ትካላት ስፖርት፡ ሓይሊ ዝህብ መስተ ንትሕቲ ዕድመ ኣጊደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩለን ህዝባውያን ትካላት ስፖርት ስኮትላንድ ሓይሊ ዝህብ መስተ ንትሕቲ 16 ዓመት ዝኾኑ ንኸይሽየጥ ኣጊደን።
እዚ ኣብ ልዕሊ ካፈይን ዝተባህለ ቀመም ብብዝሒ ዘሎዎ መስተ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ውጽኢት ስራሕ መንግስቲ ስኮትላንድን ሓደ 'ኮምኒቲ ለይዠር ዩኬ' ዝተባህለ ትካልን ምዃኑ ኢዩ ዝግለጽ።
ብድምር 1300 ነቑጣታት፡ ነቲ ስጉምቲ ተግባራዊ ገይረንኦ ኣለዋ።
ሚኒሰተር ክንክን ጥዕና ጆ ፊዝፓትሪክ፡ ነቲ ስጉምቲ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ብብዝሒ ሽኮር ከም ዘለዎ ዝግለጽ መስተ፡ ኣብ ጥዕና ህጻናት ጉድኣት ከም ዘኸትል ኢዩ ዝንገረሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እቲ መስተ ምስ ሕማም ርእሲ፡ ናይ ድቃስ ጸገማት፡ ቑጥዐን ድኻምን ምትእስሳር ከም ዘለዎ የነጽር።
'ኮምኒቲ ለይዠር ዩኬ' ነቲ ስጉምቲ "ጥዕና መንእሰያት ንምርግጋጽ ኣብ ንገብሮ ወፍሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ ኢዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ሆስፒታላት ዝርከባ ኣብያተ ሸቐጥን ቤት መግብታትን፡ ድሮ ነቲ ስጉምቲ ተግባራዊ ገይረንኦ ኣለዋ።
ጆ ፊዝፓትሪክ፡ ነቲ ብህዝባውያን ትካላት ስፖርት ዝተወስደ ንትሕቲ 16፡ ሓይሊ ዝህብ መስተ ናይ ዘይምሻጥ ስጉምቲ "ተባዕ" ክብል ንኢድዎ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ከምዚኦም መስተታት ምህላኽ ንወለድን ንሰብ ሞያ ጥዕናን ነቶም መንእሰያት ንባዕሎምን ኣሻቓሊ ኮይኑ ምጽንሑ መንግስቲ ስኮትላንድ ከምዝተገንዘቦ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







