ብዕጡቓት ኣብ እተኸበት ከተማ ሱዳን ብኣሽሓት ሰባት ከይሞቱ ተሰጊኡ

ብሰኑይ ምሸት፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ብዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ዘጋጥም ስልታዊ ጃምላዊ ቅትለትን ዓመጽን ንምግታእ ሓይልታቱ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብታ ድሕሪ ሓያል ውግእ ብሓይልታት ዳሕመ-ሰሪዕ ካብ መንግስታዊ ሓይልታት ዝተታሕዘት ከተማ ኤል-ፋሽር ፍርሂ ጃምላዊ ቅትለት ከየጋጥም ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ብሰኑይ ምሸት፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ መንግስቱ ብዳዕመ ሰሪዕ ካብ ዘጋጥም ስልታዊ ጃምላዊ ቅትለትን ዓመጽን ንምግታእ ሓይልታቱ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ከተማ ጃምላዊ ቅትለት ከምዘጋጠመ ካብ እሙናት ምንጭታቱ ዘተኣማምን ጸብጻብ ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ የል ኣመሪካ ዝርከብ ማእከል ምርምር ሰብኣዊ ጉዳያት፡ ብሳተላይት ዝተላዕለ ብጃምላ ናይ ዝሃለቑ ሰባት ምስሊ ከምዝረኸበ ኣረጋጊጹ።

ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ፡ ብሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ንዝቐረበ መርትዖታት ብምንጻግ ሓይልታቱ፡ ኣብ ዘይዓረባውያን ዓሌት ይዅኑ ካልኦት ሰባት ጃምላዊ ቅትለት ከምዘይፈጸመ ይኽሕድ።

ኣብ ክልል ዳርፉር እትርከብ ከተማ ኤል-ፋሽር ኣብ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ምውዳቓ፡ ኣብቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተባርዐ ኣሽሓት ሱዳናውያን ዝቐተለን ልዕሊ 12 ሚልዮን ዘመዛበለን ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ኣገዳሲ ለውጢ ከኸትል ይኽእል እዩ።

ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ፡ ንከተማ ኤል-ፋሽር ን18 ኣዋርሕ ኣብ ከበባ ብምእታዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ሕጽረት መግብን ሓደጋ ጥሜትን ኣንጸላልዩዎም ጸኒሑ'ዩ።

ማእከል ምርምር ሰብኣዊ ጉዳያት ዩኒቨርሲቲ የል፡ እታ ከተማ ብዳዕመ ሰሪዕ ምስተታሕዘት ብጃምላ ዝተቐትሉን፡ ንሓጹር መንደቕ ናይታ ከተማ ዘሊሎም ክሃድሙ ክብሉ ብጠያይቲ ዝተቐትሉ ዝተጸፍጸፉ ሬሳታት ምስሊ ከምዝረኸበ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ፈጻሚ ዳይረክተር ናይቲ ጕጅለ ምርምር፡ እቲ ብሳተላይት ዝተላዕለ ንጹር ኣሳእል ናይ ደም ውሕጅ ዘርኢ ብምዃኑ ኣዝዩ ከምዘጕሃዮን ዘሰምበዶን ኣብ X ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ሓላፊ እቲ ትካል ናታኔል ረይሞንድ፡ "እቲ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ ቅትለትን ቅልጣፈን" ካብቲ ንርብዒ ዘበን ዝገበርኩዎ ምርምርን ዝረኣኹዎ ፍጻመን ዝተፈልየ እዩ ክብል ብኣንክሮ ተዛሪቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሰብኣዊ ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ ብዛዕባ መቕጻዕቲ ሞት፡ ምስ ስደት ብዝተሓሓዝ ናይ ሰባት መጥቃዕትን ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን፣ ገዛ ገዛ ዝግበር ተፍትሽን ዝምታን ኣዝዩ ከም ዝገረሞ ገሊጹ።

ሓይልታት መንግስትን ምስኦም ዝደጋገፉ ሓይልታት ዳርፉርን ዝቈጻጸሩዋ ዝነበሩ ከተማ ኣልፋሽጋ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ምውዳቓ ኣስታት 2,000 ዝዀኑ ሲቪል ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ። ይዅን እምበር ነዚ ኣሃዝ ዘረጋገግጸ ናጻ ኣካል ኣይተረኽበን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ኤል-ፋሽር ዝሃደሙ ነበርቲ ንቢቢሲ ከምዝሓበሩዎ፡ ኣብታ ከተማ ተሪፎም ምስ ዘለዉ ቤተሰቦም ክራኸቡ ስለዘይከኣሉ ኣብ ከቢድ ጭንቅን ፍርሕን ከምዝወደቑ ሓቢሮም።

ሓደ ካብኣቶም፡ ብዙሓት ኣዝማዱ ከምዝተቐትሉን፡ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ እትኣቱ ንደሓር ምስ ስድራ ቤቱ ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

"ኵሎም ኣብ ሓደ ቦታ እዮም ተኣኪቦም ነይሮም፤ ኵሎም ተቐቲሎም እዮም። ሕጂ ብዛዕባ እቶም ብህይወት ዝተረፉ እንፈልጦ ነገር የብልናን፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ሕብረት ኤውሮጳ "ኵሎም እቶም ኣብ ውግእ ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ነቲ ግጭት ከህድእዎ" ክጽውዕ እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ነቶም ገበናት ውግእን ዓሌታዊ ሲቪላዊ መጥቃዕቲን ዝፍጽሙ ዘለው ወገናት ኰኒኑ።

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ እቲ ኣብ ኤል-ፋሽር እትርከብ እንኮ ሆስፒታል ገና ውሱን ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ፣ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት መጥቃዕቲ ከምዘጋጠማ ገሊጹ።

ኣብቲ ትካል እትሰርሕ ነርስ ከኣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለት ሓቢሩ።

ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብታ ከተማ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለትን ግህሰትን "ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦን ከም ዘጨነቘን" ገሊጹ። ነቲ ዝንገር ዘሎ "ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ" ድማ ኣትሪሩ ኣውጊዙ።

ብሰኑይ፡ ሓይልታት መንግስቲ ካብ ኤል-ፋሽር ከምዝወጽኡ ምስ ተረጋገጸ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ቡርሃን፡ ንዕንደራታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንምዕጋት ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ እኹል ጻዕሪ ዘይምክያዱ ብምውጋዝ "ክሳብ እዛ ምድሪ እዚኣ እትነጽህ" ክዋጋእ ምዃኑ ተሓንዩ።

"ነቲ ንኵነታት ክንቅይሮ ኢና፡ በዞም ከሓድቲ ንዝተመራሰሐ ነብሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ከኣ ናብ ዋናታቱ ክንመልሶ ኢና፡" ኢሉ።