ኣልኮላዊ መስተ ንዕድመና ብኸመይ ይጸልዎ?

ደረቕ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ቢራ ወይ ወይኒ ዝሰትዩ ሰባት ቀልጢፎም ናይ ምእራግ ሓደጋኦም ዝለዓለ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደረቕ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ቢራ ወይ ወይኒ ዝሰትዩ ሰባት ቀልጢፎም ናይ ምእራግ ሓደጋኦም ዝለዓለ እዩ

ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንጥዕናና ጽቡቕ ከምዘይኰነ ንምፍላጥ ተመራማሪ ምዃን ኣይሓትትን። ሳይንስ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ መርገጺ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንጹር እዩ።

ይዅን'ምበር ሕጂ'ውን መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ኣለዉ።

ኣልኮላዊ መስተ ብልክዕ እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል? እንፈትዎም ዝተወሰኑ ዓይነታት መስተ'ኸ ገለ ረብሓታት ክህልዎም ይኽእል ድዩ?

ኣልኮላዊ መስተ ንኣካላትና ብኸመይ ከም ዝጸልዎን ከምኡ'ውን ብኸመይ ክኣርግ ከምዝገብሮም ዝያዳ ብርሃን ዝህብ ሓደ መስመር መጽናዕቲ ግን ይቕልቀል ኣሎ።

ብዛዕባ ዕድመ ክለዓል እንከሎ ድማ ምስቲ 'ኣብ ናይ ልደት ኬክና ዝውላዕ ብዝሒ ሽምዓታት' ጥራይ ዝተኣሳሰር ኣይኰነን።

ቅደም ተኸተል ዕድመ፡ ነቶም ንዝነበርናዮም ዓመታት ዝቖጽር ክኸውን እንከሎ፡ ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ግን ብደረጃ ዋህዮታት ዘሎ ስራሕን ሓደጋ ሕማምን እዩ ዝግምግም።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ንስነ-ህይወታዊ ዕድመና ንምግምጋም ሓያሎ ሜላታት'ኳ ኣማዕቢሎም እንተዀኑ፡ ካብዚኦም እቶም ክልተ ግን፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ጕድኣት ኣካላት ዘለዎ ምትእስሳር ዘርእዩ ድልዱል መርትዖታ ኣጕሊሖም እዮም። እዞም ሜላታት ንውሓት ቴሎሜርን ዕድመ ኤፒጀነቲክን እዮም።

ንውሓት ቴሎሜር (telomere length - ወይ TL) ንውሓት ናይቶም ኣብ ጫፋት ክሮሞዞም ዝርከቡ ኮድ ዘይገብሩ መስርዕ ዲኤንኤ ዝዕቅን እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ሓደ ፍጡር ኣብ ዝተወሰነ ህሞት እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ዘመለክት መለክዒ ኰይኑ ከም ምልክት እርጋን የገልግል። ሓጸርቲ ቴሎሜር፡ ዕድመ ምድፋእን ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን የመልክቱ።

ዕድመ ኤፒጀነቲክ (epigenetic age) ድማ መለክዒ ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ሓደ ውልቀሰብ እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ምስ ቅደም ተኸተል ዕድሚኡ ምንጽጻር ዘኽእል መንገዲ እዩ።

ስለዚ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ነዞም ክልተ መለክዒታት ብኸመይ ክጸልዎም ይኽእል?

ኣልኮላዊ መስተ ዲኤንኤና ንጉድኣት ክቃላዕ ይገብር

እዚ ኵሉ ሰብ ዝምነዮ ነገር ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ቴሎሜር ሰሚዕኩም ዘይክትፈልጡ ትኽእሉ፡ ግን ወሳኒ ክፋላት ሰረታዊ ኣቃውማና እዮም። እዞም ተደጋጋምቲ መስርዕ ዲኤንኤ ንጫፋት ክሮሞዞማት ብምሽፋን፡ ኣብ እዋን ምብዛሕ ዋህዮታት ከይጉዳእ ይከላኸሉ።

ይዂን'ምበር፡ ዋህዮታት ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዳሕ ኣብ ዝፈጥሩሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን ሓደ ክፋል ቴሎሜር ይጠፍእ፤ ኣዝዮም እንተሓጺሮም ድማ፡ ዋህዮታት ድሕሪ ደጊም ክመቓቐሉ ስለ ዘይኽእሉ፡ ካብ ምሟት ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኣይህልዎምን።

