ኣባ (ዶክ.) ተወልደ በየነ፡ 'ጽቡቕ ዘይተፈድዩ' ካህን

ኣባ ተወልደ
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እታ ብኣባ ሃይለሚካኤል በራኺ፡ ማሕበር ካፑቺን ሚላኖ፡ ኣብ ትሕቲ "ገድሊ ሕይወት ኣባ ተወልደ በየነ" ዘርእስታ ዝቐረበት፡ ዓሰርተ-ዝገጻ ጽሕፍቲ (ዓምደ-ሙታን) ምንባብ "ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዜጋታት'ከ ነይሮም'ድዮም?" እዩ ዘብል።

እታ ጽሕፍቲ ብቅዲ ኣጸሓሕፍኣ ዀነ መሳጢ ምዕዶኣ፡ ከምኡ'ውን ብመንፈሳዊ ትሕዝቶኣ ይዅን ደራኺ መልእኽታ፡ ንኣንባቢ ኣብ ሓሳብን ኣስተንትኖን እተእቱ ምስክርነት'ያ ክበሃል ይከኣል።

እምበኣርከስ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ሓተታ'ዚ ኣብ እዋን ስንብታኦም ብዛዕባኦም ዝቐረበ ምስክርነት'ዩ ክኸውን።

'ታሪኽ ኣባ ተወልደ በየነ' ጕዕዞ ህይወቶም ኣብነታዊ ኰይኑ፡ ዘርኣይዎ ተወፋይነትን ዝተጐናጸፍዎ ዓወታትን ብርቅን መንፈስ ዘነቓቕሑን ስለ ዝነበሩ ካብ ታሪኾም እንመሃሮ ብዙሕ እዩ።

ሓደ እንኮ ሰብ ብኽንክን ማሕበሮም ዝዓበዩን፡ ንማሕበሮም ተበጅዮምን ድማ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ግዙፍ ዉቕዮ ክጐናጸፉን፡ ምስኡ ኸኣ ኣብ ዝለዓለ መድርኽ-ትምህርቲ ክበጽሑን ልሙድ ኣይኰነን። እንተ ኣባ ተወልደ ግን ንመሰናኽለት ህይወቶም ብምስዓር ኣብቲ መድርኽ'ቲ በጺሖም'ዮም።

እዞም ኣቦ ብ20/5/2022 ኣብ 70 ዓመተ ዕድመኦም ኣብ ሚላኖ (ዓዲ ጣልያን) ኣብ ዝነበርሉ እዋን'ዮም ብሕማም ምኽንያት ዓሪፎም።

ብሃንደበታዊ ስንብታኦም ከኣ ብዙሕ ሰብ ሓዘነ፣ መቕርቦምን ደቂ ማሕበሮምን - ማሕበር ካፑቺን - ጥራይ ዘይኰኑስ ተምሃሮኦም ዝነበሩን እንተላይ መጓሰኦምን ፈተውቶምን'ውን ሓዚኖም'ዮም።

እቲ ኣብ ቀብሮም ዝተነበ ጽሑፍ "ነቕ ዘይብል ቅንዕናን ሓቅን ረጊጾም፡ ብገጽ-ረኤ ዘይነብሩን ዘይሰርሑን፡ ብጀካ ብፈሪሃ-እግዚኣብሔር ብኻልእ ምኽንያት ሰጋእ ዘይብሉ ሓውን ካህንን እዮም ዝነበሩ" ብምባል ገሊጹዎም። ሓቂ'ዩ፡ ኣባ ተወልደ ተባዕ ካህን ነበሩ። እዚ ዝበሃለሉ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ'ዞም መትከላዊ ካህንን መምህርን ስለዝነበሩ እዩ።

ሓጺር መግለጺ ጕዕዞ ህይወት ኣባ (ዶክ.) ተወልደ በየነ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣባ ተወልደ በየነ ኣባል ማሕበር ካፑቺን'ዮም ነይሮም።

ስርዓት ካፑቺን ንሊጡርግያዊ ባህሊ ካፑቺን-ፍራንቸስካን ስርዓተ-ኣምልኾ ዝኽተል ጕጅለ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ እምነት ካቶሊክ ብ1528 ዝተመስረተ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ'ዩ።

