ሜታኖል፡ ብምስማም ሰባት ይቐትል

ካርዲ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኮፍ ኢሉ
መግለጺ ስእሊ, ካርዲ፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኮፍ ኢሉ

ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም፡ ኣብ ገዛ ብባህላዊ መንገዲ ዝተጾምቀን ዝተጠጅአን መስተ ምስታይ ንቡር እዩ። ብዋጋ ክጥመት ከሎ`ውን ብተዛማዲ ሕሱር ስለዝኾነ፡ እቲ ድኻ ግዳይ ናይዞም ልዑል ዓቕን ኣልኮል ዘለዎም መስተ ይኸውን።

ገሊኡ ይዓውር፡ ይስንክል፡ ገለ ድማ ይመውት። ንኣብነት፡ ኣብ ኬንያ ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን፡ ቅልጢፍካ ቅተለኒ [ኪል ሚ ክዊክ] ዝብሃል ሓደገኛን ህይወት ብዙሓት ዘጥፍአን ዘሰንከለን ዘይሕጋዊ መስተ ነይሩ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ስዋን ሜስን ገለ ካብቲ ባህላዊ መስተታት ክኾኑ ከለው፡ ክሳብ ሕጂ ዘስዓብዎ ጉድኣት ግና ኣይተራእየን፡ ኣይተሰምዐን። ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ደቡብ ካብ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝስተ መስተ፡ እቲ ኣብ ገዛውቲ ዝጽሞቕ ዘይሕጋዊ መስተ ኢዩ ኢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ።

ነብሲ ወከፍ ወርሒ፡ ብርክት ዝበሉ ኢንዶኔዥያውያን ኣብ መርዓን ካልእ ህዝቢ ዝራኸበሉ ብዓላት ድሕሪ ምስታፍ ከምዝሓሙ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ሕማማት ኮነ ሳሕቲ ዝርአ ሞት፡ ኣብቲ ገዛውቲ ተጸሚቑ ዝቕረበሎም፡ ሓደገኛ ዓቐን ኣልኮል (ሜታኖል) ዘለዎን ሕሱር መስተ ኢዮም ዘላግብሉ።

ድሕር`ቲ ሓደገኛ መስተ ምስታይ ዝኽሰት ሕማምን ሞትን ድማ ኣገዳሲ ዜና ኮይኑ ይቃላሕ። እዚ ኣብ ኢንዶኔዥያ ጥራይ ኣይኮነን ዝርአ። ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ሰባት ሕሱር መስተ ብምስታይ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቕዋ።

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብዝፍጠረሉ፡ እቶም ሓካይም ኣፍልጦ ናይቲ ኩነታት ስለዘይብሎም፡ ነቲ ዘጓንፍ መጉዳእትን ሞትን ንምክልኻል ኣይክእሉን ይብሉ ክኢላታት።

ኣብ ሻውላት ርእሲ ከተማ ጃካርታ፡ ኢንዶኔዝያ፡ ዝነብርን ናይ ሞቶር ብሽክሌታ ሜካኒክ ዝኾነ፡ ካርዲ፡ ንዓመታት እቲ ኣብ ገዛ ዝጽሞቕ ዘይሕጋዊ መስተ ከምዝሰቲ ዝነበረ ይዝክር። ንዕኡ ``ሓይሊ ዝህብ`` መስተ ኢዩ ነይሩ።

``ክጅሃር ኣይደልን፡ ግና ገንዘብ ስለዝነበረኒ፡ መዓልታዊ ኢየ ዝሰቲ ነይረ`` ኢሉ ካርዲ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ስሩዕ ዓሚሉ፡ ካብቲ ሕሱር ዘይሕጋዊ መስተ ሒዙ ናብቲ ጋራጅ ይመጽእ።

``ካብቲ ሒዝዎ ዝመጸ ሸሞንተ ጠራሙስ ሰትየ። ክልተ፡ ሰለስተ ዝኾና ሞተር ብሽግሌታታት ድሕሪ ምዕራይ፡ ነታ ራብዓይቲ ኣይተንከፍኩዋን። ምስታይ ቀጺለ። ዳሕራይ ስዓት 2 ናይ ለይቲ ምዃኑ ተረዲኡኒ`` ኢሉ ካርዲ።

