ኣልኮላዊ መስተ ክሳብ ክንደይ’ዩ ሓደገኛ? ደረት መጠን'ከ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝዀነ ክፋል ዓለም ምትእኽኻብ ምስ ዝህሉ ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ዳርጋ ዘይርኣየሉ ኢና በጺሕና ዘለና።
ገለ ሰባት ሓንቲ ብርጭቆ ወይኒ ምስታይ ንመደረኻ የመቕሮ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፤ ገለ ከኣ ፉሕፉሕ የብለካ’ዩ ይብሉ።
ብሓፈሻ ኣልኮል ከም መማቕርቲ ምትእኽኻብ ደቂ ሰባት’ዩ ዝውሰድ ዘሎ።
ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት’ዮም ኣልኮላዊ መስተ ዝወስዱ- ንምጽንባል፡ ንምዝንጋዕ፡ ዘለዎም ጭንቀት ንምፉኳስን ካልእ ምኽንያታትን።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ሓንቲ ብርጭቆ ወይኒ ምስታይ ንጥዕና ጽቡቕ ምዃኑ ዝገልጽ ዝተፈለላየ ጽሑፋት ይወጽእ ነይሩ’ዩ።
ሕጂ ግን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀነ መጠን ኣልኮል ንጥዕና ጎዳኢ ምዃኑ ይሕብር ኣሎ።
ቢቢሲ ንጥቕምን ጉድኣትን ኣልኮል ዳህሲስዎ ኣሎ።
መንሽሮን ሞትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ምስ ኣልኮላዊ መስተ ብዝተሓሓዝ ዓመታዊ 2.6 ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብር።
ኣልኮላዊ መስተ መንሽሮ ጡብን መንሽሮ መዓንጣን ዝርከቦ ብውሕዱ ጠንቂ ሸውዓት ዓይነታት መንሽሮ ከም ዝኸውን ይግለጽ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ዋላ እቲ ዝወሓደ ዝብሃል መጠን ኣልኮላዊ መስተ ሓደገኛ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ውሑድ ወይ ማእከላይ መጠን ኣልኮል ዝብሃል 1.5 ሊትሮ ወይኒ ወይ 3.5 ሊትሮ ቢራ ወይ 450 ሚሊ ሊትር ደረቅ ኣልኮል ሓደገኛ ምዃኑ ይጠቅስ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ እታ ንጣብ ኣልኮላዊ መስተ’ውን እንተዀነት ንጥዕናና ብኣሉታ ከምእትጸልዎ’ዩ ዝገልጽ።
ምጉዳል ሃልኪ ኣልኮላዊ መስተ
ውድብ ጥዕና ዓለም ብደረጃ ዓለም ሃልኪ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ 2010፡ 5.7ሊትሮ ንሓደ ሰብ ዝነበረ ኣብ 2019 ናብ 5.5 ሊትሪ ከም ዝጐደለ ይገለጽ።
ብተወሳኺ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ኣልኮል ከም ዘህልኹ ኣብ መጽናዕቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብማእከላይ ገምጋም ደቂ ተባዕትዮ 8.2 ሊትሮ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 2.2 ሊትሮ ኣልኮል ከም ዘህልኹ’ዩ ዝሕብር።
