ዝተሓዋወሰ መስተ ኣብ ካሊኢታት ብምስታይ ህቡብ ዝኾነ ሓረስታይ ብዛዕባ ቻይና እንታይ የመላኽት?

ምንጪ ስእሊ, Liu Shichao
ሓደ ቢራ፣ ሓደ ታኒካ ፔፕሲ፣ ኣብ ዓብዪ ብርጭቆ ዝተቐድሐ ስፕራይትን ዘይበሰለ እንቋቑሖን ሓዊስኩም እንታይ ትረኽቡ?
እዚ ኹሉ ሓዊሱ እናሰተየ ንርእሱ ዝቐድሐ 'ሊ ሻቻኦ' ካልእ ኣይረኸበን፤ እንታይ ድኣ፡ ኣብ ትዊተር 12 ሚልዮን ሰባት ነዚ ቪድዮ ብድናቆት ርእዮምዎ። በዚ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣፍሪዩ።
ግንከ፡ ሓንቲ ዝተቐድሐት ምስሊ ጥራሕ ኣይኮነትን። ኣብ ካልእ ትሕዝቶ፡ ሲጋራ የትክኽ፣ ሽዱሽተ 'ኮክቴይል' ኣንዲዱ ድማ ኩሎም ብሓንሳእ እናውሓጦም ዘርኢ ጠቂዑ።
ካልኦት 800 ሽሕ ሰባት ድማ ነዚ ትሕዝቶ ርእየምዎ።
ቐጺሉ ድማ፡ ቮድካ፣ ዊስኪ፣ ቀይሕ ወይኒ፣ ቢራን እንቋቑሖን ሓዊሱ ከም ማይ ሰትዩዎ፤ 500 ሽሕ ሰባት ኣምጺኡ።
እዚ ሊ ሺቻኦ ግን መን'ዩ? እንታይ'ዩ ዝገብር ዘሎ? እቶም ዝዝርግሖም ምስሊታት'ከ ብዛዕባ ኣልኮላዊ ጽምኢ ቻይና እንታይ የመልክቱ? ናይ ብዙሓት ሕቶታት ክኾኑ ይኽእሉ።

መጀመርታ ሊ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፤ ሸውዓተ ጥርሙዝ ቢራ ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ካልኢት እናሰተየ ብምስሊ ቀዲሑ።
"ሓደ መዓልቲ ሰባት ቢራ እናሰተዩ ዘርኢ ምስሊ ርእየ" ዝበለ ሊ፡ "ኣነ'ውን ከምኡ ክገብር ይኽእል'የ" ኢሉ ሓሲቡ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ እቶም ዝተፈላለየ ዓይነት መስተ ኣብ ሓጺር ግዘ እናሰተየ ዘርእዩ ምስሊታቱ፡ 'ንኪዋሾው' ንዝተብህለ መርበብ ሓበሬታ ክህብ ጀሚሩ።
"ሓጸርቲ ዝኾንሉ ምኽንያት፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ሓንቲ ደቒቕ ጥራሕ ስለ ዝፈቕደለይ'ዩ። ስለዚ፡ በታ ዝተውህበትና ደቒቕ ንክንውድእ ቀልጢፍና ክንሰትዮ ኣለና"።

ምንጪ ስእሊ, Liu Shichao
እዞም ቪድዮታት ዝዝርግሕ ዝነበረ መርበብ ሓበሬታ ቅድሚ ምዕጻው፡ ሊ በዚ ስርሑ፡ 470 ሽሕ ተኸተልትን፡ ኣብ ወርሒ ክሳብ 10 ሽሕ የን [1400 ዶላር] ይረክብ ነይሩ።
ብነሓሰ ግን፡ ሓደ ካብቶም እዚ መርበብ ሓበሬታ ዝዝርግሖም ምስሊታት ናብ ትዊተር መጺኡ። ንፈለማ እዋን፡ ሊ ካብ ቻይና ወጻኢ ተፋላጥነት ረኺቡ።
"ሰባት ኣብ ትዊተር ህቡብ ከም ዝኾንኩ ክነግሩኒ ጀሚሮም። ብዛዕባ ትዊተር ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይብለይ፡ ትዊተርከ እንታይ'ዩ ኢለ ይሓቶም" ይብል።
'በዓልቲ ቤተይ ሕጉስቲ ኣይኮነትን'
ወዲ 33 ዓመት ሊ፡ ሄቢ ኣብ ዝተብሃለት ኣብ ጥቓ ቤጂንግ ኣብ እትርከብ ከባቢ'ዩ ዝነብር። ንነብሱ "ሓረስታይ" ኢሉ ይጽውዓ።
ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ስለ ዘይዛረብ፡ ምስሊታቱ ኣብ ኢንተርነት ንምዝርጋሕ፡ ቋንቋ ዝትርጉመሉ ናይ ኮምፒዩተር ትእዛዛት ይጥቀም።
"ካብ ገጠር ከባቢ ስለ ዝመጻእኹ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን"።
ኣብ ቻይና፡ ትዊተር ዕጽው'ዩ። ሊ፡ ብዛዕባ እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ሰምዐ ግን 'ቪፒኤን' ተጠቒሙ ብምእታው፡ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ 60 ሽሕ ሰዓብቲ ኣፍሪዩ።
"እዞም ወጻእተኛታት ኣድነቕተይ፡ ዝምስጡን መስሓቕትን'ዮም" ዝብል ሊ፡ "ሓደ ቱርካዊ፡ ናይ ቱርኪ ቢራ ንኽሰደለይ ኣድራሻይ ሓቲቱኒ" ይብል።
እዞም ዝዝርግሖም ምስሊታት፡ ሕጂ'ውን ገንዘብ የምጽእሉ ኣለው። ብኢንተርነት ስጋ ብምሻጥ'ውን ተወሳኺ እቶት ይረክብ።
መብዛሕትኦም ደገፍቲ ሊ፡ ደቂ ተባዕትዮ'ዮም። "መስተ ዝፈትው ይመስለኒ፤ ቁሩብ ቅንኣት ከይተሰምዖም'ውም ኣይተርፍን" እንትብል፡ በዓልቲ ቤቱ ግን እዚ ናእዳ ፈጺማ ኣይትቕበሎን።
"ብጣዕሚ ትሓርቕን፡ ኩነታት ጥዕናይ የስግኣን። ብዙሕ ግዘ ኣብዚ ጉዳይ ንቋየቕ ኢና"።
ምጭንቓ ልክዕ ድዩ?
ሊ፡ ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ኣይኮንኩን ኢሉ ይካታዕ። "በይነይ ኮይነ ሰትየ ኣይፈልጥን። እቶም ካብ ሰሜን ቻይና ዝመጽኡ ሰባት'ዮም ንብሕቶም ዝሰትዩ"።
ዝኾነ ዓይነት ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘይስምዖ'ውን ይዛረብ። "ስቕ ኢለ ክሰቲ ይኽእል'የ"።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ምስሊ፡ "ኩሎም ምስሊታት ዓውዲ ዓቕሚ መሰረት ዝገበሩ'ዮም። ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ፍቑድ ኣይኮነን" ይብል።
በዓልቲ ሞያ ጥዕና ዶክተር ሳራ ካያት ግን፡ ጉድኣት እዞም መስተታት ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽሰት ስለ ዝኾነ፡ ዕብሰት፣ ተምላስን ንዝኣመሰሉ ሕማማት ክቃላዕ ይኽእል'ዩ ትብል።
"ልዕሊ ዓቐን መስተን ጠለብ ኣልኮላዊ መስተታትን፡ ሕልኽላኽ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ሕማም ጸላም ከብድን ከምጸዕእ ይኽእል'ዩ። እዚ፡ ምስ ምውሳኽ ጸቕጢ ደም፣ ስሩዕ ዘይኮነ ውቅዒት ልብን መንሽሮን'ውን ክተሓሓዝ ይኽእል'ዩ" ኢላ።

