ሱዳን፡ ሕሜቲ ብኸመይ'ዩ ካብ ተራ ሸቃጥ ገመል ክሳብ ፍርቂ ሃገር ዝተቘጻጸረ ጸላዊ ሰብ ኰይኑ?

ሕሜቲ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    • Author, ኣሌክስ ደ ዋል
    • Role, ተንታኒ ኣፍሪቃ

ብሰፊሑ ሕሜቲ፡ ብዝብል ዝፍለጥ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ሱዳን ከም ዓብላሊ ባእታ ኰይኑ ተቐልቂሉ፣ እቲ ንሱ ዝመርሖ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝፍለጥ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ድማ ፍርቂ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ ኣሎ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ነታ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ብሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት እቲ ከባቢን ተታሒዛ ዝጸንሐትን ናይ መወዳእታ ዕርዲ ዝዀነት ከተማ ኣልፋሸር ብምቍጽጻር ርኡይ ዓወት ኣመዝጊቡ።

እቲ ብተጻረርቱ ዝፍራሕን ዝጽላእን ሕሜቲ፡ ብሰዓብቱ ድማ ብጽንዓቱ፡ ጭካነኡን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ሃገረ-መንግስቲ ንምፍራስ ብዝኣተዎ መብጽዓ ይድነቕ።

ሕሜቲ ትሑት መበቈል ዘለዎ ኰይኑ፡ ስድራኡ ካብቲ ክፍሊ ማሃሪያ ናይቲ ኣብ መንጐ ቻድን ዳርፉርን ዝዝርጋሕ ተዛረብቲ ዓረብኛ ዝዀኑ ጓሶት ኣግማል ማሕበረሰብ ሪዘይጋት እዮም።

ኣብ 1974 ወይ 1975 ዝተወልደ ኰይኑ፡ ከም ብዙሓት ደቂ ገጠር ዕለትን ቦታን ልደቱ ብልክዕ ኣይተመዝገበን።

ብሓወቦኡ ጁማ ዳጋሎ ዝምራሕ ዓሌቱ፡ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ካብ ኲናት ሃዲሙ ናብ ዳርፉር ብምግዓዝ ንጥሪቶም ዝኸውን መጋሃጫ እናናደዩ ክሰፍሩ ተፈቒዱሎም።

ሕሜቲ ኣብ ንእስነቱ ትምህርቱ ምስ ኣቋረጸ፡ በረኻታት ሰጊሩ ናብ ሊብያን ግብጽን እናነገደ ገንዘብ ከዋህልል ጀመረ።

ኣብቲ እዋን ዳርፉር፡ ዱር ምዕራብ ሱዳን፣ ዘደኸየ፡ ሕጊ ኣልቦን ብመንግስቲ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበረ ዑመር ኣልበሽር ሸለል ዝተባህለን ዞባ ነበረ።

ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ዓረብ ምልሻታትን ብጁማ ዳጋሎ ዝእዘዝ ሓይሊን ብሓባር፡ ኣብ ዓድታት ደቀባት ብሄረ ፉር መጥቃዕቲታት የካይዱ ነይሮም።

እዚ ግጭታት'ዚ ኣብ 2003 ምሉእ ናዕቢ ኣስዒቡ፤ ተቓለስቲ ብሄረ ፉር፡ ንጕጅለታት ማሳሊት፡ ዛጋዋን ካልኦትን ኣወሃሂዶም፡ ኣንጻር እቶም ሸለል ኢሎምና ዝብልዎም ልሂቃን ዓረብ እታ ሃገር ተላዒሎም።

ከም ግብረመልሲ ናይዚ ድማ ኣልበሽር ንጃንጃዊድ ኣሰሊፉ፡ ነቲ ነቲ ዝተበገሰ ውሁድ ተቓውሞታት ክጭፍልቕ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ። ብቕጽበት ድማ ዓድታት ኣንዲዶም፣ ዘሚቶም፡ ዓሚጾምን ቀቲሎምን ተፈላጥነት ረኺቦም።

ኣሃዱ ሕሜቲ ድማ ሓንቲ ካብዚኣተን ኰይና፡ ብመሰረት ጸብጻብ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሕዳር 2004 ኣደዋ ዝተባህለት ዓዲ ደምሲሳ፣ 126 ሰባትን 36 ቈልዑን ቀቲላ።

ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መርመራ፡ ጃንጃዊድ ተሓተትቲ ምጽናት ዓሌት ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ግጭት ዳርፉር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ተመሪሑ፣ ዑመር ኣልበሽር ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ብጃምላዊ ቅትለት ተኸሲሶም፣ ኣልበሽር ግን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ክሒዱ።

ሕሜቲ ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ጃንጃዊድ ይዅን እምበር፡ ኣብቲ እዋን እቲ ብዓቃቢ ሕጊ ብዙሕ ዘይተረኣየ ካብ ኣመና ታሕተዎት መኮንናት ተባሂሉ ዝተገመተ እዩ ነይሩ።

ሓደ ካብኣቶም ጥራይ፡ "ኮሎኔል ኮሎኔላት"፡ ዓሊ ዓብዱራሕማን ኩሻይብ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብ27 ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ፣ ዝመጽእ 19 ሕዳር ክፍረድ እዩ።

ኣብ 2004 ኵነታት ዳርፉር ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝመጽሓሉ፡ ሕሜቲ ካርድታቱ ብውሕልነት ተጻዊቱለን። ሓላፊ ሓደ ሓያል ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ዓቢይ ግዝኣት ዋኒናትን ፖለቲካዊ ማሽነርን ኰይኑ ተቐልቂሉ።

ዛንታ በለጽን ዋኒንን እዩ፤ ቀልጢፉ ንወተሃደራቱ ደሞዝ፡ ንሓዉ ድማ ዕብየትን ፖለቲካዊ ጽፍሕን ጠሊቡ ክእድም ጀሚሩ። ጀለራል በሽር ዝበዝሕ ጠለባቱ ስለዘማልኣሉ ድማ ሕሜቲ ዳግማይ ናብቲ ሓይሊ ተጸንበረ።

ግፍዒ ምልሻ ጃንጃዊድ ዓለምለኻዊ ቍጥዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግፍዒ ምልሻ ጃንጃዊድ ዓለምለኻዊ ቍጥዐ ፈጢሩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሒሩ ካልኦት ኣሃዱታት ጃንጃዊድ ናዕቢ ኣብ ዘልዓሉሉ፡ ሕሜቲ ንሓይልታት መንግስቲ መሪሑ፡ ነቶም ኣድመኛታት ጨፍሊቝ፣ ኣብ መስርሕ ድማ ነቲ ኣብ ጀበል ኣሚር ዝተባህለ ቦታ ዝዓበየ ቦታ ዕደና ወርቂ ዳርፉር ተቘጻጸሮ።

ብቕልጡፍ ድማ፡ ኣል-ጉናይድ ዝበሃል ኩባንያ ስድራቤት ሕሜቲ፡ ኣብ ሱዳን ዝዓበየ ሰዳዲ ወርቂ ኰይኑ።

ኣብ 2013፡ ሕሜቲ፡ ሓላፊ ሓደ ብቐጥታ ናብ በሽር ጸብጻቡ ዝህብ ሓድሽ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ክኸውን ሓቲቱ - ተፈቒዱሉ ድማ።

ጃንጃዊድ ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ ተጠቕሊሉ፤ ሓድሽ ዩኒፎርም፡ መካይንን ኣጽዋርን ዓጢቝ፣ ከምኡ'ውን ንምሕያሉ ተባሂሉ ካብቲ ስሩዕ ሰራዊት መኮንናት ተመዲቦምዎ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዳርፉር ኣገዳሲ ዓወት ብምምዝጋብ፡ ኣብቲ ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዳወብ ኣኽራናት ኑባ ንዝተፈጥረ ናዕቢ ኣብ ምምካት ግን ብዙሕ ኣይተዓወተን። ምስ ሊብያ ዘዳውብ ከባቢታት ንምሕላው ግን ሓላፍነት ወሲዱ።

ካብ ኣፍሪቃ ብበረኻታት ሰሃራ ሰጊርካ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ብዝብል ጕልባብ፡ ኮማንደራት ሕሜቲ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን'ውን ተዋፊሮም ምንባሮም ይግለጽ።

ኣብ 2015 ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሰራዊት ሱዳን ኣንጻር እቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ ዝዋጋእ ሰራዊት ክሰድድ ጸዊዐን ነይረን።

