ቅልውላው ሱዳን፡ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ከይትምቀል ዘሎ ስግኣት እንታይ ይመስል?

ተፋጢጦም ዘለዉ ክልተ ጀነራላት ሱዳን

ሱዳን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ሓደጋ ምምቕቓል ኣንጸላልዩዋ ከም ዘሎ ቢቢሲ ሞኒተሪን ዘካየዶ ትንታነ የመልክት።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱ ጕጅለታትን ጐድናዊ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ዝኣልምሉ ዘለዉ እዋን፡ "ሊብያዊ ፍጻመ" ከየጋጥም ተሰጊኡ ኣሎ።

ትንታነ ቢቢሲ ሞኒተሪን፡ ኣብ ሱዳን ዘለዎ ግንዛበ ከምኡ'ውን ኣብ ምክትታል መራኸቢ ብዙሓን ሱዳን፡ ፓን-ዓረብን ብዛዕባ'ቲ ዝተናውሐ ግጭት ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ጸብጻባትን ዝተመርኰሰ እዩ። ብቐንዱ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳንን ጐረባብቲ ሃገራትን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝምልከት ዘለዎ መረዳእታ እውን ተጠቒሙ ዘካየዶ ትንታነ እዩ ናብዚ ስግኣት መሪሑ ዘሎ።

ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱ ዕጡቓትን ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝጸንሓ ማእከላይ ግዝኣታት ልዕልና ረኺቦም ኣለዉ። እንተዀነ፡ እዞም ሓይልታት ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ንምቍጽጻር ድልዱል መርገጺ ሒዞም ይርከቡ።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱን ኣብ ዳርፉር ተመዓዳዊ መንግስቲ ብምቛም ሕጋውነትን ዓለምለኻዊ ዕዳጋታት ኣጽዋር ክረኽቡን ተተስፍዮም ኣለዉ።

ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ነቲ ኲናት ንምቕጻል ካብ ከም ኢራን፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ሩስያን ዝኣመሰላ ዞባዊ ሓይልታት ኣብ ዝረኽብዎ ንዋታዊ ደገፍ ከም ዝምርኰሱ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኲናት ዝግበር ምትእትታው ወጻእተኛታት ንውግእ ዝደፋፍእን ሰፊሕ ግፍዕታት ንኽፍጸም ዘተባብዕን ብምዃኑ፡ ቀዋሚ ምቍራጽ ተዅሲ ክብጻሕ ኣብ ቀረባ ተስፋ ዘሎ ኣይመስልን።

ስግኣት ምምቕቓል

እታ ብዂናት ዝተሃስየት ሱዳን፡ እቲ ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕዳ ናብ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ከይትመቓቐል ስግኣት ገጢምዋ ኣሎ።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተመዓዳዊ መንግስቲ ኣዊጆም ኣለዉ። ዋላ'ኳ ምስ ጽኑዕ ዓለምለኻዊ ውግዘት ተፋጢጦም እንተሃለዉ፡ መሻርኽቲ ዕጡቓትን ፖለቲካዊ ጕጅለታትን ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ተዳልዮም ዘለዉ ይመስሉ።

ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱን ብ22 ለካቲት መስራቲ ቻርተር ሱዳን ተባሂሉ ዝተሰየመ ሰነድ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ድሕሪ ምፍራሞም እቲ ስግኣት ምምቕቓል ዝያዳ ተጋዲዱ ይርከብ።

ዕላማ እቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ምስቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝመደበሩ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ምውድዳር'ዩ።

ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣጽዋር ንምጕራት ዝገብሮ ጻዕሪ ንምብራኽ ሕጋውነት ይደሊ'ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ዓረብ፡ ዓረብ-ሊግ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ድማ ነዚ ብምቅዋም ንሓድነት ሱዳን ዝድግፍ መርገጺኦም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ማእከላይ ግዝኣታት ጀዚራ፡ ሰናርን ካርቱምን ተኸታታሊ ስዕረት ኣጋጢምዎ እዩ። ሰራዊት ሱዳን ንማእከላይ ዞባታት ዳግማይ ምቍጽጻሩ፡ እቲ ምብራቓዊ ምዕራብ ከይንጸል ዘሎ ስግኣት ክዓሙቕ ገይሩ ኣሎ። እዚ ድማ ሱዳን ከምቲ ኣብ ሊብያ ዝተራእየ ሓደጋ ከየጓንፋ ተሰጊኡ'ሎ።

