ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ኤልፋሸር ሰለማውያን ሰባት እናቐተሉ ዘርኢ ቪድዮ ተረጋጊጹ

ብረት ዝሓዘ ኣባል ዳዕመ ስሪዕ [ጸጋም] ተንተንቲ ሬሳ ናይ ሰብ'ዩ ዝበልዎ ስእልን [የማን]

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ቅትለት ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ኣለዎ

ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብታ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝሓዝዎ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ትርከብ ኤል ፋሸር ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይሓዙ ሰባት ቅትለት ከምዝፈጸሙ ቢቢሲ ንዝረኸቦ ቪድዮ ብምምርማርን ብምጽራይን ኣረጋጊጹ።

ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን ንዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ዲቕ ዝበለ ኲናት ሓድሕድ'ዮም ተጸሚዶም ዘለዉ።

ዳዕመ ሰሪዕ ከኣ ንከተማ ኤል ፋሸር ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ምሉእ ክርደና ኣእትዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሩ ኣእትዩዋ።

ብድሕሪ'ዚ ኣብታ ከተማ ወተሃደራዊ ክዳን ዳዕመ ሰሪዕ ዝገበሩ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ግፍዒን ቅትለትን እናፈጸሙ ዘርኢ ቪድዮታት ይወጽእ ኣሎ።

ኣወሃሃዲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ብረቡዕ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት "ዝእመን ናይ ቅትለት ጸብጻባት ይመጽኣና'ሎ" ኢላ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ዳዕመ ሰሪዕ መልሲ ንምርካብ ፈተነ ኣካይዱ'ዩ።

ቀንዲ ኣማኻሪ እቲ ዕጠቕ ጕጅለ ኢምራን ዓብደላ፡ ብሰኑይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ነቲ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቅትለት ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ክሲ ነጺግዎ።

ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕን ኣብ 2023 ናብ ኲናት ካብ ዘምርሑ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ይሕበሩ።

ኣወሃሃዲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ደኒሰ ብራውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት፡ ዳዕመ ሰሪዕ ናብ ከተማ ኤል ፋሸር ካብ ዝኣትዉ፡ ኣብታ ከተማ ሰባት "ብፍላይ ከኣ ዘይዓጠቑ ደቂ ተባዕትዮ" ብጅምላ ይቕተሉ ከምዘለዉ ገሊጻ።

እታ ሓላፊት ብረት ዘይሓዙ ሰባት ምቕታልን ንሰለማውያን ሰባት ከም ምሩኻት ምሓዝን ብመሰረት ውዕል ጀኔቫ፡ ከም ገበን ኲናት ከምዝሕሰብ'ውን ጠቒሳ።

ከተማ ኣል ፈሽር ኣበይ ከምእትርከብ ዘርኢ ካርታ

መብዛሕትኡ እቲ ቢቢሲ ዝርኣዮ ቪድዮታት፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዶራንን ሑጻ ዝበዝሖን ካብ ከተማ ርሕቕ ኣብ ዝበለን ቦታ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቀንዲ ቦታ ምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ።

እንተዀነ፡ ብረት ዘይዓጠቑ ሰባት ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ እናተቐተሉ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ግን እቲ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ክንፈልጥ ክኢልና ኢና።

ኣብቲ ቪድዮ ብረት ዘይዓጠቐ ሰብ ኣብ ጥቓ ልዕሊ ዓሰርተታት ዝዀኑ ሬሳታት ኮፍ ኢሉ ይርአ፡ እቲ ቪድዮ ምስ ቀጸለ እቲ ብረት ዘይሓዘ መንእሰይ ናብቲ ብረት ሒዙ ዝስዕቦ ዝነበረ ሰብ እናጠመተ ይርአ፡ ብድሕሪ'ዚ እቲ ብረት ሒዙ ዝነበረ ሓንቲ ጥይት ተኲሱ ይሃርሞ፡ ኣብ መሬት ከኣ ይስጣሕ።

ተመሳሳልቲ ቪድዮታት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ይርከቡ፡ እንተዀነ እቲ ቪድዮ ኣብ በረኻ፡ ዝዀነ ንምልክት ክውሰድ ዝኽእል ነገራት ስለዘይርኣዮ ብርግጽ ኣበየ ቦታ'ዩ ተፈጺሙ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ።