ኣብ ከተማ በርክሻይር ዓዲ እንግሊዝ እትነበር ጓል 44 ዓመት ኣና ታይታ ፈጺማ ኣልኮላዊ መስት ዘቋረጸት ሰብ’ያ።
ንሳ “ብዙሕ ሰታይት ኣይነበርኩን፤ ዓርቢ ግን ከይሰተኹ ክሓልፋ ዘይደሊ መዓልቲ’ያ ነይራ። ዓርቢ ዓርቢ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደስኩ ውሑዳት ቢራ ኢለ ይጅምር ናብ ጂን ይሰግር። ምስ ብዓል ቤተይ ከኣ ሓንቲ ወይኒ ንውድኣ ነይርና፡ እዚ ኩሉ ኣብ ሓንቲ ዓርቢ’ዩ” ትብል።
ኣና ታይታ ብዙሕ ግዜ እቲ ናይ ዓርቢ ቀዳም’ውን ከም ዝድገም ትገልጽ። ገለ ገለ ግዜ’ውን ሓሙስን ሰንበትን ይሕወሶ ከም ዝነበረ ኣይሓበአትን።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ኢላ ክሳብ ማራቶን ዝበጽሕ ልምምድ ክትገብር ምስ ጀመረት ኣሰልጣኒኣ ኣልኮላዊ መስተ ከተቋርጾ ከም ዘለዋ መኺርዋ።
ብዓል ቤታ’ውን ንኣካላዊ ድልዳለ ዝሕግዞ ስፖርት ስለ ዝጀመረ ብምኽሪ ኣሰልጣኒኦም ክልቲኦም ኣልኮላዊ መስተ ደው ካብ ዘብሉ ኣዋርሕ ኣቍጺሮም ኣለዉ።
ኣና ታይታ “ዓቢ ለውጢ’ዩ፡ ሕጂ ጥዕናን ሓይልን ይስምዓኒ ኣሎ” ትብል።
ኣብ ገለ ምስ ኣዕርኹቶም ክእከቡ እንከለዉ ንሳን ብዓልቤታት ከም ዘይሰትዩ ኣብ ዝሕብርሉ ኣዕሩኽቶም ጽቡቕ ከም ዘይስምዖም ከኣ ትሕብር።
ኣመልያ ሀወንስትን ነባሪት ባቫርያ ጀርመን ኰይና፡ መሓዙታ’የን ኣልኮላዊ መስተ ደው ንኸተብል ሓጊዘንኣ።
“ብዘይ መስተ ሕጕስ ምሸት ዘሕልፍ ኰይኑ ኣይስምዓንን’ዩ ነይሩ። ሓሓሊፉ ሰንበት ክትስእ እንከለኹ ብድሮ እንታይ ክገብር ከም ዘምሰኹ ክሳብ ዝርስዕ ክኸውን ምስ ጀመርኩ ደው ከብል ከም ዘለኒ ወሲኒ” ትብል።
ሕጂ ብትርእዮ ዘላ ለውጢ ኣዝያ ሕጉስቲ ከም ዘላ ከኣ ኣመልያ ሀወንስትን ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳይንስ ክጋገ ድዩ ጸኒሑ?
ኣና ታይታን ኣመልያ ሀወንስትንን ኣልኮላዊ መስተ ደው ምባል ክሳብ ክንደይ ጠቃሚ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ።
ካናዳዊ ተመራማሪ ዶክተር ቲም ስቶክወል እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝህቦ ዘሎ መጠንቀቕታ ኣዝዩ ጠቃምን ኣእማንን ከም ዝዀነ’ዩ ዝሕብር።
“ኣልኮላዊ መስተ ጐዳኢ’ዩ፤ ክንሰቲ ኣብ ዝጀመርናሉ ከኣ ኣብ ኣካላትና ጉድኣት ከውርድ ይጅምር” ይብል።
ንሱ ኣብ መንጐ ሞትን ውሑድ መጠን ኣልኮልን ዘሎ ምትእስሳር ዝምልከት 107 መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣዳልዩ ኣሎ።
ሓደ ነገር ካብ 100 ንሓደ ሰብ ዝቐትል እንተዀይኑ ማእከላይ ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ፤ ካብ ሽሕ ንሓደ ሰብ ዝቐትል ነገር ከኣ ትሑት ተባሂሉ ከም ዝግለጽ መጽሄት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ይገልጽ።