እቲ ዝተላእከ ብርጌድ ብሓደ ኣብ ዳርፉር ዝተዋግአ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝእዘዝ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣልቡርሃን ሕጂ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዘሎ እዩ።

ሕሜቲ ዕድል መዝሚዙ፡ ምስ ክልቲአን ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ፍሉይን ብውልቅን ስምምዕ ብምግባር ተኸፈልቲ ወተሃደራት ከቕርብ ከም ዝኽእል ተወዓዒሉ።

ምስ ኣቡዳቢ ዝተፈጥረ ምትእስሳር ግን ካልእ ውጽኢት ከኸትል እዩ ተራእዩ፤ ምስ ፕረዚደንት ኢማራት መሓመድ ቢን ዛይድ ጥቡቕ ዝምድና ዝጀመረሉ ኣጋጣሚ ድማ ኰነ።

ምስ ሰራዊት ዝሰ'ኣል ዘሎ ሱዳናዊ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ እዚ ኲናት ዳዕመ-ሰሪዕ መሻርኽቲ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን እዩ ነይሩ

መንእሰያት ሱዳናውያን - ካብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ከይተረፈ- ናብቲ ክሳብ 6000 ዶላር ክፍሊት ዝርከቦ ዕስክርና ዳዕመ-ሰሪዕ ክውሕዙ ጀሚሮም።

ሕሜቲ ምስ ሩስያዊ ወተሃደራዊ ጕጅለ ቫግነር ሽርክነት ብምፍጣር፡ ኣብ ወርቂ ሓዊሱ ንግዳዊ ርክባት ብምፍጣር ኣምሳያኡ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ረኺቡ።

ነቲ ስምምዕ ወግዓዊ ንምግባር ናብ ሞስኮ በጺሑ፤ ኣብታ ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ዝወረረትላ መዓልቲ ድማ ኣብኡ ነይሩ። ኲናት ሱዳን ምስተወልዐ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ቫግነር ሓገዝ ብዛዕባ ምርካቡ ንዝገልጽ ጸብጻባት ነጺጕ።

ቀንዲ ኣሃዱታት ዳዕመ-ሰሪዕ ሞያዊነት እናደለባ'ኳ እንተኸዳ፡ ዘይስሩዕ ምሊሻታት ብሄራት እውን ዘጠቓለለ እዩ።

ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ ኣልበሽር እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ በሽር ኣሃዱታት ሕሜቲ ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ክጽግዑ ኣዘዘ።

እቲ ፕረዚደንት ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ካብ ስሩዕ ሰራዊትን ሃገራዊ ድሕነትን ክመጽእ ዝኽእል ዕልዋ መንግስቲ ንምምካት ዘኽእል መተካእታ ገይሩ ብምርኣይ፡ "ሓላዊየይ" ክብል ንሕሜቲ ሰየሞ።

ግጉይ ቅማረ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ንጡፍ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝኸበቡ ሲቪል ሰልፈኛታት ነቲ ወተሃደራዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ከቢቦም ዲሞክራሲ ክጠልቡ እንተከልዉ፡ በሽር ሰራዊት ተዅሲ ክኸፍተሎም ኣዘዘ።

እቶም ሕሜቲ ዝርከቦም ላዕለዎት ጀነራላት ግን ተኣኪቦም፡ ኣክንዲ ምትኳስ ንበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለዩ ወሲኖም። እቲ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲ ድማ ተዓዊቱ ወጽአ።

ንእተወሰነ እዋን፡ ሕሜቲ ከም ጉሉሕ ኣንበሳ ኣብ መጻኢ ሱዳን ኰይኑ ተቐልቀለ። መንእሰይ፡ ስብእና ዘለዎ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጕጅለታት እታ ሃገር ብንጥፈት ዝዋሳእ፡ ከምኡ'ውን ንነብሱ ከም ቀንዲ ነቲ ታሪኻዊ መሰረታት እታ ሃገር ዘዐሪ፡ ፖለቲካዊ መንነት ክቕይር ፈቲኑ። እዚ ግን ንሒደት ሰሙናት ጥራይ እዩ ጸኒሑ።

