'ቈልዑ ኣብ ሕቝፈይ ሻንጣ ኣብ ርእሰይ ተሰኪመ'የ ሃዲመ'

ኣብ ሱዳን፡ እቶም ኣብ ዓለም ዝደኸዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምዃኖም ዝፍለጥ ኣብ መዓስከር ዛምዛም ዝጸንሑ 700 ሽሕ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሚሊሻታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ይፍለጥ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መላእ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ምስተወልዐ ኣብ ዞባ ዳርፉር ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ተጋዲዱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቂ'ታ ዓዲ ህይወቶም ንምድሓን ካብ መረበቶም ሃዲሞም ፈቘዶ መዕቈቢ ስደተኛታት ይርከቡ።
እዞም ተመዛበልቲ ኣብታ ዝዓበየት መዓስከር ሱዳን ዛምዛም ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ'ኳ ጀሚሮም እንተነበሩ ብሰንኪ ኣብቲ ቦታ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ረጊኦም ክነብሩ ግን ኣይከኣሉን።
ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ጥቓ ዛምዛም ንእትርከብ ኣልፋሸር ካብ ሰራዊት ሱዳን ንምምንዛዕ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣሽሓት ተመዛበልቲ ንዝዕቈበ መዓስከር ዛምዛም'ውን ኣጥቂዕዎ።
ኣብ ዛምዛም ግፍዒ ከምዝተፈጸመ ንዝገልጽ ጸብጻባት'ኳ እንተነጸጎ፡ ነቲ መዓስከር ከምዝተቘጻጸሮ ግን ኣረጋጊጹ።
ከም ውጽኢት ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ዛምዛም "ምሉእ ብምሉእ ዓንያ" ምህላዋ፡ ምኒስተር ጥዕና ሰሜን ዳርፉር ኢብራሂም ካተር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኢብራሂም ኣስዒቡ ኣብቲ ቦታ "ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ኢሉ።
ካብቶም ብዙሓት ካብ ዛምዛም ዝሃደሙ፡ ጓል 28 ዓመት ፋትያ መሓመድ ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ መዓስከር ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝጸንሐት እያ እትገልጽ።
ንኣርባዕተ መዓልቲ ጥራሕ እግራ ተጓዒዛ ናብ ከተማ ታዊላ በጺሓ።
"ሓደ ቈልዓ ኣብ ሕቘይ፡ ካልእ ኣብ ሕቝፈይ፡ ሻንጣ ድማ ኣብ ርእሰይ ተሰኪመ ነይረ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብቲ ህውከት ናይቲ መጥቃዕቲ በዓል ቤታ ስኢና ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎ ኣይትፈልጥን።
እዛ ስድራ ናብ ታዊላ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ብሸፋቱ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖምን ድኻም፣ ጥሜትን ጽምእን ከምዝተጻወሩን ወይዘሮ ፋትያ መሓመድ ተዛሪባ።
ግብረ ሰናይ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ዛምዛም ናብ ታዊላ ከምዝሃደሙ ይገልጽ።
ሳዓድያ ኣዳም ዘዕቘበትሉ ቴንዳ ምስፈረሰ ምስ ክልተን ሓሙሽተን ዓመት ዝዕድመኦም ደቃ ካብቲ መዓስከር ወጺኣ።
"ኣብ ዛምዛም ገዛይን ኣባጊዔይን ኣንዲዶምለይ" ትብል ኣብ ዛምዛም ንኽልተ ኣዋርሕ እትነብር ዝነበረት ወ/ሮ ሳዓድያ ኣዳም።
ንሳ ኣስዒባ "ኵሉ ዝውንኖ ዝነበርኩ ተቓጺሉ። ዝተረፈኒ ነገር የለን" ክትብል ተዛሪባ።
ኣብ ቢቢሲ ብግዝያውነት ተቘጺሩ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ዝስኣሎም ምስልታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብእግሮም፡ ብናይ ጽዕነት መኪናን ብዓረብያ ኣድጊን ናብ ታዊላ ክኣትዉ የርእዩ።