ድሕር`ዚ ስኽራን ዝፈጠሮ ቀጨውጨው ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ጸገማት ከምዘስዓበሉ ተረዲኡ። ለይቲ ካብ ድቃሱ ብኽቱር ሕማም ቅርጸት ተበራቢሩ። ኣይጸንሐን፡ ሃልዋቱ ኣጥፊኡ።

ካርዲ
መግለጺ ስእሊ, ካርዲ፡ መሓዙቱ ሞይቶም ንሱ ምድሓኑ፡ ንነብሱ ከም ዕድለኛ ይቖጽራ

ገለ ኣባላት ስድራቤቱ ናብ ሆስፒታል ወሲዶምዎ፡ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ግና ኣስላም ስለዝነበሩ ሰኺሩ ንዝመጸ ሰብ ኣይንሕክምን ብምባል ኣብዮሞ፡ መስተ ሰትዩ ስለዝነበረ። እዚ ግና ንቡር ፍጻመ ኣይነበረን። ኣብታ ካልአይቲ ዝኸድዋ ሆስፒታል`ውን ክመልስዎ እናተደናደኑ ከለው፡ ብዕድል ሓደ ቅድሚ ሕጂ ሞተር ብሽግሌትኡ ዘዐረየሉ ሓኪም ኣብ ስራሕ ስለዝነበረ፡ ክሪኦ ወሲኑ። ናይ ሜታኖል ምስማም ዝፈጠሮ ጸገም ከምዝኾነ ድማ ኣረጋጊጹ።

ሜታኖል ኣብ መስርሕ ምጽሟቕን ምስራብን [ዲስቲሌሽን] ዝምስራሕ ሓያል ኣልኮል ኢዩ። እቶም ኣብ ፋብሪካታት ዝምስርሑ ኣልኮላዊ መስተ ነቲ ዓቐን ናይቲ ኣልኮል ወዲሰብ ክጥቀመሉ ናብ ዝኽእል ዓቐን ስለዘጉድለዎ ድማ ሃስያኡ ዝጋነን ኣይኮነን።

እቶም ኣብ ድሕሪ ገዛውቶም ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ዝጾምቁ ኣስሓኮ ዘይብሎም ጸሞቕቲ ግና መኽሰቦም ከይጎድሎም ዋላ ካብቲ ኣብ ፋብሪካታት ዝጽሞቕ ሜታኖል ይውስኽሉ። ኣብቲ ብባህላዊ መንገዲ ዝጽሞቐሉ እዋን ዝያዳ ስለዘብኩዕዎ ዓቐን ናይቲ ኣልኮል ክብ ይብል።

ምስ መሰየ፡ ካርዲ ስኽራኑ ዘፍ ኢሉሉ። ኣካላቱ ግና ስለዝተሰመመ፡ ቅሓር፡ ቃንዛ ኣብ ኣፍልቡን ኣብ ከስዕኡን፡ ሕማም ርእስን ዓይኑ ድማ ጽልግልግ ክብሎ ጀሚሩ።

እቲ ሓኪም ህይወቱ ከድሕኖ ክኢሉ`ዩ፡ እንተኾነ እቲ ናይ ካርዲ መጉዳእቲ መጻኢ ሂወቱ ዝቕይር ኢዩ ነይሩ። ግዚያዊ መልመስቲ ምሉእ ኣካላቱ ኣስዒብሉ ስለዝነበረ ድማ፡ ምንቅስቓሳቱ ናብ ንቡር ኣይተመልሰን። የዒንቱ`ውን ኣዝየን ተሃስየን ስለዝነበራ፡ ኣብ ዝቕጽላ ዓመታት ጨሪሰን ዓዊረን እየን።

ድሕር`ዚ ተስፋ-ኣልቦ ኩነታት፡ በዓልቲ ቤቱ ራሕሪሓቶ ከይዳ። ኣብዚ እዋን፡ ካርዲ ጽግዕተኛ ናይቶም ጎረባብቱ ኮይኑ ይርከብ።

በቲ ዝተገብረሉ ሕክምና ነተን ብጠቐር ዝተሸፈና የዒንቱ ንቐረባ ነገራት ክርኢ ስለዘኽኣሎ ድማ፡ ብሓደ ወገን ዕድለኛ እየ ኢሉ። እቶም መሳትይቱ ዝነበሩ ክልተ የዕሩኽቱ ግና ሽዓ ምሸት ኢዮም ሞይቶም።