እንተዀነ ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ኤል ፋሸር፡ ንሓደ ኣብ ብዙሓት ሰባት እናተቐተሉ እንከለዉ ኣብ ዘርኢ ቪድዮ ዝተረኣየ ሓደ ሰብ መንነቱ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ዕጡቕ ኣቡ ሉሉ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዳዕመ ሰሪዕ ንዝፍጽምዎ ነገራት ብቪድዮ ከምዝዝርግሕ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ንሱ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ኣል ፈሸር ኣብ ማእከል ሬሳታት ደው ኢሉ እንከሎ የርኢ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ እቲ ቦታ ብርግጽ ኣበይ ምዃኑ ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ፡ እቲ ሬሳታት ግን ናይ ሰለማውያን ሰባት ድዩ ናይ ሰራዊት ሱዳን ከረጋግጽ ኣይክኣለን፡ ምኽንያቱ እቲ ቪድዮ ንጹርነት ኣይነበሮን።

እንተዀነ ኣቡ ሉሉ፡ ኣብ ካልእ ክልተ ቪድዮታት'ውን ይርአ'ዩ።

ብረት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ተንበርኪኾም እንከለዉ ኣብ ዘርኢ ቪድዮ'ውን ኣቡ ሉሉ ኣብኡ ኣሎ፤ እዚ ቪድዮ ከኣ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ምዃኑ ቢቢሲ ቨሪፋይ ከረጋግጽ ክኢሉ።

ኣብ ካልእ ቪድዮ ከኣ ንሓደ ኣቐዲሙ ተሃሪሙ ዝነበረ ሰብ፡ ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ስለዘይኰነ ኣብ ልዕሊኡ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፍጸም እናኣፈራረሖ እንከሎ ይርአን ይስማዕን።

ብድሕሪ'ዚ ነቲ ውልቀሰብ ኣድራጋ ጠያይት ተኲሶም ይቐትልዎ።

ኣብ ካልእ ቪድዮ'ውን ኣቡ ሉሉ ምስ ሓያለ ብረት ዝሓዙ ኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ደው ኢሉ ብውሕዱ ንትሽዓት ዝዀኑ ብረት ዘይዓጠቑ ሰባት ከቢበሞም እንከለዉ ይረአ።

ነቶም ከቢበሞም ዝነበሩ ሰባት ባዕሉ ኣቡ ሉሉ ይዛረቦም'ሞ በታ ሒዝዋ ዝነበረ ኤከይ ዝዓይነታ ብረት ንዅሎም ይቐትሎም፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዕጡቓት ከኣ ብረቶም ናብ ላዕሊ ኣቕኒዖም ሓጐሶም እናገለጹ እንከለዉ ይስምዑ።

ኣብ ካልእ ቪድዮ'ውን ኣቡ ሉሉ ምስ ካልኦት ዕጡቓት ኣብ ጥቓ ደርዘናት ዝዀነ ሬሳታት ደው ኢሉ እንከሎ ይረአ።

ገለ ካብቶም ዕጡቓት ናይ ዳዕመ ሰሪዕ ኣርማ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን'ዮም ተኸዲኖም ነይሮም።

እቶም ሰብ እናቀተሉ ዝርኣዩ ሰባት ኣርማ ዳዕመ ሰሪዕ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን'ዮም ገይሮም ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, እቶም ሰብ እናቀተሉ ዝርኣዩ ሰባት ኣርማ ዳዕመ ሰሪዕ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን'ዮም ገይሮም ነይሮም

ቅድሚ ሕጂ ኣቡ ሉሉ ንሓደ ሰለማዊ ሰብ ቀቲሉ ተባሂሉ ምስ ተቓልዐ፡ ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ነሓሰ ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ነይሩ።