"ምስ ግዜ እዞም ቴሎሜራት ብሰንኪ እቲ ዘይምሉእ መስርሕ ምቕዳሕ በብቑሩብ ይሓጽሩ'ዮም" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣማኻሪት ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ዝዀነት ኣንያ ቶፒዋላ። "ስለዚ ኣካላዊ ንውሓት ናይዞም ቴሎሜራት ከም ቅዳሕ ምድፋእ ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም።"

ብመሰረቱ፡ ቴሎሜርና ብዝተኻእለ መጠን ንነዊሕ እዋን፡ ብጽቡቕ ኵነታት ክንዕቅቦም ይግባእ። ሓጺር ንውሓት ቴሎሜር ከም ኣልዛይመርስ፡ መንሽሮን ሕማም ሻምብቆታት ደምን ዝኣመሰሉ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ሕማማት ምትእስሳር ከምዘለዎ ተረጋጊጹ'ዩ።

ኣብ 2022 ቶፒዋላን ካብ ኦክስፎርድ ፖፑሌሽን ሄልዝ ዝመጸት ጉጅለኣን፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣብ ንውሓት ቴሎሜር ዘለዎ ጽልዋ ንምርኣይ ኣብ 245 ሽሕ ተሳተፍቲ መጽናዕቲ ኣካይዶም።

"ሰባት ዝያዳ ብዝሰተዩ መጠን፡ እዞም ቴሎሜራት ከምዝሓጸሩ ረኺብና። ስለዚ፡ እቲ መደምደምታ ኣልኮላዊ መስተ ምድፋእ ስነ-ህይወታዊ ዕድመ የስዕብ'ዩ" ትብል ቶፒዋላ።

ሰሙናዊ 14 ሚእታዊት ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ልዕሊ ዓሰርተ 250 ሚሊ ሊትር ብርጭቆ ወይኒ ምስታይ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝኸውን ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር ለውጢ ንውሓት ቴሎሜር የስዕብ።

ጸገም ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበሮም ውልቀሰባት ድማ፡ ካብ 3 ክሳብ 6 ዓመት ዝያዳ ዕድሞም ደፊኡ።

ዝያዳ ዝጎድኡ ዓይነታት ኣልኮላዊ መስተ

መስተ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዕድመ ኤፒጀነቲክ ኣስታት 100 ስነ-ህይወታዊ ምልክታት ተጠቒሙ 'ዲኤንኤ ሜቲለሽን' ይግምግም፤ 'ዲኤንኤ ሜቲለሽን' ምስ እርጋን ብቐረባ ምትእስሳር ዘለዎ መስርሕ'ዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖርዝዌስተርን ፕሮፌሰር ምክልኻል ሕክምና ዝዀነ ዶክተር ሊፋንግ ሆው፡ "ኤፒጀነቲክስ ኣብ መንጎ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ጽኑዕ ዲኤንኤናን እቲ እንነብረሉ ኵሉ ግዜ ኣብ ለውጢ ዝርከብ ከባቢናን፡ እንተላይ ኣነባብራና ዘሎ መተሓላለፊ'ዩ" ትብል።

እርጋን ኤፒጀነቲክ ብተዛማዲ ሓድሽ መለክዒ እኳ እንተዀነ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ጥዕና ዘይብሉ ባህርያት ኣነባብራ ዘንጸባርቕን ብኣግኡ ዝርአ መጠንቀቕታ ሕማም ክኸውንን ከምዝኽእል ተገንዚቦም ኣለዉ።

ኣብ 2023 ሆውን ጉጅለኣን፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ዘለዎ ጽልዋ ዝግምግም መጽናዕቲ ኣሕቲሞም ነይሮም። "መጽናዕትና ኣብ ጉጅለ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ሕማም ዘይብሎም ጥዑያት ሰባት ዘተኮረ ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ተሳተፍቲ መልሚልና ን35 ዓመታት ኢና ተኸታቲልናዮም" ትብል።