`ሓራም`

``እንተድኣ ንሰባት ሜታኖል ክስምም ሪኢኹም ዶ ኢልካ ምስተሓትት፡ ኩሎም ኣይፋል ኣይሬእናን ኢዮም ዝብሉ`` ኢሉ ኣብ ኦስሎ ዩኒቨርስቲ ፡ ብዛዕባ ሜታኖል ዝስዕቦ ጸገማት ዝመራመር ዓለማዊ ክኢላ።

``እንተድኣ ሰባት ብሰንኪ መስተ ክዓውሩ ወይ ድማ ክሞቱ ሪኢኹም ዶ ኢልካ ምስትሓቶም ድማ፡ እወ ኩሉ ሻዕ ብሰንኪ ሜታኖል ዘጓንፍ ፍጻመ ኢዩ`` ይብሉ።

ኦስሎ ዩኒቨርስቲ ምስ ዶብ-ኣልባ ናይ ሓካይም ማሕበር ኣብዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ለካቲት 2019፡ ኣብ ግዝኣት ኣሳም፡ ህንዲ፡ ኣብ ናይ ቆጽሊ ሻሂ ናይ ሕርሻ ቦታ ዝሰርሑ ኣስታት 150 ዝኾኑ፡ ነቲ ኣብ ገዛውቲ ዝተጾምቀ መስተ ድሕሪ ምስታይ ክሞቱ ከለው ብዙሓት ዒሮም ካልኦት ድማ ሰንኪሎም።

ፖሊስ ኢንዶኒዥያ፡ ዘየሕጋዊ መስተታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ የወግድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ኢንዶኒዥያ፡ ዘየሕጋዊ መስተታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ የወግድ

ኣብ ኢራን`ውን እዚ ጉጅለ ሓካይም ኣብዝገበሮ መጽናዕቲ ፡ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ መስተ ብምስታይ 84 ሰባት ብምስማም ሜታኖል ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 1,000 ሰባት ተመሳሳሊ መስተ ብምስታይ ሆስፒታል ክእትዉ ከለው፡ ሆስፒታል ከይበጽሑ ድማ ብዙሓት ከምዝሞቱ፡ ኣባል እታ ጉጅለ ዝኾነ ዶክተር ሆቭዳ ገሊጹ።

``ኣሽሓት ሰባት ብሰንኪ`ዚ ዘይሕጋዊ መስተ ይዓውሩን ይሞቱን ኣለው`` ኢሉ ዶክተር ሆቭዳ።

ናይ ስነ-ምግባር ሕቶ ኣይኮነን፡ ሕማም`ዩ

ኣብተን ከም ኢንዶኔዥያ ዝኣመሰላ ኣስላም ዝበዝሑለን ሃገራት፡ መስተ ምስታይ ሓራም ወይ ድማ ክልኩል ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እቶም ሰባት ካብ ሕፍረት ወይ ድማ ከይውንጀሉ ብምፍራሕ ናብ ሆስፒታላት ብምኻድ ሓገዝ ኣየናድዩን።

``ኣብ ከም ኢንዶኔዥያ ዝኣመሰላ ሃገራት እዚ ጉዳይ ዓቢ ሽግር ኢዩ`` ኢሉ ዶክተር ቼኔሪ ሊም ኣባል ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም።

ኣብቲ ጎስጓስ እነካይደሉ እዋን እቲ ሽግር ``ናይ ስነ-ምግባር ሽግር ዘይኮነ ሕማም`` ከምዝኾነ ኢና ንገልጸሎም።

ነቲ ብሰንኪ ሜታኖል ምስታይ ዝኽሰት ምስማም ንምፍዋስ፡ ስጋብ ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ ሓገዝ ኣትረክብ ኤታኖል ዝተባህለ ኣልኮል - ከም ብዓል ቮድካን ጂንን - ዝእኣመሰሉ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ሓጋዚ ኢዩ።

ምኽንያቱ፡ ከምቲ ካርዲ ዘጓነፎ፡ እቶም ሓካይም ኣስላም ስለዝነበሩ ኤታኖል [ኣልኮል] ምሃብ ሓራም ስለዝኾነ ኣብዮሞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም መስተ ሰትዮም ናብቲ ሆስፒታል ዝመጹ ሕሙማት ዝኾነ ሓገዝ ኣይገብሩሎምን።

ጸባ ኮኮናት ብምስታይ ክንፍውሶ ንኽእል`ዶ?

