ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ንምንታይ ኵሎም ሓይልታት ካብ ካርቱም ክወጽኡ ኣዚዙ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኵሎም ወተሃደራውያን ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካብ ካርቱም ክወጽኡ ብዓርቢ ከም ዝኣዘዘ ተገሊጹ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ዝውሰድ ዘሎ፡ ራስያ ንምግታእን ሰለማውያን ሰባት ናብ ቤተ-ንብረቶም ንምምላስ ምድላው ንምግባርን ዝዓለመ ምዃኑ ነቲ ቅዳሕ ዝተመልከተ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።
ኣብ መላእ ካርቱም ነቲ ዝጸንሐ ክፍተት ጸጥታ ብምጥቃም ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ስርቅን ዝምታን ክካየድ ምጽንሑ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣልቡርሃን ነቲ መስርሕ ንምክትታል ብኣባል ልዑላዊ ቤትምኽሪ ኢብራሂም ጃብር ዝምራሕ ላዕለዋይ ሽማግለ ኣቚሙ ኣሎ። እቲ ሽማግለ፡ ድሕነትን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ንምምላስ ዕማማ ከም ዝተዋህቦ እቲ ኣዋጅ ይሕብር።
እቲ ኣዋጅ፡ ንጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት፡ "ግዝኣት ካርቱም ካብ ኵሎም ሓይልታትን ዕጡቓትን ምጽራይ፡" ዝብል ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦ እዩ ዝግለጽ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዝተጣየሰ ሽማግለ ንገለ ወጻእተኛታት ብምስጓግን ንገሊኦም ናብ ካልእ ቦታታት ብምግዓዝን ኵሉ 'ዘይወግዓዊ' ዝበሉዎ ሰፈራታት ብምጽራይ፡ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክን ማይን ናብ ንቡር ንምምላስ "ህላወ ወጻእተኛታት" ክቈጻጸር ስልጣን ተዋሂቡዎ ኣሎ።
ሱዳን ትሪቡን ከም ዝገለጾ፡ እዚ ቍጽጽር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝሰዓበ፡ "ገለ ደቡብ ሱዳናውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ጐድኒ ዳዕመ-ሰሪዕ ኰይኖም ከም ዝተዋግኡ፡" ድሕሪ "ምርግጋጹ" ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ካርቱም ዝቕመጡ ኤርትራውያን ናብ መዓስከራት ክኸዱ ከም ዝተነግሮም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ገሊኦም ኣብኡ ንዓመታት ዝተቐመጡን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ምዃኖምን ጥርዓናት ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ግንቦት ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ኰይኑ ዝተመዘዘ ካሚል እድሪስ ኣብ ርእሰ-ኸተማ ሱዳን ዝወረደ ዕንወት ንምዕዛብ ንፈለማ እዋን ናብ ካርቱም ኣትዩ።
ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምጅማሩ ብዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ካርቱም ተደፊኡ ክወጽእ ዝተገደደ ብኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ፡ ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እትርከብ ፖርትሱዳን ኰይኑ እዩ ዕማማቱ ዘካይድ ዘሎ።
መግለጺ መንግስቲ ከም ዝሕብሮ፡ ዕላማ ናይቲ ፍሉይ ጕዕዞ፡ ነቲ ብዂናት ዝወረደ ከቢድ ዕንወት ንምግምጋምን ዳግመ-ህንጸት ንምጅማርን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።
እድሪስ፡ ኣብ ጥሪ 2022 ዓብደላ ሓምዶክ በዞም ሕጂ ኣብ ግጭት ኣትዮም ዝርከቡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ዝተሸየመ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር እዩ።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ኣብ 2024 ግምጃ ሃገራዊ እቶት (GDP) ሱዳን ብ23.4 ሚእታዊት ነክዩ። ዝቕባበ ዋጋታት ንብረት 176 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐን ብግብሪ ዝእከብ ኣታዊታት ብምንቍልቋሉ ንሕጽረታት ኣጋዲዱዎ ከም ዘሎን ይገልጽ።
ካብ ቅደሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዞም ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ልዕሊ 150,000 ሰባት ተቐቲሎም።
እቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ዝተጀመረ ግጭት፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዛጊት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 10 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ከም ዝገለጸ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, SUNNA




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







