ሱዳን፡ ጀነራል ሕሜቲ ንጐረባብቲ ሃገራት እንታይ ኢሉ ኣጠንቂቑ?

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ምስ ማዕርጉ እናተዛረበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)፡ ሰራዊት ሱዳን ብኣየር ንዘካይዶ ስርሒታት ዘገልግል ዝዀነ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከጥቅዕ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

ሕሜቲ ነዚ ምፍርራሕ'ዚ ዘስምዐ፡ ድሮናት ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ዳግማይ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ክጅምር ሰዓታት ጥራሕ ተሪፉዎ ዝነበረ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ድሕሪ ምድብዳበን እዩ።

እቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ 2023 ድሕሪ ምቍጽጻሮም ብዘውረድሉ ዕንወት ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ሕሜቲ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ኰይኑ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘካይዶ መጥቃዕትታት ኣብ ሱዳን ጥራይ ከም ዘይድረት ብምግላጽ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲታት'ውን ከም ዘይንሕፎም ተሓንዩ።

"እዚ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ። ንነዊሕ እዋን ስቕ ኢልና ኢና። ሕጂ ግን ካባይ ነዚ ስምዑዎ። ቅድሚ ሕጂ ካልኦት ተዛሪቦሞ እኳ እንተዀኑ ኣብዚ እዋን'ዚ ካባይ ስምዑዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ካብ ጐረቤት ሃገር ተበጊሳ ቀረብ እተቐብል፡ ቦምባታት እትድርቢ ወይ እትቐትል ዝዀነት ነፋሪት - ድሮን ዝብገሰሉ - መዓርፎ ነፈርቲ ንዓና'ውን ሕጋዊ ዒላማ እዩ፡" ኢሉ።

"ብዛዕባ'ዚ ርግጸኛታት ኢና፣ ርግጸኛታት እንተ ዘይንኸውን'ሞ፡ ነዞም ቃላት ኣምበይ ኣውጻእናዮምን። ዝዀነት ነፋሪት ወይ ድሮን እትነቕለሉ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሕጋዊ ናይ መጥቃዕቲ ዒላማና እዩ። [ነዚ እናሰምዐ] ክቕጽል ዝደሊ ይቐጽል። ነዚ ከይሲ ተግባር ደው ከብሎ ዝደሊ ከኣ ደው የብሎ።"

ኣብቲ ቪድዮ ጸምልዩ ዝተራእየ ሕሜቲ፡ መጠንቀቕታኡ ናብ ኣየኖት ሃገራት ዘቕንዐ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ዝድግፋ ማዕከናት ዜና ኰነ ቅድሚ ሕጂ ባዕሉ፡ ግብጺ ንሰራዊት ሱዳን ናይ ኣየር ሓገዝ ትገብረሉ ከም ዘላ ብተደጋጋሚ ክኸሱ ተሰሚዖም እዮም።

ሕሜቲ ብ2 ሰነ 2025 ብመንገዲ ተለግራም ኣብ ዝሃቦ ሓፈሻዊ መብርሂ፡ ንኤርትራን መራሒኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጠቒሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

"ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፡ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ - ከይተረፈ ሱዳን እዩ መፈጠሮም፡" ኢሉ ብምጥቃስ፡ "እቲ ዝሕግዞም ሰብኣይ ኣፎርቂ [ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ] ኣብ ኤርትራ ቤትጽሕፈት ከም ዘለዎም ይፈልጥ እዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተጐናጸፎ ዓወትን ተኣሳሲሩን ብሓፈሻ ንጀነራል ኣልቡርሃን ዘለዋ ደገፍን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ስማ ክለዓል ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነዚ ኣመልኪታ ግን ብወግዒ ዝሃበቶ ምላሽ የሎን።

ደገፍቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ንቐጠር፡ ኢራን፡ ቱርኪ ከምኡ'ውን ዕጡቓት ሑቲ የመን ንሰራዊት ሱዳን ደጊፎም ብዝብል ክኸሱ ይስምዑ እዮም።

