ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያ 'ሓያል መጥቃዕቲ' ከምዝፈጸመት ትራምፕ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, US Department of Defense
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ እስላማውያን ጕጅለታት ኣይኤስ 'ሓያልን ቀታልን መጥቃዕቲ' ከምዝፈጸመት ኣፍሊጡ።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ዝጀመረትሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ "ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ብፍላይ ከኣ ክርስትያን መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ" ብምባል'ያ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ "ሓያለ ዕላማኦም ዝወቕዑ ደብዳባት ኣካይዱ" ኢሉ።
እቲ ኣፍሪኮም እናተብሃለ ዝጽዋዕ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ስርሒታት ዝፍጽም ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከኣ፡ እቲ ብሓሙስ ኣብ ዞባ ሶኮቶ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምውህሃድ ኣመሪካን ናይጀርያን ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ዮሱፍ መይታማ ቱጋር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ "ልፍንታዊ ስርሒት" ነቶም "ግብረሽበራውያን ዝዓለመ'ምበር ንዝዀነ ሃይማኖት ብፍሉይ ንምጥቃዕ" ከምይኰነ ሓቢሩ።
እቲ ምኒስተር እቲ መጥቃዕቲ ብሰብ መዚ ክልቲኤን ሃገራት [ኣመሪካን ናይጀርያን] ዝተወሰነ ምዃኑ ብምሕባር ብዛዕባ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ክህሉ ድዩ ኣብ ዝብል ግን ተወሳኺ መልሲ ክህብ ኣይደለየን።
ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ "ኣብ እዋን መሪሕነተይ፡ ሃገርና ዝዀነ ኣኽራሪ እስላማዊ ግብረሽበራ ክስስን ኣይከተፍቅድን'ያ" ኢሉ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕዳር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ምልሻታት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ክዳሎ መምርሒ ሂቡ ነይሩ'ዩ።
ትራምፕ ኣብቲ ግዜ፡ ነየናይ ኣይኤስ ኣብ ናይጀርያ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ'ዩ ዝውከስ ነይሩ'ኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ጃምላዊ ህልቂት ይፍጸም ኣሎ ዝብል መረረታት በቶም የማናውያን ዝዀኑ ኣመሪካውያን ክጋዋሕ ጀሚሩ ነይሩ'ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሀገዝ ብሓሙስ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝልጠፎ ጽሑፍ፡ በቲ መንግስቲ ናይጀርያ ዘርኣዮ ምውህሃድን ምትሕግጋዝን ኣዝዩ ሕጕስ ምዃኑ ገሊጹ።
ንመንግስቲ ናይጀርያ ዘለዎ ናእዳ ድሕሪ ምግላጽ ከኣ "ርሑስ ልደት" ብምባል ጽሑፉ ደምዲሙ።
ነቲ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ኵነታት ዝከታተሉ ጕጅለታት ግን፡ ነቲ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን መጥቃዕቲን መቕተልትን ይፍጸም ኣሎ ዝብል ዘረባ ዘራጉድ መርትዖ ከምዘየለ'ዮም ዝገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲናቡ ዝዀነ ዳንኤል ብዋላ ነቲ ትራምፕ ኣብ ሕዳር ዝተዛረቦ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ኣብ ልዕሊ ጅሃዳውያን ዝፍጸመ መጥቃዕቲ ብሓባር'ዩ [ምስ ኣመሪካ] ክፍጸም ዘለዎ" ኢሉ ነይሩ።
ዳንኤል ኣስዒቡ፡ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ እቶም ጕጅለታት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ካብ ኣመሪካ ዝግበረላ ሓገዛት ሓንጎፋይ ኢላ ከምእትቕበሎ ብምሕባር ፡ እዚ ምስ ልኡላውነት ናይጀርያ ዝጻረር ከምዘይኰነ'ዩ ኣስሚሩሉ።
እቶም ጅሃዳውያን ጕጅለታት ንዝዀነ ሃይማኖት ብፍሉይ ዕላማ ከምዘይገብሩ ብምግላጽ ከኣ 'ጸረ ዅሉ ህዝቢ ናይጀርያ'ዮም' ብምባል'ዩ ገሊጽዎም።
ፕረዚደንት ቢላ ቲናቡ'ውን ኣብ ናይጀርያ ሃይማኖታዊ ምክእኣል ከምዘየለ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ናይጀርያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆ ንዅሉ ህዝብን እምነታትን ዝጸሉ ከምዝዀነ'ዩ ሓቢሩ።
ዶናልድ ትራምፕ ግን እቲ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ጸገም ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃይማኖት [ክርስትያን] ዘነጻጸረ ከምዝዀነ ብምሕባር "ኣሽሓት ብዘይ ዝዀነ መርትዖታት ተቐቲሎም" ብምባል ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዒላማ ዝገበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸመ'ዩ ዝማጐት።
ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ናይ እምነት ናጽነት ዘይብለንን ኣብ ግጭት ዝርከባ ሃገራትን እገዳ ከምዝገብር ምስ ሓበረ፡ ፕረዚደንት ቦላ ቲናቡ ሃገሩ ንዅሉ እምነታት ንምክልኻል ምስ ኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ብንጥፈት ክትሰርሕ ድልውቲ ምህላዋ ሓቢሩ።
ኣብ ናይጀርያ ከም ቦካ ሓራምን ኣይኤስን ዝኣመሰሉ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ኣሽሓት ቀቲሎም ኣለዉ።
እቶም ዝበዝሑ ዝተቐተሉ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ምዃኖም ከኣ ኣብ ዓለም ዘለዉ ፖለቲካዊ ግጭታት ብምጽናዕ ጸብጻብ ዘቕርብ ኣክለድ ዝተሰመየ ጕጅለ ይሕብር።
ኣብ ማእከላይ ዞባታት ናይጀርያ'ውን ኣብ ሞንጎ ተኸተልቲ እስልምና ዝዀኑ ጓሶትን ክርስትያን ዝዀኑ ሓረስቶትን ማይን መግሃጫን ዘበገሶ ቀጻሊ ግጭታት'ዩ ዝርአ።
ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን እቲ ኣብ ናይጀርያ ብጅሃዳውያን ጕጅለታት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ብፍሉጥ ንክርስትያን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ መርትዖ ከምዘየለ'ዮም ዝገልጹ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣይኤስ ከቢድ ደብዳብ ከምዝፈጸመት ገሊጻ ነይራ'ያ።
ነቲ ኣብ ሶርያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ፡ ብነፈርቲ ውግእ፡ ብሄሊኮፕተራትን ብኸበድቲ ብረትን ኣብ መላእ ሶርያ ኣብ ልዕሊ 70 ዒላማታት ዕዉት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብምሕባር፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ካብ ዮርዳኖስ ዝተበገሳ ነፈርቲ ውግእ'ውን ከምዝተሳተፋ ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







