መዓልታዊ ዓቐን ሽኮር ሰብነትና ንምምጥጣን ክልተ ብርጭቆ ነቢት ጥራይ እኹል'ዩ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ወይኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዙርያ ልዕሊ 30 ጠራሙዝ ነቢት (ዋይን) ድሕሪ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ ዓቐን ሽኮር ሰብነትና ንምምጥጣን ክልተ ብርጭቆ ነቢት ጥራይ እኹል ከም ዝኾነ ሓደ መጽናዕቲ ኣነጺሩ።

ኣልኮል ሄልዝ ኣላያንስ ብሪጣኒያ: ገሊኦም ናይ ነቢት ጠራሙዝ ክሳብ 59 ግራም ሽኮር ከም ዘለዎም ይገልጽ።

ኣብ ቀይሕ፣ ጻዕዳ፣ ሮዛ፣ ናይ ኣትክልትን ስፓርክሊንን ነቢታት ኣብ ቤተ ፈተነ ምጽራይ ክግበረሎም እንከሎ ኩሎም ናይ ኒዩትርሽን ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ተራእዩ።

በዚ: ትሕዝቶ ካሎሪ ስፓርክሊን ነቢት ጥራይ ክፍለጥ እንከሎ ጎስጎስቲ ተጠቀምቲ ነቢት ክንደይ ዝኣክል ካሎሪን ሽኮርን ይወስዱ ምህላዎም ንክፈልጡ ለውጢ ክግበር ይሓቱ።

"ጸባ ዝጥቀሙ ሰባት ወይ ጽሟቕ ኣራንሺ ዝገዝኡ ሰባት ኣብቲ ዝደልዩዎ ኣቕሓ ዝርዝር ሓበሬታ ይረኽቡ'ዮም። ናብ ኣልኮላዊ መስተ ክመጽእ እንከሎ እዚ ሓበሬታ ኣይርከብን፤ ኣልኮል ዋላ'ኳ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ እንተዘየምጽአ ጥዕናዊ ሳዕቤንን ምስ ሸውዓተ ዓይነታት መንሽሮ ዝተሓሓዝ ጉድኣትን ኣለዎ'ዩ" ይብል ኣቦ መንበር ኣልኮል ሄልዝ ኣላያንስ ፕሮፌሰር ሰር ኢያን ጊልሞር።

ትካል ጥዕና ዓዲ ኢንግሊዝ: ኣባጽሕ: ኣብ ናይ ፍሩታታት ጽሟቕ ወይ ኣብ መግብን መስተን ዝሕወስ ሽኮር ሓዊሱ ኣብ መዓልቲ እንተበዝሐ 30 ግራም "ናጻ ሽኮር" ክወስዱ እዩ ይምዕድ።

እቲ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ክህልዎ ወይ ክወስዶ ዝግባእ ዓቐን ሽኮር ድማ ክልተ ማእኸለዎት ብርጭቆ ነቢት ብምስታይ ክበጽሖ ከም ዝኽእል ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።

እቶም ብርቱዓት ዘይኮኑ ነቢታት ድማ ካብቶም ልዑል መጠን ሽኮር ዘለዎም ኮይኖም: ናይ ኣልኮል መጠኖም ትሑት ስለ ዝኾነ ንጥዕና ተመረጽቲ ኣይኮኑን።

መግለጺ ቪድዮ, "ናይ መስተ ሰዓት ሕጊ ክወጽኣሉ'ለዎ"