ዋላ'ኳ ካፑቺናውያን ስርዓት ሮማ ዝኽተሉ እንተዀኑ፡ ብባህሊ ግን ምቕልል ዝበሉ ስርዓተ-ጽንብላት ዘለዎም፡ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ምህናጽ ዝነጥፉን፡ ከምኡ'ውን ሓያል ስብከትን ንስሓን መሰረታዊ ዜማታት ዜዘውትሩ (chants) ጕጅለ'ዮም።

ፍሉይነቶም ከኣ ካብ ሊጡርግያዊ ቅዳሰ ንላዕሊ መንፈሳዊ ኰይኑ፡ ንሽጉራትን ስኡናትን ብምቕሉልነት ኣብ ዝውሃብ ኣገልግሎትን የድህቡ'ዮም። ኣባላት ካፑቺን ንኣብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ'ኣሲዚ (St. Francis of Assisi ) ተኸቲሎም 'ዮም ዝዓዩን ዝነብሩን።

ኣባ ተወልደ ዓዶም ኣፈልባ እንጋንኣ'ዩ፣ ግናኸ ኣብ ደቀምሓረ ካብ ኣቦኦም ኣቶ በየነ ሃብተሚካኤልን ኣደኦም ወይዘሮ ለተድንግል ወልደገብርኤልን እዮም ተወሊዶም።

ወለዲ ኣባ ተወልደ ካብ ደቀምሓረ ናብ ጎዳይፍ (ኣስመራ) ምስ ገዓዙ ኣባ ተወልደ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ ክርስቲያን ደብረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኰይኖም ተዀስኲሶም ክዓብዩ ጀመሩ።

ካብ 1958 ክሳብ 1964፡ ቅድም ኣብ መዋእለ ህጻናት፡ ቀጺሎም ከኣ ኣብ መባእታዊ መደብ ትምህርቲ ኣተዉ።

ናይ ሽዑ ሓለቓ ገዳምን ቤት ትምህርትን ዝነበሩ ኣባ ሩፊኖ ካራራ ንትዅረትን ምስትውዓልን ኣባ ተወልደ ተዓዚቦም ኣብ ገዳም ንኽኣትዉ ሓረይዎም።

ህይወቶም እምበኣር ኣብ ገዳም ምስ ኣተዉ 'ዩ ክዕምብብ ዝጀመረ።

ኣባ ተወልደ ንማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃ ትምህርቶም፡ ካብ 1964 ክሳብ 1969፡ ኣብ እምባትካላን መንደፈራን፡ ኣብ ውሽጢ ገዳም ማሕበር ካፑቺን ኰይኖም ኣጠናቀቕዎ።

ማሕበር ካፑቺን ኣብ ኤርትራ ብቝጽርን ብስለት-ትምህርትን መንፈሳውነትን ኣብ ዝዓበየሉ እዋን፡ ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ብምልሓዅ ሱር ክሰድድ ጀመረ ክበሃል ይከኣል።

እወ፡ ሽዑ ካብቶም ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማሕበር ናብ ኢትዮጵያ ክለኣኹ ጀመሩ።

ዝዝከር'ዩ፡ ብእኡ ኣቢሉ እዚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቀንዲ መዀስኰሲ ጽውዓ ማሕበር ካፑቺን፡ ከምኡ'ውን መዋፈሪ ትምህርቲ ገዳም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ጉሌለ ክትከል ከኣለ።

ኣባ ተወልደ ድማ ምስ ብጾቶም ኰይኖም ኣብቲ ዕለተ-ጽንብል ወዓሉ። ኣይጸንሑን ከኣ ኣብኡ ካብ 1970 ክሳብ 1973 ን3 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ - ቅድሚ ደርጊ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ማለት'ዩ - ስሩዕ ትምህርቲ ፍልስፍና ተማህሩ።

ብድሕሪኡ ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ ገዳም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ገጅረት ኣስመራ፡ ን4 ዓመት ናይ ንባበ-መለኮት ትምህርቶም ኣጠናቀቑ። ኣብቲ ዘመን'ቲ ኣብ ኤርትራ ዕግርግር ስለ ዝነበረ ቅሳነት ኣይነበረን።

ኣባ ተወልደ ግን ብሓቦ ጸኒዖም ትምህርቶም ቀጸሉ፣ ብ10/7/1977 ከኣ ካብ ኢድ ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ መዓርግ ክህነት ተቐበሉ።

