ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ንምንታይ ዕላማ ተጣይሹ?

መለዮ ዝተኸድኑ ዕጡቓት ኣባላት ሚሊሻ ኣብ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ ኣብ 2010፡ ሆብዮ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተልዓለ እዩ።

ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ ዓለምለኻዊ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብተደጋጋሚ ግህሰት መሰል ይፍጽም'ዩ ዝብል ኽሲ ከቕርባሉ ጸኒሐን'የን።

ኣብ ቀረባ፡ ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ፡ እቲ ክልል ምስ ኦሮሚያ ኣብ ዘዋስኖ ከባቢታት ብዝተልዓሉ ጎንጺታት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ፈጺሙ'ዩ ብዝብል፡ መንግስቲ ፌደራል ብቕልጡፍ እቲ ሓይሊ ክብትኖ ጸዊዑ'ዩ።

ኣመነስቲ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ፡ ሰባት ምቕታል ሓዊሱ ክሳብ መንበሪ ኣባይቲ ምቅጻል ዝበጽሕ ግህሰት ፈጺሙ'ዩ ይብል።

ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ሃረርጌ ሙሉ ሙሉቄ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ወረዳ፡ ንዝሞቱ 41 ሰባት፡ ሰበ ስልጣን እቲ ኸባብን ግዳያትን ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ተሓታቲ ይገብሩ።

ሓላፊት ኮምዩኒኬሽን እታ ወረዳ ወይዘሮ ትዝታ ኣባይ፡ ኣብታ ወረዳ ንዝበጽሐ ጉድኣት፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ተሓታቲ'ዩ ትብል።

ነባሪ እታ ወረዳ ኣይተ መሓመድ ሲራጅ፡ ግዳይ እቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ'ዮም።

"ኣብ ቤትና ኾፍ ኢልና እንከለና፡ ፖሊስ ክልል ሶማሌ በሪ ሰይሩ ኣትዩና። በዓልቲ ቤተይ፣ ዉሉደይን ናይ ክልተ ዓመት ቆልዓ ጎረቤትን ኣብ ቅድመይ ተቐቲሎም" ብምባል ነቲ ዝተፈጸመ ጥቕዓት፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ከምዝፈጸሞ ይዛረቡ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ዘዉጽኦ ጸብጻብ ድማ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ኦጋዴን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት፡ ብሓይልታት ጸጥታን እቲ ፍሉይ ሓይልን፡ ጥቐዕዓት ምዕማጽን ደብዳብን ክመዝበጽሖም ገሊጹ።

ሓንቲ ካብተን እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዘዘራበን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተደፊራ፡ ብዘይ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወለደት ገሊጻ።

ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ሶማሌ ከመይ ተጣይሹ?

ክሳብ ሕዚ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ዝምልከት ዕላዊ ዝኾነ መረዳእታ የለን።

ኣመሰራርትኡን ኣወዳድብኡን ዝምልከት ሓበሬታ ክህበና ዝወከስናዮ፡ ኣይተ ጀማል ድሪ ሃሊስ ተወላዲ እቲ ክልል እንትኾን፡ ገላዴ ንእትበሃል ወረዳ ወኪሉ ክልተ ግዘ፡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነይሩ።

ኣይተ ጀማል፡ "ክልል ሶማሌን ፖለቲክኡን ኣጸቢቐ'የ ዝፈልጦ። ኣብ 2007 ዓመተ ፈረንጂ፡ ኣብቲ ክልል ዝፍጸም ግፍዒ ስለዝተቓወምኹ፡ ካብ ሃገር ክወጽእ ተገዲደ'የ" ይብል።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣይተ ጀማል ኣብ ጀርመን'ዩ ዝቕመጥ።

ኣይተ ጀማል ኣመሰራርታ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ እቲ ክልል እንተረድእ፡ "ግንባር ብሄራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ኣብቲ ኸባቢ ብሰፊሑ ይንቀሳቐስ ነይሩ። እዚ ሓይሊ፡ ሰራዊት ሓይሊ ምክልኻል ንምድምሳስ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሩ፤ ዉጽኢታዊ ግና ክኸዉን ኣይክኣለን" ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ እንተድኣኾይኑ፡ ምስ ኦብነግ ዝዋግኡ ዝነበሩ ኣባላት ምክልኻል ሃገር፡ ናይቲ ኸባቢ ቋንቋን ባህል ስለዘይፈልጡ፡ ኣባላት እቲ ግንባር ካብቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ፈሊዮም ክፈልጡ ኣይኽእሉን ነይሮም።