ዳዕመ ሰሪዕ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ሓቅነቱ እንተ ተረጋጊጹን፡ እቲ ነዚ ዝፈጸመ ሰብ ከኣ ኣባል ሰራዊትና እንተዀይኑን ብዘይ ምድንጓይ ክሕተትን ናይ ዝፈጸሞ ተግባር ሓላፍነት ክወስድን'ዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሮም ተመራመርቲ፡ ከተማ ኤል ፋሽር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዳዕመ ሰሪዕ ካብ ትኣቱ ዝርአ ዘሎ ናይ ሳተላይት ስእልታት ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ሰባት ብጅምላ ይቕተሉ ከምዘለዉ ዘርኢ ምዃኑ ይሕብሩ።

ያለ ዝተሰመየ ካልእ ትካል'ውን ነዚ ዘራጕድ ጸብጻብ'ዩ ኣቕሪቡ።

እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ከተማ ሓያለ ጃምላዊ ቅትለት ይፍጸም ከምዘሎ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይረኽቡ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ገለ ጐደናታት እታ ከተማ ኣብ ስእሊ ሳተላይት ሕብሮም ቀይሮም ከምዝርኣዩ ብምግላጽ፡ እቲ ምቕያር ናይ ሕብሪ ብደም ናይ ሰብ ዝሰዓብ ክኸውን ከምዝኽእል ግምቶም ኣቐሚጦም።

ያለ ሬሳ ናይ ብጅምላ ዝተቐተሉ ሰባት'ዩ ዝበሎ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ያለ ሬሳ ናይ ብጅምላ ዝተቐተሉ ሰባት'ዩ ዝበሎ ስእሊ

ቢቢሲ ነቲ ያለ ዘቕረቦ ጸብጻብ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ስእሊ ከይርኣየ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ካልእ ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝርኣዮ ስእሊ ወተሃደራውያን መካይን ኣብ ወሰናስን ጐደናታት እታ ከተማ ደው ኢለን እንከለዋ ዘርኢ'ዩ፡ ነዚ ምርኵስ ብምግባር፡ ያለ እቶም ዕጡቓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ተፍትሽ የካይዱ ከምዘለዉ ዘርኢ'ዩ ይብል።

ኣብ ትሕቲ እተን ገለ ወተሃደራውያን መካይን'ውን ሬሳታት ይርአ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ሰራዊት ሱዳን ርእሰ ከተማ ካርቱም ትርከቦ ሓያለ ቦታታት ካብ ኢድ ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕ መንዚዑ'ዩ።

በዚ መሰረት ሰራዊት ሱዳን ንዝገፍሐ ሰሜንን ምብራቕን ሱዳን ክቈጻጸር እንከሎ፡ ዳዕመ ሰሪዕ ከኣ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዳርጋ ንዅሉ ክፋላት ዞባታት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ሒዙ ይርከብ።

እቲ ቀንዲ መበቆል ዳዕመ ሰሪዕ ዝዀነ ዕጡቕ ጃንጃዊድ ካብ 2003 ክሳብ 2005 ኣብ ዞባ ዳርፉር ዓሌታዊ ቅትለት ከምዝፈጸመ ይኽሰስ'ዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ዕጡቓት ጃንጃዊድ ዝነበሩ ከኣ ምስ ዳዕመ ሰሪዕ ዓጢቘም ከምዘለዉ'ዩ ዝእመን።

ሰራዊት ሱዳን እታ ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ሱዳን መርገጺ እግሩ ዝነበረት ከተማ ኤል ፋሽር'ያ ነይራ። ሕጂ ግን ንሳ'ውን ብዳዕመ ሰሪዕ ስለዝተመንዝዓ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ደጀነይ ዝብሎ ቦታ የብሉን።

ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ ሰሪዕን ኣብ ዘዝሓዝዎ ቦታታት ገበናት ኲናት ከምዝፍጽሙ'ዩ ዝግለጽ፡ ብፍላይ ግን ዳዕመ ሰሪዕ።

ጆ ባይደን ኣብ ድሮ ካብ ስልጣን ዝወረደሉ ሰሙናት፤ ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ሱዳን ምጽናት ዓሌት ይፍጽም ከምዘሎ ገሊጹ ምንባሩ'ውን ይዝከር።

ቢቢሲ ቨሪፋይ'ውን ቅድሚ ሕጂ ኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ዝፈጸምዎ ጃምላዊ ቅትለት ኣቃሊዑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።