ካርታ ሱዳንን ኣተሓሕዛ ሓይልታትን

ውሽጣዊ ደገፍ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ

ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን መስርዖም ንምድልዳል ብዙሓት ዕጡቓት ጕጅለታት ኣዋዲዶም፤ ብዙሓት ዕጡቓት ጕጅለታት ድማ ብኽልቲኦም ወገናት ተሰሊፎም ኣለዉ።

ካብቶም ንሰራዊት ሱዳን ዝድግፉ ፍሉጣት ጕጅለታት፡ ኪዳን ዕጡቓት ጕጅለታት ዳርፉር ዝዀነ ሓባራዊ ሓይሊ፡ ምልሻ ብርጌድ ኣልባራ ቢን ማሊክን ምልሻ ሓይልታት ዋልታ ሱዳንን ይርከብዎም። ካልኦት ድማ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝመደበሮም ጕጅለታት ከም ምብራቓዊ ኦርታ ሓይልታት፡ ሓይልታት ኪዳን ውድባትን ምንቅስቓሳትን ምብራቓዊ ሱዳን ከምኡ'ውን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፍትሕን ልምዓትን ንምብራቕ ሱዳን እዮም።

ብህዝባዊ ተቓውሞ ዝፍለጡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወለንተኛታት ተቓለስቲ እውን ንሰራዊት ሱዳን ክድግፉ ጸኒሖም እዮም።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ መጀመርታ ብሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብታ ውሽጢ'ታ ሃገር መሻርኽቲ ሓይልታት ንምርካብ ተጸጊሙ ነይሩ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ለካቲት ኣብ ኬንያ ቻርተር ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን፡ ካብ መስራቲ ኪዳን ሱዳን (ታሴስ) ደገፍ ብምርካቡ ዓቢይ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣብ መጋቢት ድማ ምስ ሓያል ዕጡቕ ጕጅለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ሱዳን/ሰራዊት-ሰሜን፡ ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ደቡብ ኮርዶፋን ምሕዝነት ከም ዝፈጠረ ገሊጹ።

ዝኸፍኣ ሰብኣዊ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብቲ ኲናት ልዕልና ንምርካብ ኣብ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ደገፍ እምብዛ ዝተመርኰሱ እዮም።

ሰራዊት ሱዳን ካብ ግብጺ፡ ሩስያ፡ ኢራን፡ ቱርኪን ኤርትራን ደገፍ ከም ዝረክብ ብሰፊሑ ክእመን እንከሎ፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ጫድ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ደገፍ ከም ዝረኽቡ ይግለጽ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ካይሮ "ንወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን ቀረብ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ስልጠናን ሓዊሱ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ሓገዝ ገይራ እያ። ኣብ ጥቅምቲ 2024 መራሒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ)፡ ግብጽን ኢራንን ንሰራዊት ሱዳን ወተሃደራዊ ደገፍ ይገብራ ኣለዋ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ኢራንን ሩስያን እውን ንሰራዊት ሱዳን ደገፍ ከም ዝገበራ ይግለጽ። ብፍላይ ኢራን "ጽዕነት ኣጽዋርን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን" ከም ዝሰደደት ይንገር። ኢራን እትህቦ ደገፍ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ከም ዝጀመረ ይግለጽ።

እቲ ሰራዊት ካብ ሩስያ ነፈርቲ ውግእ ዝርከቦም ወተሃደራዊ ቀረባት ከም ዝረኸበ'ውን ይሕበር። ሰበስልጣን ሱዳን ካብ 2024 ጀሚሮም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምዕማቝ ዝምድናን ምትሕብባርን ንምዝታይ ናብ ሞስኮ ብተደጋጋሚ ከም ዝበጽሑ ይፍለጥ።