"ኣብ 2007 ግና ፖለቲካዊ ምህዳር እቲ ክልል ዝቕይር ኩነታት ተፈጢሩ። ኦብነግ፡ ኣብ ኣለሻ ነዳዲ ወፊሮም ዝነበሩ ልዕሊ 70 ቻይናዉያንን ኢትዮጵያዉያንን ቐቲሉ። ብድሕሪ እዚ፡ መንግስቲ ፌደራል ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ተላዒሉ" ይብል ኣይተ ጀማል።

ነዚ ብሕታዉን ወሳንን ኣማራጺ ዝነበረ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ስራሕ ኣልቦ ኾይኖም ጸገም ዝፈጥሩ ዝነበሩ መናእሰይ ብምዉዳብ፣ ስልጠና ብምሃብን ብምዕጣቕን ኣብ ልዕሊ ኦብነግ ክዘምት ምግባር'ዩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, AMNESTY INTERNATIONAL

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጽንዕ ኣይተ ፍስሃ ተክሌ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ካብ 2007-2008 ኣብ ዘለዉ ዓመታት ከምዝተወደበ ብምዝኽካር፡ "ኣብቲ ኸባቢ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ መንግስቲ ጉጅለ ራዕዲ ኢሉ ዝጽዉዖ ዝነበረ ኦብነግ ንምቁጽጻር'ዩ" ዝብል ተመሳሳሊ ሓሳብ የቐምጥ።

ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ እንትጣየሽ፡ ተጸዋዕነቱን ምምሕዳሩን ንመንግስቲ እቲ ክልል ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣይተ ፍስሃ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዶብ ተሳገርቲ ተጻባኢ ሓይሊ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ዘለዎ ሓይሊ ምክልኻል ሃገር'ዩ ይብል። ስለዝኾነ ድማ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክጣየሰሉ ዝኽእል ናይ ሕጊ ግቡእነት የለን ክብል የረድእ።

"ኣወዳድባ እቲ ፍሉይ ሓይሊ እንትንርኢ፡ ኣብ ዉሽጢ ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልለ ኣይኮነን ዘሎ። ናይ ባዕሉ ኣዛዚ ኣለዎ። እቲ ኣዛዚ ድማ ተጸዋዕነቱ ንፕሬዝደንት እቲ ክልል ንዝነበረ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር'ዩ" ይብል ኣቶ ፍስሃ።

ኣቶ ጀማል'ዉን፡ ኣወዳድባ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ሕጋዊ መሰረት የብሉን ኣብ ዝብል ሓሳብ ይሰማማዕ።

ዋና ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ኢንዶክትሪኔሽንን ሓይልታት ምክልኻል፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ግና፡ እዚ ሓሳብ ኣይቕበልን።

"ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣወዳድባ ፍሉይ ሓይሊ ኣሎ'ዩ። ስሩዕ ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊ ምልሻን ኣለዉ። ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ'ዉን፡ ከምቲ ካልእ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣሰልጢኑ ብምዉፋር፡ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ምስ ናይ ፌደራል ሓይሊ ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣብዚ ኸባቢ ድማ ዝሓሸ ምርግጋእ ተፈጢሩ። ስለዝኾነ፡ ካብ ሕጋዊ ኣፍልጦ ወጻኢ ዝተጣየሸ ኣይነበረን" ክብል ገሊጹ።

ኣወዳድባ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ

''ኣብዲ መሓመድ ዑመር፡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታ እቲ ክልል ኾይኑ፡ ፕረዚደንት ምስ ኮነ ድማ ተጸዋዕነቱ ንዕኡ ነይሩ" በሃሊ'ዩ ኣቶ ፍስሃ።

