ንዅሉ ዓይነት ሰዓልን ጕንፋዕን ክከላኸል ዝኽእል ሓደ ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ብኣፍንጫ ዝንፋሕ ክታበት፡ ካብ ኵሉ ሰዓልን ጉንፋዕን ከምኡ'ውን ካብ ባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲ ሳንቡእ ክከላኸል ከም ዝኽእልን፡ ኣለርጂ ከይተረፈ ከቃልል ከም ዝኽእልን ተመራመርቲ ኣመሪካ ገሊጾም።
እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዝርከብ ጕጅለ፡ "ኣድማሳዊ ክታበት" ዝበሎ ኣብ እንስሳታት ፈቲኑ፡ ሕጂ ኣብ ሰብ ክሊኒካዊ ፈተነታት ክገብር እዩ።
እዚ፡ ካብቲ ንልዕሊ 200 ዓመታት ክታበት ዝተነድፈሉ ኣገባብ "ሱር በተኽ" ለውጢ ዝተርኣዮ ምዃኑ ይገልጹ።
ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ኣፈናዊ ደረጃ እኳ እንተሃለወ "ተስፋ ዝህብ" ምዃኑን "ንቕድሚት ዓቢ ስጕምቲ" ክኸውን ከም ዝኽእልን ገሊጾም።
እቶም ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ዘለው ክታበታት፡ ኣካላትና ሓደ ረኽሲ ምምካት ዘኽእሎ ዓቕሚ ክረክብ እዮም ዝሕግዙ።
እዚ ማለት፡ ክታበት ንፍዮ፡ ንንፍዮ ጥራይ እዩ ዝከላኸል ማለት እዩ።
ኤድዋርድ ጀነር ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ፈላሚ ክታበት ካብ ዝምህዝ ኣትሒዙ ክታበት ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።
እቲ ኣብ መጽሔት ሳይንስ ዝተሓትመ መብርሂ፡ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣየሰልጥንን። ኣብ ክንድኡ ነፍስወከፍ ዋህዮ ምክልኻል ሕማም ዝገብሮ ኣገባብ ይቐድሕ።
እዚ ከም ናይ ኣፍንጫ ፈሳሲ -ስፕረይ- ዝወሃብ ኰይኑ፡ ኣብ ሳንቡእና ንዝርከቡ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም - ማክሮፋገስ ተባሂሎም ዝጽውዑ - ዝዀነ ረኽሲ ክኣቱ ይፍትን ኣሎ ድዩ ብዘየገድስ ስርሖም ንምጅማር ድሉዋት ክዀኑ ይገብሮም።
እዚ፡ ኣብ እንስሳታት ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክፍተን ጸኒሑ ኣሎ።
እቶም ተመራመርቲ፡ እዚ ዝለዓለ ኵነታት ድልውነት፡ ብሳንቡእ ናብ ኣካላት ዝኣትዉ ቫይረሳት ብ100 ክሳብ 1000 ዕጽፊ ከም ዝንኪ ኣርእዮም።
ነቶም ነዚ ሓሊፎም ዝኣትው ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም "ነዚኦም ንምምካት ድሉው እዩ፡" ይብል ኣብ ስታንፎርድ ፕሮፌሰር ማይክሮባዮሎጂን ኢምዩኖሎጂን ዝዀነ ባሊ ፑለንድራን።
እቲ ጕጅለ፡ እቲ ክታበት ካብ ክልተ ዓይነታት ባክተርያ - ስታፊሎኮከስ ኦረየስን ኣሲነቶባክተር ባውማኒን - እውን ከም ዝከላኸል ኣርእዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሮፌሰር ፑለንድራን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ኣድማሳዊ ክታበት ኢልና እንጽውዖ ክታበት፡ ኣንጻር ቫይረስ ጉንፋዕ፡ ቫይረስ ኮቪድ፡ ቫይረስ ሰዓል ጥራይ ዘይኰነ፡ ዳርጋ ካብ ኵሎም ቫይረሳት ከምኡ'ውን ኣለርጂ ዝከላኸል ኣዝዩ ዝሰፍሐ ረብሓ ዘለዎ እዩ፡" ኢሉ።
