ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓቢ ዘሎ ጻዕሪ ሽምግልና ቱርክን ዝገጠምዎ ብድሆታትን

ፕሬዝዳንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን

ምንጪ ስእሊ, @RTErdogan

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚዳንት ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ዘይነዓቕ ተሰማዕነት ረኺባ እያ።

ቱርኪ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ንግዳዊ፡ ወፍሪን ወተሃደራዊ ዓውድታትን ዘለዋ ጽልዋ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ግጭታት ደው ንምባልን ሰላም ንምምጻእን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እትጻወቶ ግደ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ብፕረዚደንትን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝምራሕ ተበግሶ፡ ኣብ ዓበይቲ ዓለማዊ ግጭታትን ዘተሓሳስቡ ጉዳያትን ዘለዎ ግደ ጎሊሑ ይረአ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣቓልቦ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝስሕበሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ክልተ ወሰንቲ ሃገራት ናይቲ ዞባ ክበጽሕ'ዩ።

በዚ መሰረት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ሰኑይ 16 ለካቲት (9 ለካቲት 2018.ግ) ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰሉስ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝገይሽ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ናብተን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ዝዀና ክልቲአን ሃገራት ዝገብሮ ምብጻሕ፡ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት፡ ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ስምምዓት ምፍራም ከጠቓልል ትጽቢት ይግበር።

እዚ ዋላ'ኳ ብዝርዝር እንተዘይተጠቕሰ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ጉዳይ ዝዀነን ንሰለስቲአን ሃገራት ዝምልከትን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ምስ ሶማልያ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝርርብ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ እዋን መገሻኡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሰልጦ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ቱርኪ ክሳብ ሕጂ ዝተሳተፈትሉ ናይ ሰላም ጻዕርታት ግን እንታይ ውጽኢት ኣመዝጊቡ? እንታይ ብድሆታት ከ ኣጋጢምዎ?

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከባ ተቐናቐንቲ ሃገራት ናብ ሓደ ንምምጻእ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ዝገበረት ቱርኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ሸምጋሊት ኰይና እትጻወቶ ተራ ንምዕባይ ጻዕርታት ገይራ እያ።

ኣንካራ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ዩክረይንን ሩስያን፡ ከምኡ'ውን ጣሊባንን ፓኪስታንን ዝገጠሙ ጸገማት ኣብ ምሽምጋል ልዑል ተራ ተጻዊታ'ያ። ኣብ ካልኦት ዞባታት ንዝርከቡ ተቐናቐንቲ ንምዕራቕ እውን እማመታት ኣቕሪባ ኣላ።

ሰበስልጣን ቱርኪን ደገፍቲ መንግስቲ ተንተንቲን፡ ኣንካራ ተቐናቐንቲ ሃገራት ንምሽምጋል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ንነብሳ ከም ሓንቲ ኣብ ኣህጉራዊ ምርግጋእ እወታዊ ኣበርክቶ እትገብር ሃናጺት ሃገር ክትርአ ክሕግዛ'ዩ ይብሉ። እዚ ኣገባብ'ዚ ኣብ መድረኽ ዓለም ንዘለዋ ክብሪ'ውን ከዕቢ'ዩ ብሃልቲ እዮም።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋንን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶጋን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ኣመሪካዊት መጽሔት 'ኒውስዊክ' ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሃገሩ ግርጭታት ንምፍታሕ ድሕር ከም ዘይትብል ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት "ቱርኪ ካብ ካውካሰስ [ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳን ምዕራብ እስያን] ክሳብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ክሳብ ባልካን ኣብ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ዞባ ዘለው ግርጭታት ፍትሓዊ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክረኽቡን ነባሪን ፍትሓውን ሰላም ንምምጻእን ካብ ዘለዋ ሓላፍነት ኣይትሃድምን፡" ክብል ጽሒፉ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ "ኣብ ኣህጉራዊ ሽምግልና ሰላም መሪሕነት ክትሕዝ" ዕላማ ከም ዘለዋ ይገልጽ። ዳይረክተር ርክባት ናይቲ ፕረዚደንት፡ ቱርኪ "ኣህጉራዊ ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ ወሳኒት ሃገር'ያ፡" ይብል።

ዋላ'ኳ ተደጋጋሚ ጻዕርታት እንተ ተገብረ፡ ኣንካራ ሸምጋሊት ኰይና ክትጻወት እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎ'ዩ።

ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ድሌት ዘለዎ ኤርዶጋን፡ "ዋዕላ መራሕቲ" ከአንግድ ድሌት ከም ዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ሞስኮን ኪቭን ዝተገብሩ ዝርርባት ኣብ ኣቡዳቢ'ዮም ተኻይዶም።

