'ሃንግኦቨር'፡ ኣብ ጽባሕ-መስተ ንዘጋጥም ምስልቻው ፍቱን መግቢ ኣሎዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዋናዊ ረሲዕ፡ ስግድግድ ምባል፡ ሕማም ርእሲ፡ ልዑል ድኻም፡ ድርቀት ኣፍ፡ ረሃጽ፡ ረስኒን ሕሱም ጥሜትን - ብዛዕባ ምልክታት ዝኾነ ዓይነት ሕማም ኣይኮነን ነውግዕ ዘለና።
ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ልሙድ ሃንጎቨር ወይ ሕዳር-መስተ ዘጋጥም ምግደራ እዩ።
መስተ ዘዘውትሩ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጽባሒቱ ዝኸፍልዎ ዋጋ ሃንግኦቨር [ዶቦሌሳ] እዩ።
እዚ ዘጋጠሞም ገለ ሰባት ደጊም መስተ ከምዘይሰትዩ ቃል ክኣትው ይስምዑ።
እዚ ዘስካሕክሕ ስምዒት ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ኵነታት ንምቅላል ዝሕግዝ ዝኾነ ነገር እንተፈተኑ ዘገርም ኣይኮነን። ኣልኮላዊ መስተ ከይተረፈ ዝፍውሶም ዝመስሎም ኣለው።
ብፍላይ መግቢ ምቹእን ቀሊልን ስለ ዝኾነ ትኽክለኛ መኣዛታት ገለ ፈውሲ ክህቡ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ስነ-መጐት ኣሎ።
ብሓቂ ግን መግቢ ንሃንግኦቨር ፍቱን ፈውሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር መርትዖ ኣሎ ድዩ? ሳይንስ እንታይ ይብል?
ንተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ልቦናን ተመራማሪት ኣልኮላዊ መስተን ዶክተር ሳሊ ኣዳምስ ተወኪስና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳይንስ ብዛዕባ ሃንግኦቨር ፈወስቲ መግብታትን እንታይ ይብል?
ፈለማ ሕማቕ ዜና ክንነግረኩም።
ብዛዕባ መግብታት ኣብ ምልክታት ሃንግኦቨር ዘለዎም ጽልዋ ዝምልከት መጽናዕቲ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ካብዚ እቲ ዝበዝሕ ኣብ ቪታሚናት፡ ማዕድናት፡ ጸረ-ኦክስጅንን ቅብኣታት ተኽልን ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ ብዙሕ ዘእምን ኣይኮነን።
ኣብ 2022፡ ተመራመርቲ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን፡ ብዘይተሓሰበ መንገዲ ዝተኻየዱ ቍጽጽር ዝተገብረሎምን መግብታት ኣብ ምክልኻል ወይ ምምሕያሽ ሃንግኦቨር እወታዊ ውጽኢት ከምዘለዎምን ዝገለጹ ፈተነታት ገምጊሞም።
ኣብ ህሩድ ዝርከብ ቁርኩሚን፡ ቅብኣት ቅንፍር፡ቪታሚናት ቢ፡ ኤል-ሲስተይን (ኣሚኖ ኣሲድ)፡ ቀይሕ ጂንሰንግን ጽማቝ ፐሬ ኮርያን ዝርከብዎም ቀመማት ዝፍትኑ 21 መጽናዕትታት ረኺቦም።
ካበዚኦም እቶም 7 መጽናዕትታት ኣብ ምልክታት ሃንግኦቨር ምምሕያሽ ከምዘርኣየ እኳ እንተገለጹ፡ ብሓፈሻ ግን እቲ መርትዖ ድኹም እዩ።
እቶም መጽናዕትታት፡ ተሳተፍቲ ክንደይ ዝኣክል ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ከምኡ'ውን ነቶም ቀመማት ምስ መስተ ብሓደ ድዮም ወሲዶም ኣብ ዝብል ኣዝዩ ይፈላለዩ'ዮም።
ብተወሳኺ፡ ውሑዳት ደቀንስትዮ ዘሳተፉ ነይሮም። ካብቶም ምትእትታዋት እውን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ተፈቲኑ ስለዘይነበረ ነቲ መደምደምታታት ኣጸጋሚ ገይርዎ እዩ።
ፎርማጆን ኪሚቺን ጽቡቕ ስምዒት ክፈጥሩ ይኽእሉ ድዮም?
ኪምቺ፡ ጨውን ዝበሰለ ኣሕምልቲ ኰይኑ፡ ሽጉርቲ፡ ጅንጅብልን ዝኣመሰሉ ቀመማት ዘጠቓልል ሓደ ካብ ቀንዲ መግብታት ኮርያ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ቸዳር ፎርማጆን ኪምቺን ዝርከቡ ዝተወሰኑ ፕሮባዮቲክስ ንሃንግኦቨር ከቃልሉ ከም ዝኽእሉ ይሕብር።
ጸዓት ገለ ካርቦሃይድሬት እንተ ተወሲኽዎ ፎርማጆን ኪምቺን ኵላትና ክንደልዮ ዝጸናሕና ፈውሲ ሃንግኦቨር ክኸውን ይኽእል'ዩ?
