ሃገራት 1 ቢልዮን ዶላር ከፊለን ኣባል ዝዀናሉ 'ቦርድ ሰላም' ትራምፕ እንታይ'ዩ?

ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ዋይት ሃውስ በጺሑ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ዋይት ሃውስ በጺሑ ነይሩ

ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ግብጽን ናብቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝውድቦ ዘሎ ቦርድ ሰላም ክጽንበራ ምዃነን ኣረጋጊጸን። እስራኤል'ዉን ብረቡዕ ክትሕወሶ ምዃና ብወግዒ ኣረጋጊጻ'ያ።

ብረቡዕ ኣጋምሸት፡ ትራምፕ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን'ዉን ናብቲ ቦርድ ንክጽንበር ተሰማሚዑ ክብል ተዛሪቡ። እንተዀነ እቲ ፕረዚደንት ሃገሩ ነቲ ዝቐረበላ ዕድመ ተጽነዖ ምህላዋ'ዩ ተዛሪቡ ዘሎ።

እቲ ቦርድ፡ መጀመርታ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ደው ንምባልን ዳግመ ህንጸት ቓዛ ንምክትታልን ዝብል ዕላማ ከም ዝህልዎ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብቲ እዋን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘንቀሎ ውጥን ሰላም ቓዛ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ድጋፍ ዝረኸበ ምንባሩ ይዝከር።

ኣካል ናይቲ ውጥን ሰላም ዝዀነ "ሓድሽ ዓለማዊ ስግግር" ግን ከካትዕ ጸኒሑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌር ዝርከቡዎም ውልቀሰባት ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ እቲ "ቦርድ ሰላም" ምዃኖም ይንገር።

ቶኒ ብሌር ነቲ ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝተፈጸመ ወራር-ኣመሪካ ደጊፉ ተባሂሉ ይኽሰስ።

ኣብቲ ቦርድ ፍልስጤማውያን የለዉን።

ቀዋሚ ኣባል ቦርድ ንምዃን ዘድሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ድማ ዓብዪ ሕቶን ክትዕን የልዕል። ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ቦርድ ዘለዎ ግደ'ውን የዘራርብ ኣሎ

ኣባላት እቲ ቦርድ ክዀኑ ዕድመ ዝቐረበሎም

ካብ ጸጋም ናብ የማን ቶኒ ብሌር፣ ዶናልድ ትራምፕን ማርኮ ሩቢዮ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ናብ የማን ቶኒ ብሌር፣ ዶናልድ ትራምፕን ማርኮ ሩቢዮ

ብዙሓት መራሕቲ፡ ኣባላት እቲ ቦርድ ንክዀኑ ዝሓተት ደብዳበ ተላኢኹሎም ኣሎ።

እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተጠቕሱ እቶም ደብዳበ ዝበጽሖም ምዃኖም ጸብጻባት የመልክቱ።

  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነስ
  • ፕረዚደንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ
  • ፕረዚደንት ቆጵሮስ ኒኮስ ክሪስቶዱሊደስ
  • ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ
  • ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪኽ ኪርያኮስ ምትሶታኪስ
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ
  • ሚኒስተር ዮርዳኖስ ጃፋር ሓሰን
  • ፕረዚደንት ፓኪስታን ኣሲፍ ዓሊ ዛርዳሪ
  • ቀዳማይ ፕረዚደንት ፖላንድ ካሮል ናውሮት
  • ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን
  • ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመርን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ክሪስቶፈር ሉክሰን'ውን እቲ ዕድመ ከም ዝበጽሖ ይፍለጥ። ንሱ "እቲ ጕዳይ ክሓስበሉ፡" ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታይላንድ እውን ዝርዝር ናይቲ ዕድመ ይምርምር ከም ዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣባል እቲ ቦርድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣባል እቲ ቦርድ እዩ

