ካብ ኣልኮል ነጻ ዝዀኑ መስተታት ሓደጋ ኣለዎም ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ከም ቢራን ወይኒን ዝኣመሰሉ ኣልኮል-ኣልቦ መስተታት ዝያዳ ተፈተውቲ እናኾኑ ይመጽኡ ኣለው።
ብዙሓት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ወይ ክሰኽሩ ዘይደልዩ ሰባት ነዞም መስተታት ምርጫኦም ይገብሩ ከምዘለው መጽናዕትትት ይሕብሩ።
ቁጽሮም ዘይነዓቕ ተጠቀምቲ ድማ ከምቶም ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መስተታት ኣብ ጥዕና ዘስዕብዎ ጉድኣት ከምዘየለ ይኣምኑ።
እኳ ደኣ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚእታዊት ተጠቀምቲ ኣልኮል ዘይብሎም መስተታት ተወሳኺ ጥዕናዊ ረብሓታት ኣለዎም ኢሎም ከምዝኣምኑ ሓደ መጽናዕቲ የመልክት።
እንተኾነ ኣልኮል-ኣልቦ መስተታት ካብ ስኽራን ካብ ምድሓን ብዝዘለለ ብሓቂ ተወሳኺ ጥዕናዊ ረብሓታት ኣለዎም ድዩ?
ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘይብሎም መስተታት ስለምንታይ ተፈተውቲ ይኾኑ ኣለው??
ምሸታዊ ምዝንጋዕ ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ዝኸዉን ዘይመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣለው። ይኹን'ምበር ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብዚ መንጽር ለውጢ ኣተሓሳስባ ይርአ ከምዘሎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣልስተር ላዕለዋይ መምህር ስነ-ኣመጋግባ ዶክተር ካኦምሃን ሎግ ይኣምን።
"ኣብ ዙርያ ኣልኮላዊ መስተታትን ሳዕቤናትን ዝያዳ ሓበሬታ ስለዘሎ፡ ሰባት ንኣልኮል-ኣልቦ መስተታት ዝያዳ ቅሩባት ይኾኑ ኣለው፡ እዚ ድማ ነቲ ኢንዱስትሪ ክምዝምዝ ዝኸኣለ ጠለብ ዝፈጠረ ይመስለኒ" ይብል።
እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣልኮላዊ-ኣልቦ መስተ ዝንገር ረብሓታት ግን ክኢላታት እንታይ ይብሉ?
ኩሎም ኣልኮል-ኣልቦ መስተታት ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣልኮል ነጻ ድዮም?
"ኩሎም ብኸምዚ ኣገባብ ዝዳለው መስተታት ካብ ኣልኮል ነጻ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ቅኑዕ ኣይመስለንን፣ ምኽንያቱ እቲ ብመንግስቲ ዝቐመጥ መዐየሪ ዝተወሰነ መጠን ይፈቅድ እዩ" ይብል ዶክተር ሎግ።
ሰባት ብዛዕባ መስተ ዝሓሸ ምርጫ ንኽገብሩ ነጻ ምኽሪ ዝህብ ድሪንካኣዌር ዝተበሃለ ትካል፡ 'ካብ ኣልኮል ነጻ' ተባሂሎም ዝቀርቡ መስተታት ዝለዓለ 0.5 ሚእታዊት ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ክህልዎም ከምዝኽእል የመልክት።
ትሑት ኣልኮል ዘለዎም ዝበሃሉ ድማ ክሳብ 1.2 ሚእታዊት ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ካብ ኣልኮል ነጻ መስተታት ትሑት ካሎሪ ድዩ ዘለዎም?
"ኣልኮል ካሎሪ ኣለዎ፡ ሰለዚ ኣብ ኣልኮል ዘይብሉ መስተ ትሑት መጠን ካሎሪ እዩ ዘሎ" ትብል ተመራማሪትን ክኢላ ኣመጋግባን ብሪጅት በነላም።
ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ሓደ ግራም ሸውዓተ ካሎሪ ኣለዎ።
ይኹን'ምበር፡ ኣልኮል ዘይብሎም መስተታት ካብ ካሎሪ ነጻ ከምዘይኮኑ ምዝካር ኣገዳሲ'ዩ።
"ገለ ካሎሪ ዝሓዙ ኣለው፡ ከከም ዓይነቱ ድማ ሽኮር ዘለዎም እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም" ክትብል ተጠንቅቅ።
ካብ ኣልኮል ነጻ መስተ ንጸላም ከብዲ ዝሓሸ ኣማራጺ ድዩ?
"ንነዊሕ እዋን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮል ምስታይ፡ ኣብ ጸላም ከብዲ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ" ይብል ዶክተር ሎግ።
"ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ካብቲ መስተ ክእለ እንከሎ ድማ እቲ ጽልዋ ኣይህልውን።"
እንተዀነ ግን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ሽኮር ምጥቃም ክሕሰበሉ ከምዝግባእ እቲ ክኢላ ኣመጋግባ የጠንቅቕ።
ካብ ኣልኮል ነጻ ዝዀኑ መስተታት "ካብ መጠን ንላዕሊ እንተተሰትዮም፡ ኣብ ጸላም ከብዲ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል'ዮም ኢለ ይሓስብ" ይብል።
ንሓፈሻዊ ጥዕና'ኸ ይምከሩ'ዶ?
ኣዝዩ ኣልኮሉ ዝነከየ ቀይሕ ወይኒ ምስ ከም ሓደጋ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ጥዕና ክሕግዝ ከምዝኽእል ዶክተር ሎግ የመልክት።
ብዘይካዚ፡ ገለ ካብ ኣልኮል ነጻ ዝዀኑ ቢራታት ቪታሚን ቢ ክህልዎም ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ይኹን'ምበር፡ ካብ ኣልኮል ነጻ ዝዀኑ መስተታት ብሓፈሻ ከም ቀንዲ ምንጪ መኣዛታት ከምዘይቑጸሩ ክኢላታት የመልክቱ።
ብተወሳኺ ብዙሕ ፈሳስን ሽኮርን ምውሳድ ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዉ። ኣሲዳዊ መስተታት እውን ኣብ ስኒ ጽልዋ ከሕድሩ ተኽእሎ ኣሎ።

ናይ ገዛእ ርእስኹም መስተ ምድላው
ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ካብ ኣልኮል ነጻ መስተታት ዘይጥዕመኩም እንተዀይኖም፡ ናይ ገዛእ ርእስኹም ዝሓሸ ኣማራጺ ከተዳልዉ ትኽእሉ ኡኹም።
"ኣብ ኣልኮል-ኣልቦ መስተኹም ከምቲ ኣልኮላዊ መስተ እትወስድዎ ዓይነት ጥንቃቐን ኣቓልቦን ምግባር ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል ክኢላ ኮክቴል ፕሪተሽ ሞዲ።
ወሲኹ ድማ፡ "ኪኖ ኣልኮል-ኣልቦ መስተ፡ እቲ እትደልይዎ ነገር ጣዕሚ እዩ፡ ስለዚ ከም መጺጽን ኣሲድን ዝኣመሰሉ ነገራት የድልዩ።"
እቲ ክኢላ ክኮቴል ብቡንን ቶኒክን ከምኡ'ውን፡ ቡንን ጅንጅብልን መኣዛ ዘለዎም ሻሂታት ዝዳለዉ መስተታት ይመርጽ።
"ጽማቝ ቱፋሕ፡ ጽማቝ ለሚንን ቢራ ጅንጅብልን ጥዑም መስተ እዩ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







