'ኣብ ቅድሚ ዓይንና ሰባት እናተረሸኑ ርኢና' ውጻእ መዓት ኤልፋሽር ምስ ቢቢሲ ዝገበርዎ ቃለመሕተት

ዑዘዲን ሓሰን ሙሳ፡ ነዘን ገይርወን ዘሎ ክዳን ሒዙ'ዩ ካብታ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ብሰንበት ዝተቘጻጸርዋ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ኤልፋሽር ሃዲሙ።
ነቲ ዳዕመ ሰሪዕ ዝፈጸምዎ ግፍዕታት ከኣ ቀጥቀጥ እናበለ'ዩ ኣዕሊሉና።
ንሱ እቶም ዕጡቓት ንዝዀነ ክሃድም ዝፈተነ ወዲ ተባዕታይ ከምዝቐትሉ ይገልጽ።
ዑዘዲን ካብ ኤልፋሽር ምስ ሃደም ናብ ከተማ ጣዊላ'ዩ ኣትዩ።
ንሱ፡ ካብቲ ሕቡራት ሃገራት 'ዘሰንብድ ግፍዒታት ይፍጸመላ'ሎ' ዝበላ ከተማ ብህይወት ምውጽኡ ተኣምር ኢሉ'ዩ ዝገልጾ።
ብረቡዕ ኣዛዚ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከተማ ኤል ፋሽር ግህሰት ከምዝፈጸሙ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ክምርመር ምዃኑ ሓቢሩ።
ሕቡራት ሃገራት'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ፡ ዝጠርጠርዎም ሰባት ኣሲሮም ከምዘለዉ ብወግዒ ከምዝገለጹ ኣፍሊጡ።
ካብ ከተማ ኤል ፋሽር 80 ኪሎሜተር ርሒቓ እተርከብ ከተማ ጣዊላ እቶም ካብ ኢድ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ዝሃደሙ ዝዕቈቡላ ዘለዉ ከተማ'ያ።
ዑዘዲን "ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ኢና ካብ ኤል ፋሽር ወጺእና፡ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጋጠመናን ዝርኣናዮን ከቢድን ክትሓስቦ ዘይትኽእል'ዩ" ይብል።
"ኣብ ክልተ ጕጅለታት ተኸፋፊልና ከም ሕሱም ተቐጥቂጥና፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ሰባት ተረሺኖም፡ ኣነ'ውን ብበትሪ ኣብ ርእሰይ፡ ሕቘይን እግረይን ተሃሪመ'የ፣ ንዅልና'ዮም ክርሽኑና ሓሲቦም። ንእሽተይ ዕድል ምስ ረኸብና ግን ሃዲምና፡ ካብቶም ዝሃድመና ንገሊኦም ሒዞም ኣሲረሞም" ይብል።

ዑዘዲን ምስቶም ንሓደ ህንጻን ጸላምን ከም ከውሊ ተጠቒሞም ዝሃደሙ ሰባት'ዩ ብለይቲ ክሃድም ክኢሉ።
"ኵሉ ኣብ ኢድና ዝነበረ ንብረት ተዘሚትና ኢና" ድሕሪ ምባል "ሞባይልና፡ ክዳንና ኮታስ ኵሉ ነገርና ዋላ ጫማ'ዮም ኣሕዲጐምና፡ ኣብ ኢድና ዝተረፈ ነገር የለን።"
"ንሰለስተ መዓልታት ብዘይ መግቢ ተጓዒዝና፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ በጺሕና፡" ይብል።
እቶም ናብ ከተማ ጣዊላ ኣትዮም ንቢቢሲ ምስክርነቶም ዝሃቡ፡ ኣብቲ መንገዲ ቀንዲ ግዳያት ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ይገልጹ።
እቶም ኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ዕጡቕ ነይሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ ንዝበልዎ ወዲ ተባዕታይ ከምዝኣስሩ እቶም መሰኻኽር ይሕብሩ።
ከተማ ኤል ፋሽር ብሰንበት ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ካብ እትኣቱ ኣስታት 5000 ሰባት ናብ ከተማ ጣዊላ ኣትዮም ኣለዉ፤ ዑዘዲን ከኣ ሓደ ካብኦም'ዩ።
መብዛሕትኦም ከኣ ንሰለስተ ኣርባዕተ መዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም'ዮም ናብ ከተማ ጣዊላ ዝኣትዉ።