በቲ ካልእ ወገን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ጐድኒ ዳዕመ-ሰሪዕ ደው ከም ዝበለትን ብዝተፈላለየ መስመራት ጐረባብቲ ሃገራት ኣቢላ ዘይተኣደነ ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ናውትን ተቐብሎም ከም ዘላን ክትክሰስ ጸኒሓ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ገለ ሰባት ከም ዝግምቱዎ፡ ሕሜቲ ስም ሃገር ዘይጠቐሰ ኮነ ኢሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘይንጽሩነት ብምፍጣር ንብዙሓት ዞባውያን ሓይልታት ኣብ ጸቕጢ ንምእታው ዓሊሙ ዝተዛረቦ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ።

ስግኣታት ሕሜቲ፡ ነታ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ከበባ ዘእተዋ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ጥሜት ኵነታት እትርከብ ኤል-ፋሻር ብኣየር ንዝግበር ስርሒታት ንምዕጋት ሃቂኑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ነፈርቲ ሰራዊት ሱዳን (ወይ'ውን ነቲ ዕዮ ክፍጽማ ውዕል ዝኣተዋ ነፈርቲ) ኣብ ኤል-ፋሸር ንዝርከቡ ወተሃደራት ሱዳን ቀረባት፡ ተተኰስትን ኣጽዋርን ኣቐቢለን ከም ዝነበራ ይግለጽ እዩ።

ሰራዊት ሱዳን ንተልእኾታት ዘድሊ ቀረባት ንምምላእ ዝጥቀሙለን ኣንቶኖቭን ኢልዩሲን ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ኣለዋኦም። ኣብ 2023 ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ሓያሎ ነፈርቲ ኣብ ካርቱምን ዳርፎርን ወቒዑ ከም ዘውደቐ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፖርትሱዳን ብድሮን ኣጥቂዑ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ሓያሎ ሱዳናውያን ነቶም ኣብ ኤል-ፋሸር ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ካብ ኣየር መግቢ ክስንደወሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።

መጠንቀቕታ ሕሜቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ናይታ ከተማ እትዝንቢ ዝዀነት ዓይነት ንፋሪት (ብዘይኣፋላላይ) ዒላማ ናይ ምግባር ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይበጽሕ ብምግባር፡ ስቓይ ናይቲ ህዝቢ ዝያዳ ክብእስ ይኽእል እዩ።

ብተወሳኺ፡ መጠንቀቕታ ሕሜቲ፡ ነቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝቈጻጸሮ ማእከል ሱዳን ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርታት ናብ ሕውየት ገጹ ክኸይድ ዝጸንሐ ጽላት ኣቭየሽን ሱዳን ከተዓናቕፎ ተኽእሎ ኣሎ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ማእከል ሱዳን ተደፊኡ እኳ እንተ ወጽአ፡ በቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ቍጠባ ናይታ ሃገር ስለ ዝተሃስየ፡ ሓያሎ ሰባት ናብተን ቦታታት ውግኣት ኰይነን ዝጸንሓ ከተማታት፡ ካርቱም፡ ኦምዱርማን፡ ወዲ መደኒ፡ ከምኡ'ውን ብዙሓት ንኣሽቱ ከተማታትን ዓድታትን ኣይሳገሙን።

ሓድሕድ መጥቃዕትታት ድሮን

ተቐማጦ ኤል-ፋሸር ካብ ደብዳብ ዘዕቅብሉ ጐዳጕዲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ተቐማጦ ኤል-ፋሸር ካብ ደብዳብ ዘዕቅብሉ ጐዳጕዲ

መራሒ ናይቲ ኣብ ከተማ ንያላ ጐድናዊ መንግስቲ ዝኣወጀ ሓይሊ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ሓይልታቱ ኣብ ዝቈጻጸሩዎ ከባቢታት ዳርፎርን ኮርዶፋንን ብሰራዊት ሱዳን ንዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ናይ ኣየር መጥቃዕቲታት፡ "ተግባራት ምጽጻይን ምጽናትን ዓሌት፡" ክብል ገሊጹዎ።

