኽታት ይዝርዝር።

  • እቲ ኣብ ልዕሊ ወያነ ዝወሰድናዮ ዝተወሃሃደ ስርሒት ብዓወት ስለ ዝዛዘምናዮ ናይ እንቋዕ ደስ በለና መልእኽቲ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምብጻሕ፣
  • ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝዀነ ሰሜን እዝ ምስ ተጠቕዐ፡ ተቐቢሎም ንዝገበርዎ ክንክን፡ ብድሕሪኡ ድማ ንመልሰ-መጥቃዕቲ ድሉው ክኸውን ንዝገበሩልና ሕውነታዊ ድጋፍ፤ ናብ ህዝብን መንግስት ኤርትራ ምስጋና ምብጻሕ፣
  • ሓደ ሓደ ደገፍቲ ወያነ ይዅኑ ጽቡቕ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይደልዩ ናይ ግዳም ሓይልታት ብፍላይ ድማ ዓለምለኻውያን ትካላትን ሚድያን ምስ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተሓሓዝ ሰፊሕ ወፍሪ ከፊቶምልና ኣለዉ። እዚ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ንዅልና ሳዕቤን ከምጽኣልና ስለ ዝኽእል ጥንቃቐ ክንገብር ኣለና፣ ዝብል ምንባሩ ኣቐሚጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኲናት መሳልፍቱ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብኸምዚ ዓይነት ግፍዓዊ ተግባራት ክኸስስ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

እዚ መልእኽቲ ሒዙ ኣብ ቅድሚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቐረበ ኣቶ ገዱ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ካብቲ ፕረዚደንት "ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዝቐርብ ዘሎ ወፍሪ በብወገንና ንታሕተዎት መምርሒታት ዘድሊ ጥንቃቐ ንግበር፤ ብዝተረፈ ኣነን ኣቢይን ብዝተሰማማዕናዮ መሰረት ገና ብዙሕ ዝስራሕ ዕማም ኣለና፡" ዝብል ምላሽ ከም ዝረኸበ ክጠቅስ እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ "ዝተረፈ" ዝበሎ ስርሓት ግን ዝዀነ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንኤርትራ ኣብ ዝነቕለሉ ዝነበረ እዋን፡ ገዱ "ማሕበረሰብ ዓለም ዝሓተና ዘሎ" ኢሉ ዝጠቐሶ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝምልከት ከም ተወሳኺ መልእኽቲ ክማላእ ንኣቢይ ሓቲትዎ ከም ዝነበረ ጠቒሱ'ሎ። እንተዀነ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ፍጹም ክለዓል ከም ዘይብሉ ከም ዘተሓሳሰቦ እውን ጽሒፉ'ሎ።

ኣቶ ገዱ ኣብ ደብዳበኡ፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ውዕሎ ፓርላማኡ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስፈሮ ትሕዝቶ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ክሳዕ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ናይ ሓንቲ ሃገር ብዝመስል መልክዑ ከም ዝተዋግኡ ብጥቃስ፡ "ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዝተረፈሉ ስርሒት ዳርጋ የሎን፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "ካልእ ተሪፉ ኣብ ክራማት 2013 ሓይልታት ትግራይ፡ ክልል ኣምሓራ ሰጊሮም ክሳብ ደብረታቦር ዝበጽሕሉ እዋን፡ ሰራዊት ኤርትራ መጺኡ ከም ዝተዋግአ ኢና ንዝክር፡" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኲናት ብሓፈሻ፡ "ንምእማን ብዘጸግም ኵነታት ህዝቢ ትግራይ ክዳቐቕ" ዝገበረ ምንባሩ ብምጥቃስ ኣቶ ገዱ፡ ብዅሎም እቶም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ፣ እንተላይ ሓይልታት ትግራይ ወሲኽካ ህዝቢ ትግራይ ዝወረዶ ሃስያ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ይቕረታ ክሓትት ትጽቢት ከም ዝነበሮ'ውን ኣስፊሩ'ሎ።

