ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ብዛዕባ'ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ስምምዕ እንታይ ይብል?

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዒሮ

ምንጪ ስእሊ, Cabdiraxmaan Cirro

መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዒሮ

እታ ቅድሚ 33 ዓመታት ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ኣብቲ ንራብዓይ ግዜ ዘካየደቶ መረጻ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጻ ኣላ።

ኣብዚ መረጻ፡ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ኰይኑ ዝመርሐ ሙሴ ቢሂ፡ ብመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዋዳኒ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ተሳዒሩ።

ኮሚሽን መረጻ ሶማሊላንድ ሰሉስ 19 ሕዳር 2024 [ኣ.ኤ] ዕላዊ ዝገበሮ ውጽኢት መረጻ፡ ፕረዚደንት ቢሂ ኣስታት 35 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ኢሉ።

ተቓዋሚኡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሶማሊላንድ ዝዀነ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ድማ ኣስታት 64 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።

ምስ ቢቢሲ ኒውስ ዴይ ቃለ መሕትት ዘካየደ ወሃቢ ቃል ሰልፊ ዋዳኒ ኣደም ጃማ ገላል፤ እቲ መረጻ “ሓያል ንሕንሕ" ዝተርኣየሉ እኳ እንተነበረ፡ እቲ መስርሕ ግን “ቅኑዕ" ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሶማሊላንድ ምስ "ብዙሓት ሃገራት ናይቲ ዞባ" ክነጻጸር እንከሎ "ኣዝዩ ነጻን ፍትሓውን" ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ዘለወን ኣመሪካን ኢትዮጵያን እውን ንመረጻ ሶማሊላንድ ንኢደን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም. [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መረጻ "ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያዊ፡ ነጻን ፍትሓውን" ክብል ንኢድዎ።

ንፕረዚደንት ሙሴ ቢሂን ኣብቲ መረጻ ተዓዊቱ ዝወጽአ ሓድሽ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላሂ (ዒሮ) ንዘርኣዮ "ኣብነታዊ ዴሞክራሲያዊ መሪሕነት" ከም ዝንእድ ብምግላጽ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ ፕረዚደንት ኰይኑ ብምምራጹ ናይ "እንቋዕ ሓጎሰካ" ዝብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ሰልፊ ዋዳኒ ብዛዕባ ስምምዕ ኣፍ ደገ ባሕሪ እንታይ ይብል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ሶማሊላንድ ኣጀንዳ ካብ ዝነበሩ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝኸተምኦ ስምምዕ እዩ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕርን ንግድን እተሳልጠሉ ካብ ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣጠቓቕማ ብሊዝ ክትካረ እያ ይብል።

ኣምሳያኡ ድማ ኢትዮጵያ ነታ ዛጊት ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ተሰማሚዓ ምህላዋ ሰበስልጣን ሃርጌሳ ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሶማሊላንድ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሽርክና ክትኣቱ ክገብርን ኣብ ጉዳይ ኣፍልጦ ሃገርነት ድማ “ኣጽኒዑ መርገጺ ክሕዘሉ” ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።

ክልቲአን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ኣብ ዝፈረማሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ግብራዊ ከም ዝኸውን ተገሊጹ’ኳ እንተነበረ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ኣይተተግበረን።

ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ሓርፊፉ ይርከብ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን መሓመድ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ፤ ውድቡ ነቲ ስምምዕ ክግምግሞ ምዃኑ'ዩ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ነቲ ስምምዕ ዝቕበሎ'ኳ እንተዀነ ብዛዕባኡ ክዛረብ እንከሎ ግን ዲፕሎማስያዊ ቃላት’ዩ ዝጥቀም።

ወሃቢ ቃል ሰልፊ ዋዳኒ ኣደም ጃማ ገላል፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ስምምዕ ብኸመይ ይርእዮ ዝብል ሕቶ ብቢቢሲ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ "ቀደሙ'ውን እንተዀነ መርገጺና ሓደ'ዩ" ብምባል እቲ ስምምዕ ናይ ምግምጋም ሓሳብ ግን ከም ዘይተቐየረ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕሊ ርእይቶ ክህብን ክዘራረብን ከም ዘይክእል ኣፍሊጡ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣስዒቡ “ብሓፈሻ ምስ ጐረባብትና ዝግበር ፍትሓውን ምትሕብባር ሓበራዊ ጥቕምን ብሓጐስ ንቕበሎ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓባይ መሻርኽትን ፈታዊትን እያ ነይራ። ናብ ስራሕ ምስ ኣተና፡ እቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ዝሰርሖም ስራሕቲ ክንግምግሞም ኢና" ክብል መልሲ ሂቡ።

ክሳብ ሕጂ ምስቲ ካብ ስልጣን ዝወርድ መንግስቲ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ዝርርብ ከም ዘየለ ዝገለጸ ኣደም፡ ንሱ "ክሳብ ዝፈልጦ" እቲ ሰልፊ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዘይተዘራረበ ጠቒሱ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ሰልፊ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ እትረኽበሉ ጻዕሪ ከም ዘቐድም ብምግላጽ፡ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍክጦ እትረኽበሉ "ዘእምን ምኽንያት" ኣለዋ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

እቲ ወሃቢ ቃል “ከም ውድብ ወዳኒ፤ እቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንትን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቐውም መንግስትን፡ ነዚ ሕልሚ ጋህዲ ንምግባር፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ንምርካብ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢና” ኢሉ።

እቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ናይ መንግስቲ ስልጣን ክርከብ ትጽቢት ይግበር።