ሕሜቲ ነዚ ኵነታት ክገልጽ እንከሎ ኣብ ገጹ ርኡይ ቍጥዐ ይንበቦ ነይሩ። ሰራዊት ሱዳን ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን መራሕቲ ሕብረተሰብን ብዘይኣፋላላይ ዒላማ ከም ዝገበረ ከሲሱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኣል-ማዝሩብ (ሰሜን ኮርዶፋን) ከምኡ'ውን ኮማ (ደቡብ ኮርዶፋን) ተፈጺሙ ንዝበሎ መጥቃዕቲታት ብምጥቃስ፡ እቲ ደብዳብ ንወተሃደራዊ ቦታታት ዘይኰነ፡ "ምሉእ ማሕበረሰብ ንምጽናት፡" ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

"ኣብ ኣል-ማዝሩብ ዝርከብ ህዝብና፡ ከምኡ'ውን ናዚር [ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዳዕመ-ሰሪዕ]ን ናይ ከባቢ መራሕትን ኣምላኽ ምሕረቱ የንብረልኩም። እቶም ቅድምን ድሕርን ሚያዝያ 15 ኣብ ኵለን ከተማታት ዝተሰውኡ'ውን ኣምላኽ ኢዱ የንብረሎም፡" ኢሉ።

ኣብ ኮማ፡ ቃብካብያ፡ ኣልገነይናን ካልኦትን ዘለዉ፡ "ስቪላውያን ሰማእታትና ክንርስዖም የብልናን፡" ዝበለ እዚ ጀነራል፡ ገለ ከባቢታት ካብቲ መጥቃዕትታት ክድሕኑ ምኽኣሎም ንኣምላኽ ነመስግን ኢሉ።

"እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ንኣል-ዙርክ ክልተ ግዜ ወቒዖማ። ኣብ መላእ ኮርዶፋን ከምኡ፣ ኣብ መላእ ፉላን ካልኦት ከባቢታትን ባስካታት ማይን መጓረቲታትን ሃሪሞም። ኣብ ኵለን ዞባታት፡ ሰይጣናዊ፡ ብደይመደይ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ ስርሒታት፡ ዘስካሕክሕን ኣጽናትን መጥቃዕትታት ተፈጺሙ። እንተዀነ፡ ኮቶ ኣይከፍርሑናን እዮም፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሕሜቲ፡ ሰራዊት ሱዳን "ቀቢላታት ካብ ካርታ ክድምስስ" ይፍትን ኣሎ ክብል ብምኽሳስ፡ ሓይልታት መንግስቲ ንመዓስከራት ተመዛበልትን ቤትምኽሪ ቀቢላታትን ከም ዝደብደቡ ወቒሱ።

ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣርእየሞ ንዝበሎ "ጽንዓት" ድሕሪ ምምጓስ፡ እቶም ኣባላት እምነት ሒዞም ዝጓዓዙ እምበር፡ ብንዋታዊ መኽሰብ ከም ዘይድለሉ ገሊጹ።

"እቶም ዝተላዓሉ መንእሰያት - ዝዕደጉ ወይ ዝድለሉ ኣይኰኑን። ከምቶም ኣብ ጐድኒ ጸላኢ ዝተሰለፉ ዕሱባት ኣይኰኑን፣ ዕላማን ርድኢትን ዘለዎም መንእሰያት እዮም፡" ኢሉ።

ናብቲ ኵነታት ቅርበት ዘለወን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብርኦ ከም ዘለዋ፡ ብኽልተኦም ወገን ሓድሕድ መጥቃዕትታት ድሮን ወሲኹ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንኸተማታት ኮማን ኣል-ማዝሩብን ሓዊሱ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝተቘጻደሮ መላእ ዳርፎርን ምዕራብ ኮርዶፋንን መጥቃዕትታት ድሮን ከም ዝፈጸመን ሰለማውያን ሰባት ከም ዝቐተለን ክጽብጸብ ጸኒሑ እዩ።