ኣብቲ ቦርድ ሰላም ክኣትው ፍቓደኛታት ዝዀኑ

ኣብቲ ቦርድ ንኽኣትው ዝቐረበሎም ሕቶ ዝተቐበሉ እዞም ዝስዕቡ'ዮም፥

  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልባንያ ኤዲ ራማ
  • ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ጃቪየር ሚግሊ
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን
  • ፕረዚደንት ካዛኪስታን ካሲም-ጆማርት ቶካየቭ
  • ፕረዚደንት ፓራጓይ ሳንትያጎ ፔና
  • ፕረዚደንት ኡዝቤኪስታን ሻቭካት ሚርዚዮየቭን እዮም
  • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ

ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቬትናም ቶ ላም፡ ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበሎ ክግለጽ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ድማ "ንክሳተፍ ድሉው" ምዃኑ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ነቲ ዕድመ ተቐቢልዎ'ኳ እንተሎ፡ ኣባል ቦርድ ንምዃን ግን ገንዘብ ኣይክኸፍልን'ዩ።

እቲ ቦርድ፡ ኣባል ሃገራት 1 ቢልዮን ዶላር ክኸፍላ ዝሓትት ኰይኑ፡ ዛጊት ከም ኢማራት፡ ባሕሬን ቬትናምን ዝኣመሰላ ሓያሎ ሃገራት ተጸንቢረንኦ ኣለዋ።

ኖርወይን ፈረንሳን ዝርከበአን ካልኦት ሃገራት ግን ብሰንኪ ዘይተነጸረ ኣሰራርሓን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ምትፍናንን ንምጽንባር ፍቓደኛታት ኣይኰናን።

ናብቲ ቦርድ ሰላም ንምጽንባር ዝቐረበ ቅድመ-ዅነት

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ኣመሪካዊ ማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ናብቲ ቦርድ ንምጽንባር ዝተቐመጠ ቅድመ-ኵነት የለን ኢሎም።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ቦርድ ሰላም ቓዛ፡ ቐዋሚ ኣባል ክኸውን ዝደሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ኣለዎ።

እቲ ገንዘብ፡ ንዳግመ ህንጸት ቓዛ ከም ዝውዕል እቶም ሰበ-ስልጣን ተዛሪቦም።

ናይ ዝንተ-እለት መራሒ እቲ ቦርድ ትራምፕ ክኸውን እዩ።

እቲ ፕረዚደንት እንተለቐቐ'ዉን ነቲ ቦርድ ምምራሕ ክቕጽል እዩ።

እቲ ቦርድ፡ ካብ ቓዛ ብዝሰገረ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘለው ጐንጺታት ንምፍታሕ ከም ዝሰርሕ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዝርኣዮ ሰነድ እቲ ቦርድ የመልክት።

ትራምፕ፡ ኣብ ጕባኤ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ እንተስምዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ፡ ኣብ ጕባኤ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ እንተስምዕ

እዚ፡ ንስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝፈታተን ድዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ኣብቲ ነቲ ቦርድ ዝገልጽ ደብዳበ፡ እቲ ቦርድ "ዓለማዊ ግጭታት ንምፍታሕ ሓድሽ ኣገባብ ከማዕብል'ዩ፡" ኢሉ።

ንስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝፈታተን ከም ዝኸውን ድማ ኣጠንቂቑ።

ባይቶ ጸጥታ እቲ ትካል፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ሰላም ናይ ምሕላው ዕማም ተዋሂብዎ ኣሎ።

ሃሬትዝ ዝተባህለት ጋዜጣ እስራኤል፡ እቲ ቦርድ "ቅልጡፍን ውጽኢታውን ዓለማዊ ዓቃብ ሰላም" ንምዃን ዕላማ ከም ዘለዎ ጸብጺባ።

እቲ ቦርድ፡ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ "ብተደጋጋሚ ምስ ዝፈሸሉ ትካላት ዘሎ ርክብ ምብታኽ ቁርጸኝነት ክህሉ ኣለዎ፡" ኢሉ ይኣምን።

ዋይት ሃውስ፡ እቲ ቦርድ "ምስ ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 2803 ዝሰማማዕ እዩ፡" ኢሉ።

ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ፡ ቻርተር ናይቲ ቦርድ "ካብ ቓዛ ዝዘለለ'ዩ፡" ኢሉ።

"ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ ዘጠራጥር እዩ። ዕማም ሕቡራት ሃገራት ክጥሓስ የብሉን፡" ኢሉ።

"ምምሕዳር ትራምፕ ቓዛ ናይ መጀመርታ እምበር መወዳእታ ስልጣን ናይቲ ቦርድ ከም ዘይኰነት ይኣምን፡" ክብል ኣብ ኲዊንሲ ኢንስቲትዩት ፎር ሪስፖንሲብል ስቴትክራፍት ክኢላ ዝዀነ ካሊድ ኤልጉንዲ ንሮይተርስ ገሊጹ።

"እቲ ምምሕዳር እቲ ቦርድ ነቲ ሕጂ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ክትክኦ ከም ዝደሊ ኣመልኪቱ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንሕቡራት ሃገራት እትገብሮ ዝነበረት ደገፍ ኣጉዲሉ እዩ።

ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል ዝጽውዕ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ከም ዝተቓወመት ይፍለጥ።

ትራምፕ ንኣመሪካ ካብተን ኣብ ለውጢ ክሊማን ዴሞክራስን ዝሰርሓ ትካላት ሓዊሱ ኣብ 31 ትካላት ካብ ዝነበራ ኣባልነት ስሒቡዋ እዩ።

እተን ትካላት "ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታት ኣመሪካ ደው ዝበላ እየን፡" ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌር ዝርከቡዎም ውልቀሰባት ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ እቲ "ቦርድ ሰላም" ምዃኖም ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌር ዝርከቡዎም ውልቀሰባት ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ እቲ "ቦርድ ሰላም" ምዃኖም ይንገር።

እቲ ቦርድ ሰላም ብኸመይ'ዩ ዝሰርሕ?

ብዘይካ እቲ ቦርድ ሰላም ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ቦርድታት እውን ወግዓዊ ኰይኖም ኣለው።

እቲ ሓደ 'መስራቲ ፈጻሚ ቦርድ' ይበሃል፤ ኣብ ወፍርን ዲፕሎማስን ዘተኰረ ክኸውን እዩ።

እቲ ካልእ ድማ 'ፋውንዲንግ ኤክስኪውቲቭ ቦርድ' - 'ፈጻሚ ቦርድ ቓዛ' - ይበሃል። ንምምሕዳር ቓዛ ክቈጻጸርን ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ ምምሕዳር ኣብ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ክሳተፍን እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዋይት ሃውስ፡ እቶም ኣብዚ ቦርድ ከገልግሉ ዝተመርጹ ኣባላት፡ "ንህዝቢ ቓዛ ሰላም፣ ምርግጋእን ብልጽግናን ምድንፋዕ" ከምኡ'ዉን ኣድማዒ ምሕደራን ኣገልግሎትን ምሃብ፡" ዝብል ዕማም ተዋሂብዎም ኣሎ።

'ፋውንዲንግ ኤክስኪውቲቭ ቦርድ' ብኣቦ መንበርነት ትራምፕ ዝምራሕ እዩ።

ብቐንዱ ኣብ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ክሳተፍ እዩ፤ ብመሰረት ጸብጻብ ዋይት ሃውስ፡ ኣባላቱ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ወዲ ሓሙኡ ንትራምፕ ዝዀነ ጀራርድ ኩሽነርን ይርከብዎም።

ዋይት ሃውስ ብወገኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ቦርድ "ቓዛ ኣብ ምርግጋእ ክጻወቶ ዘለዎ እጃም ኣለዎ፡" ኢሉ።

ኣብ ቓዛ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቓዛ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ቅልውላው

ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያን ተወኪሎም ድዮም?

