ሱዳን፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ መንግስታት ናበይ ክወስዳ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝቕለስ ኪዳን ታሲስ ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ድሕሪ ዘጽደቖ ቻርተር ኣብ ውሽጢ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ብምቛሙ ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኲናት ሱዳን 'ሱር ኣብ ዝሰደሉ ዘሎ እዋን'፡ ኣባላት ሃገራት ናይቲ ሕብረት ንምቛም ተማዓዳዊ መንግስቲ ከይቅበላ ኣተሓሳሲቡ።
ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ "ኵለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ምብትታን ሱዳን ክነጽጉን ኣብ ልዕሊ ጻዕርታት ሰላምን ህላወኣዊ መጻኢ እታ ሃገርን ከቢድ ሳዕቤን ንዘለዎ 'ማዕረ መንግስቲ' ዝበሃል ኣፍልጦ ከይህብን ጸዊዑ፡" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሱዳን ዝተመቃቐለት ኰይና ኣላ። እቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ጥሙር ሓይሊ ንምብራቕን ማእከልን ሱዳን ዝቘጻጸር ኰይኑ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ንመብዛሕትኡ ክፋል ዳርፉርን ገለ ክፋል ኮርዶፋንን ተቘጻጺሩ ይርከብ።
እቲ ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ዝተመዘዘ ካሚል እድሪስ ዝመርሖ ጥሙር መንግስቲ እዩ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ረኺቡ ዘሎ።
ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት፡ ነቲ "መንግስቲ ሰላምን ሓድነት፡" ዝበሎ ክመርሕ ንመሓመድ ሓሰን ኣልታዒሺ ቀዳማይ ምኒስተር ገይሩ ከም ዝሸሞ ኣፍሊጡ።
ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ናብ ምብትታን ሱዳን ከም ዘቃልዕን ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተጀመረ ግጭት ደው ንምባል ንዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክሃሲ ከም ዝኽእልን ኣጠኒቑ።
መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ "ንዅሉ ዓይነት ግጭት ሱዳን ነዳዲ ዝኽዕወሉ ዘሎ ናይ ደገ ምትእትታው፡" ብምጥቃስ ኰኒኑ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ደገ ሓይልታት ነቲ ኲናት የጓሃህራኦ ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ እዩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዘዕጠቐቶ ብሰፊሑ ክትክሰስ ጸኒሓ።
ኢማራት ዓረብ፡ ካብ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ፖለቲከኛታት ኣመሪካን ኣህጉራውያን ትካላትን ብዙሕ ጸብጻባት እኳ እንተ ቀረበላ፡ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ግን ተራእያ።
እዞም፡ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ባህሊ ከም ዝነበራ እትግለጽ ሱዳን፡ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ናብ ዘይትፈጥ ኣጋ ምብትታን ኣብጺሖማ ዘለዉ ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ዳጋሎን፡ ኣብ 2019 ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንምውራድ መሓዙት ዝነበሩ እዮም።
እዞም ክልተ ጀነራላት ንሱዳን ናብ ስቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋራ ዝነበረ መብጽዓ ጥሒሶም ኣብ ምሉእ ኲናት ኣትዮም።

ዳዕመ-ሰሪዕ ንምንታይ መንግስቲ ከቕውም ደልዩ?
ንዳዕመ-ሰሪዕ ማእከሉ ዝገበረ ጕጀለ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ኣብ ለካቲት ኪዳን ታሲስ (Tasis Alliance) ዝተባህለ "መሰጋገሪ ሰላም" ዝበሎ ሓድሽ መንግስቲ ኣቚሙ።
እዚ ኪዳን'ዚ፡ ብኽልተ ዓበይቲ ጕጅለታት ዝቘመ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ዳዕመ-ሰሪዕ ክኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N) ዝተባህለ እዩ።
ሓያል ዕጡቕ ምዃኑ ዝንገረሉ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን፡ ኣብ ደቡባዊ ሱዳን ንዝርከቡ ግዝኣታት ደቡብ ኮርዶፋንን ሰማያዊ ናይልን ይቈጻጸር።
እዚ ጕጅለ'ዚ (SPLM-N) ኣንጻር ማእከላይ መንግስትን ሰራዊት ሱዳንን ን40 ዓመታት ክቃለስ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ስልጣን እታ ሃገር ብፍሉይ 'ብሒቶም' ንዝብሎም ፖለቲካውያን ልሂቃን ክቃወም ጸኒሑ።
እዚ ኪዳን ታሲስ ተሰምዩ ዘሎ ሓይሊ፡ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ግጭት ከም 'መንግስቲ' ተራእዩ ኣፍልጦ ክረክብን ቍጽጽር ክህልዎን ዓሊሙ ዝተጣየሰ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
ታሲስ፡ ብ29 ሓምለ ሓድሽ ዝርርብ ሰላም ኣብ ኣመሪካ ክካየድ ትጽቢት እናተገብረ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ እዩ መንግስቲ ከም ዘጣየሰ ገሊጹ።
እቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ፡ ስዑዲ-ዓረብ፡ ግብጽን ኢማራት ዓረብን ክካይድ ተመዲቡ ዝነበረ ላዕለዋይ ደረጃ ርክብ ኣብ ዕለቱ ኣይተኻየደን።
እቲ ልዑል ምድላዋት ዝተገብረሉ ኣኼባ ከም ዝተቛረጸ፡ ስሞም ዘይተረቍሐ ምንጪታት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብምጥቃስ ጋዜጣ ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ ሓቢራ።
ሱዳን መንገዲ ሊብያ ክትስዕብ ድያ?

እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊትን ብኻሚል እድሪስ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳንን ነታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ፖርትሱዳን ማእከሎም ዝገበሩ ኰይኖም፡ ንርእሰ-ኸተማ ካርቱም ተቘጻጺሮማ ይርከቡ።
ንሱዳን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ዘይምስግጋሩ ዝውቀስ ጀነራል ኣልቡርሃን - ጽልዋ ንምዕባይን ተቐባልነት ንምስፋሕን - ድሕሪ ምትሓዝ ካርቱም ኣብ ግንቦት ስቪላዊ መንግስቲ ኣቚሙ እዩ።
እቲ ኣቐዲሙ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስተር ካሚል እድሪስ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ምጥያስ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብዝሓለፈ ሰሉስ ሓሙሽተ ሓደስቲ ምኒስተራት ብምምዛዝ ንዅሉ መሳርዓት መሊኡዎ ኣሎ።
በቲ ካልእ ወገን፡ እቲ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝድገፍ ታሲስ፡ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ከተማ ንያላ ኰይኑ መንግስቲ ከም ዘቘመ ኣዊጁ።
መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን (ሕመቲ)፡ 15 ኣባላት ንዝሓቘፈ ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ ታሲስ ዝመርሕ ክኸውን ከሎ፡ መራሒ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N) ዓብደልዓዚዝ ኣልሒሉ ድማ ምክትሉ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ 47 ሚእታዊት ስልጣን ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝሓዘሉ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን ከኣ ኣስታት ሓደ ሲሶ ጽፍሕታት ከም ዝተማቐለ ተገሊጹ።
እቲ ዝተረፈ፡ ንንኣሽቱ ዕጡቓት ጕጅለታትን ፖለቲካውያን ውድባትን ተዋሂቡ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር መንግስቲ ታሲስ ተወላዲ ዳርፉርን፡ ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ዝቘመ መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤትምኽሪ ኣባል ዝነበረን መሓመድ ሓሰን ኣልታዒሺ እዩ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ መጋቢት ንካርቱም ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ መንዚዑ ካብ ዝሕዛ ንደሓር፡ እቲ ሰራዊት ንምብራቕን ማእከልን ሱዳን ተቘጻጺርዎ ኣሎ። ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ንምዕራባውን ደቡባውን ዞባታት መሊኡ ንምቍጽጻር ኣብ ውግእ ይርከብ።
እቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ ዝጸንሐ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ሓድሽ መንግስቲ ብምቛም 'ሕጋዊ' ኰይኑ ንምቕራብ ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎን ንብዙሓት ካልኦት ንኣሽቱ ጕጅለታት ስልጣን ንኽረኽቡ ከተባብዕ ከም ዝኽእልን ብዙሓት ስግኣታቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ምቛም ክልተ መንግስቲ ንሱዳን መንገዲ ሊብያ ከይትደግምን ዝበኣሰ ከይትኸውንን እናኣጠንቀቑ ይርከቡ።
ክሳዕ ሕጂ፡ ነቲ ኣብ ንያላ ዝቘመ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦ የሎን። ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ብትሪ ኰኒነንኦ ኣለዋ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰኑይ 4 ነሓሰ ብጉዳይ ሱዳን ንምዝታይ ክእከብ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