መቓምጦ ናይቲ "ጐድናዊ መንግስቲ" ኣብ ዝዀነት ንያላ ዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈት ፖሊስ ብደብዳብ ዓንዩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ብወገኑ፡ ኣብታ ከርዲኑዋ ዘሎ ኤል-ፋሻር ብዝተኻየደ ክልተ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ተኣኪቦም ዝነበሩ መእመናን ብምውዳቑ፡ ኣስታት 200 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኦምዱርማን፡ ካርቱም ባሕርን ማእከላይ ካርቱምን ንዝርከቡ ቦታታት ዒላማ ብምግባር መሰረተ-ልምዓት ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምውቅዑ፡ ሰፊሕ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዘስዓበ ተገሊጹ።

ዑደት ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም

ዑደት ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሮናት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ወጻኢ ንዝርከቡ ሰለስተ ቦታታት ከም ዝወቕዓ እዩ ዝንገር።

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ድሮ ዳግማይ ምጅማር በረራ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ፡ ህይወት ካርቱም ናብ ንቡር ከይምለስ፣ ከምኡ'ውን መንግስቲ ስልጣኑ ከየደልድልን መንግስቲ ርግኣት ንምስፋን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንምትዕንቓፍን ዝዓለመ ምዃኑ ዝገልጹ ኣለዉ።

እቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ካሚል እድሪስ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን፡ ሕውየት ድሕረ-ኲናት ንምምልካት ሰለማውያን ሰባት ናብ ካርቱም ክሳግሙ ክጐሳጕስ ጸኒሑ።

ዳግማይ ምኽፋት ናይቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እምበኣር ከም ነጥበ-መቐይሮ ዝርአ ኰይኑ፡ መንግስቲ ዳግማይ ርግኣት ከም ዘስፍንን መሰረታዊ ምትእስሳራት ከም ዘስፍንን ንምርዓይ ዝዓለመ እዩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምውቃዕ፡ ዳግማይ ክምለስ ከም ዝኽእልን ዝዀነ ክፋል ሱዳን ካብ መጥቃዕቲ ድሮናቱ ርሑቕ ከም ዘይኰነን መልእኽቲ ከሕልፍ ዝደለየ ይመስል።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ብ21 ጥቅምቲ 2025 ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምኻድ፡ ነቲ ዑደት ነገራት ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሓይልታቱ ከም ዘሎ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ከም ዝተጠቐመሉ ይግለጽ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ብዝወረዶ ዕንወትን ዘየዕርፍ ውግእን ኣገልግሎቱ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ጽገና ተኻይድሉ ዳግማይ ናብ ምጅማር በረራ ምብጻሑ፡ ምልክት ጽንዓት ወተሃደራዊ መሪሕነት ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ስርዓት ኣልበሽር ንምእላይ ምስ ሕሜቲ ጸሚዱ ዝነበረ ኣልቡርሃን፡ "ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ ኵነት ነይርና፡ ሕጂ ኣብ ካልእ ኵነት ምህላውናን ንኣምላኽ ነመስግኖ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ሓደ እዋን እዛ መሬት ኣብ ኢድ ዓመጽቲ ምልሻታት ጃንጃዊድ መቕተሊት ባይታ እያ ነይራ። ሕጂ ኣብ ኢድ ህዝቢ ሱዳን እያ ዘላ። እዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ንጸላእቲ ሱዳንን ህዝቢ ሱዳንን ንዝዀኑ ዝወሃብ ምላሽ እዩ። ምስ ታሪኽን ሱዳንን ቅርበት ይሃልዎም'ምበር፡ ታሪኽ ኣየንበቡን። ምስጢርን ቈራጽነትን ህዝቢ ሱዳን'ውን ኣይፈልጡን እዮም፡" ክብል ወሲኹ።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ኣብ 2024 ግምጃ ሃገራዊ እቶት (GDP) ሱዳን ብ23.4 ሚእታዊት ነክዩ። ዝቕባበ ዋጋታት ንብረት 176 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐን ብግብሪ ዝእከብ ኣታዊታት ብምንቍልቋሉ ንሕጽረታት ኣጋዲዱዎ ከም ዘሎን ይገልጽ።

ካብ ቅደሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዞም ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኵነታት ሱዳን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዛጊት ልዕሊ 150,000 ከም ዝሞቱንልዕሊ 10 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ምግላጹ ይዝከር።