ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ወጻኢ ብዓል መን እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Sudan Tribune website
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ገና መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ኰይኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።
እዚ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ከፊሉ በቶም ንኽልተኦም ወገናት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ደገፍ ዝህቡ ናይ ግዳም ሓይልታት ክናዋሕ ቀሲቡ እዩ።
ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሰንኪ እዚ ኲናት ልዕሊ 150,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉ ይሕብሩ።
ዋላ'ኳ ማዕቀብ ቀረብ ኣጽዋር እንተ ተነብረ፡ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን እልቢ ዘይብሉ ቀረባት ኣጽዋር ምቕባል ይቕጽሉ ኣለዉ።
ኣብ መንጎ እቶም ዞባውያን ሓይልታት ዘሎ ዝተፈላለየ ረብሓታት፡ ነቲ ኲናት ናብ ዝተሓላለኸ ውድድር ቀዪሩ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክንዮኡን ናብ ዓሚቝ ዘይምርግጋእ የእትዩዎ ይርከብ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ን18 ኣዋርሕ ተኸርዲና ዝጸንሐት ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቍጽጻሩ ፈጺሙዎ ብዝተባህለ "ጨፍጫፍ" ህልቂት ናይቲ ኲናት ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ዘርኣየ እዩ።
እዚ ጽሑፍ ድማ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ዝተነግረሉ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት ብዓል መን ምዃኖም ዘብርህ እዩ።
ንሰራዊት ሱዳን ዝሕግዙ ዘለዉ ሓይልታት

ምንጪ ስእሊ, MOI
ሰራዊት ሱዳን ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ደገፍ ከም ዝረክብ ይእመነሉ፤ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ኢራን፡ ሩስያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከም ዝህባ ካብ ዝኸሰሳ ሃገራት እየን።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ዝበጽሓ ቀዳመይቲ ሃገር ግብጺ እያ።
ካይሮ ንሰራዊት ሱዳን ከም እትድግፎ ዘመልክቱ ዝተፈላለየ ጸብጻባት ይቕርቡ እዮም።
ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ሌተና ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)፡ ግብጺ፡ "ነፈርቲ ውግእ ዘጠቓለለ ኣጽዋራት ንሰራዊት ሱዳን ኣቕሪባ፡" ክብል ብተደጋጋሚ ከሲሱ እዩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ካይሮ ዝቐረበ ክሲ፡ ብ5 ሕዳር 2025፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካልኦት ሃገራት ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር መጥቃዕቲ ከም ዘካየዳ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን እዩ።
ደገፍቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዀና ማዕከናት ዜና፡ እተን ድሮናት ካብ መዓልቦ ነፈርቲ ግብጺ ከም ዝነቐላ ይገልጻ። ግብጺ ኣቐዲማ ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ኢዳ ከም ዘየእተወት ንዝቐረበላ ክሲ ነጺጋቶ እያ።
ቱርኪ ምስ ዝዀነ ኣካል ጸግዒ ከም ዘይብላ ብወግዒ'ኳ እንተ ገለጸት፡ ሰራዊት ሱዳን ካርቱም ንእትርከቦ ማእከላይ ዞባ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ንምምንዛዕ ኣብ ዘካየዶ ውግእ ድሮናት ከም ዘቕረበት ይግለጽ።
ገለ ማዕከናት ዜና ቱርኪ'ውን ኣንካራ ንሰራዊት ሱዳን ዝያዳ ደገፍ ክትገብር ክጽውዓ ጸኒሐን እየን።
ኣመሪካዊት ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ናይ መጋቢት 2025 ሕታማ፡ ባይካር ዝተባህለ ዝለዓለ ኩባንያ መፍረ ኣጽዋር ቱርኪ፡ ድሮናትን ኣማኢት ሚሳይላትን ዝርከቡዎ ዘይምሕር ኣጽዋራት ንሰራዊት ሱዳን ከም ዘቕርበት ጸብጺቡ ነይሩ።
ናጻ ትካል ዜና ሚድል ኢስት ኣይ ብ6 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ንኣል-ፋሽር ድሕሪ ምሓዙ፡ ቱርኪን ግብጽን ደገፈን ከም ዘሐየልኦ ገሊጹ።
ዝተፈላለየ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና'ውን፡ እቲ ሰራዊት ካብ ሩስያን ኢራንን ነፈርቲ ውግእን ድሮናትን ይቕበል ከም ዝነበረ ይገልጻ።
ሕሜቲ ኣብ ጥቅምቲ 2024፡ ኢራን ንሰራዊት ሱዳን ወተሃደራዊ ደገፍ ከም ዝሃበት ከሲሱ ነይሩ።
እታ ምስ ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ዳግም ዝመለሰት ኢራን፡ ንዝቐረበላ ክሲ መልሲ ኣይሃበትሉን።
ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ኣብ ጥቅምቲ 2024፡ ኢራንን ሩስያን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን፡ "ወተሃደራዊ መዓስከራት ንምህናጽ ምስ ሰራዊት ተዘራሪበን፡" ክብል ጸብጺቡ።
ኢራን ነቲ ወቐሳ ክትነጽጎ እኳ እንተ ጸንሐት፡ ሩስያ ግን ኣብ ለካቲት 2025 ምስ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኣብታ ሃገር ንምቛም ስምምዕ ፈሪማ።
እዚ ጉዳይ፡ ሞስኮ ካብ 2017 ኣትሒዛ ዒላማ ገይራቶ ዝጸንሐት እዩ።
ጐረቤት ሃገር ኤርትራ'ውን፡ ኣብቲ ኲናት ንሰራዊት ሱዳን እትገብሮ ደገፍ ምስጢር ኣይገበረትን።
ንሰራዊት ሱዳን ዝድግፍ ምልሻ ኣብ ጥሪ 2025፡ ኣባላቱ ካብ ኤርትራ ስልጠናን ኣጽዋርን ከም ዝረኸቡ ገሊጹ ነይሩ።
ስዑዲ ዓረብ'ውን፡ ነቲ ሰራዊት ትድግፍ ምዃና ይንገር እኳ እንተዀነ፡ ሪያድ ግን ጸግዒ ከም ዘይሓዘት እያ ትገልጽ።
ንዳዕመ-ሰሪዕ ዝድግፉ ዘለዉ ሓይልታት