ንሱ ከምዝብሊሎ፡ ኣብ 2017 እቲ ፍሉይ ሓይሊ ጥቕዓት ኣብጺሑ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብህይወት ንዝተረፉ ሰባት ኣነብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ኣባላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ምስቲ ፕረዚደንት ብስልኪ ይዘራረቡ ምንባሮም ተዛሪቦም'ዮም ይብል።

ኣይተ ጀማል ብወገኑ፡ "ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ቀጥታዊ ትእዛዝ ካብቲ ፕሬዝደንት'ዩ ዝቕበል ነይሩ። ኣብዲ መሓመድ ዑመር ድማ፡ ካብ ኣዘዝቲ ምብራቕ እዝን ሰበ ስልጣን ኣዲስ ኣበባን ትእዛዝ ይወስድ" ኢሉ።

"ምልሙላት ኣባላት እቲ ሓይሊ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎምን ስራሕ ስኡናትን'ዮም። ወተሃደራዊ ስልጠና እንትወስዱ'ዉን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥምት ስልጠና ኣይተዉሃቦምን" ክብል ድማ ይገልጽ ኣይተ ጀማል።

በዝሒ ኣባላትን ዝዓጠቖ መሳርሕን

"ኣብ ክልል ሶማሌ ዝኾነ ነገር ጋህዲ ስለዘይግበር ትኽክለኛ ኣሃዝ ምቕማጥ ኣይከኣልን" ዝብል ኣይተ ጀማል፡ ኣብቲ ክልል ክንሰይ ዝኣክል ኣባል ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ከምዘሎ ምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ ይብል።

ኣይተ ጀማል ድማ፡ "ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ብተደጋጋሚ ክዛረብ ከምዝሰማዕኹዎ ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ" እንትብል፡ ዝዓጠቖ መሳርሒ ዝምልከት ድማ፡ "ተራ ፖሊስ ካብ ዝሕዞ ዝሓሸን ዘመናዉን መሳርሒ'ዩ ዓጢቑ" ኢሉ።

ሜጀር ጀነራል መሓመድ ድማ፡ እዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ፌደራል ብምዃን እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ምጥንኻርን ምድላዉን ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን፡ እቲ ጸገም ምፍታሕ ከምዝተኽኣለን ጥራሕ'ዩ ዝገልጽ።

ዕጭኡኸ?

እቲ ሓይሊ፡ ቀጥታዊ ትእዛዝ ካብ ፕሬዝደንት እቲ ክልል ነበር ኣይተ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ይቕበል ከምዝነበረ ይእመን።

ኣብዲ መሓመድ ካብ ስልጣኑ ምዉራዶም ስዒቡ፡ ዕጭኡ እንታይ ክኸዉን ከምዝኽእል ንኣይተ ጀማል ሓቲትና።

"ኣባላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ብዝግባእ ምስ ዝግንዘቡ፡ ዕጥቆም ክፈትሑ ወለንትኦም ከርእዩ'ዮም። ኾይኑ ግና፡ ህዝቢ ክብድሉ ዝጸንሑ ስለዝኮኑ፡ ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምሕዋሶም ናይ ተሓድሶ ስልጠና ክወሃቦም ይግባእ" በሃሊ'ዩ ኣይተ ጀማል።

ኣይተ ፍስሃ ግና፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ፈጺሙዎ ዝተብሃለ ጥቕዓት ብምዝክኻር፡ "ዋላ'ኳ እቲ ፕረዚደንት ትእዛዝ ዝህቦም እንተነበሩ፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝፈጽሞም ተግባራት ይቕጽሉ'ዮም ዘለዉ። ኣምነስቲ ዘጥፍኡ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይሓትት" ኢሉ።

ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ድማ፡ "መንግስቲ ፌደራል፡ ዕጥቂ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ከፍትሕ ዓሊሙ ኣይተንቀሳቐሰን። እቲ ፍሉይ ሓይሊ፡ ቀደሙ'ዉን ክስልጥንን ክዕጠቕን ዝገበረ መንግስቲ ፌደራል'ዩ። እቲ ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ንኸበርክት ከስርሕ እምበር፡ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ዕላማን መደብን የብሉን" ኢሉ።