‘ሓሓሊፈ ስለዝሰቲ ጸላም ከብደይ ክትጕዳእ ግምት ኣይነበረንን’

‘ሓሓሊፈ ስለዝሰቲ ጸላም ከብደይ ክትጕዳእ ግምት ኣይነበረንን’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ዛንታ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሄዘል ማርቲን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ መስተ ብዝተኣሳሰር፡ ብሰንኪ ሕማም ጸላም ከብዲ፡ ሞት ንምንታይ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ንምፍላጥ ካብ ውልቃዊ ህይወታ ተበጊሳ ዘዳለወቶ እዩ።

-----------------------------------

ገና ጓል 31 ዓመት ከለኹ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ እንተዘይኣቋሪጸ ክመውት ከም ዝኽእል ብሓካይም ተነጊሩኒ።

በይነይ ሰትየ ኣይፈልጥን።

ከም ማሕበራዊ ርክባት ስለ ዘስተማቐር እምበር ግዝእቲ ኣልኮላዊ መስተ'ውን ኣይኰንኩን።

እንተዀነ፡ ካብ ዕድመ ንእስነተይ ጀሚረ ክሳብ መወዳእታ 20ታት፡ ኣልኮላዊ መስተ እወስድ ነይረ።

ኣብ ከባቢየይ ዝነበሩ ሰባት እውን ከምኡ ይገብሩ ስለ ዝነበሩ ንቡር ገይረ እየ ዝርድኦ ነይረ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እየ ኣደ ኰይነ፤ ብዙሕ ግዜ ድኻም ስለ ዝስምዓኒ ድማ ናብ ሕክምና ክረአ ከይደ።

እዚ ድማ መርመራ ደምን ፀላም ከብድን ኣስዒቡ።

ውጽኢት እቶም መርመራታት፡ ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዝተኣሳሰር ሕማም ፋይብሮሲስ [ኣብ ጸላም ከብዲ ዝፍጠር በሰላ] ከምዘለኒ የርኢ፤ እዚ ድማ ብዓቢኡ ብሰንኪ መስተ ዝሰዐበ ከምዝዀነ እዮም ሓካይም ዝግምቱ።

እዚ ምስ ሰማዕኩ ንጓለይ እናደፋእኩ፡ ካብቲ ሆስፒታል ከይተፈለጠኒ ናብ ገዛይ ኣትየ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሄዘል ማርቲን

ምንጪ ስእሊ, Daniel Taylor-Sweet / BBC

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሄዘል ማርቲን

ዛንታ ብዙሓት እዩ

እዚ ከጋጥመኒ እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ኣነ ጥራይ ግን ክኸውን ኣይክእልን እየ።

እዚ ብዛዕባ ባህሊ መስተ [ብፍላይ ዓባይ ብሪጣንያ] እንታይ ከም ዝመስል ዘርኢ ስለዝዀነ፡ እቲ ዛንታይ ንቢቢሲ ፓኖራማ ኣካፊለ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ ዝስዕብ ሞት ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ከምዘሎ ዝረእኹዎም ሰነዳት የመልክቱ።

እቲ ጸገም፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ብዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ተባዕትዮ ዝገደደ'ኳ እንተዀነ፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ብሰንኪ ምስ ኣልኮላዊ መስተ ብዝተኣሳሰር ሕማም ጸላም ከብዲ [ARLD] ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ይሞታ ከምዘለዋ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ (ONS) የርኢ።

ኣማኻሪት ክኢላ ጸላም ከብዲ ደቢ ሻውክሮስ፡
መግለጺ ስእሊ, ኣማኻሪት ክኢላ ጸላም ከብዲ ደቢ ሻውክሮስ፡
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሓደ ግዜ [ንኣብነት ኣብ ምሸታዊ መደባት መስተ- ወጋሕ ትበል ለይቲ] ዝዀነ መጠን ዘለዎ ኣልኮላዊ መስተ እንተሰቲና፡ ካብቲ ኣብ ነዊሕ እዋን እንወስዶ ሓደ ዓይነት መጠን ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣዝዩ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጕጅለ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ለንደንን ዩኒቨርሲቲታት ኦክስፎርድን ካምብሪጅን፡ ኣብ ቀረባ ዘካየድዎ ሓበራዊ መጽናዕቲ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ንጸላም ከብዲ ክሳብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ዝጐድእ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።

ብዛዕባ መስተ ክንሓስብ እንከለና፡ ሰባት ሰኺሮም ካብ ባራት ወጺኦም ኣብ መገዲ ሰንከልከል ኢሎም ክወድቁ ኢና ንሓስብ። ብሓቂ ግን፡ እቲ ጐዳኢ ኣልኮላዊ መስተ፡ልዕሊ'ቲ እንሓስቦ ውሑድ መጠን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ግዜ ሽዱሽተ ወይ ልዕሊኡ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ፡ ንደቂ ተባዕትዮ ድማ ሸሞንተ ወይ ልዕሊኡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ልዑል ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

እዚ ድማ ንሓንቲ ሰበይቲ ክልተ ዓበይቲ ብርጭቆ ወይኒ ከም ምስታይ ማለት እዩ።

ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኪንግስ ኮሌጅ፡ ኣማኻሪት ክኢላ ጸላም ከብዲ ደቢ ሻውክሮስ፡ ኣብ 40ታትን 50ታትን ዕድመ ዝርከባ ሰብ-ሞያ ደቂ ኣንስትዮ ሕማም ጸላም ከብዲ ከም እትሕክም ትገልጽ።