ብተመሳሳሊ ቱርኪ ነቲ ኣብ ለካቲት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ወሳኒ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ከተአንግድ ተስፋ ገይራ ነይራ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዝርርብ ኣብ ዖማን ብምክያዱ ኣብ ቱርካውያን ደገፍቲ መንግስቲ ቍጥዐ ፈጢሩ ነይሩ።

ቱርኪ ዘሸማገለተን ሃገራት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋንን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድን
መግለጺ ስእሊ, ብጉዳይ ሶማሊላንድ ዝምድናአን ዝሓርፈፈ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ገይራ ነይራ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቱርኪ ኣብ ጐረባብታን ኣብቲ ዝፍሐ ዞባን ዘለው ስሙር ዝምድናታት ዘይብሎም ሓይልታት ክትሽምግል ጸኒሓ እያ።

ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከውህብ ይኽእል'ዩ ዝተባህለ ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ምስ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተፈጠረ ወጥሪ ብሽምግልና ቱርኪ እዩ ተፈቲሑ።

ቱርኪ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሶማልያን "ቀጥታዊ ዘይኮኑ ኣኼባታት" ኣአንጊዳ እያ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ታሕሳስ 2017 ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ናብ ቱርኪ ብምኻድ ስምምዕ ፈሪሞም።

እቲ ብመንጐኛነት ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ዝተገብረ ስምምዕ፡ ልኡላውነትን ናጽነትን ክልቲአን ሃገራት ኣፍልጦ ዝሃበ'ዩ።

ሩስያ ኣብ 2022 ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ቱርኪ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ንምሽምጋል ዝዓለመ ሓያለ ዝርርባት ኣብ ኢስታንቡል ኣአንጊዳ ነይራ። እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ኣብ ሰነ 2025 እዩ ተኻይዱ።

ገለ ካብቲ ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዝርርብ ዝጭበጥ ውጽኢት ኣምጺኡ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ብርክት ዝበሉ ምሩኻት ኲናት ንምልውዋጥን ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ዝሓልፍ እኽሊ ሰደድ ንምፍቃድን ተሰማሚዐን።

ኣብ ቐጠር ኣብ መንጎ ጣሊባንን ፓኪስታንን ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ቱርኪ ሸምጋሊት እያ ነይራ። ድሒሩ እቲ ዝርርብ ኣብ 2025 ኣብ ኢስታንቡል ዳግማይ ተጀሚሩ። እንተዀነ እዚ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ደው ኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣብ መንጎ ኣብ ትሪፖሊ ብቤት ምኽሪ ፕረዚደንት ዝምራሕ ሚሊሻ ራዳ ሊብያን መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት እታ ሃገርን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ'ውን ብትካላት ስለያ ቱርኪ ዝተበጽሐ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታሕሳስ፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ዳዕመ-ሰሪዕ ድሮን ኣቕሪባ ብምባል ምስ ከሰሳ፡ ኤርዶጋን ንኻርቱምን ኣቡዳቢን ክሽምግል ሓቲቱ ነይሩ።

ሓይልታት ኣርኤስኤፍ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብዚ ዓመት ሰለስተ ዓመት ክመልኦ እዩ

ማዕከናት ዜና እንታይ ይብላ?

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀና ማዕከናት ዜና፡ ንፕረዚደንት ኤርዶጋን "ዲፕሎማሲያዊ ኣመራርሓ ዘቕንዕ" ብምባል ይንእዳ። ንቱርኪ ናብ "ማእከል ዲፕሎማሲ" ከም ዝቐየራ'ውን ይገልጻ።

"[እቲ ግጭት] ክፍታሕ እንተኽኢሉ፡ ዝፈትሖ ኤርዶጋን እዩ፡ "ዝብል ሓረግ፡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ወሃብቲ ርእይቶ ብተደጋጋሚ ን"ዲፕሎማሲ መሪሕነት" እቲ ፕረደዚንት ንምንኣድ ዝጥቀሙሉ ጭርሖ ኰይኑ ኣሎ።

ደጋፊት መንግስቲ ዝዀነት ጋዜጣ የኒ ሻፋክ፡ ኣብ ግንቦት 2025 ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ፡ "ኣብ ትሕቲ መሪሕነት [ኤርዶጋን] ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ቱርኪ ኣብ ዞባዊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዓለማዊ መረድኽ ሰላም'ውን ኣበርክቶ እትገብር ሃገር ምዃና ዘርኢ'ዩ፡" ብምባል፡ እታ ሃገር "ኣብ ዓለም ከቢድ ግርጭታት፡" ንምፍታሕ እትገብሮ ዘላ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ንኢዳ።

ካልእ ደጋፊት መንግስቲ ዝዀነት ጋዜጣ ሳባህ ብተመሳሳሊ ኣብ ጥሪ ነቲ ስጕምቲ ብምንኣድ፡ "ብመራሒ ዓለም ፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝተፈትሑ ቅልውላዋት – ቱርኪ ተዓዛቢት ዘይኰነት ሰላም እትፈጥር ሃገር፡" ምዃና ዘርእዩ እዮም ኢላ።

