ክፋል ኦብነግ ዝርከቦም ሰለስተ ውድባት ክልል ሶማል ሓድሽ ጥምረት መስሪቶም

መግለፂ ዝሃቡ ተወከልቲ ሰለስቲኦም ውድባት

ምንጪ ስእሊ, ONLF

ብዓብዱራሕማን ማህዲ ዝምራሕ ክፋል ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን [ኦብነግ] ካልኦት ክልተ ኣብ ክልል ሶማል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ "ልፍንቲ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ሶማል" ዝተባህለ ጥምረት ከምዝመስረቱ ኣፍሊጦም።

ነቲ ሓድሽ ጥምረት ዝመስረቱ፡ ክፋል ኦብነግ፡ 'ኮንግረስ ፎር ሶማሊ ኮዝ' ን 'ሶማሊ ሪጅናል ዴሞክራቲክ አሊያንስ'ን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ደጊም ዘመነ ከንቱ ዝርርብ ኣብቂዑ'ዩ" ኢሎም።

እቶም ሰለስተ ክልላዊ ውድባት፡ ብሰሉስ 12 ጥሪ 12018 ዓ.ም [ግ] እዮም ሓድሽ ጥምረት ምቛሞም ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኦብነግ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ጥምረት፡ "ፖለቲካዊ ውዳበ" ህዝቢ ሶማል ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝዀነን፡"ዝተዋደደ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ሲቪካውን" ቃልሲ ዘምቻችእ ምዃኑን ይገልፅ።

ብተወሳኺ "ምሕያል ሓበራዊ መሰላትን ክብርን ፖለቲካዊ መጻኢ ህዝቢ ሶማል"፡ ካልእ ምኽንያት ምቛም እቲ ጥምረት ከምዝዀነ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎን፡ ዝሓለፉ ካልኦት መንግስታት ኢትዮጵያን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶማል ዝኽተሉዎ ስርዓት፡ "ፖለቲካዊ ምግላል፡ ምልካዊነት፡ ዲሞግራፊያዊ ለውጢ ምግባር፡ መዋቕራዊ ኣድልዎን ስርዓታዊ ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን" ብምፍጻም ዝወፍለጡ ምንባሮም ገሊጾም።

ድሕሪ ምምጻእ መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ኦብነግ ዝተኸተመ ስምምዕ ሓዊሱ፡ "ንዕርቂን ፍትሕን ዝከኣል ኵሉ መገድታት ፈቲነና ኢና" ኢሎም።

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ኣብ 2018 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ቅድሚኡ ዘካይዶ ንዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ገዲፉ ናብ ሰለማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ምእታዉ ይዝከር።

ሕጂ ግን ክፋል እቲ ውድብ ዝርከቦ ጥምረት፡ መንግስቲ፡ "ኣብ ክንዲ ዘተ፡ ዓፈና ኣሐይሉ፡ ምዝመዛ ትካላዊ ገይሩ፡ ንህላወ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፖሊሲታት ኣተግቢሩ" ክብል ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት'ውን ከሲሱ።

እቶም ሰለስተ ኣባላት እቲ ጥምረት፡ "ንዓና ንምጥፋእ ዝተፍሓሰ ውዲት ኣሎ" ክብሉ ዝኸሰሱ ኰይኖም፡ ድሕሪ ሕጂ "ስቕ ኢሎም ክሓልፉዎ" ከምዘይክእሉ ገሊጾም።

'ዓቕልና ተፀንቂቝ እዩ'

መንግስቲ "በሪ ሰላም ዓጽዩ" ኢሉ ዝኸሰሰ መግለጺ እቲ ጥምረት፡ "ዘበነ ከንቱ ዝርርብ ተወዲኡ" ብምባል መርገጺ ሰለስቲኦም ውድባት ምዃኑ ኣበሪሁ።

"ይኣክል ዓቕልና ንዘልኣለም ኣብቂዑ እዩ" ይብል።

ህዝቢ ሶማል "መሰልና ዳግማይ ንምርግጋጽ፡ ክብርና ክንመልስ፡ መጻኢና ከነውሕስ" ኢሎም ኣብ ዝጀመሩዎ ቃልሲ ክዓስል ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ብዘይካ'ዚ፡ "ምስ ኵሎም ንጭቆናን ዝቃለሱ አብ መትከል ዝተመስረተ ሽርክነት" ከም ዝምስርቱ ኣፍሊጦም እዮም።