ሱዳን፡ ልዕሊ 400 ሰባት ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ኣብ ዛምዛም ሰብኣዊ ቅልውላው ዛይዱ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ብዳዕመ-ሰሪዕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 400 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት "እሙናት ምንጭታት" ዝበሎም ብምጥቃስ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ብሰራዊት ሱዳን ዝተታሕዘት ናይ መወዳእታ ርእሰ ከተማ መንግስቲ ዳርፉር ንምሓዝ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣልፋሸር ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ጽዑቕ ናይ መሬትን ኣየርን መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

ክልተኦም ወገናት ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዞም ኣብ ደማዊ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ተጸሚዶም ይርከቡ። ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ድማ ሚልዮናት ሰባት ካብ መረበቶም ክሃድሙ ኣገዲዱ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጐ ሓሙስን ቀዳምን 148 ቅትለት ከም ዘረጋገጸ እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ቍጽሪ ግን ኣዝዩ ክዛይድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ሎሚ 15 ሚያዝያ፡ ላዕለዎት ኣህጉራውያን ሰበስልጣን ኣብ ለንደን ተኣኪቦም ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድን ዘድልዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝርከበሉ መንገድን ክዛተዩ እዮም።

ወሃቢት-ቃል ሕቡራት ሃገራት ራቪና ሻምዳሳኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ በዚ መጥቃዕቲ ናይ ዝመቱ ሰባት ብዝሒ ንምርግጋጽ እቲ መስርሕ ገና ይቕጽል ከም ዘሎን ነቲ ብሰንበት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከም ዘየጠቓልልን ገሊጻ።

ሚስ ሻምዳሳኒ፡ "እሙናት ምንጭታት፡ ልዕሊ 400 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጸብጺቦም፡" ኢላ።

ካብቶም ዝተቐትሉ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝርከቡዎም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ከባቢ ኣልፋሸር - ዛምዛምን ኣቡ ሹቕን - ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ንልዕሊ 700,000 ሰባት ግዝያዊ ኣባይቲ ዝህቡ ኰይኖም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ዓጸቦ ዝመስል ኵነታት የጋጥሞም ኣሎ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ተሓታቲ ከም ዘይኰነን ኣብ ዛምዛም ዝተራእየ ናይ ቅትለት ትርኢታት ንሓይልታቱ ንምጽላም ዝተዳለወ ምዃኑን ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ንጽባሒቱ፡ ነቲ መዓስከር ካብ ሰራዊት ሱዳን ንምምንዛዕ፡ "ዕዉት ምሕራር" ከም ዝፈጸመ ገሊጹ። ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ንዛምዛም ከም "ወተሃደራዊ ድፋዕ፡" ከምኡ'ውን፡ "ንስቪላውያን ሰባት ከም ጸወን [መከላኸሊ]፡" ይጥቀመሎም ከም ዘሎ ንሰራዊት ሱዳን ከሲሱ።

ካርታ ሱዳን

ኣልፋሸር ኣብ ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት እትርከብ ናይ መወዳእታ ዓባይ ከተማ ኰይና፡ ንሓደ ዓመት ብዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ከበባ ጸኒሓ።

ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ሎሚ ሰሉስ ናብ ሳልሳይ ዓመቱ ክሰጋገር እዩ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኵሎም እቶም ዝምልከቶም ወገናት፡ "ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ትርጕም ዘለዎ ስጕምትታት ንምውሳድ ውሳነኦም ከሐድሱ፡" ጸዊዑ።

ቅድሚ እቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ለንደን ዝካየድ ዋዕላ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ፡ ንሱዳን ዝኸውን ናይ 120 ሚልዮን ፓውንድ መግብን ካልእ ሓገዝን ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ምርግጋእ ሱዳን፡ "ንሃገራዊ ድሕነትና ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፡" ኢሉ።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጐድኒ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብምዃን፡ ነቲ ዝርርብ ከተአንግዶ ምዃና ተፈሊጡ።