'ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓውደ ውግእ ሓይልታት ወጻኢ ክኸውን ኣይግባእን' - ኤርዶጋን

ሓበራዊ ምስሊ ፕረዚደንት ኤርዶጋንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, Presidency of the Republic of Türkiye

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ "ታሪኻዊ ወግዓዊ ምብጻሕ" ክብል ዝገለጾ ዑደት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተገዳስነትን ረብሓታትን ዘመልክት'ዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ኣብ ስትራተጅያዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ኣመልኪቱ።

"ኣብ ስትራተጅያዊ ምትሕብባር ሓሳብ ተለዋዊጥና። ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘኽብሩ ልፍንቲታት ንምዕባይ ዘለና ድልውነት ዳግማይ ኣረጋጊጽና፡" ኢሉ።

እዚ ምስ ቱርካዊ መዘናኡ ኤርዶጋን ዘካየዶ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘሎ ዘላቒ ምሕዝነትን ጽኑዕ ምትሕብባርን ዝያዳ ዘጠንከረ ከም ዝዀነ ድማ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ እቲ ኣብዚ እዋን ቀንዲ መዋጠጢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኰይኑ ዘሎ ኣዲስ ኣበባ ዘልዓለቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣመልኪቱ፡ "130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብውዲት ጸላእቲ ኣፍደገ ባሕሪ ተኸልኪላ…ንነዊሕ ግዜ እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ክትጸንሕ ምግባሩ ቅኑዕ ዘይምዃኑ፡" ምስ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ከም ዝተዘራረብሉ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ናይ 10.2 ሚእታዊት ዕብየት ክተመዝግብ ትጽፅቢት ከም ዝግበር ገሊጹ።

እዚ ዕብየት ቀጻሊ ንክኸውን፡ "ከም ቱርኪ ዝበሉ ፈተውቲ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ብምግባር፡ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ትረኽበሉ ኵነታት ንምፍጣር ኤርዶጋን ንኽሕግዝ ብስፍሓት ከም ዝተዘራረቡ፡" ኣፍሊጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ሎጂስቲክስ ንዕብየትና ወሳኒ እዩ። ኣፍደገ ባሕሪ ድማ እቲ ኣውራ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን በዚ መንጽር ግደኡ ንኽጻወት ሓያል ዝርርብ ገይርና፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብቲ ምስ መዘናኡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ንዘልዓለቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብቐጥታ ኣየልዓለን።

እንተዀነ፡ኢትዮጵያን ሶማልያን ብተመሳሳሊ ንዘሰሓሓበን ጉዳይ ብምልዓል፡ ኣብ ኣንካራ ንዝገበርኦ ስምምዕ ኣመስጊኑ።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ "ሓደስቲ ግጭታት" ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ።

ጸገማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሃገራት እቲ ዞባ ክፍታሕ ከም ዝግባእ ብምሕባር፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ "ዓውደ ውግእ" ክትከውን ከም ዘይግባእ ኣገንዚቡ።

እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ፡ "ንሶማሊላንድ ኰነ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ኣይጠቅምን፡" ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ቃልሲ ጸረ-ግብረሽበራ ንግዲን ብሓባር ንምስራሕ ከም ዝተሰማምዓ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ሓቢሩ።

"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርክን ዝግበር ንግዲ እንተ ወሓደ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክመልእን ልዕሊኡ'ውን ንኽዓብን ብኽልቲኦም መንግስታት መደብ ተታሒዙ ንኽስርሓሉ፡ ከምኡ'ውን ጽላት ዋኒናት ክሰፍሑን ኣብ መንጎ ክልቴና ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ንኽዓብን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ፡" ኢሉ።

"ቀንዲ ኩባንያታትን ኣውፈርትን" ቱርኪ ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ብምውፋር፡ "ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ዕዳጋ ኣፍሪቃ ሰደድ ምግባር ንክኽእሉ፡" ሓቢሮም ንምስራሕ ከም ዝተሰማምዑ'ውን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ገሊጹ።

እቲ፡ ብኣቡዳቢ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከቕንዕ መደብ ዝነበሮ መራሒ ቱርኪ፡ እቲ ናይ ሰኑይ ናይ ኢማራት መገሻኡ ተሰሪዙ እዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ዘይነዓቕ ተሰማዕነት ረኺባ እያ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣቓልቦ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝስሕበሉ ዘሎ እዋን'ዩ ኤርዶጋን ነቲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ቱርኪ ብፍላይ ምስ ሶማልያ ሓያል ቍጠባዊን ጸጥታዊን ርክብ መስሪታ ምህላዋ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, ABIY AHMED/FB

ብሰንኪ ጉዳይ ሶማሊላንድ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ድሕሪ ምፍጣሩ ኣንካራ ነቲ ምትፍናን ንምህዳእ ወሳኒ ግደ ከም ዝተጻወተት ይዝከር።

ኣብ ታሕሳስ 2024 መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብመንጐኛነት ፕረዚደንት ኤርዶጋን ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዘኽብር ስምምዕ ፈሪሞም ነይሮም።

ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ'ውን ቀሊል ዘይኰነ ወተሃደራዊን ቍጠባዊን ርክብ ከም ዘለዋ'ዩ ዝግለጽ።

ኤርዶጋን ብሰኑይ ናብ ኢማራት ክበጽሕ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ መደብ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ "ብሰንኪ ሕማም" መራሒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተቛረጸ መንግስቲ ቱርኪ ሓቢሩ ነይሩ።እንተዀነ፡ ጸኒሑ ነቲ ሓበሬታ ኣልይዎ። ኣብ ክንድኡ እቲ ርክብ ብተለፎን ከም ዝተገብረ ዝገልጽ ሓበሬታ'ውን ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቱርኪ ኣብ ጐረባብታን ኣብቲ ዝሰፍሐ ዞባን ስሙር ዝምድናታት ንዘይብሎም ሓይልታት ክትሽምግል ጸኒሓ እያ።

ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከውህብ ይኽእል'ዩ ዝተባህለ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ምስ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተፈጠረ ወጥሪ ብሽምግልና ቱርኪ እዩ ተፈቲሑ።

ቱርኪ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሶማልያን "ቀጥታዊ ዘይኰኑ ኣኼባታት" ኣአንጊዳ እያ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ታሕሳስ 2024 ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ናብ ቱርኪ ብምኻድ ስምምዕ ፈሪሞም ነይሮም።