እዚ ተሪፉ ግን "ኣነ ንጹህ እየ..." ብዝብል ሃቐነ እቲ ኵሉ በደል ናብ ሓደ ወገን ከተጸግዖ ምፍታን፡ ካብ ፖለቲካውን ሞራላውን ተሓታትነት ዘድሕን ከም ዘይኰነ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ኣቶ ገዱ፡ "ሓቂ ንምዝራብ ኣብቲ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ወገነይ ኢሉ ኣብ ጐድኑ ዝቘመ ህዝቢ ይዅን መንግስቲ ኣይነበሮን፡" ብምባል በቲ ዝተፈጥረ ኵነታት ሕማቕ ከም ዝስምዖ ኣስፊሩ'ሎ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ በደል ኣመልኪቱ ኣብ ዘስፈሮ ትሕዝቶ ደብዳበኡ ኣቶ ገዱ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ዝተገብረ መጥቃዕትን ዝሰዓበ ኵነታትን ሃንደበት ኰይንዎ ብዘይረዳኢ ተነጺሉ ኣብ ዝነበረሉ ኵነታት፡ ኢሉ ብምጥቃስ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ናይቲ ውግእ ምስ ምትሓዝ ከተማ መቐለ ምስ ኣቢይ ዝነበሮ ዝርርብ ጠቒሱ'ሎ።

ኣብቲ ንምትሓዝ እታ ከተማ ንምጽንባል ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ በይኖም ርክብ፡ ንኣጠማምታ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ልዕሊ'ቲ "ዝወረዶ በደል ኣተሓሳሲቡኒ ናብ ኤርትራ ልኡኽ ሰዲደ" ዝብሎ ህዝቢ ትግራይ ዝነጽር ዝበሎ ዘረባ ኣቐሚጡ'ሎ።

ሽዑ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፡ "ስርዓት ኣልቦነት ከይሰፍን፣ ሰራዊት ብዓወት ሰኺሩ ናብ ሕነ ምፍዳይ ከይኣቱ፡ ስቪላዊ ምምሕዳር ብቕልጡፍ ክቐውም፣ ህዝቢ በደል ዝወርዶ እንተዀይኑ ህወሓት ክናፍቕን እዚ ድማ ንዕኦም ከሐይልን እዩ..." ዝብሉን ካልኦት ነጥብታትን ዝተላዕልሉ ርክብ ኣኼባ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልቲኦም ኣብ በይኖም ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፤

ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ተጋሩ ድሕሪ ደጊም ካብ ዝወረዶም ስዕረት ሓይሎም ክትንስኡ እዮም ኢልካ ኣይትሕሰብ፤ ከም ዘይትንስኡ ገይርና ሰቢርናዮም ኢና፤ ብዙሕ ሰብ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ይብለኒ እዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ መን ይበልጽ? ከም ዘይትንስእ ገይርና ኣዳቒቕናዮ ኢና፤ ብሕጂ ድማ ብዝኸፍአ ከነዳቕቖ ኢና።

"ስዕረት ከቢድ ስለ ዝዀነ፡ ድሕሪ ሕጂ እቲ እንፈልጦ ህዝቢ ትግራይ ተመሊሱ ኣይክመጽእን እዩ፡" ንዝበሎ ብምስፋር፡ "እቲ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዘለኩም ኣመለኻኽታ እዚ እዩ፡" ክብል ናብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ መልእኽቲ ኣስፊሩ'ሎ።

ነዚ ደብዳበ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ካብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዝተዋህበ ምላሽ የሎን።

ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኰይኑ፡ ደሓር ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ባይቶ፡ "መንግስቲ ሽግራት ፖለቲካዊ ፍታሕ እክንዲ ምምጻእ ባዕሉ ፖለቲካዊ ሽግር ይፈጥርን፣ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ክፈትሕ ይፍትንን ኣሎ፡" ክብል ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር በዲህዎ ነይሩ እዩ።

እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሞት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ስደትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ 2022፡ ክልተ ካብቶም ቀንዲ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ቀንዲ ፖለቲካዊ ውድብ ናይቲ ክልል ዝኾነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ስምምዕ ሰላም ምስ ፈረሙ፡ ተዅሲ ደው ኢሉ።

እንተዀነ ነቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት ደው ዘበለ ውዕል ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ነዊሕ እንከይጸንሐ፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ክልተ ተመቒሎም ነንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ወጥሪ ኲናት ድማ ገና ኣይሃድአን ዘሎ።