ንሱን መሻርኽቱ ዝነበረ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ኣልቡርሃንን ስልጣን ንሲቪላት ኣብ ምርካብ ዕጥይጥይ ኣብ ዝበሉሉ እዋን፡ እቶም ሰልፈኛታት ተቓውሞኦ ኣሐይሎም። ሕሜቲ ድማ ነቲ ኣማኢት ሰባት ዝቐተለ፡ ደቀንስትዮ ዝዓመጸ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓንካርዓንካሪቶኦም ኣሲርካ ኣሲሩ ናብ ሩባ ናይል ብምድርባይ ይኽሰስ። ብዛዕባ'ዚ ጸብጻብ ጕጅለ ሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) ሰፊሩ'ሎ።

ሕሜቱ፡ ሰራዊቱ ነዚ ግፍዒ'ዚ ብዛዕባ ምፍጻሙ ኣይቅበሎን።

ኣብ ሱዳን ሰላምን ዲሞክራስን ንምስፋን ዝተንቀሳቐሳ ኣርባዕተ ሃገራት - ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን - እቶም ጀነራላትን ሲቪላትን ብኣፍሪቃውያን መንጐኛታት ንዝተነድፈ እማመ ክሰማምዑ ጸቕጢ ገይረን።

ንኽልተ ዓመት ድማ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዕብለል ልኡላዊ ቤት ምኽርን ሲቪላዊ ካቢነ ምኒስተራትን ዘይርጉእ ሓባራዊ መንግስቲ ኣቝሞም።

ጀነራል ኣልበሽርን ሕሜቲን

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕሜቲ ነቲ ቀንዲ ደጋፊኡ ዝነበረ ጀነራል ዑመር ኣልበሽር ኣብ ምእላይ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ

ብካቢነ ምኒስተራት ዝተመዘዘ ኮሚቴ ነተን ብሰራዊት፡ ጸጥታን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝውነና ኩባንያታት ዝምርምር፡ ናይ መወዳእታ ጸብጻባ ኣብ ዝዓጸወሉ እዋን፣ እዚ ድማ ሕሜቲ ብኸመይ ብቅልጡፍ ሃብቱን ትካላዊ ግዝኣቱን ኣስፊሑ ከምዘሎ ከቃልዕ ተሓሲቡ ዝነበረ ኰይኑ፣ እቶም ጀነራላት ቡርሃንን ሕሜቲን ነቶም ሲቪላት ኣባሪሮም ስልጣን ተቘጻጺሮም።

እንተዀነ እዞም ጐይቶት ዕልዋ ንሓድሕዶም'ውን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ኣልቡርሃን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ትሕቲ እዚ ምዱብ ሰራዊት ክኣቱ ጠሊቡ።

ሕሜቲ ድማ ተቓወመ። ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ኣብ ሚያዝያ 2023 ግዜ ቈጸራ ቅድሚ ምእካሉ፡ ኣሃዱታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ከቢበን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቀንዲ መደበራትን ሃገራዊ ቤተ መንግስትን ንምሓዝን ተንቀሳቒሰን።

እቲ ፈተነ ፈሺሉ። ብኣንጻሩ እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ፊተ-ፊት እናተዋግኡ፡ ካርቱም ናብ ዞባ ኲናት ተቐይራ።

ኣብ ዳርፉር ዓመጽ ነቲጕ፣ ኣሃዱታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማሳሊት ጽዑቕ ወፍሪ ኣካይደን።

ሕቡራት ሃገራት ክሳብ 15 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ክግምት እንከሎ፣ ኣመሪካ ድማ ምጽናት ዓሌት ምዃና ገሊጻ። ዳዕመ-ሰሪዕ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣባላቶም ሰባት እናሰራጠዩን እናቐተሉን ዘርኢ ቪድዮታት እናዘርግሑ ማንም ደው ከብሎም ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየለ ከጀሃሩ ተራእዮም።

እዞም ዕጡቓትን መሻርኽቶም ዝዀኑ ምልሻታትን ኣብ መላእ ሱዳን ዕግርግር ብምፍጻም ከተማታት፡ ዕዳጋታት፡ ዩኒቨርሲቲታትን ሆስፒታላትን ዘሚቶም።

