ኮርዶፋን፡ ሓድሽ ግንባር ኲናት ሱዳን - ስለምንታይ?

ብረቱ ዝተሓንገጠ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Avaaz via Getty Images

እቲ ብነዳዲ ዝሃብተመ ዞባ ኮርዶፋን ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየደ ዘሎ ኲናት ናብ ዓቢይን ወሳኒን ግንባር ተቐይሩ ኣሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ነታ ሃገር ዝደሃኸ ሕሱም ኲናት ሓድሕድ 'መን ላዕለዋይ ኢድ ጨበጠ?' ኣብ ዝዋደቝሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ ኣቓልቦ እቲ ኲናት ናብዚ ዞባ ከም ዝሰጋገር ገይሩ።

"ንኮርዶፋን ዝቈጻጸር ሓይሊ ንቀረብ ነዳዲ እታ ሃገር ብኣድማዕነት ይቈጻጸሮ፣ እዚ ድማ ንዝዓበየ ክፋል እታ ሃገር ክቈጻጸር የኽእሎ፡" ክብል ተንታኒ ትካል ኦኣሲስ ፖሊሲ ኣድቫይዘሪ ኣሚር ኣሚን ንቢቢሲ ይገልጽ።

እቲ ዞባ ንደቡብ ሱዳን እውን ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ ነዳዲኦም ናብ ሰደድ ቅድሚ ምቕንዑ፡ ብሻምብቆታት ኣቢሉ ናብኡ ስለዝውሕዝ፡ የገድሶም እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ምርግጋእ ኮርዶፋን ፍሉይ ረብሓ ኣለዋ - ደቡብ ሱዳን።

እዚ ስለዝዀነ ድማ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ርኡይ ዓወታት ድሕሪ ምምምዝጋቡ - ንርእሰ ከተማ ካርቱምን፡ እታ ሃብታም ማእከል ሕርሻ ሱዳን ዝዀነት ግዝኣት ጀዚራን፡ ድሕሪ ምቍጽጻሩ - ናብ ኮርዶፋን ገጹ እዩ ኣቕኒዑ ዘሎ። እቲ ብሰለስተ ግዝኣታት ዝቘመ፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዎ ዞባ፡ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ንምምንዛዕ፡ ካብ ሰነ ኣትሒዙ እዩ ስርሒታት ጀሚሩ ዘሎ።

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ሰራዊቱ ኣብ መጋቢት ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምስዓሮም፡ ብ20 ሰነ ንኻልኣይ ግዚኡ ናብታ ከተማ ከም ዝበጽሐ ይፍለጥ።

ጀነራል ቡርሃን ገና ኣብ ፖርት ሱዳን እዩ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ገይሩ ዘሎ። እዚ ድማ ናብ ካርቱም ንምምላስ ገና ምትእምማን ከምዘይብሉ ዘርኢ ምዃኑ እዩ ዝግምገም።

ዑናታት ከተማ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Avaaz via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትኡ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ካርቱም ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዓንዩ እዩ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኲናት ህይወት ኣስታት 150 ሽሕ ሰባት ከጥፍእ እንከሎ፡ ካልኦት ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ካብ ገዛኦም ክፈናቐሉ ኣገዲዱ - እዚ ብግምት ማዕረ ህዝቢ ቱኒዝያ ወይ ቤልጅየም እዩ።

ኣብ ሚያዝያ 2023 ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ ዝምርሑ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንካርቱም ተቘጻጺሮምዋ።

ተንታኒ ትካል ካራይስስ ግሩፕ ኣላን ቦስወል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኮርዶፋን ዓስኪሩ ንዘሎ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ክስዕሮ ስለዝደሊ፡ ናብቲ ቀንዲ መነሃርያን መደበርን ናይቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዀነ ሸነኽ ምዕራብ - ዞባ ዳርፉር ክደፍእ ይደሊ፡ ኢሉ።

ብኣንጻሩ ሓይልታት ሕሜቲ፡ ናብ ማእከላይ ሱዳን ክሳብ ካርቱም ንዘሎ ከባቢታት ንምቍጽጻር ስለዘኽእሎም ኮርዶፋን ብቐሊሉ ዝለቍዋ ኣይመስሉን፡ ይውስኽ ቦስወል።