ሩስያ ነቲ ሰራዊት ዝሃበቶ ደገፍ ምስቲ ንሳ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ነሓሰ 2024፡ ሌተና ጀነራል ያሲር ኣልዓጣ፡ ሰራዊት ሱዳን ካብ ሓይሊ ሞስኮ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምርካብ፡ እቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክምስረት ድሌት ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ'ዩ። ኣብ ለካቲት 2025 ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ዩሱፍ፡ ሃገሩ፡ ሩስያ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ዘቕረበቶ ሕቶ፡ "ዝሰማማዕ ስምምዕ ከም ዝፈረመት፡" ኣቃሊዑ ነይሩ።

ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ኢራን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንኽትረከብ ትጽዕር ነይራ፣ እንተዀነ፡ ሰራዊት ሱዳንን ቴህራንን ነዚ ክሲ ይነጽጉ።

ቱርኪ ነቲ ኲናት ሓድሕድ ንምቍራጽ ዘተ ክግበር ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ጸውዐት፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ነተን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካርቱም ንዝረኸቦ ዓወታት ወሰንቲ ዝዀና ቲቢ2 ዝዓይነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ቱርኪ ክጥቀም ጸኒሑ'ዩ።

ጐረቤት ሃገር ኤርትራ እውን ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝተሰለፉ ኣሰልጠንቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ከም ዘለዋ ይግለጽ። ኤርትራ ግን ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝበለቶ ነገር የሎን። ይዅን'ምበር፡ ገለ ዕጡቓት ጕጅለታት ሱዳን ካብ ኤርትራ ኣጽዋር ከም ዝተቐበሉ ተኣሚኖም'ዮም።

ቀንዲ ደጋፊት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኢማራት ዓረብ እያ። እታ ሃገር ነቲ ክሲ እኳ እንተ ነጸገቶ፡ ብኽኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዝተደገፉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ብጐረቤት ሃገራት ጫድ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሊብያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣቢላ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋርን ሎጅስቲካዊ ደገፍን ክትህብ ከም ዝጸንሐት የመልክቱ።

እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ብፍላይ ኣብ ዳርፉር ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ ምጽናት ዓሌት ተሓባባሪት ነይራ ክብል ኣብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ከሲሱ'ዩ። ኢማራት ዓረብ ግን ነቲ ክሲ፡ "ሕጋዊ መሰረት ዝጐደሎ፡" ክትብል ነጺጋቶ'ያ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን "ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዕሱባት ሰራዊት ትህብ'ያ፡" ብምባል ዝቘሰሉ ኣባላት እቲ ሓይሊ ንምሕካም እውን ትሕግዝ ከም ዘላ ይኸስስ።

ጫድ፡ ደቡብ ሱዳንን ሊብያን ነዚ ክሲ ነጺገን እየን።

ተኣማንነት ማዕከናት ዜና ሱዳን

ብዙሓት ብውልቂ ዝውነና ማዕከናት ዜና ሱዳን፡ ኣብቲ ኲናት ወገን ሒዘን እኳ እንተ ጸንሓ፡ ገሊአን ግን ዘይሻራዊ ጸብጻባት ኣቕሪበን'የን።

ቢቢሲ ሞኒተርን መብዛሕትአን ማዕከናት ዜና ሱዳን ወይ ደገፍቲ ሰራዊት ወይ ድማ ገለልተኛ ምዃነን ክዕዘብ ክኢሉ'ዩ።

እቲ ሰራዊት ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ይቈጻጸር፡ መብዛሕትአን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ንወግዓዊ መግለጺታት ኣብአን ስለ ዝምርኰሳ፡ ብዓቢዩ ነቲ ወተሃደራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብደገ ንምልላይ ተዓዊተን እየን።

ደገፍቲ ሰራዊት ሱዳን ዝዀና መራኸቢ ብዙሓን ብሓፈሻ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ዓውደ ውግእ ዝረኸቦ ዓወታት ክብ ብምባል፡ ንዓወታት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ የነኣእሳ።

ብኣንጻሩ፡ ደገፍቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዀና መራኸቢ ብዙሓን፡ ንዓወታት እቲ ጕጅለ የጋንና፣ ንዓወታት ሰራዊት ሱዳን ድማ ከም ዘቃልላ ይፍለጥ።