ኣብ ከተማ ጣዊላ ዝርከብ ብውልቁ ንቢቢሲ ዘበርክት ጋዜጠኛ ንገለ ካብቶም ናብ ከተማ ጣዊላ ዝኣተዉ ሰባት ቃለመሕትት ብምክያድ ምስክርነቶም ክእክብ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ዑዘዲን ዝጸንሓና ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላቱ ብባንዴጅ ዝተሸፋፈነ ኣሕመድ እስማዒል ኢብራሂም'ዩ።
ኣሕመድ እስማዒል ኢብራሂም ዓይኑ ብንጣር ከቢድ ብረት ከምዝተሃረመን፡ ኣብቲ ኤል ፋሽር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ምስ ተገበረሉ ብሰንበት ካብታ ከተማ ሃዲሙ ከምዝወጽአ ይሕብር።
ንሱ ሻውዓይ ርእሱ እናሃደሙ እንከለዉ ንኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ከምዝተታሓዙ ከኣ ይገልጽ።
"ነቶም ኣርባዕተ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ቀጥቂጦም ረሺነሞም" ድሕሪ ምባል ንሱ'ውን ብሰለስተ ጥይት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላቱ ከምዝተሃረመ ኣርእዩና።
ኣሕመድ እቶም ዕጡቓት ተሌፎናቶም ኣሕዲጐም "ንዅሉ እቲ ንጽሓሓፎ ዝነበርና መልእኽትታት ኣንቢቦም ዝዀነ ዘጠራጥር ነገር ስለዘይረኸቡ ኪዱ ኢሎምና" ይብል።
"እቶም ምሳይ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ገዲፎምኒ ክኸደዱ ኣይደለዩን ንዓናይ ኢሎምኒ፣ ዓሰርተ ደቂቕ ንጕዓዝ ዓሰርተ ደቂቕ ነዕርፍ ከምዚ እናበልና ኣብዚ በጺሕና" ይብል ኣሕመድ እስማዒል ኢብራሂም።

ኣብ ከተማ ጣዊላ ብግብረ ሰናይ ኤምኤስኤፍ ዝካየድ ብቴንዳ ዝተሰርሐ ክሊኒክ ኣሎ፣ ዩስራ ኢብራሂም መሓመድ ከኣ ኣብኡ ኢና ረኺብናያ።
ብዓል ቤታ ወተሃደር ሰራዊት ሱዳን'ዩ ነይሩ፤ ኣብ ኤል ፋሽር ከኣ ተቐቲሉ።
"ብዓል ቤተይ ኣባል ከቢድ ብረት'ዩ ነይሩ፣ ናብ ገዛ እናመጸ እንከሎ'ዩ ተቐቲሉ፣ ብድሕሪ'ዚ ቅርብ ዓቕሊ ገይርና ክንጽበ ሓሲብና ነይርና፤ እቲ ኲናት እናጻዕጸዐ ምስ ከደ ግን ክንሃድም ወሲንና። ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኢና ካብ ኤል ፋሸር ተበጊስና፡ ካብ ደብዳብ ከቢድ ብረት ንምድሓን ፋሕ ፋሕ ኢልና ኢና ንጕዓዝ ነይርና፡" ትብል።
ብምስዓብ "ዝዀነ ሰብ ነቲ ዝብልዎ [ዳዕመ ሰሪዕ] ምስማዕ እንተኣብይዎም ይቕጥቅጥዎ ዘለዎ ንብረት ከኣ የሕድግዎ፡ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ይቐትልዎም። ኣብ መንገድና ፈቐዶኡ ብዙሕ ሬሳታት እናርኣና ኢና መጺእና" ትብል።
ኣልፋድል ዱክሃን ኣብቲ ኤምኤስኤፍ ዘዳለዎ ክሊኒክ'ዩ ዝሰርሕ።
ንሱን መሳርሕቱን ነቶም ካብ ኣልፋሽር ሃዲሞም ዝመጽኡ'ዮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ።
ንሱ 500 ዝዀኑ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዛት ዘድልዮም ከቢድ ማህረምቲ ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጹ
"መብዛሕትኦም እቶም ዝመጽኡና ዘለዉ ኣረጋውያን፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን'ዮም" ይብል።
"ናይ ገሊኦም እቲ ማህረምቶም ከቢድ'ዩ፣ ኢዶም እግሮም ዝተቘረጹ'ውን ኣለዉ፣ ንሕና ከኣ ውሱን ሕክምናዊ ሓገዛት ጥራይ ኢና ክንህቦም ንኽእል፤ ኣብ ከቢድ ስቓይ'ዮም ዘለዉ"ይብል።