ትለል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ኣብቲ ኣብ ታዊላ ዘካይዶ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ከምዝሓተቱ ገሊጹ።
"ብዙሓት ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ክመጽኡ ንርኢ ኣለና፡ ልሙድ እናኾነ ድማ ይመጽእ ኣሎ" ትብል ሓላፊት ነርስ ቲፋይን ሳልሞን።
እታ ሓኪም ብተወሳኺ "ትማሊ ሓንቲ ጓል 7 ወርሒ ህጻን ኣዒንታ ጥራይ ክትጥምት እምበር ክትበኪ ኣይትኽእልን። ኣብ ትሕቲ መንኵባን ኣብ መንኵባን ብጥይት ተወቒዓ" ኢላ።
ኣብ ሆስፒታል ታዊላ ሓደ ካልእ ሕሙም ኣብ ዛምዛም መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ገሊጹ።
''ሽዱሽተ ኢና ነይርና፡ ካብ ተዋጋእቲ ዳዕመ ሰሪዕ ንነብስና ክንከላኸል ፈቲንና" ዝበለ ዒሳ ዓብደላ "ሰለስተ መካይን ኣብ ልዕሌና ተኹሲ ከፊተን። ፈለማ ኣብ ርእሰይ ተወቒዔ ድሓር ጥይት ብጥቓ ኣፈይ ሓሊፋ። ሕጂ ጽቡቕ ኣለኹ፡ ካልኦት ግን ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣለዉ" ኢሉ።
ሱዳናዊ ሑሴን ካሚስ'ውን ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ እግሩ ብጥይት ዝተወቕዐ መንእሰይ'ዩ።
"ምስተወቓዕኹ ዝስከመኒ ሰብ ኣይነበረን" ኢሉ።
ካሚስ ዋላ'ኳ መጉዳእቲ እንተበጽሖ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክበጽሕ ክኢሉ'ኳ እንተነበረ፡ "ማንም ኣይረኸበን፡ ኩሉ ሰብ ሃዲሙ" ክብል ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ናብ ታዊላ ዝማልኦ ሰብ ረኺቡ። ከም ወ/ሮ ፋትያ መሓመድ ኣብ መንገዲ ከምዝተዘመተ ድማ ይዛረብ። ዳዕመ ሰሪዕ ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ክስታት ርእይቶ ኣይሃበን።
ግበረሰናይ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ታዊላ ልዕሊ 170 ብጥይትን ብነታጉን ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝተቐበለን ካብዚኦም እቶም 40 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾናን ሓቢሩ።
"ብዙሓት ዝተጎድኡን ንሓደጋ ዝተቓልዑን ሰባት ናብ ታዊላ ክጉዓዙ ከምዘይከኣሉን ድሕሪት ከምዝተረፉን ሰባት ይነግሩና። ዳርጋ ኩሎም ዘዘራረብናዮም ሰባት ኣብቲ መጥቃዕቲ እንተወሓደ ሓደ ኣባል ስድራቤት ከምዝሰኣኑ ገሊጾም" ትብል ኣብ ታዊላ ኣተሓባባሪት ፕሮጀክት 'ኤምኤስኤፍ' ማሪዮን ራምስታይን።
ዛምዛም ኣብ 2004 ኣብ ዳርፉር ካብ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ህይወቶም ከድሕኑ ኢሎም ንዝሃደሙ ተመዛበልቲ ንምዕቃብ ዝተመስረተት እያ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ሓይሊ ምእታዋ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ክለቕቕ ዝተገደደ ዳዕመ ሰሪዕ ስትራተጂካዊ ትርጉም ዘለዎ ቦታ ክኸውን እዩ።

ዳዕመ ሰሪዕ ንመብዛሕትኡ ክፋል ምዕራብ ሱዳን፡ እንተላይ ንመብዛሕትኡ ክፋል ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትይዎ ይርከብ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ዳዕመ ሰሪዕ ኣብተን ኣብ ቁጽጽር ዝርከባ ክፋላት ሱዳን ተመዓዳዳዊ መንግስቲ ንምቛም መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ፡ ሱዳን ኣብ ክልተ ክትምቀል ትኽእል እያ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
እንተወሓደ ንሕጂ ሰላም ኣለኹ ዝበለት ወ/ሮ ፋትያ መሓመድ፡ እዚ ኲናት ንኸምኣ ዝኣመሰሉ ግዳያት ዘስዓቦ ዘይተኣደነ ክሳራ ኣስተንቲናቶ።
"እቲ ኲናት ደው ክብል ኢና ንደሊ፤ ሰላም እቲ ኣገዳሲ ነገር'ዩ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







