ሶማሊላንድ፡ ሕቶ ሃገርነት ቀንዲ ዛዕባኦም ዝገበሩ ሕጹያት ዝወዳደሩሉ መረጻ

ምንጪ ስእሊ, BBC/GETTY/FB
እታ ድሕሪ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁርቍስ ሶማልያ ርእሰ ምምሕዳራ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ዋላ’ኳ ንናጽነታ ኣፍልጦ ዝሃበት ሃገር እንተዘይሃለወት፡ ንዅሉ መሰረታት ሓንቲ ሃገር እተማልእ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዕቝድ ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲያውነት ዝተራእዮ ካብ ዝተባህለ ብኣብነት ዝጥቀስ ሃገራዊ መረጻታት ከምዘካየደት እዩ ዝንገረላ።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንነዊሕ እዋን ተደናጒዩ ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊን ውድባዊን መረጻ ክትዳሎ ዝጸንሐት እታ ርእሰ ምምሕዳር፡ ሎሚ ካልእ ዙር መረጻ ከተካይድ እያ።
ፕረዚደንት ሙሳ ቢሂ ኣብዲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ስልጣንንምጽናሕ ክወዳደር እንከለዉ፡ ሕጹይ ሰልፊ ወዳኒ ዓብዱራሕማን ኣሕመድ ዓብደላሂን ሕጹይ ሰልፊ ፍትሕን ልምዓትን ፈይሰል ዓሊ ወራበ ድማ መነሓንሕቱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ንዝሓለፉ 33 ዓመታት ወግዓዊ ተፈላጥነት ንምርካብ ዝተፈላለየ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት ክትገብር ዝጸንሐት ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሶማሊላንድ፡ ሕብረሰልፋዊ ስርዓት ዘለዋ እያ።
እዚ መረጻ ሶማሊላንድ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪን ኣምሳያኡ ኣፍልጦ ሃገርነትን ካልእ ረብሓታትን ንምርካብ ዝፈረመቶ መረዳድኢ ሰነድ፡ ምስ ሶማልያ ወጥሪ ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ እዩ።
ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ዚያድ ባረ ኣብ ፈለማ 1990ታት ሶማልያ ናብ ቅልውላው ምስ ኣተወት ሶማሊላንድ ካብ ሶማልያ ናጽነታ ኣዊጃ።
ሶማልያ ግን ክሳብ ሕጂ ከም ልኡላዊ ግዝኣታ እያ ትቘጽራ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ኮሚሽን መረጻ ሶማሊላንድ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መረጽቲ ተመዝጊቦም፡ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ብፕረዚደንትን ዝመርሕን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ እታ ሃገር ዝሳተፉ ውድባትን ንምምራጽ ተዳልዮም ኣለዉ።
እቶም ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ ሰለስተ ሕጹያት፡ ቍጠባ እታ ግዝኣት ንምምሕያሽ፡ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ንኽትረክብን ዲሞክራሲ ንምስፋሕን ከተግብሩ ትጽቢት ይግበር።
ሶማሊላንድ ናጽነታ ካብ እትእውጅ ንደሓር ፕረዚደንታዊ መረጻ ከተካይድ እዚ ንራብዓይ ግዚኣ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ሶማልያ ብጐይቶት ኲናትን እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብን ኣመና ኣብ ዝተሃሰየትሉን ኵነታት ጸጥታኣ ኣሰካፊ ኣብ ዝዀነሉን፡ ሶማሊላንድ ግን ብተዛማዲ ርግኣት ዝሰፈና ምዃና እዩ ዝፍለጥ።
በዚ መንገዲ ድማ ንስራሕ መንግስቲ ዘቀላጥፉ ትካላት፡ ንዲሞክራስያዊ ስግግር ዘመቻችኡ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ፡ ፓስፖርትን ሓይልታት ጸጥታን ዘለዋ ሃገር ክትከውን በቒዓ።
እቶም ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ውድድር መረጻ ዝሳተፉ ሕጹያት ኣብ እዋን ጐስጓስ፡ ኣብታ ግዝኣት ንዘሎ ዲሞክራሲ ንምሕያል፡ ቍጠባዊ ዕብየት ንምቅልጣፍ፡ ከምኡ’ውን ከም ሃገር ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ምርካብ ካብቶም ቀንዲ ኣጀንዳታቶም ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ 2017 ፕረዚደንት ኰይኑ ዝተመረጸ ሙሳ በሂ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ከምዝቕጽልን እታ ግዝኣት ከም ሃገር ኣፍልጦ ከምእትረክብን ኣብ እዋን ጐስጓሱ ቃል ኣትዩ።
ሶማሊላንድ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ድልውቲ ምዃና ንደገፍቱ ዘስምዐ እቲ ፕረዚደንት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብኡ ዝሕተት ነገራት ክሳብ ዘማልእ ይጽበ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
“ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ትደሊ፤ ንሕና ድማ ኣፍልጦ ክወሃበና ንደሊ። እቲ ስምምዕ ድማ ኣብዚ ድሌታት’ዚ ዝተመስረተ እዩ” ክብል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ።