ተስፋ ዝህብ ይመስል፤ ኣብ ደቂ ሰባት ዝተረኣየ መርትዖታት ግን ኣዝዩ ድሩት እዩ። ብተወሳኺ፡ ፎርማጆን ኪምቺን ናብ መዓንጣ እዮም ዘቅንዑ፡ መብዛሕትኡ ኣልኮላዊ መስተ ግን ናብ ጸላም ከብዲ እዩ ዝኸይድ።
ክሳብ ሕጂ ዝረኣናዮ መርትዖ ኣዝዩ ዘዕግብ ኣይኮነን።
ዶክተር ኣዳምስ፡መግብን መስተን ካብ ሃንግ ንኽንፍወስ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ጽኑዕ መርትዖ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ንውልቃዊ ምልክታቱ ንምንካይ ግን ክሕግዘና ይኽእል'ዩ ትብል።

ስምዒት ሃንግኦቨር ዝንክዩ ብሉጻት መስተ
ኣልኮላዊ መስተ ዝያዳ ክንሸይን ይገብረና እዩ።
እዚ ድማ ብፍላይ ምስ ተምላስ እንተ ተተሓሒዙ ናብ ሕጽረት ፈሳሲ ወይ ድርቀት ክመርሕ ይኽእል።
"ጽሩይ ማይ ወይ ኤሌክትሮላይት ዘለዎ ስፖርታዊ መስተ ንድርቀት፡ ሕማም ርእስን ጽምእን ክሕግዝ ይኽእል'ዩ" ትብል ዶክተር ኣዳምስ።
ማይ ኮኮናት እውን ኤሌክትሮላይት ኣለዎ። ስለዚ ምስ ጸረ-ኦክስጅን ዝሃብተመ ፍረታት እንተ ተወሲዱ ምልክታት ነድሪ ንምንካይ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል'ዩ።
ማይ ኮኮናት እንተ ዘይተረኺቡ'ኸ? ጸባ ዝተወሰኾ ጽማቝ ፍራውለ ወይ ስትሮውበሪን ባናናን እውን ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል።
ሃንግኦቨር ምስ ዝስማዓና ተመረጽቲ መግብታት
እንቋቑሖ
ብብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ብቐሊሉ ክዳሎ ዝኽእል እንቋቑሖ ብኣሚኖ ኣሲድ ሲስተይን ሃብታም እዩ።
ዋላ'ኳ ኣብ ደቂ ሰባት ዝተገብረ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዘእምን እንተዘይኰነ፡ ንሃንግኦቨር ክሕግዝ ከምዝኽእል ገለ መርትዖታት ኣሎ።
እንቋቑሖ መኣዛዊ ምርጫ እዩ፣ ብእንቋቑሖ ዝተሰነየ ባኒ ቅሩብ እፎይታ ዝህብ መግቢ ኰይኑ፡ እቶም ካርቦሃይድሬት ድማ ጸዓትና ክብ ንኽብል ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።
ዝቦኽዐ መግቢ
ገለ ዝቦኽዑ መግብታት ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ ድሕሪ መስተ ንዝመጽእ ነድሪ ክሕግዙ ዝኽእሉ ጠቐምቲ ማይክሮብስ ዝሓዙ እዮም።
ኣብ ነዊሕ ግዜ፡ ብቐጻሊ ዝቦኽዐ መግቢ ምምጋብ ነቲ ብኣልኮላዊ መስተ ዝዕንቀፍ መከላኸሊ ከስዐ ክድግፎ ይኽእል'ዩ።
ብእንቋቑሖን ኪምቺን ዝተሰነየ ባኒ ብፍላይ ድማ ሓይልና ኣብ ዝተዳኸመሉ እዋን ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Food
ሳይንስ ዘረጋገጾ ፍቱን ፈውሲ ሃንግኦቨር
ብርግጽ፡ እቲ እንኮ ሳይንስ ዘረጋገጾ ፈውሲ ሃንግኦቨር፡ ሃንግኦቨር ከይህልወና ምግባር እዩ። እዚ ድማ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ምፍላጥ የጠቓልል።
ክንደይ ዝኣክል ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ሓደ ምሸት ክንሰቲ እንከለና ሃንግኦቨር ከምዝሕዘናን ብኸመይ ቃንዛኡ ከምእንነክዮን ምፍላጥ ብሓቂ ለውጢ ይህልዎ እዩ።
ቅድሚ ምስታይና መግቢ ምብላዕና እውን ኣገዳሲ እዩ።
ከምቲ ዶክተር ኣዳምስ እትብሎ "ብፕሮቲን፡ ካርቦሃይድሬትን ስብሕን ዝሃብተመ መግቢ ምምጋብ፡ንምምጣጥ ኣልኮላዊ መስተ ከዝሕሎ ይኽእል'ዩ፡ እዚ ማለት ድማ ቀልጢፍካ ስለዘይንሰክር ንጽባሒቱ ዝፍጠር ሃንግኦቨር ትሑት ክኸውን ይኽእል እዩ።"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