እቲ ውሑድ መጠን ኣልኮል ዝብሃል ነገር ግን ዓቐኑ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ’ዩ።
ንኣብነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሰሙን ትሕቲ 14 ዓቐን ወይ ሽዱሽተ ማእከላይ ብርጭቆ ወይኒ ምስታይ ውሑድ መጠን ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።
ዶክተር ቲም ስቶክወል ግን እቲ ሃገራት ውሑድ ወይ ማእከላይ ዓቐን ኣልኮል ኢለን ዝገልጽኦ እኹል መጽናዕቲ ዘይተገበረሉ ብሃሰሰ ለባብ ዝተባህለ ከም ዝዀነን ክማላእ ዝነበሮ ዝተረሰዐ ካልእ ሮቋሒታት ከም ዘሎን’ዩ ዝሕብር።
“ሓደ እኹል ኣታዊ ዘለዎ ዝተመጣጠነ መግቢ ዝብልዕ፡ ውሑድ ኣታዊ ዘለዎ እኹል መግቢ ዘይረኸበን ሓደ ዓይነት መጠን ኣልኮል እንተወሲዶም ኣብ ኣካላቶም ዘኸትሎ ሳዕቤን ክፈላለ ግድን’ዩ” ብምባል ከኣ ከም ኣብነት ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንስለ ምዝንጋዕ ዕድሜኻ ምሕጻር
ብዙሕ ሰብ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ ዝስዕብ ሓደጋታት ብዙሕ ኣየሻቕሎን’ዩ።
ፕሮፌስር ሰር ደቪድ ስፒንግልሃልተር “ሰብ ኣብ መዓልቲ ሓደ ክልተ ቢራ ምስታይ’ውን ሓደገኛ ምዃኑ ክርድኦ ኣይክኣለን ዘሎ” ይብል።
ዋላ እቲ ዝውሓደ ዓቐን ኣልኮል ከኸትሎ ዝኽእል ሓደጋ ክገልጽ እንከሎ “እዚ ድሓን’ዩ ዝብሃል መጠን ኣልኮል የለን፤ ኰይኑ ግን መስተ ክሕረም እትርእዮ ሰብ ኣዝዩ ድሩት’ዩ” ይብል።
ሰብ ሓንቲ ንጣብ ኣልኮል’ውን ተስዕቦ ሓደጋ ቀሚሩ ንምርድኡ ዝጽገም ዘሎ ኰይኑ ይስማዓኒ ኢሉ።
“ሓደጋ ክንብል እንከላ ካብዛ ኣብዛ ዓለም ክንብረለን ዝግብኣና መዓልታት ጫጪፉ ዝወሰድ’ዩ። ዕድሜና ዘሕጽር’ዩ፤ ሓደ ሰብ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዋላ እቲ ዝወሓደ መጠን ኣልኮል እንተሰትዩ ካብ ዕድሚኡ ሽዱሽተ ኣዋርሕ’ዩ ዝጉድል ዘሎ ወይ ከኣ መዓልታዊ 15 ደቂቕ ካብ ዕምሩ ንዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት ከጉድል ጸኒሑ”ይብል ፕሮፌስር ሰር ደቪድ ስፒንግልሃልተር።
ፕሮፌስር ሰር ደቪድ ስፒንግልሃልተር ሰብ ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣርኣእያ ክቕይር ከም ዘለዎ’ዩ ዝምዕድ።
ዶክተር ቲም ስቶክወል ብወገኑ፡ ንሱ መስተ ከም ዝሰቲ ብምግላጽ “ኣልኮላዊ መስተ የዘናጋዕኒ’ዩ ሓጎስ ይህበኒ’ዩ ኢልኩም እንተኣሚንኩም ክትሰትይዎ እንከለኹ ኣብ ጥዕናኹም ዘኸትሎ ሳዕቤን ክትርድእዎ ኣለኹም። ነዚ ክልቲኡ ሚዛኑ ክትሕልውዎ ከኣ ኣለኹም” ብምባል ይምዕድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