ን11 ዓመታት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኰይኑ ዘገልገለ ሕጹይ ፕረዚደንት ሰልፊ ወዳኒ ዓብድራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ፡ እታ ርእሰ ምምሕዳራዊ ግዝኣት ዓለማዊ ተፈላጥነት ክትረክብ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።
ንናጽነት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ሶማልያ ዝተገብረ ፍሹል ዝርርባት ንድሕሪት ተመሊስካ ምርኣዩ ኣድላዪ ምዃኑ ዝጠቅስ እቲ ሕጹይ ፕረዚደንት፡ "ምስ ሶማልያ ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ ኣድላዪ እዩ" ብምባል እንተተመሪጹ ንዘተ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ነበርን ኣቦ መንበር ሰልፊ ወዳኒን መሓመድ ዓብደላሂ ብዛዕባ’ቲ እታ ግዝኣት ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ መረዳድኢ ሰነድ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ሶማሊላንድ ምስ ዝዀነት ሃገር ክልተኣዊ ስምምዕ ክትገብር መሰል ከምዘለዋ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ሕጹይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሰልፊ ፍትሕን ልምዓትን ዝዀነ ወራበ ብወገኑ፡ ሃገራዊ ሓድነታዊ መንግስቲ ብምቛም ኣፍልጦ ንምርካብ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
"ፕረዚደንት በሂን ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ውድቡን ናብ ስልጣን እንተተመሊሶም፡ ንመረጽቲ ሶማሊላንድ ጽቡቕ ኣማራጺ ኣይኰኑን . . . እንተተመሪጸ ሶማሊላንድ ብዝሓሸ መንገዲ ንብልጽግናኣን ኣፍልጦኣን ክሰርሕ እየ” ኢሉ።
መነሓንሕቲ ሕጹያት ፕረዚደንት በሂ ዝዀኑ ዓብድራሕማን መሓመድ ዓብደላሂን ፈይሰል ዓሊ ወራበን፡ ኣብቲ ንሶማልያ ዘቘጥዐ ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈረመ ሰነድ፡ ዝዀነ ተቓውሞ ከምዘይብሎም እዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ ንፕረዚደንት ሙሳ በሂ፡ ኣብ ሶማሊላንድ ምፍልላይን ግጭትን ናህሪ ዋጋታትን ብምስዓብ ብትሪ ይነቕፉ።
እቲ ኣብ 2017 ዝተመርጸ ፕረዚደንት በሂ፡ ስልጣኑ ኣብ ሕዳር 2022 ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ቦርድ መረጻ ብሰንኪ ፋይናንሳውን ቴክኒካውን ጉዳያት ነቲ መረጻ ከምዘናውሖን፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ዕድመ ስልጣኖም ንክልተ ዓመት ከምዘናውሐን ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን ተቓወምቲ ውድባት ድሕሪ ደጊም ከም ፕረዚደንት እታ ሃገር ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ብመሰረት ቅዋም ሶማሊላንድ፡ ሓደ ፕረዚደንት ንኽልተ እብረ ክምረጽ ይኽእል።
ሶማሊላንድ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ወሽመጥ ዓደን፡ ኣፍደገ እቲ ኣገዳሲ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ስትራተጂያዊ ስፍራ እትርከብ ኰይና፡ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ግዝኣት እያ።
ዝዀነ ዞባዊ፡ ኣህጉራዊ ይዅን ዓለማዊ ኣፍልጦ ሃገርነት’ኳ እንተዘይረኸበት፡ ሶማሊላንድ ብዘለዋ ወሳኒ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኣብ ቀረባኣ ይዅን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ሃገራትን ብቐረባ ዝከታተልኣ እያ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መረጻ ከምቶም ዝሓለፉ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዓወት እንተተዛዚሙ፡ ተቐባልነታ ዝያዳ ንምሕያል ዝሕግዝ፡ ነቲ ብቅልውላው ዝተሓመሰ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ተስፋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ካብቶም ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ ሕጹያት ሓደኦም ተዓዊቱ ቤተመንግስቲ እንተኣትዩ ሓደ ካብቲ ዕላማታት ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ምርግጋጽ ስለዝዀነ፡ እቲ ወትሩ ዝለዓል ዛዕባ ኣፍልጦ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል ግድን እዩ።
ብተወሳኺ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምርድዳእ ነዚ ዕላማ ወሳኒ ስለዝዀነ፡ ዝመጽእ ፕረዚደንት ንምትግባር ከምዝሰርሕ ይግመገም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







