ጥምረት ፖለቲካውያን ውድባት ሱዳን ንግደ ሽምግልና ኢማራት ይነጽግ

ምንጪ ስእሊ, Sudan Tribune
ጥምረት ፖለቲካውያን ውድባት ሱዳን፡ ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ክእንገድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ኣሸምጋሊት ኰይና ክትቐርብ ከም ዝነጸጎ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ገሊጻ።
እቲ ጥምረት ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ኢማራት ዓረብ ኣብዚ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ሱዳን፡ ንሓደ ወገን ከም "ዘዕጠቐት" ወቒሱ።
ኣብቲ ን29 ሓምለ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዝርርብ፡ ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ኢማራትን ዘጠቓልል ምዃኑ ተፈሊጡ። እንግሊዝን ቀጠርን እውን ክሳተፋ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ሃገራውያንን እስላማውያንን ውድባት ዝሓቘፈ ጥምረት ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢማራት ዓረብ መንጐኛ ክትከውን "ብሞራል ብቕዓት የብላን፡" ኢሉ።
እቲ ክሲ ምስ መርገጺ መንግስቲ ሱዳን ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ ንሱ'ውን ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ፋይናንሳዊ ደገፍን ዕጥቂን ከም እትህብ እዩ ዝኸስስ። ካብ ኣህጉራውያን ተቘጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝመጽኡ ጸብጻባት'ውን ተመሳሳሊ ክስታት ኣቕሪቦም እዮም።
ኣብ ሱዳን ንእገዳ ዝከታተል ጕጅለ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ቡልጋርያ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተሰጋገረ ሞርታራት ብኸመይ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝኣተወ ይምርምር ከም ዘሎ ሮይተርስ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኣብ ሕዳር ኣብ ከባቢ ሰሜን ዳርፉር ካብ ቃፍላያት ዝተወስደ ሞርታራት፡ ምስቲ ቡልጋርያ ኣብ 2019 ናብ ኢማራት ዓረብ ዝሰደደቶ ሓደ ዓይነት መለለዪ ቍጽሪ ዝነበሮ እዩ። እቲ መለለዪ ቍጽሪ ናይቲ ኣጽዋር፡ ንመንግስቲ ዝድግፉ ምልሻታት ናይቲ ከባቢ ኣብ ዝለቐቑዎ ኣሳእልን ቪድዮታትን ብንጹር ተራእዩ።
ቡልጋርያ ንመርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ 2019 ተመሳሳሊ መለለዪ ቍጽሪ ዘለዎ 81 ሚ.ሜ ዝዓቐኑ ሞርታር ናብ ኢማራት ዓረብ ከም ዝሰደደት ሓቢራ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቡልጋርያ፡ ነዚ ኣጽዋር ዳግማይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምልኣኽ ፍቓድ ከም ዘይተሓተቱ ገሊጹ።
እቲ ጽሑፍ ምስ ተዘርግሐ፡ ወሃቢት-ቓል ኢማራት ዓረብ ኣፍራ ኣል ሓመሊ፡ ድሕሪ ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ንተራ ኢማራት ኣብ ሱዳን ኣይምርምርን ክትብል ንሮይተርስ ገሊጻ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ብብዙሕ መዳያት ከም እትሕግዝ ተደጋጋሚ ክሲ ይቐርበላ እኳ እንተዀነ፡ ንሳ ግን ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ከም እትሰርሕ ብምግላጽ ትነጽጎ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ለካቲት ጾመ-ሮሞዳን ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ሱዳን ተዅሲ ደው ክብል ጸዊዓ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ነቲ ጻውዒት ነጺጉዎ እዩ።
እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ብሪጣንያን ቀጠርን ክሳተፋ ትጽቢት ይግበር።
ይዅን'ምበር፡ ጥምረት ፖለቲካውያን ውድባት፡ "ዝዀነ ነባሪ ፍታሕ ካብ ሓቛፊ ዘተ ሱዳንን ሱዳንን ክመጽእ ኣለዎ፡" ብምባል፡ እቲ ግጭት ኣብ ውሽጢ ሃገር ፍታሕ ክረክብ ይጽውዕ ኣሎ።
ወሲኹ፡ ንልዑላውነት ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ንዝበሎ፡ "ኣሉታዊ ናይ ወጻኢ ምትእትታዋት፡" ኣጠንቂቑ።
ካብ ቅደሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዞም ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ልዕሊ 150,000 ሰባት ተቐቲሎም።
እቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ዝተጀመረ ግጭት፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዛጊት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 10 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጸ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