ፍልስጤማውያን ኣብቲ ቦርድ ኣይተኻተቱን።

ኣብ ቦርድ 'ጋቃ ኤክስኪውቲቭ ቦርድ' ሓደ እስራኤላዊ ኣሎ። ቢልዮነር ሪል ስቴት ያኪር ጋቢ ኣብ እስራኤል ተወሊዱ ሕጂ ኣብ ቆጵሮስ ዝነብር ዘሎ እዩ።

እቲ ቦርድ ካብ ቀጠርን ቱርኪን ዝመጽኡ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት እውን ዝሓቘፈ እዩ።

ክልቲአን ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝፈጸመቶ ወራር ብትሪ ብምኹናን እየን ዝፍለጣ።

ፖለቲከኛ ሙስጠፋ በርጋቲ ከም ዝብሎ፡ ፍልስጤማውያን ኣብቲ ቦርድ "ሰፊሕ ተሳትፎ" ክህልወና እዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩዎም።

"እንተዀነ፡ ዋላ'ኳ ዝተወሰነ ዓለማዊ መልክዕ እንተሃለዎ፡ ብዓቢኡ ኣመሪካዊ ቦርድ'ዩ ዝመስል" ኢሉ።

ኣብ ካይሮ ዝርርብ ክግበር እንከሎ፡ ብዛዕባ ግደ ፍልስጤማውያን ተላዒሉ እኳ እንተነበረ ንጹር ከም ዘይነበረ የረድእ።

እስራኤል ንዶብ ራፋሕ ብምኽፋት ንዳግመ ህንጸት ቓዛ መገዲ ክትጸርግ'ያ ዝብል እምነት የብሎምን።

እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ቦርድ ከም ዘይትሳተፍ ገሊጻ ነይራ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ እቲ ቦርድ "ንእስራኤል ምሕዝነት ዘይብሉን ምስ ፖሊሲኣ ዝጻረርን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ ኔታንያሁ ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ተቐቢሉ ኣሎ።

እስራኤላዊ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ያየር ላፒድ "ንእስራኤል ዲፕሎማስያዊ ውድቀት፡" ክብል ገሊጹዎ።

የማናዊ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ጋቪር፡ "ወሽመጥ ቓዛ 'ኮሚቴ ዳግመ ህንጸት' ኣይኰነን ዘድልዮ። ካብ ግብረሽበራዊ ሓማስ እዩ ክጸሪ ዘለዎ፡" ኢሉ።

እዚ ቦርድ፡ ሰላም ከምጽእ እዩ?

እስራኤል፡ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ 80 ሚእታዊት ትሕተ ቅርጺ ቓዛ ዓንዩ ወይ ተሃስዩ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ፍርስራስ 60 ሚልዮን ቶን ከም ዝምዘን ይገልጽ።

ተመዛበልቲ ብሕጽረት መግብን መጽለልን ተሃስዮም ኣለዉ።

ትካላት ረድኤት ምዕባለ ከም ዝተራእየ እኳ እንተገለጻ፡ እስራኤል ግን ስርሖም ከም ዝዓገተቶ ይገልጻ።

እስራኤል ረድኤት ንክበጽሕ ተመቻችእ ከም ዘላ ብምግላጽ እቲ እገዳ ሓማስ ነቲ ኣገልግሎት ረድኤት ንረብሓኡ ከይጥቀመሉ ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ ቓዛ ረድኤት ዘይበጽሓሉ ምኽንያት ድማ ንሕቡራት ሃገራት ተሓታቲ ትገብር።

ሓማስ ፍልስጤም ከም ሃገር ምስ ተመስረተት ዕጥቁ ከም ዝፈትሕ ገሊጹ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ክፋል ወሽመጥ ቓዛ ዝቈጻጸር ሰራዊት እስራኤል፡ ሓማስ ካብቲ ከባቢ ምስ ወጽአ ዕጥቁ ከም ዝፈትሕ ገሊጹ።

ውጥን ሰላም ትራምፕ ክሳብ ክንደይ ለውጢ ከምጽእ'ዩ? ነባሪ ሰላም ከምጽእ ይኽእል ድዩ? ዝብል ግን ገና ዝረአ እዩ።