እዚ መጽናዕቲ'ዚ እውን፡ ንኣልኮላዊ መስተ ዘለና ውህሉል ተቓላዕነት፡ ስነ-ህይወታዊ ዕድመና ንክብርኽ ዝገብር ምዃኑ ዘረጋገጸ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ሰባት ዕድሞም ንእሽቶ ብዝዀነ መጠን፡ ሳዕቤናት እርጋን ከምዝብርኽ'ውን ኣመልኪቱ'ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣልኮላዊ መስተ ዘስዕቦ ጽልዋ እርጋን፡ ብዕድመ ብዝነኣስና መጠን ክብ ይብል።

ካልእ ሆውን ጉጅለኣን ዘረጋገጽዎ መሳጢ ርኽበት፡ ጽልዋ ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ዝምልከት'ዩ።

ብመሰረት'ቲ ርኽበት፡ ደረቕ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ቢራ ወይ ወይኒ ዝሰትዩ ሰባት ቀልጢፎም ናይ ምእራግ ሓደጋኦም ዝለዓለ እዩ።

"ብዙሕ እንተሰቲኹም፡ ወይ ብፍላይ ብድምር ብዙሕ ደረቕ ኣልኮል እንተሰቲኹም፡ ስነ-ህይወታዊ ዕድመኹም ብቕልጡፍ ክብርኽ'ዩ" ትብል ሆው።

ንኣልኮላዊ መስተ ዘለና ውህሉል ተቓላዕነት፡ ስነ-ህይወታዊ ዕድመና ንክብርኽ ዝገብር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንኣልኮላዊ መስተ ዘለና ውህሉል ተቓላዕነት፡ ስነ-ህይወታዊ ዕድመና ንክብርኽ ዝገብር'ዩ

ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ንድሕሪት ክምለስ ይኽእል'ዶ?

ኣብ ዙርያ'ዚ ጉዳይ ጽቡቕን ሕማቕን ዜና ከምዘሎ ቶፒዋላን ሆውን ይጠቕሳ።

እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ስነ-ህይወታዊ እርጋን ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ ክምለስ ይኽእል እዩ።

እቲ ሕማቕ ዜና ድማ ብተግባር ብሓቂ ብኸመይ ክምለስ ከምዝኽእል ኣይፍለጥን።

"ምድሓን ቴሎሜር ክህሉ ዝኽእለሉ ተኽእሎ ኣሎ፡ ብደረጃ ክልሰ-ሓሳብ። ነዚ ዝረጋገጸ መጽናዕቲ ግን የለን" ትብል ቶፒዋላ።

ሆው'ውን ብወገና፡ "ዲኤንኤና ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ዝተፈላለዩ ኬሚካላት ብምጥቃም ግን ንንጥፈት ዲኤንኤና ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ከም መወልዒን መጥፍኢን ኰይኑ የገልግል'ዩ" ክትብል ትውስኽ።

ንስነ-ህይወታዊ ዕድመ ንድሕሪት ምምላስ ብተግባር ይከኣል ድዩ ኣይከኣልን ብዘየገድስ ግን፡ ሓደ ነገር ርግጽ እዩ፤ እንሰትዮ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ምንካይ ወይ መስተ ምቁራጽ ነቲ መስርሕ እርጋን የደናጉዮ እዩ።

ክልቲኦም መጽናዕትታት ዝያዳ ምስታይ ዝኸፍአ ምዃኑ እዮም ዝጠቕሱ። መጽናዕቲ ሆው ድማ ደረቕ ኣልኮላዊ መስተ ብፍላይ ሕማቕ ምዃኑ የመልክት።

ይዅን'ምበር ክልቲኦም መጽናዕትታት፡ ማእከላይ ኣሰታትያ ምስ እወታዊ ጽልዋ ምትእስሳር ከምዘለዎ ኣየረጋገጹን።

"ኵሉ ጉድኣት ዘለዎ ይመስል" ትብል ቶፒዋላ።

ሆው እውን ምስ'ዚ ትሰማማዕ።

"ማእከላይ መጠን ቀይሕ ወይኒ ምስታይ ንጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን ጠቓሚ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሕብሩ መጽናዕትታት ነይሮም'ዮም፡ ኣብቲ ዝኣከብናዮ መረዳእታ ግን እዚ ንመስርሕ እርጋን ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ከምዘዝሕሎ ዝሕብር መርትዖ ኣይረኸብናን። ዝዀነ ጠቓሚ ውጽኢት ኣይረኣናን" ትብል።