"እዚ ክታበት ዝሰርሓሉ ኣገባብ፡ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኵሎም ክታበታት ዝሰርሑሉ ሱር-በተኻዊ ለውጢ ዘርኣየ'ዩ።"
ንስርዓተ ምክልኻልና ሕማም ረኽሲታት ንምምካት ንክኽእል ከሓይሎ እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ኣባይትና ኣብ መተርኣስ፡ መንጸፍን ካልእን ተሰግሲጐም ኣለርጂ ምህንጣስ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ኣዝማ ከስዕቡ ዝኽእሉ ንኣሽቱ ታህዋስያን ዝህቦ ግብረ መልሲ ግን ዘጕድል ይመስል።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተሳተፈት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፕሮፌሰር ክታበት ፕሮፌሰር ዳኒኤላ ፈረራ፡ "እዚ ናይ ብሓቂ መሳጢ መጽናዕቲ'ዩ፡" ትብል።
ውጽኢት እቲ ክታበት ኣብ ሰብ እንተተረጋጊጹ "ንሰባት ካብ ልሙድ ሰዓልን ካልእ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ብኸመይ ከም እንከላኸለሎም ክቕይር ይኽእል'ዩ፡" ኢላ።
ፈረይራ፡ እቲ መጽናዕቲ "ከምዚ ዝበለ ከቢድ ጾር ዘስዕቡ" ረኽስታት መከላኸሊ ዝህብ "ንቕድሚት ዓቢይ ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።
ይዅን እምበር፡ ገና ብዙሓት ክምለሱ ዘለዎም ሕቶታት ኣለዉ።
እቲ ክታበት እዋን ፈተነ ብኣፍንጫ ዝተዋህበ ፈሳሲ ኰይኑ፡ ናብ ሳንቡእ ደቂ ሰባት ንምብጻሕ ግን ብመገዲ 'ኔቡላይዘር' ምትንፋስ ከድሊ ይኽእል እዩ።
እዚ ኣብ ሰባት ተመሳሳሊ ውጽኢት ከረጋገጽ ይኽእል ድዩ ወይስ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ድልዊ ኣብ ምግባር ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸንሕ ኣይተፈልጠን።
ኣብ መንጐ ኣናጹን ደቂ ሰባትን ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ፍልልያት ኣሎ፤ እዚ ድማ ናይ ወዲ ሰብ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ረኽስታት ምቕራጹ ዝተፈለየ ክኸውን ገይሩዎ'ዩ።
ስለዚ እቶም ተመራመርቲ፡ ኣካላት ወዲሰብ ነዚ ብኸመይ ከም ዝጻወሮ ንምርኣይ፡ ሓደ ሰብ ክታበት ዝኽተበሉ፡ ድሕሪኡ ድማ ኰነ ኢሉ ዝልከፈሉ ፈተነታት ንምርኣይ ይሓስቡ ኣለዉ።
ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ካብቲ ንቡር ኵነታት ንላዕሊ ድልዊ ክኸውን ምግባር እውን ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ትሮፒካዊ ሕክምና ሊቨርፑል ፕሮፌሰር ሞለኪዩላዊ ቫይሮሎጂ ጆናታን ቦል፡ እቲ ስራሕ "ዘሐጕስ" ምዃኑ ዘይከሓድ'ኳ እንተዀነ፡ "ኣካላት ኣብ 'ልዑል ንቕሓት' ምጽናሕ ሃደንበት ዘይተደለየ ጐናዊ ሳዕቤን ከም ዘየምጽእ ምርግጋጽ የድሊ፡" ኢሉ።
እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ብዘላቕነት ድልዊ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ርእይቶ የብሉን።
ከምዚ ዓይነት ክታበት ድማ ነቶም ሕጂ ዘለዉ ክታበታት ኣብ ክንዲ ዝትክእ፡ ኣማራጺ ኰይኑ ክውዕል ኣለዎ ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







