ኣፍሪቃዊ ቢልየነር ዳንጐተ፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ገዛ የብለይን ምባሉ የዘራርብ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣፍሪቃዊ በዓል ሃብቲ ኣሊኮ ዳንጐተ፡ ካብ ናይጀሪያ ወጻኢ ገዛ የብለይን ድሕሪ ምባሉ ንብዙሓት ናይጀርያውያን ኣሰንቢዱ።
ዳንጐተ፡ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ካኖን ከተማ ሌጎስን ክልተ ገዛውቲ ከም ዝነበሮን ናብ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ድማ ገዛ ተኻርዩ ከም ዝነብርን ገሊጹ።
ኣብ ጥሪ 2024፡ መጽሔት ፎርብስ ዋላ’ውን ሃገሩ ቍጠባዊ ጸገማት እንተሃለዋ ንመበል 13 ዓመት ብተኸታታሊ ሃብታም ኣፍሪቃ ኢሉ ኣብ ዝርዝር ሃብታም ውልቀሰብ ኣስፊሩዎ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃብቱ ብልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ከም ዝወሰኸን እዚ ድማ 13.9 ቢልዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃብቲ ክውንን ከም ዘኽኣሎን ፎርብስ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ወዲ 66 ዓመት በዓል ሃብቲ ብንግዲ ስሚንቶን ሽኮርን ክህብትም እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣብ ሌጐስ መጻረዪ ነዳዲ ከፊቱ።
እዚ ውልቀሰብ ብሰንበት ኣብ መጻረዪ ነዳዲ ዳንጐተ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ኣብታ ሃብታማት ውልቀሰባት ብኣዝዩ ዝተፈለየ ኣነባብራኦም ዝፍለጡላ ሃገር ዝሃቦ ርእይቶ ንብዙሓት ኣገሪሙ ይርከብ።
ብዙሓት ሃብታማት ናይጀርያውያን ኣብ ለንደን፡ ዱባይን ኣትላንታን መንበሪ ገዛውቲ ኣለዎም።
ዳንጐተ፡ ካብ ናይጀሪያ ወጻኢ ገዛ የብለይን ምባሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ከዘራርብ እንከሎ፡ ገሊኦም ካብ ገዛ ምግዛእ ክራይ ገዛ ምኽፋል ዝሓሰረ ስለ ዝዀነ ጽቡቕ’ዩ ኢሎም።
ዳንጐተ፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ገዛ ዘይወነነሉ ምኽንያት፡ ናይጀርያ ክትዓቢ ክርኢ ስለ ዝደለየ ጥራይ’ዩ።
“ኣብ ለንደን ወይ ኣመሪካ ገዛ ዘይዓደግኹሉ ምኽንያት፡ ኣብ ኢንዳስትሪያላይዘሽን ናይጀርያ ከድህብ ስለ ዝደለኹ ጥራይ’ዩ። ብዛዕባ ሕልሚ ናይጀሪያ ፍሉይ ስምዒት ኣለኒ፤ ብዘይካ'ቲ ናይ ሌጎስ ገዛይ፡ ኣብ ካኖ ካልእ ገዛ ኣሎኒ፤ ኣብ ኣቡጃ ድማ ዝተኻረኹዎ ገዛ ኣሎኒ። ኣብ ኵሉ ቦታታት፡ ኣብ ኣመሪካን ካልኦትን ገዛውቲ እንተዝህልወኒ፡ ንህዝበይ ዝኸውን ነገር ትዅረት ገይረ ክሃንጽ ኣይምኸኣልኩን” ኢሉ።
ዳንጐተ፡ ኣብታ ኣብ ሌጐስ ብዙሓት ፍሉጣት ናይጀርያውያን መንበሪ ኣባይቲ ዝውንኑላ ህብብቲ ደሴት ባናና ናይ ባዕሉ ገዛ ከም ዝውንን ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ግዝኣት ካኖ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ዘይተጋነነ ኰይኑ፡ ኣብ 2021 ሓዉ ሳኒ ዳንጐተ ምስ ሞተ ኣጋይሹ ንምቕባል ይጥቀመሉ ነይሩ።
ተንታኒ ህዝባዊ ጉዳያት ሳኒ ባላ፡ ዳንጐተ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣብነት ይኸውን ከም ዘሎ ገሊጹ።
“ናይጀርያውያን እቲ ገንዘብ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕልዎ እናተገብአ፡ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ምውናን መግለጺ ዓወት ከም ዘይኰነ ክርድኡ ይግባእ። ዳንጐተ ኣብ 1996 ኣብ ለንደን ዝርከብ ገዛኡ ሸይጡ፤ ካብቲ መሸጣ ዝረኸቦ ገንዘብ ድማ ኣብ ንግዲ ከም ዘውዓሎ ርግጸኛ’የ፤ ከምኡ’ዩ ክኸውን ዘለዎ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