"ምናልባት'ውን ገና ንኣሽቱ ስድራቤታት ክህልወን ይኽእል'ዩ። ግዙኣት ኣልኮላዊ መስተ'ውን ኣይኰናን... ግን ከም ልምዲ ንምዝናይ ክብላ እየን ዝሰትያ ነይረን።”

ገና ጓል 40ታት ኣይኰንኩን ዘለኹ፡ ንሳ ግን ክትገልጸኒ ትኽእል ነይራ።

ኣብ ንእስነተይ፡ ምሸታዊ ምውጻእ [ኣብ ምዝናይ] ካብቲ ከም ‘ልዕሊ መጠን’ ተባሂሉ ዝግለጽ እሰቲ ነይረ።

መርመራ ክሳብ ዝገብር፡ ብዛዕባ’ዚ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረንን።

መርመራ ደመይ ልክዕ ከምዘይኰነ ምስ ተርኣየ፡ ናብ ሆስፒታል ኒው ቪክቶርያ ግላስኮ ተላኢኸ፤ ኣብኡ ድማ ኣልትራሳውንድ ተገይሩለይ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ መርመራ ፋይብሮስካን ተገይሩለይ።

መርመራ ፋይብሮስካን፡ ምትራር ጸላም ከብዲ ዝዕቅን እዩ። 7ኪሎ ፒኤ (ኣብ ደም ዘሎ መጠን ኦክስጅን ንምዕቃን ዝጥቀመሉ ኣሃዱ) ወይ ትሕቲኡ ከም ንቡር ይቝጸር። ናተይ ግን 10.2 እዩ ነይሩ።

እዚ ከቢድ በሰላ ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ።

እንተዘይረአ ነይሩ ወይ ድማ ምስታይ እንተዘየቋርጽ፡ ናብ ሲሮሲስ ዝበሃል ቀታሊ ደረጃ'ቲ ሕማም ክምዕብል ይኽእል ነይሩ።

ውጽኢት መርመራይ ኣብ ለካቲት 2024 እየ ረኺበ።

ኣማኻሪየይ ዶክተር ሾረን ዳታ፡ ካብ ኣልኮላዊ መስተ እንተተቘጢበ ክድሕን ተኽእሎ ከምዘሎ ነጊሩኒ።

እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣብ 31 ዓመት ዕድመይ ክመውት ከም ዝኽእል ነጊሩኒ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሄዘል ማርቲን ምስ ዓርካ እናሰተየት

ምንጪ ስእሊ, Rachel Adam

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሄዘል ማርቲን ምስ መሓዛኣ እናሰተየት

ምልክታቱ እንታይ እዮም?

እቲ ሕማም ብኣጋጣሚ፡ ኣብ እዋኑ ስለ ዝተፈልጠ ኣዝየ ዕድለኛ ኰይነ ይስምዓኒ።

ይዅን እምበር፡ ጸገም ሕማም ጸላም ከብዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቀልጢፎም ዝረአዩ ምልክታት ዘይምህላዎም እዩ።

ካብ 10 ኣብ መወዳእታ ደረጃ ሕማም ጸላም ከብዲ ዘለዎም ሰባት እቶም ሸውዓተ፡ ከም ፈሳሲን ምእካብን ዘይንቡር ምፍሳስ ደምን ዝኣመሰሉ ምልክታት ሒዞም ኣብ ሆስፒታል ክሳብ ዝኣትዉ ብዛዕባ’ዚ ዝፈልጥዎ ነገር የለን።

ካብ ሰሜን ዌልስ ዝመጸት ጓል 39 ዓመት ኤማ ጆንስ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዋ።

ድሕሪ ዕዉት ንቕለ-ተኸላ ጸላም ከብዲ፡ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ እየ ረኺበያ።

ኤማ ከምዚ ከማይ፡ ንምዝናይ ሓሓሊፋ እያ ትሰቲ ነይራ፤ ዕዉት ሞያን ንጡፍ ማሕበራዊ ህይወትን ዝነበራ እያ።

ኣብ እዋን ዕጽዋታት-ኮቪድ ግን ነገራት ሓሲሙዋ፤ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ጥርሙዝ ወይኒ ትሰቲ ነይራ።

ኤማ ኣብ ሆስፒታል ኣትያ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ሕማም ጸላም ከብዲ ከምዘላ ፈሊጣ።

ንሳ ብህይወት ክትነብር ትሕቲ 36 ሰዓታት ጥራይ ከምዝተረፋ ተነጊሩዋ።

ብተኣምር ግን ተሪፋ፤ እቲ ኣዝዩ ዘድልያ ዝነበረ መተካእታ ጸላም ከብዲ ረኺባ።

ኤማ ምሕዋያ ከም ዘሎ ኰይኑ፡ ህይወታ ግን ከም ቀደሙ ኣይኰነን።

ንዝተረፈ ዕድመኣ ጸረ-ንጽገት [Anti-rejection] መድሃኒት ክትወስድ እያ።

ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕማ ዳርጋ ምዉት እዩ፤ እዚ ማለት ድማ ኣካላታ ንረኽስን ሕማማትን ዝተቓለዐ እዩ ማለት እዩ።

ዛጊድ ግን ደሓን ብህይወት ኣላ።

ካብቲ ዘላቶ ፅቡቕ ከምዘላ ትዛረብ። ኣወንታዊነታን ቆራጽነታን ኣዝዩ ዘተባብዒ ኰይኑ እየ ረኺበዮ።

ብተኣምር ብሕይወት ዝተረፈት ኤማ
መግለጺ ስእሊ, ብተኣምር ብህይወት ዝተረፈት ኤማ