ልሃኒ ዴቪስ ዝተባህለት ኣውስትራልያዊት፡ ወዳ ኣብ 2012 ንዕረፍቲ ናብ ኢንዶኔዝያ ምስ ከደ፡ ሜታኖል ብምስታዩ ስለዝተሰመመ ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ከይዱ፡ ኣብቲ ሆስፒታል 20 ሰዓታት ገይሩ ከብቅዕ፡ ግቡእ ሕክምና ብዘይምርካቡ ናብ ኣውስትራልያ ይኸይድ፡ ድሕሪ ሰለስተ ስዓታት ድማ ይዓርፍ።

እቲ መስተ ሜታኖል ኣብቲ ሃገር ዘስዕቦ ዝነበረ ጸገማት ብምርዳኦም [ወዲ ልሃኒን የዕሩኽቱን]፡ ነቲ ብባህላዊ መንገዲ ዝተጾምቀ መስተ ገዲፎም ካብ ደገ ዘመጸ መስተ ክሰትዩ ኢዮም ወሲኖም። እቲ ዘይፈለጥዎ ነገር ግና፡ እቶም ሰብ ባር ነቲ ኣብ ገዛ ዝተጾምቀ መስተ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ደገ ጠራሙስ መሊኦም ይሸጥዎ ስለዝነበረ፡ ወዲ ልሃኒ ይስመም።

ልሓኒ ድሕሪ ሞት ወዳ 'ላይፍ ሴቪንግ ኢኒሼቲቭ' ዝብሃል ገባር ሰናይ ማሕበር ብምምስራት እቶም ናብ ኢንዶኔዝያ ዝኸዱ በጻሕቲ (ቱሪስት) ሜታኖል ከይሰትዩ ክትጉስጉስ ጀሚራ።

እቲ ሓካይም ክፈልጥዎ ዘለዎም ሜታኖል ብምስታይ ዝፍጠር ምስማም ስኽራን ስለዘይኮነ እቶም ሓካይም ተቐላጢፎም ፍሉይ ሕክምና ክገብሩሎም ኣለዎም ኢላ ልሃኒ። ዋላ ኤታኖል ብምሃብ ነቲ ኩነታት ከዕግስዎ ይኽእሉ ኢላ።

ግዳያት ምስማም ኢታኖል ሕክምና እናተዋህቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty/MIGUEL ALVAREZ

መግለጺ ስእሊ, ግዳያት ምስማም ኢታኖል ሕክምና እናተዋህቦም

``ገለ ኣባላት እቲ ሕብረተ ሰብ ነዚ ብሜታኖል ዝኽሰት ምስማም፡ ጸባ ኮኮናት ብምስታይ ክንፍውሶ ንኽእል ዶ? ብባህላዊ ኣፋውስ`ከ ወይ ድማ ጸሎት ብምግባር ክፍወስ ይኽእል`ዶ`` ኢሎም ይሓቱ።

``ነዞም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ ኣይፋል፡ እዚ ሰብ ዝፈጠሮ ምስማም ስለዝኾነ ብባህላዊ መንገዲ ኣይፍታሕን ኢዩ። እቲ እንኮ ፍታሕ ዘመናዊ ሕክምና ጥራይ ኢዩ ንብሎም`` ኢላ ልሃኒ።

መንግስቲ ኢንዶኔዥያ ነዚ ባህላዊ መስተ ኣብ ልዕሊ ዝጸምቁን ዝሸጡን ነጋዶ ተሪር ስጉምቲ ይወስደሎም፡ ነቲ ዝሓዞ ዘይሕጋዊ መስተ ድማ ይደፍኦ።