ማሕበር ካፑቺን ነቲ ኣባ ተወልደ ዘርእይዎ ዝነበሩ ምዕባለ ተገንዚቡ ዝለዓለ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ናብ ወጻኢ ሃገር ንኽልእኩዎም ወሰነ።

ብኣኡ መሰረት ከኣ፡ ኣባ ተወልደ ካብ 1977 ክሳብ 1982 ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ 'ጳጳሳዊ ግረጎርያን ዩኒቨርሲቲ' ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተማሂሮም ናእዳ ብዝመልኦ ልዑል ነጥቢ ናይ ዶክተርነት መዓርግ ተቐበሉ።

ኣባ ተወልደ ግን ገና ተወሳኺ ድሌት ትምህርቲ ስለ ዝነበሮም ካብ 1983 ክሳብ 1985 ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ዝርከብ "ካቶሊክ ዩነቨርሲቲ ኦፍ ኣመሪካ" ደጊሞም ብዓውደ ታሪኽ ዓለም፡ ናእዳ ብዝመልኦ ናይ ዶክተርነት መዓርግ ዓወት ተጐናጸፉ።

ዋላ'ኳ ኣባ ተወልደ ኣብቶም መዓርግ ዶክተርነት ዝተቐበሉሎም ዩኒቨርሲታት ብሕርያ ከም ቀዋሚ መምህር ኰይኖም ክምህሩ ዕድል ተዋሂቡዎም እንተ ነበረ፡ ንሶም ግን "ነታ ዘዕበየትንን ዘምሃረትንን ሰበኻ ማሕበረይ ዕዳኣ ክኸፍል ስለ ዘሎኒ፡ ንዓደይ ተመሊሰ ዝተዋህበኒ ጸጋ ነሕዋተይን ንቤተ ክርስቲያነይን ከካፍል ግቡአይ እዩ" ብምባል፡ ንዝቐረበሎም ወርቃዊ ዕድል ገዲፎም፡ ናብ ሰበኻ ማሕበሮምን ዓዶምን ክምለሱ መረጹ።

ኣባ ተወልደ ኣብ ኣስመራ

ናብ ኣስመራ ብምምላስ ካብ 1987 ክሳብ 2005፡ ኣብ ሰለስቲኡ ገዳማትና (ማለት ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ገጅረት፡ ኣብ ካተድራለ፡ ኣብ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ጎዳይፍ) ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ተመዲቦም ኣገልገሉ - ከም ሓለቓ ተምሃሮ ፍልስፍናን ተዮሎጊያን ገጅረት (3 ዓመት)፡ መምህር ኣብ ተቅዋመ ተዮሎጊያ ኣስመራ (12 ዓመት)፡ መምህር ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ (12 ዓመት)፡ ሓለቓ ገዳም ካተድራለ (9 ዓመት) ...ወዘተ. ክጥቀስ ይከኣል።

ብሓጺሩ ኣብ ኵስኰሳ ማሕበሮምን ደቂ-ማሕበሮምን ብዘርእዩ ፕሮጀክትታትን ከምኡ'ውን ምስ ምእመናን ብዝተኣሳሰሩ ጕዳያትን ደኺመ ከይበሉ ብዙሕ ኣገልጊሎም'ዮም።

እዞም ብቋንቋታት ጣልያንኛን እንግሊዘኛን ዝበሰሉ መነኰስን ካህንን መምህርን ኣመሓዳርን በዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ፍሉይ ጸጋን ኣገልግሎትን ክግለጹ ይከኣል።

"ርግጽ'ዩ" ይብል እቲ ጽሑፍ፡ "ኣገልግሎቶም ንብሕታዊ ረብሓን ንርእሰ ጸብለልትነትን ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ፡ ንኣገልግሎት ኣምላኽን ኣሕዋትን፡ ንመንፈሳዊ ህንጸት ቤተ ክርስቲያን፡ ከምኡ'ውን ንስነ ፍልጠታዊ ዕብየትን ምዕባለን ሃገርን ከምዝነበረ ከነስምረሉ ንኽእል።"

ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይግባእ፡ ኣባ ተወልደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዘበርከትዎ ግደ'ዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ካብ 1992/93 ዓመተ ትምህርቲ ጀሚሮም፣ ንመጽናዕታዊ ትምህርቲ ታሪኽ ኤርትራ መሰረት ክኽወን ዝኽእል፡ ካብ ጥንቲ ክሳብ 1962 ዚገልጽ ኣብ 20 ምዕራፋት ዝተጠርነፈ ሕጽር ዝበለን ንጹርን መባእታዊ መጽናዕቲ - Introduction to the History of Eritrea, Lecture Outline - ብዓቢይ ጻዕርን ተገዳስነትን ኣዳልዮም ንተምሃሮ ብምቕራብ ክምህሩ ጀመሩ።

ትጉህ መምህር ስለ ዝነበሩ፡ ሓደ ዓመት፡ ተምሃሮኦም ከም ብሉጽ መምህር ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኢሎም ብምርቋሕ፡ ሽልማት ከም ዝተቐበሉ ዝዝከር እዩ።

ኣባ ተወልደ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ይምህሩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ መንጎ ኣመሓደርቲ ዩኒቨርሲትን ልኡኻት መንግስትን ስኒት ስለዘይነበረ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓጐጽጐጽ ኣተወ።

ብዙሓት ድሒሮም ብዝበልዎ መሰረት፡ እቲ ጠንቂ መንግስቲ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክንዲ እኹል ናጽነት ዝህብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምእታው ብዝወሰዶ ስጕምቲ ነበረ።

እቲ ንትርኽ እናገደደ ብምኻዱ መንግስቲ ናቱ ልኡኽ - ሓደ ተጋዳላይ - ንዩኒቨርሲቲ ንከመሓድር መዘዘ።

እቲ ጕዳይ ሕልኽልኽ ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ መንግስቲ፡ ብሓጺሩ ንምቕራብ፡ ን34 መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓደ እዋን ሰጐገ። ምስኦም ከኣ ኣባ ተወልደ ተለከሙ። ኣብ ጋዜጣ ኸኣ ብዛዕባ'ቲ መስጐጕቲ ተቓልሐ።

እቶም ጽሩይ ፈላሲ፡ ክቡር ካህን፡ ሊቅ መምህር፡ ንቤተ ክርስቲያንን ንሃገሮምን ዝተበጀዉ ብኸምዚ ዘኣመሰለ ኣገባብ ካብ ስራሕ ክሰናበቱ ዘገርም ጕዳይ ነበረ። ኣባ ተወልደ ኸኣ ጐሃዩ። 'ምስ እንዳ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ' ኰይኑ ድማ እቶም መምህራን ስቕ ኢሎም ተኣልዩ።

እቲ ዘገርም ግን፡ እቲ ዝኸውን ምስ ኰነ፡ እቶም ሰጐጕቲ ባዕላቶም ናብ ኣባቴ ብምኻድ ናብ ስርሖም ክምለሱን ንኽምህሩን ሓተትዎም።

ኣባ ተወልደ ግን ጽኑዕ ስለ ዝነበሩ፡ ነቶም ዓደምቶም ከምዚ ዝስዕብ መለሱሎም ይበሃል፣ "ንክንድዚኦም ዝኣኽሉ መምህራን ኣብ ሓደ እዋን ከተሰናብቱ፡ ብጋዜጣ ኸኣ ንውሳነኹም ከተቃልሑ፡ ሕጂ ኸኣ ንዓ ተመለስ ክትብሉኒ ... ኣብ ጋዜጣ ኣውጺእኩም ንኽምለስ ዓድሙኒ" ክብሉ ኣቕበጽዎም።

ኣባ ተወልደ ፡ በዞም ሒደት ቃላት፡ ሓደ ዓቢይ ትርሲት ንምእመናን፡ ንተምሃሮኦም፡ ንማሕበር ካፑቺን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከምኡ'ውን ንተጻረርቶም ገዲፎም'ዮም ሓሊፎም ተባሂሎም ይዝከሩ።

ብድሕሪ'ዚ፡ እቶም ጽቡቕ ዘይተፈድዩ ካህን፡ ናብ ካልእ ስርሓት ሰበኻኦም ተመልሱ፣ ክሳብ እዋን ስንብታኦም ከኣ ብእምነት ኣገልገሉ።