ምንጪ ስእሊ, Sudan Akhbar website
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ምሉእ እቲ ኲናት ንዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋር፡ ናውቲ ሕክምናን ካልእ ዓይነታት ደገፍን ክትህብ ከም ዝጸንሐት ይግመት።
ብኽኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዝተደገፉ ሓያሎ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ኢማራት ዓረብ ብጫድ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሶማልያን ኣቢላ ናይ ውግእ መካይን፡ ድሮናትን ካልኦት ከበድቲ ኣጽዋርን ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ ክትሰድድ ጸኒሓ።
ኬንያ፡ መራሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕን ንዕኦም ዝድግፉ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ኣብ ሃገራ ከተአንግዶም ብዙሕ ግዜ ተራእያ እያ።
ኣብ ለካቲት 2025፡ ኬንያ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ጐድናዊ መንግስቲ ዘቘመሉ ላዕለዋይ ደረጃ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣብ ናይሮቢ ኣአንጊዳ። ከም ሳዕቤኑ መንግስቲ ሱዳን ኣምባሳደሩ ካብ ናይሮቢ ስሒቡ።
ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ጫድን ኬንያን ንዳዕመ-ሰሪዕ ይድግፋ እየን ብምባል ምስ እዘን ሃገራት ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ በቲኹ።
ሱዳን፡ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ (LNA) ነቲ ዕጡቕ ምሊሻ ከም ዝድግፍ እውን ከሲሳ እያ።
ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጐድኒ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝስለፉ "ዕሱባት" ከም ዝሃበትን ውግኣት ኣብ ምሕጋዝ ከም እትነጥፍን ከሲሱ እዩ።
ኵለን እዘን ሃገራት ግን ንዝቐርበለን ተደጋጋሚ ክሲ ነጺገንኦ እየን።
መሸጣ ኣጽዋርን ዕሱባትን
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እተን ሃገራት ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተሳተፋ፡ ዜጋተተን ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ፣ ከምኡ'ውን ምንጪ ዕድጊ ኣጽዋር ዝዀና ኣለዋ።
ኣብ ጥቅምቲ 2025፡ ፓኪስታንን ሰራዊት ሱዳንን "ናይ 230 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ምክልኻል ፈሪሞም።" እዚ ድማ ንኣሰልጠንቲ ነፈርቲ፡ ድሮናት፡ ድሩዓት መካይን፡ ጽገናን ሓቢርካ ምፍራይ ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ዘጠቓልል እዩ።
ሓያሎ ማዕከናት ዜና ሱዳን፡ እቲ ሰራዊት፡ "ካብ ካዛኪስታንን ኡዝበኪስታንን ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ሱኾይ ሩስያ ክረክብ፡" ድሌት ከም ዘለዎ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ጸብጺበን ነይረን።
ብተወሳኺ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ካብ ኢማራት ዓረብ ከም ዝተረኽበ ዝእመነሉ ኣጽዋርን ድሮናትን ቻይና ከም ዝዓጠቐ ይግለጽ።
እቲ ዕጡቕ ምልሻ፡ ካብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዩክረይንን ኮሎምብያን ዝመጽኡ "ክኢላታት ቴክኒክን ፓይሎታትን፡" ብብዝሒ ከም ዝተጠቕመ'ውን ይግለጽ እዩ።
ምኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ብ5 ሕዳር፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ካብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ቦሳሶ ዝተላዕላ ናይ መን ምዃነን ዘይተፈልጣ "ገለ ነገር ዝጸዓና፡" ነፈርቲ፡ ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝዓለባ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ምኒስተር ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ኢማራት ዓረብ ግን ንመዓርፎ ነፈርቲ ሶማልያ ተጠቒማ ኣጽዋርን ዕሱባት ሰራዊትን ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ ትሰድድ ከም ዝነበረት ዝገልጽ ጸብጻባት ይቐርብ ኣሎ።
ብዛዕባ ዘተ ሰላምከ?
ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ኣባላት ኳድ (Quad) ብምዃን፣ ከምኡ'ውን ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ኢማራትን ዘጠቓለለ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዝሕግዝ ምቍራጽ ተዅሲ ክካየድን ብኡ ኣቢሉ ቀዋሚ ተዅሲ ደው ምባል ክስዕብን ትሰርሕ ኣላ።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዓረብ ዘሎ ዘይተገልጸ "ፍልልይ" ነቲ ዕርቂ ክውን ንምግባር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ይጐቶ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ዳዕመ-ሰሪዕ ንኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቍጽጻሩ ብ6 ሕዳር ነቲ እማመ ከም ዝተቐበሎ ክገልጽ ከሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ዛጊት መልሲ ኣይሃበን።
ሰራዊት ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ዘተ ምህላዋ ዝቃወም ኰይኑ፡ ቱርኪን ቐጠርን ክሕወሳ ከም ዝሓተተ ይግለጽ።
ክልተኦም ተነሓናሕቲ ኣካላት መርገጺታቶም እናኣትረሩን ዝምድናታቶም እናኣጠናኸሩን ኣብ ዝኸድሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ደማዊ ኲናት ብቕልጡፍ መኽተያ ክረክብ ዘሎ ተስፋ ውሑድ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