ከተማ ጣዊላ ኣቐዲማ'ውን ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ኤል ፋሽር ዝሃደሙ ተዓቚቦምላ ዝጸንሑ ከተማ'ያ።
ኤል ፋሸር ብሰንበት ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ ቅድሚ ምውዳቓ ንዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ኣብ ምሉእ ክርደና ዳዕመ ሰሪዕ'ያ ጸኒሓ።
ናብታ ከተማ ዝዀነ ረድኤት ከይኣቱ ብዳዕመ ሰሪዕ ተኸልኪሉ ስለዝጸንሐ ከኣ ነበርቲ እታ ከተማ ንኽቱር ጥምየት'ዮም ተቓሊዖም ጸኒሖም።
ዳዕመ ሰሪዕ፡ ነታ ኣብ ጥቓ ከተማ ኤል ፋሽር እትርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዛምዛም ኣብ ሚያዝያ ምስ ሓዝዋ ኣማኢት ኣሽሓት ካብኡ ሃዲሞም ኣብ ከተማ ጣዊላን ካልእ ከባቢታት'ዮም ኣትዮም።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጥራይ 5000 ዝዀኑ ሰባት ካብ ኤል ፋሽር ሃዲሞም ናብ ከተማ ጣዊላ ኣትዮም፡ ክንደይ ዝዀኑ'ዮም ኣብታ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን።
ገለ ክኢላታት ናብ ከተማ ጣዊላ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ምእታዎም ሻቕሎት ከምዘለዎም'ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ጫድ ኰይና ምስ 'ሶሊዳሪቲ ኢንተርናሽናል' እትሰርሕ ካሮሊን ባቭዮር "እዚ ነጥቢ እዚ እቲ ኣዝዩ ዘሻቕለና ዘሎ'ዩ" ትብል።
"ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣስታት 5000 ሰባት ጥራይ'ዮም ናብ ጣዊላ ኣትዮም ዘለዉ፣ ኣብታ ከተማ ከኣ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ዝኸውን ሰብ'ዩ ዝቕመጥ ነይሩ" ትብል።
"ኵነታት ናይዞም ናብዚ ዝበጽሑ ዘለዉ ንርእዮ ኣለና፣ ብጕድለት መኣዛዊ መግቢ ተጠቒዖም፣ ጽምኢ፡ ማህረምትን ሕማምን ዘለዎም'ዮም። ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማን ኣብ መንገዶምን ዝርኣይዎ ከኣ ብርቱዕ ፍርሒ ኣለዎም" ትብል።
"ብዙሓት ኣብ መንጐ ከተማ ኣል ፋሽርን ጣዊላን ብሰንኪ ኵነታት ጥዕና፡ ብድኻም፡ ብጥምየትን ብስግኣትን ደው ዝበሉ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኢና ንርዳእ። ብተወሳኺ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ምልሻታት ንዝረኸብዎ ሰብ የጥቅዑ ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣለና" ትብል።
ዑዘዲን ዋላ ድኣ እፎይ ናብ ዝብለሉ ቦታ ይብጻሕ፡ በቶም ኣብ ከተማ ኤል ፋሽርን ኣብ መንገድን ዝገደፎም ጎቦ ልቡ'ዩ ዘሎ።
"ኣነ እቲ መንገዲ ሰለማውያን ሰባት ንኽመሓላለፍሉ ውሕስነቱ ክሕሎ ኣለዎ፣ ብተወሳኺ ትካላት ወሃብቲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ መንገዲ ከይደን ነቶም ኣብ መንገዲ ተገዲዖም ዘለዉ ክረድኣኦም ኣለወን ዝብል'ዩ።"
"ሰባት ኣብ ከቢድ ኵነታት'ዮም ዘለዉ ክንቀሳቐሱ፡ ክዛረቡን ሓገዝ ክሓቱ ኣብ ዘይክእሉሉን ደረጃ'ዮም በጺሖም፣ ቀልጢፉ ረድኤት ክበጽሖም ኣለዎ፡" ይብል ዑዘዲን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