ኣብቶም ብህዝቢ "ዕዳጋታት ዳጋሎ" ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ክንዮ ሱዳን ናብ ቻድን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ዝበጽሑ መሸጣ ዝተዘምቱ ኣቑሑት ክሰፋሕፍሕ ተራእዩ።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ብመዳፍዕን መጥቃዕቲ ኣየርን ተሓጺሩ ዝነበረ ሕሜቲ፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙናት ናይቲ ግጭት ብኸቢድ ቈሲሉ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተሰዊሩ ነይሩ።

ድሕሪ ኣዋርሕ ዳግማይ ምስ ክቀላቐል ምስ ጀመረ ብዛዕባ'ቲ ዝወረደ ግፍዒ ዝዀነ ጣዕሳ ኣየርኣየን፣ ኣብ ዓውደ ውግእ ክዕወት ብዛዕባ ምዃኑ ድማ ክፍክር ጀመረ።

ሱዳናዊት ጓለንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ ኲናት ሱዳን ሚልዮናት ሰላማውያን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም እዮም

ዳዕመ ሰሪዕ ብጭቡጥ፡ ነታ ርእሰ ከተማ ኣልቡርሃን ኰይና ዘላ ፖርት ሱዳን ንምውቃዕ ዝጥቀመለን ዝነበረን ኣብ መጥቃዕቲ ኣልፋሸር ወሳኒ ተራ ዝተጻወታን ዝተራቐቓ ድሮናት ሓዊሱ ዘመናዊ ኣጽዋር ዓጢቝ'ሎ።

ጸብጻባት መርመራ ኒውዮርክ ታይምስ፡ እዚ ኣጽዋራት በቲ ብኢማራት ዓረብ ኣብ ውሽጢ ቻድ ዝተሃንጸ መዓርፎ ነፈርቲን መደበር ቀረብን ከምዝተጓዕዘ ሰኒዱ። ኢማራት ግን ነዚ ትኽሕድ።

በዚ ኣጽዋር ተሓጊዙ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ናይ ቀደም መሻርኽቱ ዝዀነ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ስትራተጅያዊ ቍርቍስ ተሓጺሩ ይርከብ።

ሕሜቲ ገለ ሲቪላውያን ጕጅለታትን ዕጡቓት ምንቅስቓሳትን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣኽራናት ኑባ ዝነበሩ ተጻባእቱ ዝሓቘፈ ፖለቲካዊ ጥምረት ንምህናጽ ይጽዕር ኣሎ።

ባዕሉ ዝኣቦ መንበሩ፡ ጐድናዊ "መንግስቲ ሰላምን ሓድነትን" ኣቚሙ ኣሎ።

ድሕሪ ምሓዝ ኣልፋሸር፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ዳርጋ ንዅሉ እቲ ኣብ ምዕራብ ሩባ ኒል ዝርከብ መሬት ይቈጻጸሮ ኣሎ።

ድሕሪ'ቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸብጻባት ጃምላዊ ቅትለትን ሰፊሕ ውግዘትን፡ ሕሜቲ፡ ኣብ እዋን ምሓዝ ኣልፋሸር ብወተሃደራቱ ዝተፈጸመ ግህሰታት ክምርመር ኣዊጁ።

ሱዳናውያን፡ ሕሜቲ ንነብሱ ወይ ከም ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ዝተበታተነት ሃገር ይርእያ፣ ወይ ድማ ሕጂ'ውን ንመላእ ሱዳን ንምቍጽጻር ድሌት ከም ዘለዎ እዮም ዝግምቱ።

መጻኢ ከም ሓደ ኵሉ ዝኽእል ፖለቲካዊ ኣሻንጉሊት፡ ሓላፊን ተቘጻጻሪን ዓርሞሽሽ ንግዳዊ ትካላት፣ ከም ሓደ ዕሱብ ሰራዊትን ፖለቲካዊ ውድብን ገይሩ ክርኢ እውን ይኽእል እዩ። በዚ ኣገባባት ዋላ ከም ህዝባዊ ገጽ ሱዳን ተቐባልነት እንተዘይብሉ ገና ግን ገመዳት ካብ ምስሓብ ዓዲ ዝውዕል ኣይመስልን።

ሰራዊቱ ድማ ኣብ ኣልፋሸር ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝጭፍጨፍሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብዛ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብላ ዓለም ብዘይ ተሓታትነት ክቕጽል ከምዝኽእል ምትእምማን ኣለዎ።