ነቲ ሰራዊት ካብ ዝድግፋ ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ብሕቲ፡ ጋዜጣ ኣልሱዳኒ፡ ታይባ ቲቪ፡ ኣል-ሞሃጊግ፡ ኣል-ኡኦም፡ ባጅ ኒውስን መርበብ ሓበሬታታት ኣል-ኢንቲባሃን ይርከብአን።

ፍሉጣት ደገፍቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ፡ ተለቪዥን ኣል-ሓጊጋ፡ ጋዜጣታት ኦንላይን ኣሳይሃን ሱናን ከምኡ'ውን ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝመደበራ መርበብ ሓበሬታ ኤረም ኒውስ እየን።

ኣብ ኣምስተርዳም ዝመደበሩ ሬድዮ ዳባንጋ ምስ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከዘንብል እንከሎ፡ ኣብ ፓሪስ ዝመደበረን ሱዳን ትሪቡንን ዳርፉር24ን ድማ ከም ዘይሻራዊ ይረኣያ።

'ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው'

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ገለ ክፋል ሱዳን ድማ ጥሜት የጋጥሞ ከም ዘሎ የጠንቅቕ።

ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ረድኤት ከይበጽሕ ዕንቅፋት ይዀኑ ከም ዘለዉ ይኸስስ። ብመሰረት ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ክሳዕ መጋቢት 2025፡ ሱዳን 11,301,340 ተመዛበልቲ ተአንግድ ከም ዝነበረት ይሕብር። እዚ ኣሃዝ'ዚ ነቶም ቅድሚ ምጅማርን ድሕሪን ምጅማር እቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ዘጠቓልል እዩ።

ዓለምለኻዊ ተቘጻጻሪ ጥሜት ኣብ ነሓሰ 2024 ዘውጽኦ ገምጋም፡ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ተመዛበልቲ፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ኮርዶፋን ሓዊሱ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር "ኵነታት ጥሜት ሰፊኑ" ከም ዘሎ የመልክት።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ነቶም ጥሜት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ክነጽግ'ዩ ጸኒሑ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዝጸልመተ ተስፋ ምቍራጽ ተዅሲ

እቲ ግጭት ደው ንምባል ብዞባውን ዓለምለኻውን መንጐኛታት ክካየዱ ዝጸንሑ ዝርርባት ተስፋ ኣየርአዩን።

እዚ ዝዀነ ድማ ብቐንዱ ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ኵለን ከተማታት ክወጽኡን ኣጽዋር ከውርዱን ብዝነበሮ ጠለብ እዩ።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ጠለባት እቲ ሰራዊት ጻዕርታት ሰላም ንምዕንቃፍ ዝዓለሙ "ዕንቅፋታት" ከም ዝዀኑ ይገልጽ።

ኣብ ነሓሰ 2024 ድሕሪ ምእጋድ ሰራዊት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝመርሖ ሽምግልና ጀነቫ ካብ ዝፈሸለሉ እዋን እቲ ዝርርብ ደው ኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ድማ ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱን ኣብ ጫፍ ወተሃደራዊ ዓወት ከም ዘለዉ ስለ ዝኣመኑ፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር ተኽእሎ የሎን።

ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ዝርርብ ካብ ዝፈሽል ንደሓር ክልቲኦም ወገናት ዘካይድዎ ግጭት እናገደደ ብምምጽኡ፡ ኣብ ቀጻሊ ሽምግልና ክካየድ ዘሎ ተስፋ ኣህሲስዎ ይርከብ።

ኣመሪካ እትርከበን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ምስቶም ዝዋግኡ ወገናት ምትእስሳር ዘለዎም ትካላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ሕመቲን እገዳ ኣንቢረን ኣለዋ። እዚ ድማ ነቲ ሰናይ ድሌት ዝዘረገ ስጕምቲ'ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሒደት ተገዳስነት ከም ዘርኣየ ይፍለጥ። ወገን ከም ዘይሕዝ እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ግን ምሉእ ተወፋይነት ከም ዘለዎ እዩ ኣመልኪቱ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዓለማዊ ኲናት ቀረጽን ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ቅልውላዋትን ኣብ ዘተኰረሉ እዋን፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን፡ ኣብቲ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ጽልዋ ከሕድሩ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ዝተረጋገጸ ይመስል።