ኣብ ቱርኪ ተዓንቂፉ ዝወደቐ ፕረዚደንት ናይጀርያ

ፕረዚደንት ቱርኪ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ብኢዱ ሒዙዎ ደው ኢሉ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣቀባብላ እናሰጐመ እንከሎ ዝወደቐ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ "ኣብ ጽቡቕ ኵነታት" ከም ዘሎ ሓደ ካብ ሓገዝቱ ገሊጹ።

ወዲ 73 ዓመት ቲንቡ፡ ኣብ ኣንካራ ብቱርካዊ መዘናኡ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ወግዒ ምቕባል እናተገብረሉ እንከሎ እዩ ተዓንቂፉ።

ቲኑቡ ንሓደ መስመር ወተሃደራትን ሰበስልጣንን ድሕሪ ምሕላፉ፡ ናብ የማኑ ክዕንቀፍን ክወድቕን እንከሎ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ኤክስ ናይ ፕረዚደንት ቱርኪ ዝተፈነወ ቪድዮ የርኢ።

ካሜራ ናብ ካልእ ቅድሚ ምዛራ፡ ሰባት ነቲ ፕረዚደንት እናሓገዙዎ ኣርእያ። ድሕሪ 45 ካልኢት ድማ ቲኑቡን ጣይብ ኤርዶጋንን ጐድኒ ንጐድኒ ኰይኖም ተራእዮም።

ፕረዚደንት ቲኑቡ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘየጓነፎን ክልተኣዊ ርክቡ ከም ዝቐጸለን ሓጋዚኡ ሳንደይ ዳረ ገሊጹ።

ቪድዮ ክሊፕ ናይቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርጋሕ ኣሎ።

ድሒሩ፡ ወሃቢ-ቓል እቲ ፕረዚደንት ባዮ ኦናኑጋ፡ ቲኑቡ "ኣብ መሬት ኣብ ዝነበረ ሓጺን ድሕሪ ምርጋጹ ሚዛኑ ከም ዝሰሓተ፡" ገሊጹ።

"እዚ ዓቢይ ነገር ኣይኰነን፡ ብዘይካ ነቶም ካብ ዝሓልፍ ፍጻመ ከላግጹ ዝደልዩ። ሰንከልከል ጥራይ እዩ ነይሩ፡ ኣምላኽ ይመስገን ምውዳቕ ኣይነበረን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰነ 2024 እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክወድቕ ኣብ ዝተራእየሉ፡ ሰባት ፍሉጥ ምንቅስቓስ ሳዕስዒት ዝገብር ዘለኹ መሲሉዎም ክብል ተዋዝዩ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ብ"ንእሽቶ ጌጋ ስጕሚ" ክወድቕ ከም ዝኸኣለ ብሓገዝቱ ተገሊጹ። ቲኑቡ ካብ መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ኣቲኩ ኣቡበከር ከይተረፈ ምድንጋጽ ረኺቡ፣ "ዘሕዝን ፍጻመ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ካልእ ፖለቲከኛ ሸሁ ሳኒ፡ እቲ ፕረዚደንት ሰብ ምዃኑን ካብ ማንም ዝፍለ ከም ዘይኰነን ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ሳንደይ ዳረ ነዚ ስክፍታታት ዝፈጠረ ሓድሽ ፍጻመ ንምትህድዳእ፡ "ፕረዚደንት ቲኑቡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እዩ ዘሎ፣ ዑደት መንግስቲ ብዘይ ገለ ጸገም ይቕጽል ኣሎ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

"ኣብ ኣንካራ ድሕሪ ተኻየደ ወግዒ ምቕባል፡ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ክልተኣዊ ኣኼባታት ቀጺሉ።"

ካብዚ ዝሓልፍ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

ዑደት ቲኑቡ ናብ ቱርኪ፡ "ነቲ ዝጸንሐ ድልዱል ዝምድና ንምሕያል ዝዓለመ'ዩ፡" ክብል ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብሰኑይ ናብ ኣንካራ ቅድሚ ምብጋሶም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ክልተኦም ፕረዚደንታት ድሕሪ ምርኻቦም፡ ቱርኪ ምስ ናይጀርያ ሓድሽ ናይ ቍጠባ፡ ንግድን ምክልኻልን ምትሕብባር ስምምዓት ከም ዝገበረት ኣፍሊጣ።

ኤርዶጋን ምስ ቲኑቡ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝግበር ንግዲ ናብ 5 ቢልዮን ዶላር ንምዕባይ ዕላማ ከም ዘቐመጡ ኣረጋጊጾም።

ክልተአን ሃገራት ኣብ ምክልኻል ምትሕብባር ከካይዳ'ውን ተሰማሚዐን እየን። ቱርኪ ንናይጀርያ ኣንጻር ዕጡቓት ኣብ እትገብሮ መኸተ ክትድግፍ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ወተሃደራዊ ስልጠናን ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታን ዝዓሞቐ ምትሕብባር ክትገብር ቃል ኣትያ።

ቲኑቡ ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኣቲኩ ኣቡበከር ስዒሩ እዩ ስልጣን ሒዙ።