ቻይና ስሉጥ ዕብየት ብዘመዝገበት ቑጽሪ፡ ናይ ኣልኮሆል ሸውሃታ ይኽፈት'ዩ ዘሎ።
ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብ 2003 ዓቐን ዘይብሉ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ህዝባ 4 ሚኢታዊት ይራሕ'ዮም ነይሮም። ኣብ 2016 ግን፡ እዚ ቑጽሪ ናብ 23 ሚኢታዊት ዓብዩ።
ቑጽሪ ሰተይቲ ደቂ ተባዕትዮ እንትርኣይ'ውን፤ ኣብ 2003 7.5 ሚኢታዊት ዝነበረ፡ ኣብ 2016 ናብ 36 ሚኢታዊት ክብ ኢሉ።
ኣብ ዙርያ ኣልኮላዊ መስተ ቻይና ብዙሓት ጽሑፋት ዝጽሓፈ ክኢላ ፖሊሲ ኣልኮል ዩኒቨርሲቲ ላ ትሮቤ፡ ሜልበርን ዶክተር ጃሶን ጂያንግ፡ ጉዳይ ሊ፡ መርኣያ እቲ ኣብ ቻይና ዘሎ ዝንባለ'ዩ ይብል።
"ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ምስታይ ባህሪ ኣለዎ። እቲ ጸገም ክኣ፡ ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ትዊተር ዝጥቅዖም ምስሊታት ስለ ዝፈትውሉ'ዩ፤ እዚ ባዕሉ ዓብዪ ጸገም'ዩ" ኢሉ።
"ካልኦት ተመሳሰልቲ ስራሕቲ ይዕዘብ'የ፤ መናእሰይ ከምዚ ብምግባሮም ዘለዎም ናይ መስታይ ክእለት ብምርኣይ ኩርዓት ከም ዝስምዖም ክገልጹ ይደልዩ። ግን ድማ፡ ሓደጋ መስተ ኣብ ሓጺር እዋን ስለ ዘይርኣይ፡ መንሽሮን ሕማም ጸላም ከብድን ክኽሰት ከም ዝግበር ክግንዘቡ ይግባእ። ብሱሩ'ውን ዓቐን ዘይብሉ ኣልኮላዊ መስተ፡ ጎነጽ፣ ሓደጋ ትራፊክን ካልኦትን የስዕብ'ዩ"።
ሊ፡ ግን፡ ዋይን፣ ስፕረይት፣ ሲጋራን እንቋቑሖን ሓዋዊሱ ብዝፈጥሮ ዓይነት መስተ፡ እቲ ዝረኽቦ ዘሎ ህቡብነት ይሕጎሰሉ ምህላው'ዩ ዝገልጽ።
"ንደገፍኹምን ፍቕርኹም ኣዝየ የመስግን" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጽሒፉ ነይሩ።
"ኣብ ገጠር ዝነብር ተራ ሰብ'የ፤ ንዓኹም ብምርካበይ ግን ሕጉስ'የ። ካልኦት ዝገርሙ ምስሊታት ክሰፈደልኩም ክጽዕር'የ። ይፈትወኩም'የ"።
ንሱ ኣብ ትዊተር ብዝረኽቦ ዘሎ ህቡብነት፡ ቢራ፣ ወይኒ ሩዝ፣ ስፕራይት፣ ሬድቡልን እንቋቑሖን ሓዊሱ ዝሰትየሉ ግዘ፡ ናብ ሸሞንተ ሴኮንድ ትሕት ኣቢሉዎ ኣሎ።
ናይ ጥዕና ድዩ?





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