ዲፕሎማስያዊ ስጕምትታት ኤርዶጋን "ንቱርኪ ካብ ሰዓቢት ናብ መሪሕ ዓለማዊ ተዋሳኢት ቀይርዋ፡" ትብል እታ ጋዜጣ።

ቱርኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ መወዳድርታ ዝነበረ ወጥሪ ንምንካይ ዝዓለመ ሰፊሕ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት፡ ዝያዳ ጽኑዕ ተራ ንኸተማዕብል ሓጊዝዋ'ዩ።

ኣንካራ ዞባዊ ጽልዋ ከተሕድር ዘለዋ ድሌት፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ብዙሓት ሃገራት ናብ ግጭት ኣእትይዋ'ዩ። እዚ ድሌት እዚ ድማ ኣንጻር ከም ግሪኽ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ጸ ግዒ ዝሓዘ መርገጺታት ክትሕዝ ገይርዋ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እትኽተሎ ዝነበረት ዝተለሳለሰ ፖሊሲ ወጻኢ፡ ተጻባእቲ ናብ ሓደ ከተምጽእ እትኽእል "ፍትሓዊት" መንጐኛ ኰይና ክትቀርብ ዕድል ዝሃባ ይመስል።

ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንምቁራጽ ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዝርርብ

ምንጪ ስእሊ, Turkish Ministry of Foreign Affairs via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንምቁራጽ ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዝርርብ

ዘጋጠሙዋ ማሕለኻታት

ቱርኪ፡ ዋላ'ኳ ከም መንጐኛ እትጻወቶ ተራ እናዓበየ እንተመጸ፡ ብተመሳሳሊ ስጕምቲ ካልኦት ተዋሳእቲ ግን እናተበሳጨወት ትኸይድ ዘላ ትመስል።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ብኣላይነት ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተ ኣአንጊዳ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ሞስኮን ኪቭን ዝተኻየደ ዝርርብ መግለጺ ዘውጽአ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ንኢዱ።

እቲ መግለጺ ክልቲአን ሃገራት "ኣብ ኢማራት ዓረብ ዘለወን እምነትን ኣብቲ ጻዕርታት ዘለዋ ተራን፡" ኣጕሊሑ ይብል።

ካልእ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር ዖማን ብወገና፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝነበራ ርክብ ተጠቒማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ብምእንጋድ፡ ንቱርኪ ካብቲ ምስሊ ኣውጺኣታ።

ገዲም ቱርካዊ ጋዜጠኛ ሙራት የትኪን፡ ኣብ መንጐ ቱርኪን እስራኤልን ዘሎ ዘይምቅዳው፡ ኣንካራ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ንምሽምጋል ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።

"እቲ ዕንቅፋት ናይቲ [ሽምግልና] ጻዕሪ፡ ርክብ ቱርኪን እስራኤልን ምዃኑ ብንጹር ይርአ፡" ክብል እቲ ጋዜጠኛ ጽሒፉ።

"ንእስራኤል፡ ኣንካራ 'እምንቲ' ተዋሳኢት ኣይኰነትን፤ እንተዀነ ምሉእ ብምሉእ ክትግደፍ ዘይትኽእል 'መስመር ርክብ' እውን እያ።"

ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ካብ ቱርኪ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዙ ንደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ተንተንቲ ኣቖጢዕዎም ኣሎ።

ኢራን'ውን "ዞባዊ መሪሕነት" ከምኡ'ውን "ዲፕሎማስያዊ ዓወት" ቱርኪ ስለ ዘስግኣ እቲ ዝርርብ ኣብ ቱርኪ ከይካየድ ሓቲታ ክትብል እታ ጋዜጣ ከሲሳ ኣላ።

ኣብታ ደጋፊት መንግስቲ ዝኾነት ጋዜጣ ሳባሕ ዓምደኛ ዝዀነ ኦካን ሙደሪሶግሉ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ "ኢራን፡ ታሪኽን ልጓም ሓረግን ስሒቡዋ ኣሎ፤ በዚ ምኽንያት ንቱርኪ ክብሪ ወይ ዞባዊ ተራ ክትህባ ኣይትደልን እያ፡" ክብል ጽሒፉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶታት፡ ቱርኪ ከም ሃናጺት መንጐኛ ክትረአ ዝሓዘቶ ዕላማ ብብዙሓት ይዳኸም ከም ዘሎ ይሕብር።

ቱርኪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕንቅፋታት ክገጥማ እኳ እንተጸንሐ ነዚ ጻዕሪ ከም እትቕጽሎ'ውን የመልክቱ።