ውርይቲ ተዋሳኢት ህንዲ ፕሪያንካ ቾፕራ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ጀሚራ

ውርይቲ ተዋሳኢት ህንዲ ፕሪያንካ ቾፕራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውርይቲ ተዋሳኢት ህንዲ ፕሪያንካ ቾፕራ፡ ፕሮግራም ትምህርቲ ውድብ ሕቡራት -ዩኒሴፍ ንምልላይ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወትን ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ከም እትበጽሕን ተፈሊጡ'ሎ።

ኮኾብ ተዋሳኢት ቦሊዉድ-ህንዲ፡ ፕሪያንካ ቾፕራ ብሳዕስዒት ኢትዮጵያ 'ከም ዝተመሰጠት' ሓቢራ።

ኣብ ኢንስታግራማ ዝጠቀዐቶ ቪድዮ ድማ ባህላዊ ሳዕስዒት ኢትዮጵያውን ክትስዕስዕ የርእይ። በዚ ክእለት ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሰሓበት'ውን ገሊጻ።

Skip Instagram post, 1
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post, 1

እታ ጓል 36 ዓመት ተዋሳኢት "ዋላ'ኳ ጽቡቕ ክስዕስዕ እንተዘይከኣልኩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ተሞክሮ ግን ምስ ኢትዮጵያ ዘቀራርባ ከም ዝኾነ ሓቢራ።

"ሳዓስዒት ወሳኒ ክፋል ባህሊ ኢትዮጵያ እዩ። ዋላ'ኳ ብቛንቋ ክንረዳዳእ እንተዘይከኣልና፡ እቲ ሳዕስዒት ግን ምስ'ዛ ሃገር ስጡም ምትእስሳር ክህልወኒ ገይሩ" ኢላ።

Skip Instagram post, 2
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post, 2

ቾፕራ፡ ፕሮግራም ትምህርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ ንምልላይ ትማሊ ሰኑይ ናብ ኢትዯጵያ ምእታዋ ተፈሊጡ።

ንሳ፡ ኣብ ዩኒሴፍ ኣምባሳደር 'ሰናይ ተግባር' ኮይና ንተመሳሳልቲ ዕላማታት ምስቲ ኤጀንሲ ህጻናት ትነጥፍ።