ዳይረክተር ትራንስፓረንሲ ፖሊሲ ሱዳን ዶክተር ሱሌማን ባልዶ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኮርዶፋን ንዝዓረደ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ክሰብሮ ዝኽእል ብዛዕባ ምዃኑ ዘለዎ ጥርጣረ ይግለጽ።

መብዛሕትኦም ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብታ ምስ ዳርፉር እትዳወብ ግዝኣት ምዕራብ ኮርዶፋን ዝመጹ ተወለድቲ ብሄረ ሚሰርያ ስለዝዀኑ፡ "ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበረሰባት ንምሕላው ክብሉ ኣበርቲዖም ክቃለሱ እዮም፡" ኢሉ ይግምት።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብሰራዊት ሱዳን ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን - ርእሰ ከተማኣ ኤል-ፉላን ከምኡ'ውን ከተማ ኣቡ ዛባድ - ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ'ውን ንደቂ እቲ ከባቢ ከምዘቕሓሮም ይገልጽ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ደገፍቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ኰይኖም ዝረኣዩ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ኣዕናዊ ፖሊሲ "ሓባራዊ መቕጻዕቲ" ምዃኑ ሱሌማን ባልዶ ይገልጽ።

እቲ ሰራዊት ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ቦታታት መዐደኒ ነዳዲ እኳ እንተሓዘ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ እንተቐጺሉ ግን ውግእ ናብታ ብነዳዲ ዝሃብተመ ሄግሊግ - ኣብ ጥቓ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ደቡብ ኮርዶፋን - ገጹ ከምዘስፍሕ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣጠንቂቑ።

ካርታ ሱዳን

ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ሓላፊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዳዕመ-ሰሪዕ ዩሱፍ ኣዋዳላህ ዓልያን፡ ደብዳብ ነፈርቲ ሰራዊት እንተቐጺሉ፡ ሓይልታቶም ንመሳለጥያታት ነዳዲ ሄግሊግ ከጥቅዕን መሃንድሳት ክቐትልን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እዚ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ኤል-ፉላን ኣቡ ዛባድን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝቐተሉ ኣብ ዝተገለጸሉ ኰይኑ፡ ገሊኦም ስድራቤታት ኣብ ዘዕቈቡሉ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈጸመ ምዃኖም ይንገር።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ሲቪላትን ሲቪላውያን ትካላትን ፈጺሞም ዒላማ ክዀኑ ከምዘይግባእ ኣስሚሩሉ፤ ኵሎም ወገናት ድማ ኣህጉራዊ ሕጊ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ'ውን ንባዕሎም፡ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።

እዚ እናዀነ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ንርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርዶፋን ዝዀነት ኤል-ዑበይድ ንምሓዝ መጥቃዕቲ ንምጅማር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ስክፍታታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ኡም-ሱማይማ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ኢድ ሓዲኦም ሓይሊ ክትቀያየር ጸኒሓ እያ።

እታ ከተማ ቅድሚ ኤል-ዑበይድ እትርከብ ናይ መወዳእታ መከላኸሊ መስመር ሰራዊት ሱዳን ምዃና ይፍለጥ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ንኡም-ሱማይማ እንተሒዙ፡ ነቲ ኣብ ኤል-ዑበይድ ዝርከብ መደበር ሰራዊት ሱዳን ክንጽሎ ይኽእል እዩ፤ እቲ ሰራዊት ድማ ንኮርዶፋን ዝሰግር መስመራት ቀረብ መስመር ከውሕስ ክቃለስ ክግደድ እዩ።

ኮርዶፋን ብዘለዎ ሰፊሕ - ኣስታት 390,000 ትርብዒት ኪ.ሜ - ስፍሓት፡ እቲ ዞባ ዓቢ ዓውደ ውግእ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።

ስለዚ ነቲ ሓፈሻዊ ኲናት ዘይውስን ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ነቲ ዞባ'ቲ ምቍጽጻር ግን ዓቢ ነጥበ መቐይሮን ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይዛረቡ።